ሙሉእነት ዘማዕደወ ጅማሮ ይኹን !!

ልዕሊ 2 ሺሕ እሱራት ወገናት ምሕረት ተጌሩሎም ተፈቲሖም ዝብል ጥዑም ደሃይ ይስማዕ ኣሎ ፡፡ ኣነ እዚ ውሳነ’ዚ ብፍላይ ከም ጅማሮ እንተኾይኑን ናብ መንገዲ ምሕረትን ሕድገትን ዝተበገስናሉ ፍፃመ ምኳኑ እንተዝንገረናን ብዝግባእ መስተማቐርክዎ
ንእሱራት ምሕረት ምግባር ሓድሽ ነገር ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ፡፡ ይግበር ስለዘሎ ከም ሃገርና ንኹን ኢልካ እውን ናይ ህንፀት ግዚኦም ክውድኡ ንዝቐረቡ ሰባት ብምፍታሕ ፖለቲካዊ ፀወታ ምፅዋት ኣይኸብድን ፡፡

ስለዚ እዚ ውሳነ’ዚ ዝተበገሰሉ ዕላማ ብውነ ዝተሓሰበሉ ክኸውን እትስፎ ፡፡ እዚ ምሕረትን ሕድገትን ዓሚቑን ሰፊሑን ካብ ህልኽን ድርቅናን እንናገፈሉ ኣተሓሳስባ ዝዕምብበሉ ክኸውን ኢና ድማ ትፅቢት ንገብር።

ኣብ መንጎና ምሕረትን ሕድገትን ይግባእ እንብለሉ ምኽንያት ብህልኽን ብድርቅናን ዝኸፈልናዮ ዋጋ ስለዘይንስሕቶ እዩ ፡፡ ፖለቲከኛታትና ተኣምር ብዘበለ ታሪኽ ኣብ ዘግሃድዎ መድረኽ ኮይኖም ኣፈላላይ ዘአንገድሉ መንገዲ ቡኡነት ሕዚ ክሓንኩሉ ይግባእ ፡፡ እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ከሳድዶን ከቆናፅቦን ፡ እቲ ኻልእ ነቲ ኻልእ ክድህሎን ከሸማቕቆን ዝባኸነ ግዜ ጥንካረና ቀስ ብቀስ ክሽርሸር ፡ ገበናና ወፅዩ መስሓቕ ሸራፋት ኽንከውንን ኽንነዓቕን ገይሩና እዩ ፡፡

ሕዚ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኢና ዘለና ፡ ህዝቢ ትግራይ ብዝተዓፃፀፈ ፃዕሪ ዝመርሖ ሓይሊ ይደሊ ኣሎ ፡፡ካብ ትማሊ ብዘይቀልዓለም ዝመሃር ፡ ሕዚ ንዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ብህድኣት ዘስተውዕልን ንፅባሕን ድሕሪኡን ቀዲሙ ዝእምትን ዓቕሚ ይጠልብ ኣሎ ፡፡ ንስለ ጥፍኣትናን ውድቀትናን ተንኮል ክፈሓስ ይወዓልን ይሕደርን ስለዘሎ ንሓድነትን ስምረትን ቀዳምነት ምሃብ ነዞም ዕዮታት እትፍፅመሉ ፍርቂ መንገዲ ዳርጋ ምጉዓዝ’ዩ ዝቑፀር ኢልካ ምእማን ጠቓሚ እዩ ዝኸውን ፡፡

ስለዚ ” ኣፈላላይ እነተኣናግደሉ ባህሊ ምቅያር*  ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ንዝተፈፀሙ መነወሪ ተግባራት ንክብሪን እዋናዊ ጠለብን ህዝቢ ትግራይ ኢልካ ብዘይ ዋጋ ዕዳጋ ምቕባልን ” ሕዚ ቁመናኻ ምስ ህርመት ልቢ ህዝቢ ትግራይ ምስናይን ይግባእ።

ከምዚ ዓይነትድልዉውነት ምስዝህሉ እዩ ምፍታሕ እሱራት ወገናት ብሙሉእነት ትርጉም ዝህልዎን ኣብ ስምረትን ሓድነትን ዝሽረፍ ቁምነገር ዝርከቦን … ከም ድምሩ  ድማ ሎሚ ፅባሕን ድሕሪኡን ዝተፈሓሰ ተንኮል ይፈሓስ ሰዓራይነቱ ኣብ ዘውሓሰ ጉዕዞ ጥራይ ዘትከለ ዋኒን ይህልወና።

(  ዮሴፍ ኪዳነ )

ብተራ ስብከትን ሆይ ሆይን ዓዲ ኣይምራሕን !!



ኣብ ሃገርና ቅድሚ ሰለሰተ ዓመት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክሳዕ ሐዚ ግቡእ መፍትሒ ረኪቡ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ እቲ ቀንዲ ናይቲ ፀገም ምንጪ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ፖለቲካዊ ቁመንኡ ብምሽርሻሩ ሃገር ምምራሕ ኣብይዎ ብተፈጠረ ናይ መሪሕነት ጉድለት ናብ ዘየድሊ ቅልውላው ክትኣቱን ፖለቲካዊ ገፅታ ሃገርና ክሳዕ ምብልሻው ዝከይድ ዘይምዕሩይ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ፡፡

ናይ ባዕላ ሰላም ሓልያ ናይ ካልኦት ሰላም ኣብምርግጋፅ ብዝለዓለ መንገዲ እትነጥፍ ዝነበረት ሃገር ሰላማ ደፍሪሱ ህዝብታታ ብዝተፈለላየ መንገዲ ካብ ዝነብርሉ ቦታ ዝፈናቀልሉን ሰሪሖም ብሰላም ናብ ገዝኦም ንምምላስ ውሕስና ዝስእንሉን ኩነታት ብምፍጣሩ ንነዊሕ እዋን ብህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ትምራሕ ዓዲ ኮይና እያ ዘላ ፡፡

እቲ ዝነበረ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ከም ውፅኢቱ ሓዱሽ ጠቅላይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ዝመፅሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ምናልባት ለውጢ ዶኾን ይመፅእ ዝብል ሓድሽ ተስፋ ኣሕዲሩ ንቲ ሐዚ ዘሎ ክስተት ብዝለዓለ ትኩረት ዝከታተለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ ፡፡

ብተግባር ክሳዕ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ኣካያዳ ግና ነቲ መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ፀገም ናይ ሰናይ ምም/ር  ሽግር ዝፈትሕ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናይ ዓሚቅ ድኽነት ብፍላይ ኣብዝሐዚ እዋን ዓይኒ ኣፍጢጡ ዝረአ ዘሎ ስራሕ ዝእነትን ናብራ ናይ ምኽባርን ብዓዲ ደረጃ ነግነግ ዘብል ዘሎ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሕፅረትን ካልኦት ናይ ዴ/ክራሲን ናይ ሰላምን ሕቶታት ብመሰረቱ ዝፈትሕ መደብ ወፂኡ ከም ሃገር ናይ ሓፂርን ማእከላይን ጊዜ ፕላን ተቀሚጡ ናብ ጭቡጥ ለውጢ ዝወስድ ምንቅስቃስ ኣብ ክንዲ ምጅማር ነዙይ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ካልኦት ዘይመሰረታዊን ነቲ ቀንዲ ስራሕኻ እናሰራሕካ ጎኒ ንጎኒ ክስርሑ ዝክእል ገሊኦም ንርካሽ ተቀባልነት ንምርካብ ጊዜን ሃፍቲ ዓዲ ብዘባክን መንገዲ ዝፍፀሙሉ ኩነታት ከምዘሎ ብተግባር ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ እዩ ፡፡

ናይቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መበገሲ ብቀንዱ ድኽነት፣ ስእነት ሰናይ ምም/ርን ምጉዳል ዴ/ክራሲን ክሳዕ ዝኮነ ነዙይ ብመሰረቱ ክሳዕ ዘይፈታሕኻ ፆሙ ዝሓድርን ዝውዕልን ዜጋ እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ሃገር ኮይንካ ሙሩፃት ቃላት እናደርደርካ ተተዛረብካዮ ንዑዑ ዝፍይደሉ ነገር የለን ፡፡

ስለዚ ናብቲ ስልጣን ብዝመፃእካ ምፃእ ካብታ ስልጣን ዝሓዝካላ እዋን ጀሚሩ እንታይ ዝኣክል ኣብ ናይ ዜጋታት ሂወት ብተግባር እትረአ ለውጢ ኣምፂእካ እዩ ንሓደ መራሒ እቲ መሰረታዊ መምዘኒኡ ዝኸውን ፡፡ ብመሰረቱ ኣብዚክልተ ወርሒ ዘይመልእ ጊዜ ዓብይ ለውጢ ክመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ እኻ ተዘይኮነ እቲ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛን ኣጀማምራን ትኩረትን እንትምዘን ግና ኣብ ሆይ ሆይን መን እንታይ ተዛረበን ናይ ዘረብኡ ቁመትን ወርድን እናለካዕኻ ንሰማዒ ብዘድንፁ መንገዲ ዝጠፍእ ዘሎ ጊዜን ዝባክን ዘሎ ሃፍቲን እቲ ጉዕዞ ናበይ ይከይድ ኣሎ ንምምዛኑ ዘፅግም ኣይኮነን ፡፡

በዚ ኣካይዳ እዙይ መንግስቲ ክዓሞ ዝግባእ ስራሕ ብቅልጡፍ ዓሙሙን ተጨባጢ ለውጢ ከምፅእ እንተዘይኪኢሉ ናብቲ ዝነበረ ፀገም ምምላስና ዘይተርፍ እዩ ፡፡ ሰለዚ ሐዚ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን እየ ዝብል ሓይሊ ካብ ተራ ስብከትን ሆይ ሆይን ወፂኡ መሰረታዊ ሽግር ዝፈትሕ መደብ ኣውፂኡ መላእ ህዝብን ነዙይ ዝመርሕ መሓውርን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናብ ምንቅስቃስ ብምእታው ለውጢ ክመፅእ ኣበርቲዑ ክንቀሳቀስ ተዘይኪኢሉ ወርቃዊ ጊዜ የባክን ከምዘሎን ንሱ’ውን ከምቶም ዝሐለፉ ብህዝቢ ፍርዱ ከምዝረክብ ብግቡእ ክርድኦ ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ ፡፡

(  ፍስሃ መረሳ )

ተጋዳላይ ኣለም ገብረዋህድ ብዛዕባ ሰብ ሕድሪ፣ ዓረናን ኣግኣዝያንን እንታይ እዩ ኢሉ?!

የርድእ ዝቐበረ፣ ይመስክር ዝነበረ፤ እዩሞ እስኪ እቲ ሓቂ ክንነግረኩም፡፡

ሓቂ ሓደ፣

ተጋዳላይ ኣለም ሰብ ሕድሪ ዝብሃል ሽም ኣየልዓለን፡፡ ብሽም ሲቪክ ማሕበር ፖለቲካዊ ዝመስል ምንቅስቓስ ዝገብሩ ኣካላት ከምዝለዉ ግን ተዛሪቡ፡፡ እዚ እንትዛረብ ፀላእቲ ፈተውቲ ዝብል ሽም ኣይሃበሙን፡፡

ሓቂ ክልተ፣

ዓረና እውን ነቲ ዝነበረን ሕዚ እውን ዘሎ ወድዓዊ ምንቅስቓሶም መሰረት ገይሩ ሽሞም እንተልዕሎም ብፈታዊ ኮነ ብፀላኢ ዝብሃል ሽም ኣይፀወዐሙን፡፡

ሓቂ ሰለስተ፣

“ኣግኣዝያን ከመይ ኢና እንሪኦ”? ዝብል ሕቶ ኣብቲ መድረኽ ካብ መናእሰይ ቀሪቡ፡፡ ተጋዳላይ ኣለም፣ “ብመሰረቱ ኣግኣዝያን ኤርትራውያን ዝመስረትዎ ምንቅስቓስ እዩ፡፡ ነዚ ኣተሓሳስባ ዝቕበሉ ገለ ኣካላት ኣብ ዓድና እውን ንርኢ ኣለና፡፡ እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሓዉ ህዝቢ ኢትየጵያ ብምፍላይ ምስቲ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዝነብር ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ክንሓውሰካ ኢና እዮም ዝብሉ፡፡ ምስ ኤርትራ ብሙሉኡ እውን ኣይኮነን፡፡ ናይዚኦም ተልእኾ ብመሰረቱ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሉ ንምንፃል ዝዓለሙ ሰባት እዮም፡፡ ስለዚ እዚ ምንቅስቓስ ሓደገኛ ስለዝኾነ ነዚ ብኣግባቡ ተረዲእኹም ቃልሲ ክተካይድሉ እዩ ዝግባእ” ኢሉ፡፡

