ራኢ መለሰ ካብ ዝብል ደውታ ዶኾን ክንገላገል ንኸውን ?!

ካብ ወልደገርግስ

ሙሉእ ምትዕርራይን ዘመናዊ ዉድብን ዶኾን ክፈጥሩ ይኾኑ?

ኣብ ገለ ፖሊሲታት ደኾን ለዉጢ ክህሉ ይኾን?

ራኢ መለስ ካብ ዝብል ደውታ ደኾን ክንገላገል ንኸዉን?

ዝሓሸ ትምህርቲ ዘለዎም፣ ጸገማት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝርድኦምን፣ ብwarm-up ዘይረኽዑን  ኣመራርሓታት ዶኾን ይፍጠሩ ይመስለኩም?

ብዝኾነ ብዓል መን እዩም ናብ ቅድሚት ክመጹ ዝብል ገና ዘይተፈልጠ እኳ እንተኾነ፣ ሰብ ተለወጠ ኣይተለወጠ መዋቕራዊ ለዉጢ እንተዘየሎ ፊሒት ምባል ኣይክኣልን፣ ወዘተ ዝብል መከራኸሪ ንግዚኡ ገዲፈ ( ንግዚኡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኢህወዲግ ጥራሕ እያ ዘላ ብዝብል እንተወሲድናዮ)።

እቲ ትማሊ ዝተገበረ ናይ ምዉራድን እገዳን ክኸዉን ዝነበሮ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ፣ ብወገነይ ዲንቂ ገበሩ። እንዲያዉም ካብቲ ማእከላይ ኮሚቴ እውን እንተዘርሕቕዎም። ለዉጢ ሰብ እዉን ንግዚኡ ወሳኒ እዩ። ትካላዊ ጥንካረ ዘይብልካ፣ ኣብ ልዕሊኡ ካዓ ጥንኩር ሰብ እንተዘየለካ፣ ዋጋ የብልካን።

ባህሊ ዲሞክራሲ ኣብዘይዓበየለን ሃገራት ግደ ውልቀሳባት ዓብዪ እዩ። ኣብ ኦሮሚያ እንሪኦ ዘለና ምንቕቓሕ ኣብ ኦሆዴድ ኮነ ኢህወዲግ ናይ መስመር ለውጢ ስለዝተገበረ ኣይኮነን፣ ናይ ሰባት ለዉጢ ዘምጽኦ ምዕባለ እዩ። ዋላ ኣብ ሕማቕ መዋቕርን መስመርን ዝውክለካ ሰብ ወናኒ ዝሓሸ ክእለት፣ ፍልጠት፣ ታክቲክ እንተኾይኑ ይበልጽ። ዕኑድ ድኣ እንታይ ክገብር።

ኩሉ ፖሊሲ ኣለና፣ ምትግባር ጥራሕ እዩ ዘድልየና“ ዝብል መራሒ ሃይማኖት እምበር መራሒ ህዝቢ ክኸዉን ኣይኽእልን። እሞ ድማ ንምትግባር ዘኽእሎ ዓቕሚ እዉን ኣብ ዘይብሉ ሃዋህዉ ኮይኑ። ዋይ እንኳዕ ርሕቕ በሉልና፣ ግን ዝሓሹ ሰባት እንተዘይ ኣምጺኦም ብላሽ እዩ። `ታብ ኩለይ ሕማቕ ኮነ ፅቡቕስ ሓሳቡ ብግልፂ ምዝራብ ዝኽእል ሰብ ይድለዩ። መጀመሪያ እኮ ናይ ምስማዕ ሽውሃትና እዉን እናዓጸዉዎ።

ረጊፅክዮ ዘለኺ መሬት …!!

ተጋዳላይ ገረንችኤልን (ብርሃነመስቀል) ብፆቱን ዝነበሩላ ሓይሊ 22, ብሽሾ ሰራዊት ኢዱ ኣብ ሓኽፈን ተኸቢባ። ተጋደልቲ ስረ ኣፅኒዖም ብፅንዓት ተቓሊሶም።ክዋጉኡለን ዝዋዓሉ ጥይት ዝወዳኣ ብረታቶም መስፍናውያን ኢዱ ምእንታን ከይጥቀሙለን ሰይሮም ብእምኒ ክሳብ መወዳእታ ተዋጊኦም፣ በጃ ህዝቢ ተሰዊኦም።

ፅባሕ ኲናት ሓኽፈን ሓይሊ 73 ብፆቶም ንኽቐብሩ ናብቲ እምባ ይድይቡ። ናይ ብፆቶም ሬሳ ስኢኖም ኣብቲ ከባቢ ንእሽተይ ሕብይብይ ምስበሉ ናብ ሰለኽለኻ ገፅ ኣብዝነበረ ጎልጎል ህዝቢ ተኣኪቡ የማነ ፀጋም ክብል ምስራኣዩ ናይዞም ብፆት ሬሳ ካብ ሰለኽለኻ ናይ 20 ደቒቓ መገዲ ኣብ ዝርከብ እምባ ፅሕዲ ኣብ ዘሎ ሜዳ ህዝቢ ይቐብሮም ምህላዉ ተረዲኦም፣ ናብቲ ቦታ ምውራድ ይጅምሩ። ተጋዳላይ ተ.ሓ.ህ.ት ብዘድንቕ ጅግንነት ዝተዋጋኣሉ ቦታ እንዳራኣዩ ፣ናይ እምባፅሕዲ ውግእ ናይ መስዋእቲ መጋረጃ መጀመርታ ዝኸፈተ ብፃዮም ወዲ ዓጋቲ ዝወደቐሉ እግሪ መገዶም ሪኦም ናብቲ ብዓቢ ሓዘን ተዋሒጡ ናይ ብፆቶም ሬሳ ይቐብር ናብ ዝነበረ ህዝቢ ይሕወሱ። ናይ ውሽጦም ጓህን ሕርቃንን ሸፊኖም ፣ ብደም ተፀይቖም ዘይንሶም ዝመሰሉ ንራህዋ ውፁዓት ዝተሰዉኡ ብፆቶም እንዳቐበሩ ስሚዒቶም ምቑፅፃር እንዳኣበዮም ተሓቢኦም ዝበኽዩ ገሊኦም ካኣ “መስዋእቲ ጉቡእ እዩ” እንዳበሉ ነቲ ብዓቢ ተዋሒጡዝነበረ ሓፋሽ እንዳኣበዱ ምቕባር ይቕፅሉ።

መሳፍንቲ ኢዱ ብዓወት ሰኺሮም ናብ ሽረ ኣትዮም ኢዱ ዘይገበረቶ ገይራ እንዳበሉ፣ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣምሲሎም ብዓቢኡ ምውራዮም ይቕፅሉ።እከለ ቀንዲ ዝባሃል ካብ መራሕቲ ተሓህት ተቐቲሉ፣ መሬት ንባዓል መሬት ገዛ ንባዓል ገዛ’ያ ተባሂሉ..ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘረባታት ይጋፍሑ። ደቁ ዝተጋደሉ ነባራይ ከተማ ሽረ በዚ ወረ ይሰግእ።