ድምር ፖለቲካዊ ትንተና ተጋዳላይ ኣለም ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት እዚ እዋን፣

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኣብ መንጎ እቲ ወያናይ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ ሓይልን ፅግዕተኛ ኣካቢ ክራይን ዝካየድ ዘሎ ግጥም እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እቶም ናይ ደገ ፀላእቲን ኒዮ ሊብራል ሓይልታትን እውን ምስቲ ፅግዕተኛ ኣካቢ ክራይ ዝድረብሉን ነዚ ዝድግፍሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ናይዚኦም ቀንዲ ዕላማ ካብ ናቶም ድሌት ተበጊሶም ነቲ ኣብዚ ሃገር ተሃኒፁ ዘሎ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምፍራስ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ብግልፂ ኣብዚ ሃገር ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ሓይሊ ዓብይ ግጥም እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ኣብ መንጎ ካልእ ኣሰላልፋ የለን፡፡

እቲ ፅግተኛ ሓይሊ ኣብቶም ዝሓለፍናዮም ዓመታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሃገርና ዕርግር ንኽፍጠር በዚ ኣቢሉ እውን ነቲ ስርዓት ከፍርስ ዓብይ ስራሕ እናሰርሐ መፂኡ ኣሎ፡፡ ሕዚ እቲ ስርዓት ክፈርስ እተድኣ ኮይኑ ትግራይ ማእኸል ዕርግርን ህውካትን ክትከውን ባህጊ ኣለዎ፡፡ ዝተጀመሩ ነገራት እውን ንርኢ ኣለና፡፡

ትግራይ ማእኸል ዕግርግር እንተድኣ ዘይኮይና እቲ ስርዓት ክፈርስ ኣይኽእልን ዝብል ገምጋም ገምጊሞም እዚ ንምትግባር ካብ ምድላዋት እውን ዘሊሎም ገለ ተግባራት እውን ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ ነዚ ክቕበሉ ዝኽእሉ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ድማ ንርኢ ኣለና፡፡ ኣብነት ዓረና ናይዚ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ኣብ ካልኦት እውን እዚ ብከቢድ ዋጋ ዝሃነፅናዮ ስርዓት ከይፈርስ ጥቡቕ ስራሕ ክነስርሕ ኣለና፡፡ ንስኹም ነዚ ኩነታት ብኣግባቡ ተረዲእኹም ዝግባእ ቃልሲ ክተካይዱ ኣለኩም፡፡ እቲ ቃልሲ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን፤ ይኹን እምበር ነቲ ወያናይ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ኣጥቢቕና ብምሓዝ ዝተዋደደን ጠንካራን ቃልሲ ኣካይድና ነቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ክንስዕሮ ኢና ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ፡፡

እሞ ተጋዳላይ ኣለም ሓቁ ድዩ ወይስ ተጋግዩ?
ግርም እባ ገይሩ! ነቲ ሓቂ ብዝግባእ ኣውፂኡ እባ ክገጥሙና ዝኽእሉ ፈተናታትን ክንክተሎ ዝግበአና ኣንፈት ቃልስን ኣብሪሁ፡፡ እዚ ብምባሉ ንምንታይ ይውቀስ? ኣብ ልዕለይና ኣንፀላልዩ ዘሎ ፈተና ቀሊል ድዩ? ነዚ ብኣግባቡ ተረዲእና ቃልሲ ምክያድ ኣየድልየናን ድዩ፡፡ እሞ ብሽም ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ክግዘትን ክምሕልን ዝውዕል ሰብሲ በዛ መደረ ተጋዳላይ ኣለም ከመይ ይኸፍኦ? ዋኒኑ ጉዳይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝኾነ ሰብ እቲ ብመስዋእትና ዝሃነፅናዮ ስርዓት ትግራይ ማእኸል ህውከት ብምግባር ከፍርስዎ ይህቅኑ ኣለዉ እሞ ነዚ ተረዲእኹም ብንቕሓት እናተኸታተልኩም ቃልሲ ኣካይዱ ኢሉ ንኣባላቱ መልእኽቲ ንዘሕለፈ ናይ ውድብ መራሒሲ ብኸመይ መንገዲ እዩ ተኸሳሲ ክኸውን ዝኽእል?

ኣብዚ ኣብ ትግራይ ብጭቡጥ ነቲ ወያናይ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምንቁሻሽ ዝውዕሉ ሰባት ኣይንርእን ዲና ዘለና? ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕለና ዘተዋደደ ናይ ፀላእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ትግራይ ብዞባን ወረዳን ክኸፋፍሉ ላሕ ዝብሉ ኣካላት ኣይንርእን ዲና ዘላና? ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ከ ምድግጋፍ ኣየነስተውዕልን ዲና ዘለና? እዚ ስለዝኾነ እውን እኮ እዩ ብሓባር ፈኸራ ዝካየድ ዘሎ፡፡

ስለዚ ኣነ ድማ ይብል፤ ውድብና ናብ ዘይተደለየ ፈተናታት ትኣቱ ዘላ ከምዚ ዝበለ ግልፂ ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሕቲ ይውሕዱ ስለዘለዉ እዩ፡፡ ኣብ ዙርያ መለሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈትና ዝግባእ ምርድዳእ ስለዝውሕደና እዩ ብትሕቲ ዓቕምና ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሽንፈት እውን እንኣቱ ዘለና፡፡ ስለዚ ተጋዳላይ ኣለም እዚ ጀሚርካዮ ዘለኻ ግልፅነት ዝተመልኦ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ደኣ ቀፅለሉ እየ ዝብል፡፡

* * * * * *

እዚ ፅሑፍ ናይ  ኣባዲ ገ/ስላሴ ኣባል ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን እዩ ። ኣብዚ ዛዕባ ካሊእ ሪኢቶ ወይ ሓሳብ ዘለዎ ወገን ዘለዎ ፅሑፍ ከቅረብ ይኽእል እዩ ።

ደብርፅ እንተይ ወዓለ እንተይሓደረ ክገብሮ ዝግበኦ !!


ብAbreha Hailezgi
ክፍሊ ክልተ:-

ህዝቢ ትግራይ እንተስ በቲ ዝነበረ ኩነታት ኮነ በቶም ቅዱማት “መራሕቱ”(ገዛእቱ ምባል ዝቐልል ይመስለኒ) ኣዝዩ ተማሪሩ ስለ ዝነበረ ወይ ካዓ “እንታይ ከ ካሊእ መማረፂ ኣለኒ ንግዚኡ” ካብ ዝብል ክኾን ይኽእል ወይ ድማ ኣነ ዘይተረደአኒ ካሊእ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል፥ ብዝኾነ ግን ዶ/ር ደብረፅዮን ናብ ትግራይ ያ መፂኦም ካብ ዝብሃል ቁፅሩ ዘይንዓቕ ሰብ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ደብርፅ ልዑል ተስፋ ዘሕደረ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ፡፡

ብርግፅ ደብርፅ ብውልቅኡ ኣዝዩ ሃርኳት ሰራሕተኛ፥ ቅኑዕ፥ ሓቀኛ፥ ኣስፊሑ ዓማማይ(ambitious)፥ ጠልቆምቆም ዘይብል፥ ብቑዋሙ ተሪር ወዘተ ከም ዝኾነ ብዙሓት ንኡኡ ዝፈልጡ ሰባት ይምስክርሉ እዮም፡፡ ኣነ ብውልቀይ እኳ ብዙሕ ኣይፈልጦን፡፡ እንተነኣሰ ግን ብጣዕሚ ንፉዕ ተምሃራይ ምንባሩ(ነይሩ ጥራሕ እንተይኮነስ ሀዚ እውን ኣብቲ ብትምህርቲ ክብፃሕ ዝኽእል ላዕለዋይ ብርኪ ብምብፃሕ ኣመስኪሩ እዩ)

ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መዝታት ፌደራል መንግስቲ ብምንባሩ ዘጥረዮም ዓቕምታት፥ ክእለታትን ሃገራውን ዓለም-ለኻውን ፍልጠት ናይ ምርካብ ዕድንልን(exposure) ብድምር ዝሓዘ ብምዃኑ ብውልቅኡ እንተወሲደ ብተነፃፀሪ ኣዕርዩ ዝሐሸ ክኾን ከም ዝኽእል ኣነ እውን ክግምት ይኽእል እየ፡፡ እዙያት ኩሉ ግን ዕውት መራሒ ንኽትከውን ናይ ግድን ውሕስና ኣለዎ ማለት ኣይኮነን፡፡ ግን ካዓ ወሳኒ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ካብዙይ ብምብጋስ እየ እምባኣር ደብርፅ ኣብ ሓደ ሓደ ርኡያት ዝኾኑ ዕማማት እንተነጢፉ ተስፋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ብምባል እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ ኢለ ክፅሕፍ ዝኸኣልኩ፡፡ ኣብዙ ሐዚ ሰዓት ካሊእ ጭቡጥ ትግራዋይ ሓይሊ ክሳዕ ዘየለ ድማ እንተነኣሰ ናብ ሽግግር ክወስደና ዝኽእል(ተበግሶ እንተሃልዩ) እቱ ንሱ ዝመርሖ ውድብን መንግስትን እዩ ኢለ ይኣምን፡፡

ተወዲባና ብምቅላስ ጠንካራ መማረፂ ሓይሊ ትግራይ ክሳዕ ንፈጥር እውን ህወሓት ዝተወሰነ ፅገናታት እናገበረት ሰለይ ክትብል ንደሊ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ደብርፅ ኣብዘን ዝሲባ ኣድሂቡ ብህፁፅ እንተዝሰርሕ ዝብል ለበዋ የቕርብ ብወገነይ:-

ሓደ:  ፣

ከተማታትና ሙሉእ ብሙሉእ ሞያን ዓቕምን(merit) ቱኽረት ዝገበረ ኣመራርሓ ይመደበለን፡፡ ብፍላይ ድማ ከተማ መቐለ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ዘይንኣኣስ ዓቕሚ ዘለዎ እሞ ድማ ፍቱን በዓል ሞያ ከንቲባ ክትረክብ ይግባእ፡፡ ኣብ ገፀር ወረዳታት ክህልዋ ዝኽእላ መደባት ውሑዳትን ቀለልትን እየን ዝብል እምነት ኣለኒ፥ ስለዝኾ ድማ እዙይ ዝብሃል ንምሕድራ ዘፅግም complexity የለን፡፡ ምምሕዳር ከተማ ግን ብብህሪኡ ዝተፈለየን ብዙሓት ጠለባት ዝሓቱ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ማሕበረሰብ ዝነብርሉን ምስ ምዃኑ ነዙይ ዝምጥኑ ብኹለመድያዊ ብቕዓቶም ዝተመስከረሎም ሰባት ክምደቡ ኣለዎም ይብል፡፡

ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንምርካብ ከምቲ ዝተለመደ ካብ ውሽጢ ፑል መሪሕነት እቲ ውድብ ምእላሽ ናይ ግድን ኣይኮነን፡፡ ካብቲ ልሙድ ኣካይዳ ውፅእ ምባል ከድሊ ግድን እዩ፡፡ እዚኣ ምግባር ድማ ከምውድብ እታ ዝነኣሰት መስዋእቲ እያ መስዋእቲ እንተተባሂላእኳ፡፡

ክልተ ፣

ሓለፉ 30/40 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ብርክታት ሓልፍነት(ካብ ክፍሊ ህዝብነት ጀሚሮም) ይሕመቕ ይፀብቕ ንህዝቦም ዘገልገሉ ሐዚ እውን ግን ኣብ ቁልፊ ሓላፍነታት ዘለዉ ተጋደልቲ ብኽብሪ ብመልክዕ ‘ጥሮታ’ ክተሳናብት ይግባእ ደብርፅ፡፡ እዞም ሰባት እዚኦም ዋላ እኳ ክሳዕ ሐዚ በታ ዘላቶም ዓቕሚ ንህዝቦም ብምግልጋሎም ክብርን ኣድናቖትን ዝግበኦም እንተኾነ(እንተነኣሰ እቶም ቅኑዓት ይግበኦም እዩ) ሐዚ ግን ነቲ ዘበን ዝምጥን ዓቕሚ ኮነ ኣርኣእያ ክህልዎም ስለ ዘይኽእል(ከም ዘይብሎም ድማ በቢ ቦትኡ የመስክሩ ኣለው) ካብ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ክገልሱ ይግባእ፡፡

ኣብ ክንድኡ ካብ ውሽጢ ኣብላት እቲ ውድብ ተስፋ ዘለዎም መናእሰይ ሙሁራት እቲ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ክሕዙ ይገበር፡፡ ህወሓት ከባቢ 800 ሽሕ ኣባለት ከም ዘለውዋ ይዝረብ እዩ፥ ካብዙ ኹሉ ኣባል ድኣ እሞ ከመይ ኢሉ ዝምጥን ሰብ ተሳኢኑ ይብሃል እቲ ቅንዕና እንተሃልዩ? ሐዚ እውን ከምቲ ልሙድ ካብቲ ላዕለዋይ ወይ ማእኸለዋይ ኣመራርሓ ምእላሽ ናይ ግድን ዘይከድሊ ይኸውን፥ ዋላ ካብቲ ታሕቲ ኣባል ግን ካዓ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ መናእሰይ ምምፃእ ይካኣል እዩ፡፡

ድፈር ደብርፅ፥ ነቲ ዝተለመደ ኣካይዳ(tradition እቲ ውድብ) ስበሮ፡፡ እዙይ ካዓ ካብ ኦህዴድ እውን ምምሃር ይካኣል እዩ(መምህር ዝነበረ ካብ ተምሃራዩ ኣይማሃርን ኣይባሃልን፡ ኪኪኪ፡፡

ሰለስተ ፣

ኣብዙ ሐዚ እዋን ተባራዓይ ሕቶ ህዝቢ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ዳግመ ውዳበ ወረዳታት(ምናልባሽ ዞባታት እውን) ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ የድሊ፡፡ ብመሰረቱ ኣወዳድባ በቢ እዋኑ ክኽለስ ዝግበኦ ስልቲ እምበር ነቕ ዘይብል መትከል ተገይሩ ክውሰድ የብሉን፡፡ ስለዝኾን ድማ ቅድሚ 24 ዓመታት ዝተወሰነ ኣውዳድባ ሽዑ ትኽክል ነይሩ እዩ ማለት(ሽዑ እውን ምስ መዓት ሓላፍ ዘላፉ) ሀዚ እውን ትኽክል እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡

ብስሩ እውን ምስ ሓደ ገስጋሳይ እየ ዝብል ውድብ(ህወሓት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ገስጋሳይ እዩ ኣይበልኩን፥ እየ ይብል እየ ዝብል ዘለኹ) እዙ ከምዙይ ዝበለ ኣርኣእያ ፈፂሙ ሓቢሩ ኣይኸድን፡፡ ሕቶ ህዝቢ ሎሚ ኣይምለስ ፅባሕ ኣይምለስ ኢሉ ብትዕቢት ዝምልስ “ቁልፊ ኣመራርሓ” ኣብ ጓጉኡ ሓቚፉ ዝሓዘ ውድብ ገስጋሳይ ክኾን ኣይሕሰብን፡፡ ገስጋሳይ ውድብ በቢ እዋኑ ዝፍጠሩ ለውጥታትን(dynamism) ጠለብ ህብታትን ኣብ ግምት እናእተወ ዝኸድ እምበር ቅድሚ 40 ዝበልክዎ ሐዚ እውን ንሱ ትኽክልን ትኽክልን እዩ፥ ንመፃኢ 40 ዓመታት እውን ብሕታዊ መማረፂ ንሱ እዩ ኢሉ ዝኣምን ኣመራርሓ ዝሓዘ ውድብ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እዙይ ዓይነት ውድብ ህልም ዝበለ ‘ኣድሃሪ'(reactionary) ውድብ እዩ፡፡ ስለዚ ደብርፅ እዙይ ተረዲእኻ ንህዝቢ ተስፋ ዝህብ ቃል ክትኣቱ ይግባእ፡፡ ሎሚ ዘይክትምልሶ ትኽእል፥ ፅባሕ ከም ዝምለስ ግን ነቲ ህዝቢ ብቓልካ ክተረጋግፀሉ ኣለካ፡፡ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ እቲ ኣውሽጥኻ ትሓስቦ ዘለኻ ናብ ባይታ ክሳዕ ተውርዶ ብትዕግስቲ ዝፅበየካ ኣይመስለንን፡፡ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘሰክፍ ሃገራዊ ኩነታት እዩ ልቢ ኣዕብዩ ንግዚኡ ሱቕ ክብል ኪኢሉ እምበር ህዝቢ እዙ ሕቶ ዝገደፎ ከይመስለካ ደብርፅ፡፡ ነቶም ዝተለመደ ኩምራ ፀብፃብ ሕሶት እናምፅኡ ዘሰሓሕቱ እውን ከይትኣምኖም፥ ባዕልኻ ውርድ ኢልካ ኣዘራርቦም፡፡ ንዓኻ እውን ዓብዪ ክብሪ እዩ፡፡

ኣርባዕተ ፣

ካብቲ ዝተለመደ ነቲ ውድብ እውን ናብ ክሳራ ዘብፀሐ መዕነዊ “ፀላእትና” ዝብል ኣገላልፃን ኣተሓሳስባን ውፅእ ኢልካ ነቶም ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ምስቲ ውድብ ቅርሕንቲ ዝፈጠሩ ውልቀ ሰባት ኮነ ኣካላት ፃዊዒት ብምግባር ካብ ልቢ ዝመንጨወ ይቕረ ትብሃሃልሉ መድረኽ ወይ ልዝብ ምድላው የድሊ፡፡

በዙይ መዳይ ደብርፅ ብዙሕ ሽግር የብሉን ዝብል እውን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ስለ ዝሰምዕ ከምዙይ ዓይነት መድረኽ ብቕልጡፍ ክተመቻቹ ኣለካ ዶ/ር ደብረፅዮን፡፡
#ሓሙሽተ፡ ምስቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ዓበይቲ ዓድን ብምእካብ ልዝብ ምፍጣር እውን ከድሊ እዩ፡፡

እቶም ሓደ ሓደ መቃሓሓርቲ ዝመስሉ ኣብዙ ፌስቡክ እውን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ትኽክል ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየግድስ ምስዞም ሰባት እዚኦም ብግልፂ ብምልዓል ምዝርራብ ከድልየካ ከም ዝኽእል ይግምት፡፡ “መሰረት ዘይብሎም” እዮም ተባሂሉ ሸለል ክብሃሉ የብሎምን፥ መሰረት ስለ ዘይብሎም እዮም እንድያውም ትኹረት ክሃዋቦም ዘለዎም ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ፡፡

ብተመሳሰሊ ምስቶም ዝተፈላለዩ ተበግሶታት(initiatives) ብምሓዝ ዕላዊ ዝመስል ምንቅስቓስ ዝጀመሩ ውልቀ ሰባት እውን ፀዊዕኻ ምዝርራብ ከድልየካ እዩ፥ ዝርርብ ዝመስልዎ የለን ቀንዲ ዓላምኻ ሓበራዊ ርዲት ምፍጣር ክሳዕ ዝኾነ፡፡ 

ሓበራዊ ርድኢት ማለት ምስምዕማዕ ማለት ዘይክኾን ይኽእል፡፡ ብእንግሊዝኛ ንምብራህ mutual understading ንምፍጣር እምበር ኣብ agreement ንምብፃሕ ዘይክኾን ይኽእል እዩ ማለተይ እየ፡፡ ኣብ ኩሉ ክንስማዕማዕ ግድን ኣይኮነን፥ ክንረዳዳእ ግን ኣለና ናይ ግድን!!

መዘኻኸሪ:- ነቲ ህዝቢ ልዑል ተስፋ ገይሩልካ ዘሎ ዝምጥን ቅልጡፍን ውፅእ ዝበሉን ስጉምታታ እንተዘይውሲድካ ከምኡ እውን ንቐፃሊ ተስፋ ኣትሒዞም ዋእ ኣታ እስኪ ንረአዮ ዘብሉ ዓበይቲ ኣብ ትግራይ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ናይ ልምዓት ንጥፈታት ትልምኻ ንህዝቢ ክተፋልጥ እንተዘይኪኢልካ ግን ኣብ ሓፂር እዋን ተስፋ ህዝቢ ከም ህዎ ንጉሆ ዝሃፍፍ ምዃኑ ክትግንዘብ ይግባእ፡፡

ነዚ ኩርዓት ትግራይ ኢትዮጲያ ኢሉ እውን አፍሪካ ዝኮነ ሙዝየም….!!



ኣኽሱም ፈላመይቲ ናይ ኢትዮጵያ ጥንታዊት ከተማ እያ፣ ኣኽሱም ናይ ኢ/ያ በዓልቲ ዋና ታሪኽ 3000 ሽሕ እያ፣ ኣኽሱም ህገ ኦሪት ካብ እስራኤል ቀፂላ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐቢላ ዘተኣናገደት ዓዲ እያ፣ ኣኽሱም ዓዲ ነገስታት እያ ፣ ናይ ኢትዮጱያ ነገስታት ናብ ኣኽሱም ከይዶም ነይሮም ንግስና ዝቅበሉ ዝነበሩ፣ ኣኽሱም ፈላመይቲ ናይ ንግስተ ሳባ ናይ ትውልድ ቦታ እያ።

ኣኽሱም ንፈለማ እዋን ኢትዮጵያዊነት ዝተሰበኸላ ቅድስቲ ከተማ እያ፣ ኣኽሱም ናይ ግእዝ ፣ ኣራራይ ፣ ቅኔ ሁሁ በዓል ዋና ዝኾነ ናይ ቅድስ ያሬድ ናይ ትውልዲ ቦታ እያ ፣ ኣኽሱም ዳግማዊት እየሩሳሌም እያ ፣ ኣኽሱም ዓዲ ሊቃውንት እያ፣ ኣኽሱም ሃይማኖት ክርስትና ንፈለማ እዋን ኣስተምህሮ ዝተውሃበላ ቦታ እያ ፣ ኣኽሱም ናይ ሓበሻ ዘርኢ መበገሲ እያ ፣ ኣኽሱም ….

ብናተይ እምነት ሕዚ ኣኽሱም ጉቡእ ኽብሪን ቆላሕታን ኣይረኸበትን ዘላ። ንሕና ተጋሩ ድማ ድምፃውያን ብደርፎም ፣ ሰኣልቲ ብስእሎም ፣ መምሃራን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ፣ ደረስቲ ብድርሰቶም ፣ ሙሁራት ኣብ ምርምሮም ፣ ካሊእ ሕብረተሰብና ብሞይኡን ብዓቕምን ኣኽሱም ዳግም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዛይዳ ተፈላጥነትን ተፈታዊት በፃሕቲ ዓዲ ንክትኸውን ኣብ ዓዲን ወፃእን ዘለና ተጋሩ ብውፍይነት ክንነጥፍ ይግባእ።

ብዛዕባ ዓብይ ሙዝየም አብ አክሱም ፅዮን ንክስራሕ አብ 2003 ዓ/ም ዝተጀመረ አብ ከይዲ ዘሎ ህንፀት ሙዝየም ዝምልከት እዋናዊ  ፅሑፍ  እዩ።

1, አብዚ ማ/ሚድያ ዩኒስኮ ከምዘአገዶ ነቲ ነባር ቤተ ክርስትያን ከምዝከወሎ ቡዙሓት ዝፅሕፍዎ ፅሑፋት ኔሩ። እዚ ጌጋ ምኳኑ ክፍለጥ ይግባእ።

2, ብሕፅረት በጀት እምበር ብኡኡ ዘይምኳኑ፡፡

3 .አብቲ ዝወፀ ፕላን እውን ፀገም ከምዘየለ፡፡

4, ነዚ ኩርዓት ትግራይ ኢትዮጲያ ኢሉ እውን አፍሪካ ዝኮነ ሙዝየም ዝምልከቶ አካል በቢዘዓቕሙ ክታሓጋገዘሉ ይግባእ፡፡

5, እቶም ዘይተረጋገፀ ሓበሬታ ዘጋውሑን በአአቶም ዝተደናገረ ህዝብናን እቲ ጭቡጥ ሓበሬታን ሓቅን ንክረክብን ንክፈልጥን እዩ።
ስለዚ ነዚ ሓቂ ንህዝቢ ምግዋሕ ናይ ኩሉና ሓላፍነት እዩ እሞ ፣



ንተወሳኪ ሓበሬታ 0914130657 ሃለቃ ተስፋይ
ኮሚቴ ህንፀትናይሙዜየምእዮምኢልኩምክታረጋግፁትኽእሉ።

እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ጉድሳት ወገናትን ኮሚቴ ህንፀት ሙዜየምን ብኣይ ኣቢሎም እዚ መልእኽቲ ካሓለፍሎም ስለዘረጋገፅለይ ኩሉ ወገን ነዚ መልእኽቲ ኣብ ምብፃሕ ክተሓባበር ይፅውዕ ።
ሰላም ለኩሉ!