ኢዱ ዝነዝሕዎ ወረ ስግኣት ዝኣተዋ ኣዶ ብርሃነመስቀልን ሓፍቲ ሓየሎም ኣርኣያን ወ/ሮ ኣምሳሉ ኣርኣያ ብዓቢ ሓሳብ ተዋሒጣ እንትትክዝ ኣብ ናይ ሽረ ኣውቶብስ መዕረፊ መኪና እንዳተፀበየት ትረአ። ብናይ ኢዱ ወረታት ተስፋ ከይቆረፀት “ወደይ ብሂወት ክረኽቦ እየ” ኢላ ፅንዓት ተቐኒታ ንሰለኽለኻ ተበገሰት። ኣብ መኪና ሓጂ ዓብዱ ተሰቒላ እንዳተጓዓዘት ሓደ ሓደ ጊዜ ዕምት፣ ሓደ ጊዜ ፍጥጥ፣ ሓደ ጊዜ ናብ ዓቢ ሓምቢስካ ዘይትዘልቆ ባሕሪ፣ ሓደ ጊዜ ሕማቕ ሓደ ጊዜ ፅቡቕ እንዳተራኣያ ናይ ወላድ ከብዲ ኮይንዋ ኣብ ዓቢ ድቃስ ኣይትብሎ ጋህዲ፣ ሓሳብ ኣይትብሎ ሕልሚ ተዋሒጣ እንዳተጓዓዘት ሰለኽለኻ ትኣትው። ካብ መኪና ወሪዳ ንሓንቲ ኣብ ሰለኽለኻ ትነብር ፈታዊታ “ማሓዛይ..ተጋደልቲ ዘለውዎ ከባቢ ትፈልጣ’ዶ? ናይቲ ወደይ ወረኸ ሰሚዕክን’ዶ?” ኢላ ትሓታ።

ዓርካ ናይ ወዳ ኩነታት ከምዘይሰመዐት፣ ተጋደልቲ ኣበይ ከባቢ ምህላዎም ብውሽጣ ዘሎ ናይ ሓዘን ስምዒት ንምሕባእ ኢላ ካብ ውሽጢ ዘይመፀ ፍሽኽታ ገይራ ክምስ እንዳበለት ትሕብራ።ብዙሕ ከይፀነሐት ዘንቢላ ኣንጠልጢላ ናብቲ ተጋደልቲ ዘለዎ ቦታ ካብ ሰለኽለኽ ተበጊሳ ሩባ ሩባ ጉዕዞኣ ትጅምር። ኣምላኽ ብሓቂ ምስ ወደይ ክተራኽበኒ ዲኻ ? እንዳበለት ብሓደ ገፅ ንክልተ ዓመት ኣቢሉ ዝተፈለያ ወዳ ሓቚፋ ንክትስዕም እንዳተራኣያ ብካልእ ገፅ ካኣ ብርሃነመስቀል ምስ ሓየሎም ኣኩኡ ንሜዳ ክወፅእ እንዳተዳለዉ እንዳዘከረት “ብርሃነመስቀል..ዘይንስኻ ካልኣይ ሳልሳይ ዘይብለይ በይነይ ደርቢኻኒ ክትከይድ? ጨኪንካለይ ?” ኢላ እንዳበኸየት ክትዛረቦ ከላ።ናይ ፍቕሪን ናፍቖትን ስሚዒቱ ዝገልፅ ንብዓት ኣብ ዓይኑ መሊኡ ቅድሚ ዘረብኡ ቀዲምዎ ከይከይድ ዓይኑ ፍጥጥ እንዳበለ።

“ ኣደይ ማዓረይ ዘይኣነ ውላድ ዘይብልኪ ከም ወድኽን ንእሽተይ ሓውክን እንዳራኣኺ 9 ወርሒ ኣብ ከርስኺ ዳሓር ‘ውን ኣብ ሑቕፈኺ ተሰኪምኪ ንባዕሉ ሰብ ኮይኑ ንዓይውን ሰብ ክኾነኒ እዩ ኢልኪ ዝሓብሓብክኒ፣ ሓዳር ገይረ ጐጆ ወፂአ ሓቚፍኪ እትስዕምዮ ውላደይ ክትረኽቢ ብዓቢኡ ትምነዪ ምንባርኪን ናዓይ ኣምሂርኪ ግርማን ማዕረግን ክኾነልኪ ትፅበዪ ከምዝነበርኪን ብርሃነ መስቀል ወድኺ ሓቀኛ መንነተይ ኣብ ምፍጣር ዘሕለፍክለይ ዕዳ ዓቢን ከቢድን እዩ። ዕዳኺ‘ውን ይኸብደኒ ስለዝነበረ ለይቲን ቀትርን ኢለ ናትኪ ዕዳ ክምልስ ትምኒተይ ዓቢ’ዩ ነይሩ። … ህዝቢ ትግራይ ብመዝመዝቲ ደሙ እንዳተማፀየ ብዘስካሕክሕ ግፍዕታቶም እንዳተረሸነ እንዳተኣሰረ ብሰንኮም ክንደይ ህዝቢ እንዳተሰደደ ክንደይ ስድራ እንዳተበተነ እዚ ኩሉ እንዳራኣኹ ናዓይን ናዓኽን ክጥዕመና ኢለ ካብቲ ታሪኽ ካበይ ዝፅበዮ ግቡእ ዘልሓጥሓጥ ኢለ ነብሰይ ፈትየ ዝበልዖ ደሞዝ ዕፈል ኾይኑ ክቕትለኒ እዩ። ዝኽደኖ ክዳን ‘ውን ዕሾኽ ኾይኑ ክወግኣኒ እዩ። ዝረግፆ ሳእኒ‘ውን ምስማር ኾይኑ ከቑስለኒ እዩ።

ናትኪ ዕዳ ናይምኽፋል ግቡኣይ ንህዝቢ ትግራይ ብምቅላሰይ ጥራሕ እዩ ክምለስ ዝኽእል። ንህዝቢ ምቅላስ ናይ ስድራኻ ግቡእ ምርሳዕ ኣይኮነንን።..ካብ ናትኪ ናይ ሕጂ ብኽያት ንላዕሊ ናይ ውፁዕ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኩሉ ብኽያት ይበዝሕ። ኣደይ መዓረይ ደጊም ንውልቀይ ዝብፅሓኒ ወዲ ኣለኒ ኣይትበሊ ወድኺ ንህዝቢ ትግራይ ተሃጊረ እየ። ወዲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ኮይነ እየ። ምናልባት ሕጂ እንክፍለየኪ ናይ መወዳእታ መፈላለይት መዓልትና ‘ውንክትኸውን ትኽእል እያ። ንህዝቢ ቆሪፁ ክዋደቕን ክቃለስን ንዝተላዓለ ጅግና ዝወለደ ርሑስ ከርስኺ ይፅናዕ፣ይኩራዕ ዳሓን ኩኒ ኣደይ” ኢሉ ንመወዳእታ እንትሰናበታ ዝነገራ ዘኪራ‘ውን ከም ኣፉ ኣይግበሮ ሎምስ ኣምላኸይ ተዋሓሰኒ ደኣ በለት።” ሓይሊ 73 ስዉኣታ ቀቢራ ክትውድእ ኣደ ብርሃነመስቀል ናብቲ ንሶም ዝነበሩዎ እንዳተቐራረበት ትመፅእ።ዝበዝሕ ተጋዳላይ እቲ ውግእን ናይ ስዉኣት ኩነታት ኣብዝፈጠረሉ ስምዒት ጣንዩ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናብ ምንቕስቓስ ከየስተውዓለ ኣብ ካሊእ ዓለም እንትዛውን ናይዛ እትመፅእ ዝነበረት ሰበይቲ ኣመፃፅኣ ካብ ሩሑቕ ኣብ ደው ዝበሎ ነቒፁ ዝጥምት ሓደ ብፃይ ግን ነይሩ።