እቲ ዓብዪ ሕንጉጓይ ገና ይመጽእ ኣሎ !!

ኣብ ውሽጢ ኢህወዲግ ዝግበር ሕልኮ ሰማኒያ ብዙሕ ኣየገድሰናን ዝብሉ ሰባት ይህልው ይኾኑ። ኣነ እውን ኣባል ኮይነሉ ንዘይፈልጥ ውድብ ፣ መሕረር ንዝኾነ ሓይሊ ፖለቲካ ዘገድሰኒ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ካብ ዓይኒ ረብሓን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ ስግዓት ሓዲሩኒ። ብስራሕ ህወሓት እውን ኣዝየ ተበሳጭየ። ለካ ጨጓር ከልብስ ኣሎ እንዳበልካዮ እዩ ዝመውት።

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ እኳስ ኣይትፈልጥን፣ ሓበሬታ የብላን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ካዓ ገታር (stubborn) ውድብ ስለዝኾነት ድላዩ ይግበር (ታዲኡ ከየምጽእ) ኢላ ኣብቲ ”ኣይኸውንን” ዝብሃል እኳ ”ኣይኸውንን” ከይትብል ኣዝያ ሪሒቓ፣ ኮርያ ኮፍ ኢላ ኣላ። ወዲያቱ መኾስተር ሒዙ ነጋሪ ወረ ክሳብ ዝሰኣን የርሕቖም ኣሎ።

ይቕረ እሞ ኣብቲ ውሽጢ፣ ኣብቲ ወሰና-ወሰን እቶም ዝወሃቡ ዘለው ውሳነታት እውን ዘላ ኣይትመስልን። ብስሩ ነቲ ሓሲባ ዘዕበየቶ ውድብ ኢህወዲግን፣ ዘጣየሸቶ መንግስትን ናበይ ኣንፈት ይቕየሩ ከምዘለው ንምርድኡ ኣጸጊሙላ ኣሎ። ወዮ ሓዱሽ ሰብኣይ ካዓ ኩሉ ነገር ባዕሉ ጥራሕ ይገብሮ ኣሎ (ብርግጽ ንውሑዳት ፖለቲከኛታትን ነቶም ኣብ ኪነ-ጥበብ/ስነ-ጽሑፍ ውሽጢ ዘለው ነባር የዕርኽቱን የማኽር ያ እዩ😡)

እቲ ኹነታት ከምዚ እዩ። ከምቲ ጉጀለ መንግስቲ ሃይለማርያም (ደርጊ) ንጃንሆይ “ህዝቢ ክተዕርፉ ደሊኩም ስለዘሎስ ብኽብሪ ይውረዱ“ ኢሉ -ድሓር ንባዕሎምን ነቶም ፍሉጣት ዝነበሩ ሰበ-ስልጣናቶምን (ልዕሊ 60) ብሓደ ደቒቓ ዘንጸፎም ፣ ድሕሪኡ ድማ ን17 ዓመት ንህዝቢ ኢትዮጵያ እናሓረደ እዛ ዓዲ ቄራ ስጋ ዝገበራ -ዕጫ ህወሓት (ብፍላይ እቶም ነባራት/ዓበይቲ) እውን ከምኡ ከይኸውን የስግእ።

ኣብኡ ጠጠው ዘብል ግን ኣይመስልን -ከምቲ ሽዑ ሙሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ንኤርትራ ሓዊሱ) ሓሰረ-መከርኡ ዝበልዖ፣ ሕጂ ድማ ህዝቢ ትግራይ መከርኡ ክበልዕ ይኽእል እዩ (ብስሩ እውን ርኡይ ምልክታት እንሄው)። እቲ ዋና ሓደጋ ካዓ እቲ ኣብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝኽእል ስነ-ልቦናዊ ኾነ ካልእ ማህሰይቲ እዩ። እሞ ድማ በቲ ዝኒሀ ትሑት ንቕሓተ ሕሊና ዜጋታትን ናይ ቂም ፖለቲካን ዝቐሪ ነገር ኣይመስልን።

ብርግጸኝነት ዘይተዘረበሉ ግን ድማ ርኡይ መፈንቅለ-መንግስቲ እዩ ተኻይዱ። እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ሕጋዊነት ዝተላበሰ ምምሳሉ፣ ብመረጻ ኣባላት እቲ ውድብ ዝተዓጀበ መፈንቅለ-መንግስቲ ምዃኑ ጥራሕ እዩ። ተንታኒ እንተረኺቡስ ተኣምራዊ ዝኾነ መቐይሮ ታሪኽ ፖለቲካ እዩ!

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ብዙሕ ይዛረብ ኣሎ። ሓደ ሻብ ኣረግቶት ኣይንወርድን ኢሎምኒ፣ ገጸይ ብእኣቶም ምኽንያት ማድያት ወሪስዎ፣ መዓንጣይ ሓረረ ፣ ካልእ ግዘ ድማ ክኣስሩኒ ደልዮም ነይሮም፣ ህወሓት ኣብ ፌደራል ኣንበሳ ኣብ ትግርይ ኣንጭዋ፣ ወዘተ ዝብሉ መደረታት ኣብ ኩሉ ዝተረኸበሉ መድረኽ የስምዕ ኣሎ። እዙይ ማለት ቀጺሉ ንዝወስዶ ስጉምቲ ህዝባዊ ድጋፍ ንምትእኽኻብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ። ነቶም ተወንጀልቲ ድማ “በዚ እኳ ይሕለፈልና“ ኢሎም ንኽሸማቐቑን ካልእ ከይብህጉን ዝዓለመ ብጣዕሚ ዝተጸንዐ ታክቲክ እዩ።

ግን እዙይ ቀቀሊሉ እዩ። ዕሉል ፋሺስት (ህዝባዊ ድጋፍ ዘስከሮ) ሰብ ብኸምዙይ ኣይረክዕን። ዋላ እኳ እንተዘይቀተሎም ንኹሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒኑ ከምዘበሳብሶም ምግማት ቀሊል እዩ። ሎምዓንቲ እኳ ምስ ሚኒስትራትን ኣቦወንበራት ቀወምቲ ኮሚቴ ኣባላት ፖርላማን ኣብ ዝነበሮ ጻኒሕት -ኣብ ባንክታት ወጻኢ ሃገር ገንዘብ ዘቐመጡ ሰበ-ስልጣናት እንተሃልዮም ንምፍላጥ ምጽራይ ይኻየድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ድማ ይተሓባበሩ ከምዘለው ዕላዊ ገይሩ። ብመሰረት ምጽራይ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ኣረጋጊጹ ኣሎ። (ኣነ ዝብለኩም-እቲ ናይ ትእምት ገንዘብ ብውልቀ-ሰባት እዩ ዝቕመጥ ዝብሃል ወረ ነበረ -ከምኡ እንተኾይኑ እኮ መእሰሪኦም ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ፣ ንህዝቢ ትግራይ ድማ ኪሳራ-ስለዝውረስ)። እቲ ዋና ግና ናይ ስልጣን ንሕንሕ ኩፉእ እዩ፣ ሰብኣዊነት የረስዓካ፣ የጣፍእ። እቲ ሰብኣይ ፍርሓት ስለዝህልዎ ድማ ናብ ዘይኸውን መንገዲ ክመርሖ ይኸውን።

ብዝኾነ እዚ ንምግባር እቲ ወዲ ህዝባዊ ድጋፍ ንምርካብ ብዙሕ ናይ ምትዕሽሻው ስራሕ ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ ፣ ሕጂ እውን ይሰርሕ ኣሎ። ኣብ ትግራይ እውን እኹል ጭብጨባ ስለ ዝረኸበ ዕላምኡ ከምዘይፍሽል ተስፋ ኮይንዎ ኣሎ። እቶም ኣሰጎምቲ ፖለቲካ ቂም ድማ ሰበ-ስልጣናት ነበር ህወሓት ወንጀል ሰርሑ-ኣይሰርሑ ብዘየገድስ ቅንድብ ዓይኖም ቀዛሕ ስለዘይበለና(ዘርኣውነት) ይትኣሰሩልና እናበሉ ጥርዓን የእትው ኣለው (ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ዛጊድ መዓት ደብዳቤታት ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣትዩ ይብሃል)። ንሱ ኻዓ ንዕኦም ከሕጉስ እንታይ ከምዝገብር ኣይፍለጥን።

እቲ ንኣባላት ብሄረ-ኦሮም፣ ብሄረ-ኣምሓራ ነንበይኖም ጸዊዑ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ድራር እንግዶት እንትገብረሎም “ዕርቂ እዩ ወሳኒ“፣ “ክንደይ ኢለ ክኣስር ይኾኖ ኢልካ ምግዳፍ ይሓይሽ“ ኢሉ ዝተዛረቦን ፣ በቢ ህዝባዊ መደረታት ዘስምዖ “ይቕረ ምባል እዩ ጽቡቕ“ ዝብሎ ዝነበረ ንዓይ እቲ ናይ ሲግመንድ ፍሮይድ ኣምር reaction formation እዩ ዘስታውሰኒ። ብትግርኛ “መዋእ እንዳባገሪማ ዝበልዐስያ ባዕሉ ይለፋለፍ“ ከም እንብሎ ፣ ክገብሮ ንዝደለዮ ነገር ከይፍለጠሉ መከላኸሊ ሓሳብ እናቕረበ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ። ቂም ሒዝካ፣ ዕርቂ ወሳኒ እዩ፣ ክትኣስሮም እናሓሰብካ -ንሕለፎ ምባል- ከምማለት እዩ። እዙይ ዝግበር ዝምቹ ግዘ ክሳብ ዝርከብ ጥራሕ እዩ።

“እሞ ኣሰሮም ኣይኣሰሮም ንሕና እንታይ ገደሸና ፣ ግብሮም የውጽኣዮም፣“ ትብሉ እንትኾይንኩም ፣ ምስኡ ተታሒዙ ዝመጽእ መዘዝ ኣይተረድኣኩምን ማለት እዩ። ኣብዛ ዓዲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደን ሓንትን ኮይኖም ክውሰዱ ህወሓት እውን ሰሪሓትሉ፣ ኩሎም ናይ ተቓውሞን ጽልእን ሓይልታት እውን ከምኡ ክኸውን ሰሪሐምሉ።

ካብዚ ንላዕሊ ድማ ዜጋታት እዛ ሃገር (ብፍላይ ድማ ኣምሓሩን ብዝተወሰነ ደረጃ ድማ ኦሮሞቶት) ኣብ መንጎ ሓደ ብዓል ስልጣን ህወሓትን ውልቀ-ሰብ ትግራዋይን ዘሎ ኣፈላላይ ኮነ ኢሎም ኣጽቢበሞ እዮም። ንዕኦም ኣፈላላይ የብሉን። እቲ ናይ ብሄር ፖለቲካ እውን እቲ ኹነታት ከምኡ ክኸውን ገይርዎ እዩ።

ከምቲ ካልኦት ብሄራት ወዲ ብሄሮም እንተተኣሲሩ/እንተተቐቲሉ ንሶም ዝተኣሰሩ/ዝተቐተሉ ኮይኑ ዝስምዖም፣ ብዙሓት ተጋሩ እውን ሓደ ትግራዋይ ተኣሲሩ ማለት ዝሰርሖ ወንጀል ብዘየገድስ ዳርጋ ንብዓርሶም ዝተኣሰሩ ኮይኑ ይስምዖም። እዙይ ናይ ሕመቓት ኣውራ ሕመቕ ዋላ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ዘይንኽሕዶ ሓቂ ግን እቲ ህልዊ ስነ-ልቦና ሰባት በዙይ ልክዕ ዝተሃነጸ እዩ።

ኣብ ልዕሊ እዙይ ግን ብሽም ምምሕያሽ ኣደባባይ ዲሞክራሲ (democratic space) እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ንግዚያዊ ልዕልንኡ ክብል ብዙሓት ውድባት ተቓውሞ፣ ሚዲያታት (እቶም ኣብ ወጻእ ዘለው እንተይተረፈ) ተፈቒድሎም ኣብዛ ዓዲ ምንቅስቓሶም ኣይቐርን። መቸም ከምቲ ንሪኦ ዘለና ዘሊሎም ኣብ ልዕሊኡን እቲ ሓዱሽ ካቢኒኡን መሪር ነቐፌታን ተቓውሞን ዘልዕሉ ኣይመስሉን። ታይ ድኣ ክገብሩ ይኾኑ?

ክኸውን ዝኽእል ኣብ ሕሉፍ ግዘ፥- ህወሓት ከምዚ ገበረት፣ ህዝቢ ትግራይ ከምዚ ነይሩ፣ ጨቂኖምና ጸንሑ፣ ወዘተ እናበሉ ዝነበረን ዘይነበረን እናኾምስዑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ ምንዛሕ፣ ምሽቑራር፣ ምጉናይ እዩ ኽኸውን። ካብዚ ወጻኢ ዕዳጋ የብሎምን። እዙይ ካዓ ስነ-ልቦና ሕብረተሰብ ትግራይ ክጎድእ ይኽእል እዩ፣ ኣብ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ዘለዎ ተሳትፎ ክቕንስ ይገብሮ። ናይ ምግላል ስትራቴጂ ስለዝኾነ። ብዝኾነን ዘይኮነን ይቑጣዕ እሞ ናብ ወንጀል ክኣቱ ይገብሮ። ነንባዕሉ እውን ክሰማማዕ ኣይኽእልን። ድሮ እኳ ብዘይረብሕ ጉዳይ ቋንቋ ኣውራጃውነት ተላዒሉ ሰብ ይሕምስ ኣሎ። እቲ ህልዊ ኩነታት ምትንታን ኣብይዎም ብዙሓት ጉጀለታት ተፈጢሮም ሃጠው -ቀጠው ክብሉ ንሪኢ ኣለና። ብዝኾነ መዘዙ ብዙሕ እዩ።

ታይ ንግበር? -ከምቲ በቢኹርንዑ ተጀሚሩ ዘሎ እናተወደብካ ምምካር፣ ናይ ሓባር ኣንፈት ምሓዝ፣ ንሰብኣዊ መሰልና ጠጠው ዝብሉ ትካላትን ማሕበር ተጣበቕቲ ህግን ምጥያሽ፣ ውዓል ሕደር ዘይብሉ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ምጥንኻር፣ ትግራይ ብዝልዓለ ናህሪ ክትቅየር ምስራሕ (ሕቱኽቱኽ እንዶ በጃኹም ግደፉ)፣ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ኣንፈታትና ዘርእዩን ጥቕዓታትና እግሪ ብእግሪ ዝምክቱን ብዙሓት እሞ ድማ ጥንኩራት ሚዲያ የድልየና። እዙይ ምስዘይንገብር ተመሊስካ ባርነት እዩ። ዝሓለፈስ ሓሊፉ ዋ ሎሚ ንኽእሎ ንግበር ( ሕጂ ተመሊስና ንህወሓት እንተረገምና እነምጽኦ ለውጢ ወይከ የለን)። ትግራዋይ ርእሱ ዘድንነላ ኢትዮጵያ ክርኢ ኣይደልን።

( ወ/ገርግስ ገ/ተኽለ )

ብርሃነ መስቀል ጅግና ወዲ ትግራይ !!

ብርሃነ መስቀል እምባየ ኣብ ዓዲነብሪ ኢድ እዩ ተወሊዱ። በቲ እዋን ኣኩኡ ሓየሎም ኣርኣያ ዳርጋ ዝተቐራረበ ዕድመ ስለዝነበሮም ልክዕ ከም ማናቱ ብሓደ እዮም ዓብዮም። ብርሃነ መስቀልን ሓየሎምን ብሓደ ብይን እንዳተፃወቱ ብሓመድን ጭቃን እንዳተቐላለዱ እዮም ዓብዮም።

ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ማእኸል ፀዋታ ሓየሎም ክብሪ ደሊዩ ኣነ እኮ ኣኮኻ እየ እንትብሎ ብርሃነ መስቀል ግና “ቺድ ንስኻ ዲኻ ኣኮይ” ኢሉ ይቕይዐሉ ነይሩ። ዳሓር ድማ ዓብዮም ናብ ትምህርቲ ምስ ኣተወ ኣብ እዋን ውፅኢት ኣነ በሊፀካ ኣይኮነን ኣነ እባ በሊፀ እንዳተበሃሃሉ ይነሓንሑ ነይሮም።

ብርሃነ መስቀል እምባየ ምስ ኣኩኡ ሓየሎም ኣርኣያ ብጣዕሚ ተፋተውቲ ስለዝነበሩ ኣብ ዝዝሊእ ኣንፈት መኪና ክደልዩ ይውዕሉ። እታ ዕድል ምስ ንርአ ነይራ ኮይናስ ንርአ ሓፍተይ ሕማም ሕርሲ ተተሓዚ እሞ በጃኹም ኢሉ ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ዝነበረት መኪና እንትልምን ኣባል ስርዒት ህወሓት ዝነበረን ኣብቲ ጥዕና ጣብያ ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር ኣባዲ መስፍን ነቲ ሓላፊ መኪና ክፈቕደሉ ተሓባቢሩዎ። ብርግፅ ዶክተር ኣባዲ ብዛዕባ እቲ ኦፕሬሽን ሓበሬታ ኣለዎ እዩ።

ንርአ እታ መኪናንን ሓደ ዘዋሪን ተመዲቡሉ ነታ መኪና ሒዞም መገዲ ጀመሩ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ብርሃነ መስቀል እቲ ዝወፈረሉ ስለዘይቀነዖ ናብቶም ጉልባብ ተሸፊኖም ዝፅበዩ ዝነበሩ ብፆቱ ተሓወሰ። ኩሎም ድማ ልክዕ ከም ናይ ደርጊ ሰራዊት ወታደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ነታ ናይ መወዳእታ ናይ ንርአ ዕድል እንትፅበዩ ሃንደበት እታ ንንርአ ዝሓዘት መኪና ደበኽ በለት።

ኣብ ሓደ ዓብይ ድልድል/ቢንቶ/ ፀኒሖም ነቲ ዘዋሪ መኪና ኢድካ ንዓቐብ በልዎ። እዞም ተጋደልቲ ድማ ቀለበት፣ ሃፍቶም፣ ሙሴ፣ ኣረጋዊ በርሀ፣ ኣሕፈሮም እውን ነይሩ።
ነዞም ጀጋኑ ዝፀዓነት መኪና ልክዕ ስዓት 10፡00 ብዘይምንም ከልካሊ ኣብ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ሰትት ኢላ ብምእታው ነቶም ፅዒናቶም ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ በቢቦቶም ብምብታን ወፍሪ ክጅመር ገበረት። እቲ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ 30 ደቃይቕ ምስ ተዛዘመ እቲ ዝተሃጅመ ዕጥቅን ገንዘብን ዝፀዓነት መኪና ብሓይሊ ብፆት ተደፊኣ ዘዋሪኣ ድማ ብርሃነመስቀል ኮይኑ ጉዕዞ ካብ ኣኹስም ምውፃእ ተጀመረ።

ኣብዚ ክተሓዝ ዘለዎ ፈላሚ ኣውቲስታ/ዘዋሪ/ መኪና ብርሃነመስቀል ነይሩ ኣብ ወፍርታት ህወሓት። በዚ ድማ እቲ ወፍሪ ዕውት ኮይኑ እታ መኪና ክሳብ እቲ ክትኸዶ ዝተመደበላ ከይዳ። ዝተረፈ ብእግሪ ብምጉዓዝ ንበረኻ ኣተው።

ብርሃነ መስቀል ኣብቲ ኣብ 1968 ዓ/ም ወርሒ ሰነ ኣብ ሴሮ ዝተኻየደ ምፍሻል 2ይ ወራር ደርጊ ምስ ነበልባል ክ/ስራዊት ደርጊ ከቢድ ግጥም እውን ተሳቲፉ እዩ። እዚ ግጥም ብላዕለዋይነት ዝመርሖ ሙሴ እንትኸውን ውድብ ታሪኽ ሰሪሓትሉ እያ። ኣብዚ ግጥም እዚ ብርሃነመስቀል ኣብ እግሩ ተወቒዑ ቆሲሉ ወዲቑ እዩ። ግን ብድጋፍ ተጋደልቲ ካብ ናይ ውግእ ቦታ ወፂኡ ናብ ሕክምና ብምእታው ድሕሪ 5 ወርሒ ናብ ኣሃዱኡ ተመሊሱ ኣብ ሓይሊ 22 ኣብ መሪሕነት ተመደበ።

ሓይሊ 22 ኣብ ከባቢ ሰለኽለኻ እያ ትንቀሳቐስ ነይራ። ሰራዊት ኢድዩ እውን ነዚ ፅንዓት ገይሩ ካብ ሽረ ተበጊሱ ናብዛ ኸተማ ክበፅሕ ናብ ኣፍጋሕጋሕ ሓሊፎ እኒሀ። ነቲ ናይ ኢድዩ ምንቅስቓስ መፅናዕቲ ክገብሩ ዝወፈሩ ተጋደልቲ በዝሒ እቲ ሰራዊት 200 ምዃኑ ሓበሬታ ረኸቡ። ዳሓር ግና ካብቲ ዝህንደድ ዝነበረ ሰራዊት ብስርሒት ዝተማረኹ ኣባላት ኢድዩ እቲ ሰራዊት 2000 ከምዝኾነ ኣነፀሩ። ሓይሊ 22 ዘለዋ ሓይሊ ሰብ ብጣዕሚ ውሑድ እዩ። ዳርጋ ናብ 65 ዘይመልእ። ግን ድማ ነዚ ንህዝቢ ከበሳብስ ዝህንደድ ዘሎ ሰራዊት ንምምካት ሓቦ ተቐኒታ ኣላ።

በዚ ድማ እቲ ቅድም ኢሉ ናብ ከተማ ሰለኽለኻ ዝኣተወ ሰራዊት ኢድዩ ንኣንፈት ሓኽፈን ገፁ ብምፅጋዕ ሰነ 15/1969 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ 22 ከቢድ ኩናት ይኸፍት። ሓይሊ 22 ፍርቁ እንትኳሻሕ ሓንቲ ጉጅለ ነታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ሓይሊ 73 ክተርክበሎም መልእኽቲ ይሰዱ። እታ ጉጅለ ድማ ብዘግርም ቅልጥፍና ንመልእኽታ ኣብፂሒ ሓይሊ 73 ከምዝተበገሰት ብምግላፅ ናብቲ ኩናት ኣተወት። መሬት ሓዊ ኮነት።

ሰራዊት ኢድዩ ዝወደቐ እንዳወደቐ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጦጒጉ ናብታ እምባ ክድይብ ይፍትን። ብፍላይ ብኣንፈት ብምብራቕ እምባፅሕዲ ምስ ዝነበረ መስርዕ ካብ ብጥይት ሓሊፉ ናብ ኢድ ብኢድ ግጥም ኣተወ። ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ወዲቑ መሬት ደም ሰቲያ ሰኸረት። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብግብ ሓይሊ 73 ኣርኪባ ናብ ባሕሪ ኵናት ኣተወት። ሽሾ ሰራዊት ዝነበሮ ሰራዊት ኢድዩ ግና ተወሳኺ ሰራዊት ብምጥቃም ንሓይሊ 73 እውን ኣብ ከበባ ኣእተዋ።

ተጋደልቲ ህወሓት ሓንቲ ተኵሳ መሊሳ ኣዐሚርካ ትትኩስ ብረት እዮም ሒዞም ዘለው። ብወገን ኢድዩ ድማ ቢሬን ፣ ኣርፒጂን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣውቶማቲክ ጠበናጁ ሒዞም እኒሄው። በዚ ድማ እቲ ውግእ ከበደ። ኣብ ማእኸል እዚ ሃይሃይታ ድማ ብርሃነ መስቀል ምስ ተኸስተ እስጢፋኖስ ብምዃን ንሓይሉ እንዳመረሐ ናብዝን ናብትን ይብል ኣሎ። መስዋእቲ በዚሑ ስንቅን ጥይትን እንትዛሪ ብርሃነ መስቀል ሓደ መምርሒ ሃበ። ክንዲዝካኣል ነቲ ከበባ እንዳፈንፃሕካ ምንስሓብ ክግበር ሓበረ።

ነቲ ዝግበር ዘሎ ግብግብ ብርሑቕ ዝሰመዐት ሓይሊ 60 ድማ ዳሃይ ክትገብር ናብ ብርሃነ መስቀል ብሬድዮ ርክብ ጀመረት።

ሄሎ ከመይ ኣለኹም ብፆት

“ተኸቢብና ኢና”

ክትወፁ ‘ዶ ትኽእሉ? ሽኩል ብዝኾነ ቃላት

ኣይንኽእልን

ንሓይሊ 60 መእተዊ ‘ዶ ምሓበርካልና?