እንዳተፀገዐት ከላ ሓደ መራሒ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ኮይኑ ምስ ራኣያ ኣለለያ ኣሞ ከይተፈለጦ እወ ንሳ እያ በለ። እወ ሓዋ ሓየሎም ኣርኣያ እዩ። እዛ ወላዲት ናብቲ ባዓል ሓየሎም ዝነበሩዎ ቦታ ምስ ቀረበት እዛ ወላዲት ዳሓንዶ ዊዒልኩም ክትብል ተደሃየት። ሓየሎም ድማ ከምዛ ደቂሱ ዝነበረ ብህርር ኢሉ ቅንዕ በለ። እዘን ወላዲት ድማ ሓወን ረኺበን ዕልል ዕልል በላ ሓቚፈን ድማ ስዓመኦ። ሓየሎም ግና ክምስ ምባል ሲኢኑ ገፁ ክስመት ምስተኸደነ እዩ። ግን ድማ መስገን ድሓን ኢና ሓፍተይ በለ። ወላዲት ንሓዋ ረኺባ ተሓጉሳ ኣላ። ግን ድማ ወዳ የለን። ክሓቶ’ዶ ዋእ ዳሕር ካኣ ቅበፅዮ እንተበለኒ ኸ? ኢላ ቁሩብ ድሕሪ ምጉቡጋብ ንፍርሓ ኩሉ ተቆፃፂራ “ሓድሽ ሓወይ” በለት ሕጂ‘ውን ሓውሲ ፍርሓት። “ኣቤ..ት” ይብል ድምፁ እንዳተቖራረፀ። ብርሃነ መስቀል ወደይ ዳኣ ኣበይ ኣሎ? ክትብል ሓተተቶ። ኣካላቱ ከም ኤሌትሪክ ዝሓዘ ሰብ ዲዝ ኢልዎ ካብ ኣዒንቱ ቀልጢፉ መልሲ ክህብ ዝደለየ ይመስል። ብርሃነመስቀል ትብል ቃል ናብ ሓንጎሉ ደወል ደወለት።

ብርሃነመስቀልን ሓድሽን(ሓየሎም) ኣብ ዓዲ ነብሪኢድ ተወሊዶም ዕድሚኦም ዝተቐራረበ ኮይኖም ከም መትለመትሊ እንዳተቓፀፁ፣ እንዳተባኣሱ፣እንዳተዓረቑ፣ ሓድሽ ንብርሃነመስቀል ኣነ ኣኮኻ እየ እንዳበሎ፣ኪድ! ንስኻ ዲኻ ናዓይ ኣኮይ እንዳበለ እንዳመለሰሉ ብሓባር ብይን እንዳተፃወቱ ዘሕለፍዎ እንዳመለሰሉ ብሓባር ብይን እንዳተፃወቱ ዘሕለፍዎ ናይ ቁልዕነት ዕድመ።

ዳሓር ካኣ ናብ ካሊእ ዓዲ ከይዶም ትምህርቲ ኣትዮም ብማርክ እንዳተወዳደሩ “ኣነ በሊፀካ፣ ቺድ እንዳቀዳሕካ’ምበር ኣይምበለፅካኒን” እንዳተባሃሃሉ።ዓዶምን ስድርኦምን ናፊቖም “ማኣስ ኢና ዓድና ንምለስ” እንዳበሉ ምህሮ ተወዲኡ ዓዶም ከይዶም ስድርኦም ምስረኸቡ ዝስምዖም ዝነበረ ታሕጓስን። ዳሓር ተ.ሓ.ህ.ት ምስተፈጠረት ክንጋደል ኣለና ኢሎም ወሲኖም ነቶም ሽዑ ውሑዳት ዝነበሩ ብፆት ክደልዩ ከርተት እንዳበሉ ድሕሪ ምፅናሕ። ምስ ብፆት ተራኺቦም ኣብ ልዕሊ ሕውነት ብፃይነት እውን ወሲኾሙሉ ኣብ ሓድሽ ዓለም ምእታዎም ዝሕደረሎም ታሕጓስ ኣብ ደቒቓ ኣብዘይመልእ ጊዜ በብሓደ ክዝክሮ ይጅምር።

ንኣፉ ቀዲመን ኣዒንቱ ንብዓት መሊአን መልሲ ክህባ ክብላ ከለዋ መሊሱ ርእሱ ናብ መሬት ኣድኒኑ ንብዓቱ ከይረአ ክሓብእ ፈተነ። ግን ድማ እታ ሕቶ ክትምለስ ኣለዋ። ሓየሎም ሓንሳብ ንፀጋም ሓንሳብ ንየማን ቀባሕባሕ ክብል ንኹነታቱ ዝተዓዘቡ ወያናይ ተሰማ ስዩም ቅልጥፍ ኢሎም “ብርሃነ መስቀል ኣብዚ የለን። ቅድሚ ሕጂ ተወጊኡ ነይሩ ሕጂ‘ውን ተወጊኡ እዩ ግና ናብ ሓይሊ 60 ሰዲድናዮ ኣለና። ሩሕቕ እዩ ከይዱ ናብ ገዛኺ ተመለሲ በላ” ክብል ኣብ ክንዲ ሓየሎም መለሰ። ሓየሎም’ውን ነቲ ብወያናይ ተሰማ ዝቐረበ መልሲ ትኽክል ኣዩ ንምባል ርእሱ ይንቕንቕ ።

ካብ ቁፅፅሩ ንላዕሊ ኮይኑ ካብ ዓይኑ መንዚዕዎ ክወርድ ኢሉ ዝነበረ ንብዓት ንውሽጢ ውሒጡ። ርእሱ ኣቕንዕ ኣፉ ቁሩብ ክፍት ኣቢሉ ኣብ መቓብር ወዳ ጠጠው ኢላ ዓይኒ ዓይኑ ንእትርእዮ ዝነበረት ሓፍቱ ፍጥጥ ኢሉ ኣንዳረኣየ ብሓሳቡ “ካብ ከርስኺ እንክወፅእ ብርሃን ልብኺ መሊኡልኪ ብርሃነ መስቀል ዝበልክዮ ወድኺ ሎሚ ገ/ችኤል ተባሂሉ ናብ ከርሲ መሬት ምእታዉን ረጊፅክዮ ዝለኺ መሬት መን ምዃኑን እንተትፈልጥዮስ እንታይኮን ምበልኪ?” ዝበለ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ እዩ ነይሩ ።

ፍልፍል ፣ ካብ ባህሪና

ገሊኡ ብገርሁ፣ ገሊኡ ብጉርሑ ከምዝበሃል!!

ካብ ገሬ ገብረስላሴ

“…ብመሰረቱ ህዝብን ከምኒ ትምክሕትን ፀቢብነትን ዝበሉ ሓይልታትን ፈላሊና ኢና ክንርደኦም ዝግባእ። ደሚርና ኣብ ሓደ ደምበ ኣይነቕምጦምን። ምኽንያቱ መበገሲኦም እውን መደምደምትኦም እውን ነንበይኑ እዩ። ብብርኪ ምትሕውዋስ ዝርአ ፀገም እምበር ብባህሪ ደረጃ ዘራኽብ ኣተሓሳስባ ክህልዎም ኣይኽእልን።

ዋላ እቲ እምኒ ዝደርበየ ግን ድማ ዝተደናገረ ወገን ኣብ ደምበ ፀላኢ ሓዊስካ ክትሪኦ ኣይትኽእልን ኣይግባእን እውን። ምኽንያቱ ድልየቶም ኮነ ባህሪኦም ነንበይኑ እዩ። ሓንቲ ምፍላይ እተድሊ ድማ ንሳ እያ። ወለድና ዝምስልዎ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ገሊኡ ብገርሁ፣ ገሊኡ ብጉርሑ ከምዝበሃል ተሓዋዊሱ እምበር ናይ ህዝብን ናይ ፀላእትን ድሌት ነንበይኑ እዩ መበገሲኡ። ብዝኾነ መለክዒ ሓደ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ክኽውን እውን ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ህዝቢ ይብደል ኣለኹ፣ ስለዚ ዝተበላሸወ ኣካይዳኹም አዐርዩ ኢሉ እዩ ገሊፁ።