ኣብ ፀገም ክትኣትው እያ” ምስ በለ ብርሃነ መስቀል ድምፁ የጥፍእ።

እቲ ግጥም ብጣዕሚ ፈታኒ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ተጋዳላይ ህወሓትን ኢድዩን ክሳብ ምፍላይ ዝስእን ተሓዋዊሱ ኢድ ብኢድ ይተሓናነቕ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ርብርብ ምስ ብርሃነ መስቀል ዝነበሩ ከምኒ ተኸስተ እስጢፋኖስ፣ ጉዕሽ ታደሰ ማትዮስ፣ ፀጋዘኣብ ወዲቖም ክቡር መስዋእቲ ኸፊሎም።

ብርሃነ መስቀል ግና ክሳብ ሕዚ ኣብ ማእኸል ፀላኢ ተኸቢቡ ይተሓናነቕ ኣሎ። ሰራዊት ኢድዩ ካብ ጥይት ሓሊፉ ብኢዶም ክሕዝዎ ነቲ ክበባ ኣፅበቡሉ። ብርሃነ መስቀል ግና ዝወደቐት ብረት ኣልዒሉ ክሳብ ጥይት እትውድእ ሓደ ንሽሕ ገጠመ። እታ ብረት ድማ ጥይት ወዲኣ ቃዕ ዝብል ድምፂ ሂባ ኣፅቀጠት። ደም ሰውነቱ እንዳገረረ ከደ።

ናይ መወዳእታ ዕድል ብደንጎላ ምግጣም ጥራይ ኮነ። ብርሃነ መስቀል እምኒ እንዳኣልዓለ ክንባር ፀላእቱ ምብታን ጀመረ። ኣብ ኸምዚ ዝበለ ርሱን ግጥም ግና ብድሕሪቱ ከይራኣዮም ዝኣተው ፀላእቲ ኣብ ኽሳዱ ከባቢ ተኺሶም ስለዝውቅዕዎ ሽዑ ከምዝተሰወእ ብፆት ይዛረቡ ።

ህወሓት ጠንኪራ ክትምርሽ ዘኽእላ ዕማማት !!

ኣብ  ትግራይ  ገዛኢ ውድብ  ህወሓት  እዩ።ህወሓት  ምስቲ  ዝንሄ  ናይ  ሃገርና ጭቡጥ  ኩነታት ግዜ  እንተይወሰደ ጋእ መጋእ  ከይበለ  እዞም  ዝስዕቡ  ኣገደሽቲ  ተግባራት  ክፍፅሞም  ይግባእ።

 ተግባር  ሓደ ፤

ህወሓት   ንቲ  ሕዚ  ኣብ  ውሽጢ  ኢህወዴግ  ተፈጢሩ ዘሎ  ኹነታትን  ኣፈላላይን  ብዝምጥን  መልክዑ  ተኽለ  ሰብነቱ  ኣሰላልፍኡ  ከመዓራሪ  ይግባእ።  እዚ  ማለት  እቶም   ን ህወሓት  ብላዕላውነት  ዝመርሑ   ማእኸላይ  ኮምቴ  ኣብ  ናይ  ኢህወዴግ  ቤት_  ምኽሪ  ዝሳተፍ   45   ሰባት  ንቲ  ናይ  ኢህወዴግ  ቤት_ ምኽሪ  ዝምጥን  ፍልጠትን  ፣ክእለትን፣ናይ ምግላፅ  ዓቕሚ  ዘለዎ  ማእኸላይ ኮምቴ ክኸውን  ህወሓት  ንቲ  ሜዳ ንኹሉ  ማዕረ  ብምግባር  ካሊቨር  ዘለዎም  ሰባት  መናእሰይ  ናብቲ  ማእኸላይ ኮምቴ  ክፅበሩ  ክገብር  ኣለዎ።

 ተግባር  ክልተ ፤

ህወሓት   ቑፅሪ  ማእኸላይ  ኮምቴ    በዝሖም  ልዕሊ  45    ክኾኑ  ክገብር ኣለዎ።ኣብ ኢህወዴግ  እኳ  እንተሪኢና  ኩሎም   (  3   ብሄራዊ  ውድባት)    ቑፅሪ  ማእኸላይ  ኮምቴኤን  ልዕሊ  45   እዩ።ኣብ  ቤት_ ምኽሪ   ኢህወዴግ  ዝሳተፍ  45  ኮይኖም  እቶም ካልኦት  ግና  ኣብ ብሄራዊ  ውድብ  ጥራሕ  ዝሳተፍ  እዮም።  ህወሓት  ግና  ብ  45   ጥራሕ  ዝተገደበ  እዩ።  ልዕሊ  45  ማእኸላይ  ኮምቴ  ምህላዎም   ቡዙሕ  ረብሓ  ኣለዎ÷     

 1÷ ማእከላይ  ኮምቴ  ብሞት  ይኹን  ብቕፅዓት  እንትውገድ ቁፅሩ  ምስ ዝጎድል  ጉባኤ  ምፅዋዕ  እንተይድለየ  እቲ  ማእኸላይ ኮምቴ  ባዕሉ  ንቶም ዝጎደሉ  ማእኸላይ  ኮምቴ  ክትኩኡን  ክምረፁን   ይጠቅም  እዩ።

2÷  እቲ  ካብ  45  ማእከላይ  ኮምቴ  ወፃኢ  ዘለው  ማእኸላይ  ኮምቴ  እንዳተለማመደ፣እንዳበቕዐ፣ተሞክሮ  ዳወሰደ  ክፀንሕ  ይገብሮ  እዩ።ካብቶም  ሲኔራት  ልምዲ ክወስድ  ይጠቕሞ  እዩ።ምኽንያቱም   ብሓደ  ለይቲ  ምብቃዕ  ዝብሃል  ስለዘይርከብ።  ዝኽፈል  ዋጋ  እውን  የብሉን።

ምኽንያቱም  ኣብ  ዝሓለፈ   ኢህወዴግ  ኣቦ_  መንበሩ  ክመርፅ  እንከሎ    ህወሓት  ኣብ  ቤት_ ምኽሪ  ኢህወዴግ   ዝተሳተፈ   ንገሊኦም  ማእኸላይ  ኮምቴ  ኣጊዱ፣ሶጊጉ( ኣባሪሩ)  ፣ብሞት  ዝተፈለየቶ፣   ዝገደፍዎ   ብዝጎደለ  ቑፅሪ  እዩ  ተሳቲፍ።ዋጋ  እውን ከፊልሉ  ክኾን  ይኽእል  እዩ።ኩላ ሕድ ሕድ ብድምፂ  እያ ትውሰን  ዝላዓለ  ድምፂ  ክትረክብ ድማ  ቕድሚ  ኣፍ_ ደገ  ካልኦት  ብሄራዊ  ውድባት  ምፅናዕ  ምቁማት  ናይ ባዕልኻ  ድምፂ  ክእከበሉ  ክወህለሉ  ዝኽእል  መስርሕ  ምዝርጋሕ  ናይ  ፍልጠት  ናይ መጀመርያ  ጥበብ  እዩ።ቅድሚ  ውሕጅ  መንገዲ  ውሕጅ  ምፅራግ  እዩ  ዝኸውን።

ተግባር  ሰለስት ፤

ህወሓት  ቡዙሓት  ኣባላት  ውድብን፣ሓፍሽ ማሕበራትን   ሊግ  መናእሰይን  ደቂ_ ኣኣንስትዮ  ዘለውዎ  ሃፍታም  ውድብ  እዩ።ሊግ መናእሰይ ን ደቂ_ ኣንስትዮን፣ ማሕበር  መናእሰይ ን ደቂ_ ኣንስትን፣  ማሕበር ሓረስቶስ  ዝመሰሉ  ውዳበታት  ዘለውዎ  ውድብ  እዩ።  እዚኦም  ኣበይ  ኣለው?  እንታይ ይሰርሑ?  ዝፍለጥ  የልቦን።ዝተጣየሽሉ  ዝተወደብሉ  ዕላማን  ሽቶን  ብኸመይ  ይኸድ  ኣሎ  ኣብ  ዝብል  ደውታ ድዮም  ፈጢሮም  ወይስ  ሽም  ጥራሕ  ተሓንጊጦም  ሒዞም ተሪፎም  ያው  ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ  እዩ።

ካልኦት  ክልላት  ብዘይሕጋዊ  መንገዲ   ዝተወደበ  ቄሮ   ኣውፊሮም  ሃገራዊ  ፓለቲካ  ቀይሮም   ለውጢ  ብቄሮ  እዩ  ለውጢ  መፂኡ  ኢሎም  ንቄሮ  ብኣደባባይ  እንተሞግስዎ  (  ምክትል  ቀዳማይ  ሚንስተር  ደመቀን፣  ለማን፣ኣበይን)   ሰማይ  እንትሰቕልዎ  ኣብ  እንርኤሉ  መድረኽ  ብህንፃን  ስሪትን  ኢህወዴግ  ዝተጣየሸ  ሊግ_  መናእሰይን  ደቂ_ ኣንስትዮን  ካልኦት  ሓፍሽ  ማሕበራት  ኣብ ማይ ከም  ዝኣተዋ ኣንጭዋ  ከፅቅጡን  ምርኣይ  ኣዝዩ  ናይ መሪሒነት  ውድቀት  እዩ።  

ስለዚ  ህወሓት   ንኣባላቱን  ሊግን  ሓፍሽ  ማሕበራትን  ምስቲ  ዝንሄ  ትኩስ  ሃገራዊ  ኩነታት   ተመዓራርየን  ናብ  ቓልሲ  ክኣትዋ   ህወሓት  ክገብር  ይግባእ።

ተግባር  ኣርባዕተ ፤

ሕዚ  ኣብ  ልዕሊ  ትግራዋይን  ህወሓትን   ዝፃወደ  ዘሎ  መፃወድያን ጥጅእን  ኩሉ  መዳይ እዩ።ብወልቃይት  (  ወልቃይት  ከም ካሽሚር)   ፣  ብእግሪ  ኩዕሾ፣  ብቋንቋ  ትግርኛ ላህጃ፣ ነንሕድሕድና  ክንናቖር   ብዝተፈላለየ  መንገዲ  ናይ  ጭቃ ጭጉራፎም  ከንጉዱልና  ንዕዘብ ኣለና።  በዚ  መሰረት  ኣብ  ምክልኻል  ክንፅመድ  ኣይግባእን።ንሳቶም  ኣብ  ዘዳለውዎ  ኣጀንዳ  ሕዲግ  ክንብል  የብልናን።ኣብ እንዳማትና  ዳስ  ኣቲና  ድግዲጊት ተዓጢቕና  ክነሳሲ  ፍፁም የብልናን።

ህወሓት  ከም  ገዛኢ  ውድብ  ትግራይ  ሚድያ  ክቆፃፀርን ክውድብን  ፕሮ ኣክቲቨ  ኮይኑ  ካብ  ምክልኻል  ናብ  ምጥቃዕ ንኽሰጋገር  ንመንግስቲ  ትግራይ  ኣንፈትን  መበገሲ  ሓሳብ  ከቕርብ  ይግባእ።

ካልኦት  ክልላትን  ብሄራዊ  ውድባት  ንማሕበራዊ  ሚድያ ዓብይ ትኹረት ሂቦም  ወዲቦም  ስሩዕ  ድህረ ገፅ ከፊቶም  ሰባት መዲቦም  ንቲ  ብገርሁን ብጉሩሑን  ዝነጥፍ  እንዳስተኻኸሉ  እንዳመከቱ  ሰዓርቲ  እንዳኾኑ ኣብ ዘለውሉ መድረኽ  እንዳ ህወሓት  ግና  እቶም ስሩዓት  ሚድያ ቴሌቪዠን  ሬድዮ  ናብ  ኣቦ – ጎይላ  ተቐይረን  ላለኹምባየ እንዳበላ  ንትግራይን ህወሓትን  ኣብ ዘይምጥን  ኣጀንዳ ዕንኪልል ክብላ  ይረአ እዩ።

ብምኻኑ  ድማ  ህወሓትን  ብሄራዊ  ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ  ን  ሚድያ  ትግራይ  ፣ንማሕበራዊ  ሚድያ  ሓዱሽ  ፔጅ  ከፊቶም  እዋናዊ  ሓበሬታ  ዳሃቡ  ኣጠናኺሮም  ንልምዓት፣ዲሞክራሲ፣ሰላምን ሰናይ ምም/ር  ብዝተፈላለየ  ቋንቋ  ክጠቅም ብዝኽእል  ክፈጥሩ ይግባእ።