ደንጕኹም ኢኹም ወይ ፍትሒ ኣጉዲልኩም ኢኹም፣ ስለዚ መልሲ ይደሊ ኣለኹ እዩ ሕትኡ። እዚ ከዓ ከም ኢህወዴግ ግቡእ እዩ። ህዝቢ ክሓትት መንግስቲ ምላሽ ክህብ ንቡር እዩ። ኣብዚ ግቡእ ዘይኸውን እምኒ ምድርባይ፣ ህይወት ምጥፋእ፣ ወይ ድማ ንብረት መንግስትን ሰብ ሃፍትን ምዕናው እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ሕቶ ዘለዎ ክፋል ሕብረተሰብ ምላሽ ይወሃበኒ ኢሉ ሕቶ ከልዕል ይኽእል። ብመንገዲ ጥፍኣት ምኻድ ግን ተቐባልነት የብሉን። ንህዝብን ንሃገርን እውን ኣይጠቅምን። ስለዝኾነ እታ ተበዲለ እትብል ሕቶ፣ ሰላማዊት ሕቶ ካብ ምዃን ሓሊፋ እምኒ ናብ ምድርባይ በፂሓ እንተኾይና፣ ንምንታይ ስርዓትካ ዲኻ ክተፍርስ ኢልካዮ እቲ ህዝቢ “ስርዓተይ ከፍርስ ኣይደልን፤ ይኹን እምበር ስለዝመረረኒ እየ ከምኡ ገይረ” እዩ ክብል ዝኽእል።

ብመሰረቱ እቶም ምስ ህዝቢ ዝገበርናዮም ምርድዳኣት እውን ነዚ ዘረጋግፁ እዮም። ስለዝኾነ መልሲ ናይቲ ህዝቢ ኣብ መወዳእታ ስለዝመረረኒ እምበር ስርዓተይ ከፍርስ ኣይደልን ናብ እትብል እያ ተቐይራ። ትምክሕትን ፀቢብነትን ግን ስለዝመረሮም ኣይኮኑን። መበገሲኦም ኮነ መደምደምተኦም እቲ ስርዓት ካብ ሱረ መሰረቱ ክዓኑ ስለዝደልዩ እዮም። ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ስለዘለዎም ኣይኮኑን። ዕላመኦም ነተን ናይ ህዝቢ ሕቶታት ተበሊፅካን ናይ ህዝቢ ወገን መሲልካን ነዚ ስርዓት እዚ ምጥፋእ ጥራሕ እያ። ምኽንያቱ ገሊኦም ቀደም ዝሰዓርናዮም፣ ገሊኦም ድማ ተሰፈኛታት እዮም። ስለዝኾነ እቲ ፀገም እዚኦም ዘባርዕዎን ምትሕውዋስ ዝነበሮን እዩ። ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣካል እቲ ፀገም ገይርካ ክርአ ዝኽእል ናይ ደገ ኢደ ኣእታውነት እውን ነይርዎ።

ፅቡቕ ዘይደሊ፣ ፅቡቕ ዘይደሊ እውን ጥራሕ እንተይኮነ ህላወን ቀፃልነትን ናይዚ ስርዓት እዚ ዘይደሊ ሓይሊ ትምክሕትን ፀቢብነትን ክኸውን ይኽእል፣ ካሊእ ብደገ ኮይኑ ሓጊዙ እዩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይሃሉ ኣብ ደገ ብመሰረቱ ከዓ ፀላኢ፣ ፀላኢ እዩ። ከምቲ ሌባ ናይ ዕዳጋ ዕግርግር ይምችዎ ዝበሃል እቶም ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ሓይልታት እውን ኩሉሻዕ ዝምችዎም መዓልቲ ዕግርግር ክፍጠር ምስ ኣድበዩ እዮም። ካብ ደብያ ሓሊፎም እውን ኣብ ዝመቸዎም እዋን ዘሊሎም ኣትዮም ስልጣን ናይ ህዝቢ ክምንጥሉ ዝደልዩ እዮም።

ህዝባውነት ይኹን ናይ ህዝቢ ተጠቃምነት ንዕኦም ኣይንታዮምን። ንዕኦም ዘገድሶም ናቶም ድሌት ዝሕሉ ስርዓት ምትካል፣ ክብሮምን ተጠቃምነቶምን ምርግጋፅ ጥራሕ እዩ። እዚኣ እንተኾይና ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ዕላመኦም ከዓ ንዓና ከዳኽሙን ከፍርሱን ምድላዮም ወይ ምድባዮም ባህርያዊ ኣተሓሳስባ ናይ ፀላእቲ እዩ። ስለዚ እዞም ሓይልታት ጥንክር እንትንብል ዝቕህሙ፣ ድኽም እንትንብል ድኽመትና ተበሊፆም ክኣትው ለይትን ቀትርን ዘድብዩ ፀላእቲ ስለዝኾኑ ኩሉሻዕ ክሰልኩሉ ዝፍትኑ ነዃላት እናዓፀና፣ ውሽጣዊ ጥንካረና እናረጋገፅና ምኻድ ግድን ክኸውን እዩ። ኩሉሻዕ ትካላዊ ብዝኾነ መንገዲ እንድሕር ዘይትቃለስ ኮይንካ ሕመቕ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ምዝሕሓልን ሕመቕን እንተሃልዩ ከዓ ፀላእቲ ክብለፅሉ ዝኽእሉ ክፍተታት ምህላው ዘይተርፍ እዩ።ስለዚ ከምታ ንሶም ብዘይምቁራፅ ክቃለሱናን ክሰዕሩናን ዝደልዩ፣ ንሕና እውን ስርዓትና ከፍርሱ ድቃስ ዝሳኣኑ ፀላእቲ ምህላዎም ተረዲእና ቀፃሊ ዝኾነ ቃልሲ ምክያድ ክሓተና እዩ። ቃልሲ ብመሰረቱ ተጀሚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ተጀሚሩ ጠጠው ዝብል እንተኾይኑ ከዓ ከይዱ፣ ከይዱ ሓደ ስርዓት ናብ ፀገም ምእታው ናይ ግዘ ጉዳይ እዩ።

ህዝቢ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ኣለው እንተይሉ ብእዋኑ፣ ናይ ልምዓት ሕቶ እንተልዒሉ ብኣግኡ ምላሽ ምሃብ። ዘይካኣል እንተኾይኑ ድማ ዘይካኣለሉ ምኽንያት ኣቕሪብካ ምስ ህዝቢ ምርድዳእ ይጠቅም እምበር ኣይጐድእን። ኣይጐድእን ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ባህርና ተበጊስና ናይ ህዝቢ ሕቶ ክንምልስ ግቡእ ይኸውን። ካብዚ ተበጊስና ንባዕልና እንትንርኢ ንከምዚኦም ዝበሉ ፖለቲካዊ ሕቶታት ብእዋኑ ፖለቲካዊ ምላሽ ምሃብ ክሓተና እዩ።ናይ ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ናይ ልምዓት ሕቶ ብእዋኑ ክንምልስ ይግባእ።

ብእዋኑ ዘይምለስ እንተኾይኑ ግን ናይ ኣመራርሓ ፀገም ከምዘሎ እዩ ዘገንዝብ። ናይ ኣመራርሓ ፀገም እንተሊኡ ከዓ ብመሰረቱ ናይ ፖለቲካ ሽግር ምዃኑ ኣይተርፍን። ስለዚ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክግበር ዝግበኦ ቃልሲ ኣብ ምክያድ ዝተርኣየ ፀገም ብሓደ ገፅ፣ ብካሊእ ገፅ ድማ ካብ ህዝቢ ንዝቐርቡ ሕቶታት ግቡእ ምላሽ ኣብ ምሃብ ዝተርኣየ ፀገም ኣሎ፣ ምኽንያቱ ህዝቢ ከም ህዝቢ ወገን እዩ እንተይልና ሕቶኡ ብእዋኑ ክምለሰሉ ኣለዎ። ብኣንፃር እዚ ክርአ እንተሎ ህዝቢ ብዓል ዋና ናይቲ ስርዓት ስለዝኾነ ሕቶኡ ግቡእ ምላሽ ክረክብ ኣለዎ። ፀላኢ ግን ፀላኢ እዩ። ናይ ህዝብን ናይ ፀላእትን ድሌት እውን ብመሰረቱ ነንበይኑ እዩ።

ፀላእትና ከዓ ብሓደ ግዘ ብድድ ክብሉ ኣይኽእሉን። ኣብ ምቅላስና ብዝተፈጥረ ድኽመት ዕድል ስለዝረኸቡ ግና ናይ ህዝቢሕቶታት ክብለፁን ከደናግሩን ክኢሎም። ስለዘይተቓለስናዮም ጥራሕ እንተይኮነስ ዘይመለስናዮም ጉድለታት ስለዝነበሩ ባይታ ረኺቦም። ስለዚ ኣብዚኣ እተድሊ ፖለቲካዊ ግጥም እያ። ፖለቲካዊ ግጥም እንተኾይና ከዓ ፀላእቲ ክሰልኩላ ዝኽእሉ በሪ እናዓፀኻ መንነት ናይቶም ብሽም ሕቶታት ህዝቢ እናሸቀጡ ስርዓትና ከፍርሱ ዝሓስቡን ዝንቀሳቐሱን ምቅላዕ ተድሊ እያ። እንተቃሊዕናዮም ብባህሪኦም ፀላእቲ ህዝቢ እዮም። ፀላእቲ ህዝቢ እንተኮይኖም ድማ ብመሰረቱ ዝቃለሶም ህዝቢ እዩ። ካብዚ ተበጊስካ እንትረአ ምስ ፀላእቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ቃልሲ እናካየድና ምስቲ በዓል ዋና ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ህዝቢ ድማ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ናይ ልምዓትን ዴሞክራስን ሕቶኡ እናመለስና እናተረዳዳእና ክንከይድ ይግበአና።

እቲ ክሳብ ሕዚ ዝረኣናዮ ፀገም እንተኾነ እውን ብምኽንያት ዓቕምና ዝፈቐዶ ስራሕ ክንሰርሕ ዘይምኽኣልና ዝመፀ ሽግር ስለዝኾነ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብምምላስ ኣቢልና ክንፈትሖን ፀላእትና ክጥቀምሉ ዝኽእሉ በርትታት ክንዓፁን ይግበአና። ዋላ ስፍሓት ዝነበሮ ኣይኹን ብዘይምኽንያት ኣይኮነን ህዝቢ ኮርዩ። ኣይተመለሱን ዝበሎም ናይ ልምዓትን ናይ ሰናይ ምምሕዳርን ፀገማት ስለዝነበርዎ እዩ። ነዚኦም ክፈትሕ ኢሉ እንተሓቲቱ ወይ እንተኾርዩ ድማ ናብቲ ንቡርን ግቡእን ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣትዮም ፀላእቲ ክምዝምዙዎን ክጥቀምሉን ባህርያዊ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ዘሎ ምትሕውዋስ ጥራሕ እንተይኮነስ ሕቶታት ህዝብን ባህርያት ፀላእትን እናፈለኻ ምቅላስ ከድልየና እዩ።

ፅኑዕ ተቓላሳይ !!

ሓፂር ህይወት ታሪኽ ነብስሄር ብፃይ ተጋዳላይ ተስፋይ በላይ

( 1945 – 2010 )

ተጋዳላይ ብፃይ ተስፋይ በላይ ካብ ኣቡኡ ኮሎኔል በላይ ኣብተውን እንኡ ወ/ሮ ዘውዲቱ ረዳን ሕዳር 15/1945 ዓ.ም. ኣብ ትግራይ ከተማ መቐለ ተወሊዱ፡፡ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስበፅሐ ኣብ ሃፀይ የውሃንስ ቐዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቱ ወዲኡ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውልቀ ትካል ንኽልተ ዓመት ተቖፂሩ ድሕሪ ምስራሕ ብ1965 ዓ.ም. ንትምህርቲ ናብ ሃገረ ኤሜሪካ ብምቕናዕ ቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪኡ ኣብ ኣላባማ ግዝኣት ብሞያ ሕርሻ ተመሪቑ፡፡ ማስትሬት ዲግሪኡ ምስወደአ ከኣ ኣብቲ ዝተምሃረሉ ዩኒቨርሰቲ ንክልተ ዓመት ተቖፂሩ ሰሪሑ፡፡

ተጋዳላይ ብፃይ ተስፋይ በላይ ኣብ ኤሜሪካ እንትነብር ብኣጠቓላሊ ኣብ ሃገሩ ኢትዮጵያ ይበፅሑ ንዝነበሩ ደርባዊን ብሄራዊን ጭቆናታት ፣ብፍላይ ከኣ ኣብ ብሄረ ትግራይ ይበፅሑ ብዝነበሩ ዘስካሕክሑ ደርባዊ ወፅዓታትን ብሄራዊ ዕብለታትን ዝወለድዎም ምሒር ድንቁርና፣ ጥምየት፣ሕማም፣ ስደትን ውርደትን ንምፍታሕ ብ1967 ዓ.ም ኣብ ሰሜን ኤሜሪካ ብውሑዳት ግዱሳት ተጋሩ ማሕበር ተጋሩ ኣብ ሰሜን ኤሜሪካ(ማተሰኤ) ዝብል ማሕበር ካብ ዝመስረቱ ሓደ ኔሩ፡፡ ካብ ዝነበሮ ምሒር ስምዒት ቃልሲ’ውን ኣብ ኤሜሪካ ዝነበሮ ምዉቕን ምችውን ናብርኡ ገዲፉ ኣስር እቲ ቅድሚኡ ብ1962 ዓ.ም ንትምህርቲ ንኤሜሪካ ዝኸደ፣ ካብቶም መስረቲ ማሕበር ማተሰኤ ኮይኑ ቐዳማይ ዲግሪኡ ምስወድአ ብ1968 ዓ.ም ተጋዲሉ ዝተውሃቦ ውድባዊ ዕማማት ብዝላዓለ ወያናይነት እናተቓለሰ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ቅድሚ 18 ዓመት ዝተሰውአ ምዕባይ ሓዉ ተጋዳላይ ፀጉ በላይ ብምኽታል ንሱውን ብ1976 ዓ.ም ናብ ሜዳ ትግራይ ወሪዱ፡፡

ብ1976 ዓ.ም. ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ መድረኽ ዝሓቶ ወታደራዊ ታዕሊሙ ብዝግባእ ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ክፍሊ ሕርሻ (054) ተመዲቡ፡፡ ካብ 1976 ክሳብ 1983 ዓ.ም ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ብደረጃ ላዕለዋይ አመራርሓ ተመዲቡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት በቲ ዝተምሃሮ ዓውደ ትምህርቲ ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ነቲ ኩይናት ዝፀውር ሕርሻዊ ማእቶት ንምዕባይ ምስ መሳርሕቲ ብፆቱ ኮይኑ ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ብዝላዓለ ውፍይነትን መሃዛይነትን ሰሪሑ፡፡ ካብቶም ዝሰርሖም ስራሕቲ እቶም ዝላዓሉ ኣብ ስነዘራእትን(Agronomy) ሓመድን ማይን ዕቀባን ኮይኑ ነዚ ንምስላጥውን ዝተፈላለዩ መፅናዕትታን ምርምራትን ብምክያድ ማንዋላትን ብርክት ዝበሉ ንስልጠና ዘድልዩ ፅሑፋትን ኣዳልዩ፣ ንብዙሓት ኪኢላታት ሕርሻ ተጋደልትን ሓረስቶትን አሰልጢኑን እዩ፡፡ ነተን ኣብቲ እዋን ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ይጣየሳ ዝነበራ መርአያ ሕርሻ ማእኸላት ኣብ ምፅናዕን ምክትታልንውን ዓብይ እጃም ተፃዊቱ፡፡

ካብ 1983 ክሳብ 1987 ዓ.ም ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረ እዋን ምስረታ ሽግግር መንግስቲ ሃገራዊ ፖሊሲ ሕርሻ እንትሕንፀፅውን ካብቶም ብሃገር ብርኪ ዝተሓረዩ ላዕለዎት ኪኢላታት ሓደ ኮይኑ ኣብ ምቕራፅ ሃገራዊ ፖሊሲ ሕርሻ ዓብይ ተራ ተፃዊቱ እዩ፡፡