ተግባር  ሓሙሽተ  ፤

ህወሓት  ፈታዊኡን  ፀላኢኡን ፈልዩ  ክፈልጥ  ይግባእ።  እርግፅ  ፀላኢ ዝብል  ብ ንህወሓት ዘይድግፍ  ወግሐ ፀብሐ  ከፅድፍዎ  ዝሓስቡ  ጉጅለን  ሓይልን  ብዝብል  ክንትክኦ  ንኽእል  ኢና።  ብመሰረቱ  ህወሓት ፈታዊኡን  ፀላኢኡን  ብትካላዊ  ኣሰራርሓን   ብሱሩዕ  መንገዲ  ፈልዩ  ክፈልጥ  ይግባእ።  ስርዓት  ደርጊ  ሓንቲ መዓልቲ ክሻብ ዝተርፎ  ምስ ደርጊ ወጊኖም  ዝነበሩ ሎሚ  ድማ ብዘረባ ጥራሕ  ዝንበር  ብመልሓስ  ዝሕደር  ምኻኑ  ፈሊጦም  ምስ  ህወሓት  ተፀጊዖም  ስገኦም  እንበር  መንፈሶም  ዘየለው  ሰባት ህወሓት  ክትፈልጦም  ይግባእ። ህወሓት  ንፈታዊኡ   ከኽብር  ይግባእ።ክሕብሕብ  ኣለዎ።ተዘይኮይኑ  ከም ዝቖሰለ  ነብሪ   ንኹሉ  ዝናኸስ  እንተኾይኑ  ዕድሚኡ  ዕድመ ደርሆ  እዩ  ክኸውን።

ተግባር  ሽዱሽተ

 

ህወሓት  ንመናእሰይ  ትግራይ  ካብ  ስደትን  እንዳ ጫትን ሓሽሽን  ሓራ ዝወፀሉ  ፓሊሲ  ንክወፅእ ንብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ   ሰነድን  መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ  ክፀድቕ ክገብር  ይግባእ።መንእሰይ ትግራይ  ኣብ  ዓዱ ተሰፍ ሰኒቑ  ተሳታፍይ  ክኸውን  ልቓሕ ብምምችቻው   ልክዕ   ከም ናይ  ቀደም  ኣግበ  ኣብ  ትግራይ  ሓደ  ማእኸል  መሰልጠኒ  ጌይርካ  መንእሰይ  ትግራይ  ብኣካላዊ  መንፈሳዊ    ኣእሙራዊ  ዝህነፀሉ፣ብስነ_ ምግባር  ዝህነፀሉ  ታሪኽ  ሃገሩን  ቅያ ኣያታቱን  ዝመሃረሉን  ክረምታዊ  ንጥፈታት  ነፃ ግልጋሎት  ( ሰርቪስ) ዝህብሉ ባህልን  ልምድን ዝለዋወጥሉ  ሓደ ማእኸል ክጣየሽ  ህወሓት  ፕሮጀክት  ክቐርፅ ንመንግስቲ  ኣማኺሩ  ዕድል መናእሰያት ቡሩህ  ክገብር  ይግባእ።

 

ተግባር  ሸውዓተ

 

ህወሓት  ከይቡሉኒ  ዝብል  ናይ  ሰኸፈት  ፓለቲካ  ኣካይዳ  ጠቒሊሉ  ክሓድጎ  ይግባእ።ከምዚ  ንርእዮ ዘለና  ካብ  ሰነፍ  ሓረስታይ   መረባ  ነዊት  እንትቑረፅ  ካብ ምርኣይ  ሓሊፍ  ካሊእ ውፅኢት  የብሉን።ህወሓት  ዝሰርሖም  ወርቃዊ  ታሪኻት ተሰኪፍ  ክገድፎም  የብሉን።ፊት ንፊት ክገጥም  ይግባእ።  ቡሱሩ  ኣቦይ  ስቕ  ምስ  በሉ እየ  ቐቢረዮም  ከይመፅእ። ድሕሪ ቐብሪ  ዝብኢ  ምስተዓዘረ  ያዕ  ያዕ  እነይ ኢታይ  ቁሩፅ  ምሸላ  ይሕልዋ  እዩ ዝኸውን።

(  ጋረደ ይነበብ)

ግንቦት   6   2010  ዓ/ም    


ነዚ ረጊፁ ዝሓልፍ እንተሃልዩ፣ንሱ ትግራዋይ ኣይኮነን! ደሓር ዕዳ ንምኽፋል እውን ክፅገም እዩ!

“ወያነ ትግራይ ክዳኸምን ክሰዓርን ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ኩሉና ተጋሩ ክንሓብርን ሓደ ክንከውንን ብዘይምኽኣልና እዩ፡፡ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሹመኛታት ሃፀይ ሃይለስላሰ ኣገዲዶም ካበየ ኣውራጅኡ ዘኽተትዎ ትግራዋይ ኣብ ውቕሮ፣ ኲሓ፣ እንዳየሱስ መቐለን ካልኦት ከባቢታትን ብዝገበርናዮ ናይ ሕድሕድና ኲናት፣ ኣብ ኲናት ኣላጀ ዝተርኣየ ናይ መወዳእታ ጥልመት ሰቖጣ፣ እዳ ራእሲ ጉግሳን ክፋል ወጀራትን እቶም ዝዓዘዙ ቀንዲ ምኽንያት እዮም፡፡

ንሕና ዝበዝሕ ሓይሊ ሒዝና ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተኣኻኺቦም ንህዝቢ ይብድሉ ዝነበሩ  እኒ ደገዝማት ገብርሄት መሸሻን ደገዝማት በየነ ተድላን ንዝመርሕዎ ግፍዐኛ ጦር ክንምክት ሓይልና፣ ጠያይትናን ሰብናን እንተዘይንውድእ፣ ከምቲ አቐዲምና ተሊምናዮ ዝነበረ ተጋሩ ብምሉእ ዓቕምና ተሓባቢርና ንቱ ካብ ማእኸል ሃገር ዝኸተተ ጦር ራእሲ ኣበበ ኣረጋይ፣ ጀነራል ኣበበ ዳምጠውን እንግሊዝን ኣብ ስጡሕ ጎልጎል ራያ ገጢምና ምስዓርናዮም ነይርና፡፡ግን ብሰንኪ ከዳዓት ተሸወምቲ ተጋሩ ዓቕምናን ግዘናን ኣብ ክልተ ሰለስተ ተመቒሉ፡፡ በዚ ምኽንያት ኢና ተሳዒርና፡፡

ሱር ዝሰደደ ሕመቕና ሓደ ዘይምዃና እዩ ነይሩ፡፡ ተጋሩ ሓድነትና እያ ውሕስነት መንነትና፡፡ እንተሓቢርናን ሓደ እንተኾይናን ጥራሕ ኢና ሓያላት ኮይና መንነትና እነኽብር፡፡ እንተዘየሎ ከምቱ ኣብ ታሪኽና እናተደጋገመ ዝተርአየ፣ ኣብ ወያነ እውን መብዛሕትኦም ተወለድቲ ገዛእቲ ትግራይ ምስ ገዛእቲ ሸዋ ተሰሊፎም ኣንፃርና ክንደይ ግፍዒ ዝፈፀሙ፣ ገዛእቲ ሸዋ እውን ንኣና እናመቓቐሉ ንዘበናት ዝተፃወቱልና፤ ግዙኣት ሓሻኽርን ዝተገፋዕናን ኮይና ኢና ክንተርፍ፡፡

ሕድሪ እዚ ታሪኽ ምምቕቓል ኣብ ደቅና ከይቕፅል፡፡ መላገፂ ማንም ከይትኾኑ ሓድነትኩም ሕድሪ፡፡ ሓደ እንተኮይንኩም ንፀላእትኹም ረዘንቲ ኢኹም፡፡ ሓደ እንተኮይንኩም ዓዲ ሊቃውንትን ጠቢባንን፣ ዓዲ ሰላምን ቅሳነትን፣ ዓዲ ሓልዮትን ራህዋን ኢኹም” ይብሉ ኣባ መብረቕ መራሒ ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ፤ ኣብቲ ብወዶም ካሳ ሃይለማርያም ኣብ 2010 ዓ/ም ተመሪቑ ናብ ኣንበብቲ ዝቐረበ  “ገረብ ወያነ ዓረና ትግራይ” ዝተብሃለ መፅሓፍ፡፡

*

*

*

*

*

*

*

*

*

*

*

*

 

እሞ ሓደ ንኹን! ባህጊ ውልቀኛታትን ከብዶም ዘመዶምን ነበርዕን!

(  ኣባዲ ገ/ስላሴ )

ተጋሩ ከበሮ እዝንና ብትኽክል ይሰርሕ ምህላዉ ንፈትሽ !!

ተጋሩ እዝንና ብዝግባእ ይሰምዕ የሎን። ካብ ቀደም ውን ብትኽክል ይሰምዕ ምንባሩ ኣጠራጣሪ እዩ። ምኽንያቱ ምስማዕ ማለት 12 ዓይነት እዩ። ፋፃ(whistling) ተመንን ፋፃ ክላሽን ኮፍን ምስማዕ ነኒ በይንቱ እዩ። ፋፃ ሚንጣዕ ክትሰምዕ ኣካላዊ ቁመና እምበር እዝናኻ ፀማም ድዩ ጥዑይ ናይ ግድን ኣይኮነን። ፋፃ ተመን፡ክስተምዕ ግና ናይ ግድን ከበሮ እዝኒ ብትኽክል ይሰርሕ ምህላዉ ኣረጋግፅ። እቲ ምንታይሲ ናይቲ ድምፂ ወሰን(tone) ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑ ልዑል ኣቓልቦን ልቦናን ይሓትት።

ትግራዋይ ስርዓተ ክብርታትቱ ኲናትን ኲናትን ጥራይ ክሳብ ዝመስል ጉዳይ ዓውዲ ኲናት እንትልዓል ጥራይ እዩ ብፍናን ዝሰክር። ንዘመናት ናብ ደንበኡ ዝለኩኽ መንደላይ ተመን ኣይስተባህልን። ምኽንያቱ ናይ ምስማዕ ክእለቱ ኣዝዩ ዝወረደ ስለዝኾነ። እዚ ድማ እቲ ተመን ኣብ መንደዱ ኣትዩ ክሳብ ዝሕምስ ኣብ ከቢድ ኮውታ ተሸሚሙ ይድቅስ። እቲ ተመን ክንዲ ድላዩ ኣትዩ እንትሕምስ ብር ዘየበለ ፣ ጓንዴ ኣብ ጉንዲ እዝኑ እንትነጉድ ጥራይ እዩ ዝነቅሕ ፣ እንቅዓ ኣብ ዝደኸመ ድማ ቱታ ኢሉ ይፍክር።ዓብዪ ሕማም እዩ። ሕማም ናይ ምስማዕ ተኽእሎ።

ተጋሩ ከም ህዝቢ ንዘመናት ዘተኣናገድናዮም ተፃብኦታት ዘቤትን ግዳምን ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። መልክዖምን ትሕዝቶኦምን ድማ ይፈላለዩ። እቲ ንሕና ኣዚና እተገደስናሉን ሕጂ ውን ንግደሰሉ ዘለናን እቲ ብዓይኒ ዝርአይ ፣ ብኢድ ዝድህሰስን ኣብ ጉንዲ እዝንና ተፅጊዑ ዝነጉድ ድምፂ ብሬንን ጨና ባሩድን እምበር ፣ እቲ ኣብ ታሪኽና ፣ ትውፊታትና ፣ ኣብ ነዊሕ ጉዕዞ ዝድረኽ ጉዕዞና ወዘተ መኻልፍ ዝኾኑ እሞ ድማ ልዕሊ እቲ ብግዙፍ ኣካል ዝድዕነነና ኣካላዊ ኲናት ንላዕሊ ንዓና ናይ፡ምብራስ ዓቕሚ ዘለዎ ድምፂ ይኹን ተፃብኦ ኣይኮነን።
ይኹን እምበር ምስጋና ንቶም ምእንተ ክብሪ ዓዲቦ ሓፁር ሓፂን ኮይኖም ዝሓለፉ ጀጋኑ ወለድና ብተደጋጋሚ ነቶም ኣካላዊ ኲናት ቀርሲሞም ንመወዳእታ ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገርና ህብረ ብሄራዊ ፌደራል ስርዓት ተኺሎም። ተኺሎም ጥራይ ዘይኮነስ ንዝተረሰዑ ህዝብታት ውን ዋልታ ኮይኖም ሓርነቶም ክረጋገፅ ደምን ዓፅምን ከፊሎም።

ወለድና ነዚ ኣጀንዳ ብዝግባእ ብምዕፃዎም ሓዱሽ ወለዶ ትግራይ ናብቶም ብስውር ዝካየዱልና ዓውደ ኲናታት ገፁ መሊሱ ዝተዛበዑ ዋሕዚ ታሪኻትና መሊሱ ናብ ንቡር ክመልስ(deconstruct ክገብር) ፋሕጠርጠር ጀሚሩ። እዚ ስጉምቲ ፣ ንቶም ሕማቕና ዝምነዩ ካብቲ ኣብ ዓውዲ ኲናት ወለድና ዘመዝገብዎ ኣንፀባራቒ ዓወት ብዝበኣሰ ከሰንብዶም ተራእዩ። ምኽንያቱ ቦሻዕና ንሱ ስለዝኾነ መሊሶም ብታ ቦሻዕ ሰሊኾም ንክኣትዉ ቀሊል እዩ። ብዚ ኣምር ክኸዱ ስለዘይጥዕሞም ድማ መንገዶም ክክልሱ ተገዲዶም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ deconstruction ምስተጀመረ ዝተወሰኑ ደቂ ታሕታይ ዓዲ ሙግት ዝገጠሙ ኳ እንተነበሩ ክሳብ መወዳእታ ከምዘየዛልቖም ተረዲኦም ኣብ ፍርቂ መንገዲ ብምትራፍ ካልእ ኣንፃር እቲ ዝመፅሉ ዋሕዚ ታሪኽን ብዝበኣሰ ድማ ኣንፃር ተጋሩን ብዝተፈላዩ ዓውዲታት ክዳለዉ ነይርዎም። ብብሄርተኝነት፣ ፅንፈኝነትን ሃሳዌ ኣንድነትን ብሚድያን ስነ ጥበብን ተኸዊሎም ዘመተ ገይሮም። ዘርኢ መሰርት ገይሮም ሕቶ መንነት ብምልዓል ህዝብና ምብራር፣ ምብስባስ፣ ንብረቱ ምዝራፍን ክሳብ ሂወት ምስኣን ኣብፂሐሞ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ስለዘይተዓወተ ሕጂ ካልእ እሞ ድማ ካብ ዝሓለፉ ብትሕዝቶኦም ይኹን ብብዝሖም ዝዛየዱ ኣጀንዳታት ቀሪፆም ኣብቲ ናታቶም ኣጀንዳ ዕንክሊል ክንብል ብዝግባእ ይሰርሑ ኣለዉ።
ነስተውዕል!!!