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርግ ካብ 1983 ስካብ 2008 ዓ.ም ኣብ ዝተመደበሎምን ዝተዋፈረሎምን ስራሕቲ ልምዓት ዝተውሃቦ ስራሕን ሓላፍነትን ብዝላዓለ ብቕዓት ክሰርሕ ፀኒሑ እዩ፡፡ በዚ መሰረትውን ኣብ ትሕቲ ትእምት ኣብ ስራሕቲ ሕርሻ ብዝላዓለ ብርኪ ኣብ ትግራይ ኣብ ምንቅቃስ ኣብ ዝርከብ ህይወት መካናይዘሽን ሓ/ዝት/ው/ማሕበር ብስራሕ መካየድነትን ፕሮጀክት ማናጀርነትን ንዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ሰሪሑ፡፡ ኣብ ትእምት ዋና ቤት ፅሕፈት’ውን ብኣባልነት ላዕለዋይ ኣመራርሓ ንክልተ ዓመት፣ ከምኡውን ኣብ ሑመራ ብዝላዓለ ካፒታል ኣብ ዝተጣየሰ አሚልኮ ሕርሻ ልምዓት ዝፍለጥ ውልቀ ትካልውን ብዋና ስራሕ አካያድነት ንሓሙሽተ ዓመት ሰሪሑ፡፡

ተጋዳላይ ብፃይ ተስፋይ ንልምዓትን ዕብየትን ህዝቢ ትግራይ ብዝነበሮ ዝላዓለ ህዝባዊ ፍቕሪ ብምብጋስ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ነቶም ኣብ ትግራይ ኣብ ሕርሻ ምርባሕ ንህቢ ዝርአዩ ዝነበሩ ሞያዊ ሕፅረታትን ፀገማትን ንምፍታሕ ዘኽእል ምስ ናይ ቃልሲ መሓዝኡ ተጋዳላይ ታደለ አለምሰገድ ኮይኑ ዝርዝር መፅናዕትን ምርምራትን ብምክያድ ንምርባሕ ንህቢ ዝሕግዝ ማንዋል ብምድላው ንመላእ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ጣብያታት ዝጠቅም መፅሓፍ ብምሕታም ብዝተሓተ ዋጋ ክባፃሕ ብምግባር ዓብይ ስራሕ ሰረሑ እዩ፡፡

ተጋዳላይ ብፃይ  ተስፋይ በላይ ብዘጋጠሞ ድንገተኛ ሕማም ኣብ ወፃእ ሃገርን ውሽጢ ዓድን ሕክምንኡ ከካይድ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዳር 13/2010 ዓ.ም ብዝተወለደ ኣብ 65 ዓመቱ ዓሪፉ፡፡ ስርዓተ ቀብሩውን ሎሚ ዕለት ሕዳር 14/2010 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ አራት ኪሎ ስላሴ ቤተክርስትያን ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ትሸዓተ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱ፣ ስድርኡን ፈተውቱን ብዝተረኸብሉ ተፈፂሙ፡፡ተጋዳላይ ተስፋይ በላይ ፅኑዕ ተቓላሳይ፣የዋህ፣ ምስ ኩሉ ብቐሊሉ ተሳንዩን ተፋቒሩን ዝነብር ፍትው ተጋዳላይ ኔሩ፣ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓንቲ ጓልን ክልተ አወዳትን ኔሩ፡፡ ጀግና ንዘልኣለም ኣይነብርንሞ ንሱውን ከምቶም ዝሓለፉ ብፆቱ ብኽብሪ ብምሕላፉ ንመላእ ስድርኡን ፈተውቱን ፅንዓት ይሃብኩም ንብል፡፡

ካብ ብፆቱ

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና !!!

ሕዳር 14/2010 ዓ.ም.

ኣጆኹም በርቲዑ !!

ኣጆኹም በርትዑ !!

ቻው!!

ደሓን ኩኑ !!

ብ 1972 ዓ/ም እዩ፤ ጅግና ተጋዳላይ ሓየሎም ኣርኣያ ምስ ኣርባዕተ ብፆቱ ኮይኑ ካብ ደጀና ተበጊሱ ንጭላ እንዳተጓዕዙ ይመስዮም እሞ ኣብ ከባቢ ዘላዝለ ዝበሃል ቦታ እንዳገባር ኣጋሊሶም ይሓድሩ።

ከምቲ ልሙድ እቶም ገዛ እውን ብዝግባእ ብምትእንጋድ ፣ ኣብቲ ህልው ኩነታት እውን ብዙሓት ርእሰ ጉዳያት እናልዓሉ እናሰሓቁ ከዕልሉ ኣምሰዩ።

ኣብ መወዳእታ ግን ዘይተሓሰበ ነገር ኣጓነፎም።ሓደ ዕሱብ ሰላሊ ኩነታቶም ክዕዘብ ድሕሪ ምፅናሕ ፣ ዝርኣዮ ነገር ኩሉ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ሸፋቱ ሓበሮም።

ንሶም እውን በቲ ዝረኸብዎ ሓበሬታ መሰረት ነቲ እንዳገባር ገዛ ከበብዎ፤ ጅግና ተጋዳላይ ሓየሎም ግን ምስ ብፆቱ ኮይኑ ከምዘይነበሩ ገበሮም።

ብርክት ዝበለ ናይ ተኹሲ ድምፂ ስለዝነበረ ከኣ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከካብ ገዝኦም ተኣኻኸቡ፤ በቲ ዝኾነን ዝረኣዩወን ከኣ ተገረሙ።

ጅግና ተጋዳላይ ሓየሎም ኣርኣያ እውን ከምዚ ዝስዕብ በለ፤

ትግራወይቲ ኣዶ ወሊዳ ክተብቕዕ፣ ኣያ ዝኾነ ክትሕረም ፍፅፁም ኣይግባእን፤

ንሕና እናሃለና ቑሸታት ዓድና ክቃፀላ ክንርኢ ፍፁም ኣይግባእን፤

ዓድና ክትድፈር ፣ ህዝቢና ብድኽነትን ድንቁርናን ክሳቀ ካብ ምርኣይ ፈትንካ ሙሟት ይሓሽ፤

ስለዚ ኣጆኹም ግዜ ይነውሕ እምበሪ ዓወትና ፍፁም ሕልሚ ኮይኑ ኣይተርፍን።

መሰልን ክብሪን ህዝቢና ንምውሓስ ክንጉዳእን፣ክንደሚን ክንስዋእን ቖሪፅ ተላዒልና ኢና። ዝሓተተ መስዋእትነት ይሕተት ዓወትና ግን ኣይተርፍን እዩ።

ኣጆኹም በርቲዑ !  ቻው !  ደሓን ኩኑ !! ኢልዎም ጉዕዝኡ ቐፀለ።

ፈንቅል፣

ጎቦዛይ፣

ሓለንጋይ፣

ሓየት

ብኩሉ ብዘይ ኣፈላልያ ብህዝቢ ትግራይ ተፈታዊ ዝኮነ ጅግና ሓየሎም ኣርኣያ መበል 22 ዓመት ዕለት መስዋቱ ለካቲት 06/  2010 ዓ/ም ብምኻኑ  ብኽብሪን ብፍሉይ ኩነታት  ኢና ሎሚ ዓመት ክንዝክሮ  ።

ላምፕዱሳ… !!

ሀለው ንስደት

ሚሒው ካብ መረበት

 

ድኽነት ዓይንኺ ይፍሰስ

ታይ ይግበር ዝጨነቖ እንትሕመስ

ዓይኒ መርፊኡ ጠፊኡዎ ይልወስ

 

ኸቢድ ሐያል ውሳነ

ዕንይ ዕንይንይ እንታይ እየ አነ

 

ዕዝር ሸው እግሪ ናብ ዘምረሐ

ተስፋ ተሰኒቑ እንተወገሐ

እንተ ኾይኑስያ ምድሪ ተፀበሐ

 

ጉዕዞ አብ መሬት ዓዲ ጛና

ሃሩር ፀሐይ ነዳድ ሙጉት ምስሕሊና

 

ማይ ፃምእ ምስ ጥምየት

አብ ፅምዋ በረኻ ኸርተት

 

ወዲቕኻ አብ ኢድ ሰብ

የቃፅል ኸም ሐዊ ገፅ ሰብ

ሂወትኻ ይውሰን ብባዕዲ ሰብ

 

እህህህህ

እተው ጋሻ ወይከ ዝብል

ዝረድአካ ዘየለ እንተበልኻ ቕንዝል

 

ተዛረቡ በረኻታት ሱዳን

መስክሩ ሰማያት የመን

 

ቃልኹም ሃቡ ሜዳታት ሊብያ

በረኻ ሲና ነፍሲ ስዱድ አበይ አውዒልኺያ

እንትወርድ ግፍዒ ዘይውሉ ማእለያ

 

ብኢድ ረሻይድ መላእክተ ሞት

ተስፈኛ ስዱድ እንትስላዕ አካላት

 

ቐሪቡ አካል ሰብ ዋጋ ዕዳጋ

እናተገርፈ ብሓለንጋ

 

እንትኽስተን አብ ገምገም ባሕሪ

የለኻን ዲኻ ሉኡል ፈጣሪ

 

እንትዝርጋሕ ፈቝዶ በረኻ

ሓመድ አዳም ሲኢኑ ስጋኻ

 

ባሕሪ መድትራንያን ኣቲ ጠላም

ንዓኺ አሚኖም አብ ታንኳ ደይቦም

ሐደራ ረሲዕኺ አሕሊፍኺ ሂብክዮም

 

ተደሃይ ባ ደሴት ላምፕዱሳ

መን ጥሒሉ መን ደሐነሳ

መንኸ ተበልዐ ብነባሪ ዓሳ

 

አይበለን ዶ ዕቑባ ናብ ጛጛኺ

ላብ ናይ ተስፉ ደሴት እንተኾንኺ መሽለኺ

 

አይኾነን ኹሉ ተሪፉ መኺኑ

እቲ ተስፋውን በኒኑ

ኸቢዱ ልምሽካም ሳዕቤኑ

 

ዓኽኽ

ድኽነት ምኽንያት ንስደት

በትንኪዮ ስድራቤት

ቐዚፍኪዮ ናይ ቡዙሓት ሂወት

 

Getachew Negash

Australia -Perth

ክልተ ስዳሮ ንቕድሚት ሓደን ፈረቓን ንድሕሪት !!



ካብ ገብረ ስላሴ

ፖለቲካ ብባህሪኡ ተለዋዋጢ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ትሑት ናይ ምዕባለ ብርኪ ዝርከባ ሃገራት እዚ ግሁድ ሓቂ እዩ።

ብስልጣን ሀርፋን፣ ብክራይ ኣካብነትን ኩሉመደያዊ ግዕዝይናን ዝተጨማለቐ ፖለቲከኛን ካድረን፣ ሓንቲ ዘይገብር ወይ ኣሉታዊ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ሙሁር ዘለዎን ሃገራት ካብ ዝኣተውኦ ዝተወሳሰበ ማሕበራዊ፣ ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ሽግራተን ቐልጢፈን ንኸወፅኣ ስለ ዝፅገማ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታተን ኣብ ዘይተጸበኻዮ እዋን ናብ ዘይተጸበኻዮ ኣንፈት ክለዋወጥ ምርኣይ ልሙድ እዩ።

ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዝተወሳሰበ ሽግር ዘለዎም ሃገራት ዝተረጋግዐ ፖለቲካል ኢኮኖሚን ስለዘይተሃነፀ፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ናይ ሕጊ ልዕልናን ተሓታትነትን ስርዓት ብዝግባእ ስለዘየለ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ስለዘይተፈጠረን ኩሉ ነገር ብውልቃዊ ድሌት ፖለቲከኛታት ስለ ዝኸይድ ወይ ስለ ዝኹለፍን እቶም ሽግራት ብዝበለጸ ተወሳሲቦም ፖለቲካዊ ተለዋዋጥነት ሓደ ሃገር ዝለዓለ ይገብሩዎ።

ብዙይ ምኽንያት ኣብ ቀረባን ሩሑቕን ዝመጽእ ነገር ክትንበ ዘይከኣለሉ ኩነት ናተፈጠሩ ዘተኣማምን ምርግጋዕ ኣስኢኖም ንቶም ዝካይዱ ናይ ልምዓት ፃዕሪታት´ውን ከይዱ ከይዱ ንድሕሪት ዝምለስሉ ኩነታት ይፍጠር። ኣብ ሃገርና ንሱ እዩ ዘሎ።

ንዚ ዝተጠቐሰ ኩነታት ንምፍታሕ ብግብሪ ዝሰርሕ ፖለቲከኛ ናወሓደን መንግስታዊ ስልጣንን መሓውራቱን ብጉዕዙይን ጸረ ዴሞክራሲ ኣታሓሳስባ ዝበስበሰ ክራይ ኣካቢን ናተወረሰ ዝኸደሉ ኩነታት ስልዝተፈጠረ ሃገርና ክልተ ስዳሮ ንቕድሚት ሓደን ፈረቓን ንድሕሪት ናተመለሰት ናይ ልምዓት ጉዕዝኣ በቢእዋኑ ክኹለፍ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ።

በዚ እንተቐፂልና ንቕድሚት ምኻድ መሊኡ ጠፊኡ ኣብ ሓደ ጊዜ ዓሰርተ ስዳሮ ንድሕሪት ብምስጓም ዝረኸብናዮ ኩሉ ንስእነሉ ኩነታት ፈጢሩ ከም ሃገር ንቕፅለሉ ዕድል´ውን ናፅበቦ ከም ዝኸይድ ግልጺ እዩ።

ኣብ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ እምነት ምብስባስን ካብ መስመር ምውፃእን ዝወለዶ ቕልውላው ንዚ ሓቂ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ጋህዲ ገይሩዎ ኣሎ። ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ኣብዚ ካብ ብዝጽሑ እቲ ሽግር ኣብተን ንሶም ዝመርሑወን ክልላት ተይተወሰነ ኣብ መላእ ሃገር ዝልሑኽን ናብ ዝገደደ ዶብ ስግር ቅልውላውን ከምርሕ ይኽእል እዩ።

እዚ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ቀሊል ስለዘይኮነ ቀሊል መፍትሒ ኣይርከቦን። ይኹንደኣምበር እቲ ሽግር ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እስካብ ዝኸውን ሱቕ ኢልካ ምጥማት ግቡእ ብዘይምዃኑ ናብ ዘላቒ ፍታሕ ኣንፈት ክኽይዱና ይኽእሉ እዮም ዝበልኩዎም ውሱናት ስጉምቲታት ኣብ ክልተ ከፊለ (ብክልልን ብሃገርን ብርኪ) ከቕርብ።ንምዝኽኻር ግን፣

፩ይ፣ እዞም ኣብዚ ዝዝርዘሩ መፍትሒ መበገሲ እምበር ሙሉኣት ሱር በተኽን ንከይኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብምዃኑ ድማ ኣነ ዘይተርኣዩኒ ወይም ዝርሳዕኩዎም ሓሳባት ኣንባቢ ወሲኹ ከሀፍቶሞ ይላቦ።

፪ይ፥ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ መንግስቲ ተቖፃጺሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ህወሓት ጥራይ ብምዃኑ እቲ ውሽጣዊ (ክልላዊ) ለውጢ ካብቲ ውድብ ክመፅእ ምሕታትን ምፅባይን ንቡር እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ንጊዚኡ መማረጺ የለን።