1) ኣብዚ ሓለፉ ዓመታት ብዓብይኡ ጉዳይ ህወሓት፣ ጉዳይ ኣይሰላም ኣይኲናት ኢትዮ ኤርትራ፣ ጉዳይ ባቡር ወልድያ-መቐለ -ሽረ -ሑመራ -ሱዳን ፣ ጉዳይ ልምዓት ትግራይ፣ ጉዳይ በለስ ወጀራት፣ ጎዳእነት ጫት ወዘተ ዝብሉ ዛዕባታት ነይሮምና። ሕጂ የለውን። ኣብ እዋናዊ(eventual) ኣጀንዳታት ተፀሚድና ንድሕሪት ከም ዒባ እናንጠብጠብናዮም ንከይድ ኣለና።
2) ሎሚ ውን እቶም ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ዛዕባታትና ከምዘለዉ ኮይኖም ህወሓት ምስ ዝወስዶ ዘሎ ብዕምቆት ናይ ምሕዳስ ልውጥታት(reforms) ሓዊሱ ብዋናነት ምልከታና ኣብ ትግራይ(in ward looking) ክኸውን ፣ኩሎም ደጋዊ ኣጀንዳታትና ውን ካብዚ ገንኢ ክቕድሑን ብመንፅር ረብሓን ዘላቕነትን ህላወ ትግራይ ዝተቐንዩ ስትራቴጂካዊ ኣንፈታት ክህልውና እዩ ነይሩ። ንሱ ውን ብሽም ልምዓት ጥራይ ዘይኮነስ ነጢሮም ዝወፁ ዛዕባታት ቀሪፅና ትግራይ ንቕድሚት ክወስዱ ኣብ ዝኽእሉ ዝርዝር ስራሕቲ ክንፈልይ፣ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘየገድስ ኣብ ሓፂር እዋን ፀገም ገባርና ክቐርፉ ዝኽእሉ ስራሕቲ በቢ ሞያና ክነበርክት ዝብል ነይሩ።

ይኹን ደኣምበር ካብቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ሰላሕታዊ ዛዕባታት ፣ ኣጀንዳ ኣብ ልዕሊ ኣጀንዳ እናተደረቡ ነቲይ መልሲ ከይሃብና ካልእ እናመፀ ጠቕሊልና ካብቲ ምህዋር ክንወፅእን እቶም ቀንዲ መቐይሮ ዝኾኑ ሽቶታትና ክንርስዕ ኮነ ተባሂሉ ብማሕበራዊ ይኹን ኤለክትሮኒካዊ ሚድያ ሕግን ስርዓት ኣብ ዘለዋ ሃገር ይድዕነኑና ኣለዉ።

ልቢ ኢልና እንተርኢናዮም ብጉዳይ መንነት ህዝቢ ወልቃይት ዝልሓዀ ሰላሕታዊ ዛዕባ ፣ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ወገናትና ቀቲሉን ኣፈናቒሉን ገፁ ናብ ስፖርት እዩ ገይሩ ቀፂሉ። ናቱ መቐፀልታ ኣብ ስታድዮም ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ዝተኻየደ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ክለባት መቐለን ባህርዳርን ዓብዪ ፖለቲካዊ ጌም ዝተሰርሐሉ እዩ ነይሩ። “ገዱ የኛ ፑቲን” ዝብል ብደገፍቲ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ከተማ ባህርዳር ብምግዋሕ ኣብ ቁስልና ጨው ነስኒሶም ከይዶም። እዚ ንዐኦም ዓብዪ ኦፕሬሽን ነይሩ።
ብምቕፃል ኣብ ወልድያ ዝተገበረ ነውራም ተግባር ውን ናቱ መቐፀልታ ኮይኑ ክቡር ሂወት ሓደ ለግለግ ዝኸፈልናሉ እዩ ነይሩ። ናይዞም ኩሎም መእሰሪ ውን ኣብ ወልድያን ከባቢኣን ንልዕሊ 40-50 ዓመታት ይነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ሂወቶምን ንብረቶም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ተዛዚሙ። እዚ ጉዳይ መቐይሮ ርክብ ክልቲኡ ህዝቢ ኮይኑ መንገዲ መቐለ -ኣዲስ ኣበባ ብዓፋር ኣዋሽ ኣርብዓ- ኣዳማ-ኣዲስ ኣበባ ክኸውን ክኢሉ።

ከምዚ እናበሉ ኣጀንዳ ኣብ ልዕሊ ኣጀንዳ እናተደረቡ ነቶም ዝቐደሙ እናገደፍና ደድሕሪ እቶም ሓደሽቲ ንጎይይ ኣለና። ሕዚ ውን ጉዳይ መንነት ህዝቢ ራያ ዝብል ሓዱሽ ቤተ ፈተነ ኣምፂኦም፣ መንግስታዊ ሚድያ(EBC) ኮነ ኢሉ እንተጋውሖ ተሪር ተቓውሞና ኣስሚዕና እንከይ ወዳእና ኣብ ልዕሊ ክለብ ወልዋሎ ዩ.ዓ. ኣዝዩ ብዝተዋደደ ስውር ናይ ኲናት ግምባር እኒ ገርሂ እግራ(ኣይተ ማሩ) ማኖ ክነኽኡ ተገይሩ። ብቲ ዝተቐየሰ መንገዲ ድማ ብልዕቲ ትግራዋይ ብዝነክእ መልክዑ ዓይኑ ዘፍጠጠ ኢፍትሓዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዘርኣዊ ዝኾነ ውስነ ኣብ ልዕሊ ክለብ ወልዋሎ ተዳዕኒኑ።
ብናተይ እምነት ፣ቀንዲ ዕላማ ቀየስቲ እቲ መንገዲ ግብረ እከይ ፣ ወልዋሎ ንምውራድ ወይ ንዘይምውራድ ኣይመስለንን። ወልዋሎ ኣብ ፕሪመር ሊግ ኢትዮጵያ ቀፀለ ኣይቀፀለ ጉድኣት ኮነ ረብሓ የብሎምን። ንዓይ ከምዝርደኣኒ እዚ ካብቶም መሳርሕታትን(tools) ስልትታትን ብሄራዊ ከበባ ሓደ እዩ ዝመስለኒ። ድሕሪ እዚ ውን ካልኦት ተንከሽሕ ዛዕባታት ታራ ሒዞም ምህላዎም ካብ ብሒዚ ምግማቱ ኣይከብድን።

ስለዚ ተጋሩ ብድሆታትና በዲህና ነቶም ዝኸቡና ዘለዉ መሊሶም ክልቑምፅዎም እንታይ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ቃልሲ ንከተል?ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ዛዕባ።

1) ሕገመንግስታዊ መንገድታት ብዘይጥሕስ(fullfil) መልክዑ ዝተመርፁ ርእሲታት ወሲድካ ብተደጋጋሚ ንማእኸላይ መንግስቲ ናይ ይግበኡና ሕቶታት(claim) ምሕታት።

2) ድላዩ ዓይነት ምትንኳይ(ትንኮሳ)፣ ኣድልዎ ፣ ናይ ሚድያን ቢሮክራሲን ፅዕንቶን ፀቕጥን ይምፃእ ፣ ሕግን ሕግን ጥራይ ምኽታል። ብዘይ ምሽርራፍ እቲ ሕገመግስቲ ምትግባር። ማኖ ንዘይምንካእ ልዑል ጥንቃቐ ምግባር

3) ዛዕባ ኣግኣዝያን ካብ ታራ ናይ ሓሳብ ምሽርሻር ሓሊፉ ኣብ ክልቲኡ ህዝቢ ግእዝ ሱር ክሰድድን ናብ ኦፊሳላዊ ርክባት ዝሳገረሉ መንገዲ ምስራሕ። ጉዳይ ኣግኣዝያኒዝም ብዘይ ዕረፍቲ ኣጀንዳ ገይርካ ኣብ ኣየር ክፀንሕ ምግባር

4) ምስ ህወሓት ታክቲካዊ ርክብ ፈጢርካ ስርዓት ህግደፍ እንተኽኢሉ ናብ ንቡር ሰላማዊ ርክብ ክመፅእ እንተዘይኮይኑ ብዝኾነ ስልቲ ዕምሪ ስልጣኑ ዝሓፅረሉ መንገዲ ምንዳይ ሓቢርካ ምቅላስ።

5) ምስ ሱዳን ብዘለና ቅርበት ብፍላይ ኣብ ዶባት ትግራይን ሱዳንን ውዑይ ንግዳዊ ስራሕቲ ምክያድን ኩነታት ሰላም እቲ ከባቢ ብልምዓታዊን ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ክዕምብብ ነቲ ከባብያዊ ሕ/ሰብ ምፅላው ካብ መላእ ትግራይ ዘድልዩ ጥረ ኣቑሑት ይኹኑ ስኑዓት ፈሊኻ ንነጋዶ ምፍላጥ ፣ ብወገን ሱዳን፡ዘሎ ውን ብተመሳሳሊ።

6) ንዝኾነ ይኹን ኣጀንዳ ተሎ react ዘይምግባር ፣ ኣብ ናሃትካ ኣጀንዳ ጥራይ ምትኳር፣ መልሲ ምሃብን ምምጓትን እንተተደልዩኳ ውድብ ብዝኾነ መልክዑን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዓንዲ ሕቖ እቲ ዛዕባ ምቑራፅ። ብተናፀል ርእይቶ ይኹን ፅሑፍ ዘይምቕራብ።

7) ከም ብሓዱሽ እቶም ናይ ዓሚ ይኹኑ ናይ ሎሚ ዛዕባታትና ትኩስ ዛዕባ(hot issues) ምግባር። ኣድላይ እንተኾይኑ ውን ሰላማዊ ሰልፊ ፀዊዕኻ ካብ ጫፍ ጫፍ ድምፂ ህዝቢ ክስማዕ ምግባር።

8) ምስ ስትራቴጅያዊ ናይ ቃልሲና ሓይልታት(መሓዙትና) ብዝበለፀ ኣዝዩ ጥንቃቐ ብተመልኦ ምትሕግጋዝ፣ ውልቀ ሰባት ብዝፅሕፍዎ ንዞም ሓይልታት እዚኦም ዘይምጉዳእ። ኣብ ዝተመርፁ ዛዕባታት ድማ ሽፋንን ድጋፍን ምሃብ።
9) ፖለቲካዊ ፍልልያት ንጎኒ ገዲፍና ኣብ ትግራይን ትግራይን ብሓባር ምስራሕን ነቶም መንቀኛታት ብግብሪ ምርኣይ።

10 እዞም፡ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ነጥብታት ገባርናን መላእ ህዝብናን ብዝግባእ ክፈልጦም ምግባርን ቅድሚ ጥይት ምትኳሱን ባሩድ ምሽታቱን ናይ ምብርባር ባህሊ ክህልዎ ምግባር።

ሻሎም!!!
ወዲ ገረብ ፃና!!!