እዚ ማለት ግን ህወሓት ንትግራይን ህዝባን ናይ መወዳእታ ፖለቲካዊ መማረጺ ሓይሊ እዩ ማለት ኣይኮነን። ስልጣን ዝሓዘ ይሓዝ በዘይገድስ እቲ ህዝቢ ዝደሊዮ ልምዓትን ስርዓትን ንክፈጥር ክንሓትት ስለዘለና እዩ።

ፅባሕ ካልእ ውድብ ናብ ስልጣን መፂኡ ቃሉ እንተዕቢሩ´ውን ሕቶ ህዝቢ ብተመሳሳሊ ዝቕፅል ይኸውን።

ብሃገር ብርኪ: ህወሓት ከም ሓደ ኣባል ኢህወዴግ ክቃለሶ ዘለዎ

ሀ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብዘለዎ ይሃሉ ብዘየገድስ ድሕንነቱ ክሕሎ ንዝምልከቶም ክልላትን ንቲ ለማስ ፌደራል መንግስቲን ምትሕስሳብን ብተግባር ንክሰርሕ ኣድላይ ዝኾነ ሕጋዊ ጸቕጢ ክግበር ይግባእ። ኣብ ልዕሊ ዜጋታት (ተጋሩ፣ ኣምሓሩን ካልኦትን) ንዝበፅሐ ዘሎ ጉድኣት ተጠየቕቲ ሰበ ስልጣናት ክህሉዉ ሕጊ መሰረት ገይርካ ምስራሕ።

ለ፣ ኣንቱም ኣብ ፓርላማ ኣቲኹም ነገር ግን እቲ ኣብ ህዝብኹም ዝበፅሕ ዘሎ ጥቕዓት ናሰማዕኹም ከምዘይሰማዕኹም ተዓዚምኩም ዘለኹም ወገናትና ከምቲ ቃለ መሓላ ዝፈጸምኩምዎ ንሕገመንግስቲን ንሕልናኹምን ተገዛእቲ ኮይንኩም ሕቶ ህዝቢ ብእዋኑ ክምለስን ንፌደራል መንግስቲን ክልላዊ መመሓደርቲን ድምፅኹም ዓው ኣቢሉኩም ብስማዕ ዝወከልኩምዎ ብሄር ረብሕኡን ሰላሙን ክተውሕስሉ እቲ መድረኽ የጥልብ ኣሎ።

ሐ፣ ኣጋር ዝበሃሉ ውድባት ብቕልጡፍ ናብ ኢህወዴግ ኣቲዮም ሃገራዊ ሓላፍነቶም ብዝለዓለ ብርኪ ዝዋስእሉ ዕድል ንምፍጣር ህወሓት ከም ሓደ ናይ ኢህወዴግ ኣባል ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ምቅላስ (ደጊም ቀሊልኳ ተዘይኮነ)።

መ፣ ኩሎም ኣጋር ውድባት ዓቕሚ ዘለዎም ሙሁራት ብምስዳድ ኣብ ናይ ፌደራል ትካላት ዘለዎም ተሳትፎ ክብ ንምባል ህወሓት ከም ሓደ ናይ ኢህወዴግ ኣባል ክቃለስ ኣለዎ።
ሠ፣ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ውግእ ኩነታት ፍታሕ ክግበረሉ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ፀቕጢ ምፍጣር የድሊ ኣሎ። ኣብዚ ኦህዴድን ብኣዴንን እዚ ኩነታት ንህወሓት መዳኸሚን ንህዝቢ ትግራይ ክልሉንውን ኣሲሮም ዝሕዝሉ ሓደ ሓያል መሳርሒ ገይሮም ዝሪኡዎ ኩነታት ስልዝኾነ እዚ ክፍታሕ ድሌት ኣይህሉዎምን። ኣብዚ ስትራቴጂካሊ ዝሓስብን ዝተንትንን ዝሰርሕን መሪሕነት የድሊ ኣሎ።

ረ፣ ብሃገር ብርኪ ዘለካ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ከም ካልኦት ውድባት ማዕረ እምበር ካብ ዝግብኦ ንልዕሊ መጢጥካ ክልልካ እስካብ ምርሳዕ ዝኸይድ ባህሪያት ሃገራዊነት ኣይኸውንን። ብሃገር ብርኪ ዘለካ ግደ ከም ዘሎ ኮይኑ ከም ክልል´ውን ሕገመንግስቲ ዝሃበካ መሰል ብዘይ ሓንቲ ስኽፍታን ምሽቑራርን ናይ ህዝብኻ ተረባሒነት ምርግጋፅ ይግባእ።
ህወሓት ብክልል ብርኪ ክግበሮ ዘለዎ? … ክምለሰኩም እየ

ካብ ብሱላት !!

ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ተቃላሳይን ፃዕራምን እዩ።በቢደረጅኡ ዝርከብ ኣመራርሓ ግን
ናይቲ ህዝቢ ውሸጣዊ ድሌታቱን ስምዒታተቱን ከይተረዱኣ ስለ ዝመርሖ ቅልጡፍ ዝኮነ ለውጢ ከየምፅእ ይገብሮ ከምዘሎ ሓቂ እዩ።

ናይ ህወሓት ፀገም ነቲ ይውከለካ ዝብሎ ማሕበራዊ መሰረቱ ጠንጢኑ ውሕስና ስልጣነይ ምጉጅጃልን በዝሒ ተሓሽከርትን ምፍራይን እዩ ።ናይ እቲ ስርዓት ዘብዒ እቲ በዓልዋና እቲ ስርዓት ተይኮነስ ውልቃዊ ጥቅሞም ብዘቀድሙ ብምትኩኡ እዩ። ባህሪ እቲ ስርዓት ዝተረድኡ ነዚ እውን መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ኣባላት ኣብ ክንዲ ምፍራይ ነዚ ምስ ሕግሕጉ ዝሕግሕጉ ምዕራኹ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንኹሉ ዓይነት ውሽጣዊን ግዳማዊን ጥቕዓት ዝቃላዕ ዘሎ ምኽንያት ውሽጣዊ ድኽመት ስለዘለዎ እዩ። እዚ ድኽመት ብሓፂሩ: …

√ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር፣

√ ሎሚ ናዓበየ ዝመፅእ ዘሎ ፀረ ዴምክራሲያዊ ባህሪን ኩሉ ዓይነት ግዕዝይናን፣

√ ትሕተ ልምዓትን ኣዚዩ ዘሰክፍ ድኽነትን ብዓብይኡ ድማ ልምሰት መሪሕነት ዝወለዶ ስራቴጂክ ኣልቦነት እዮም።

እዚ ሩኡይ ድኽመት ተቐይሩ ትግራይ እቲ ዘለዋ ሕገመንግስታዊ መሰልን ኩሉ ዓይነት ፀጋታትን ተጠቒማ ናይዛ ሃገር ማእከል ኢንዱስትሪን ቴክኖሎጂን፣ ቑጠባዊን ሙሁር ሓይሊ ሰብን እንተኾይና ካልኦት ዝደፍሩዋን ዘጥቅዑዋን ዘይኮነስ ንዕዳጋ ዝመፅእዋን ሃፍቶም ዘዋፍሩላን ክልል ምዃና ዘይትረፍ ይኸውን።

ፖሎቲካ ትግራይ ክዕረ ኣለዎ። ፖሎቲካና እንተዓርዩ ኢኮኖሚና ሓፍ ምባሉ ኣይተርፎን፣ ዝተዛብዑ ማሕበራዊ ርክባት ህዝብና ንምዕራዮም ::

ኩሉ ዘፅልለሉ ፖሎቲካዊ ምህዳር ክፈጠር ኣለዎ። እንኮላይ ነቶም ኣብ ጓይላ እንዳማቶም ዘኹድዱ ተጋሩ ዝሓቁፍ ምቹዉ ባይታ ምስነመቻቹ እዩ ሓድነትና ዝጉልበት። ፖሎቲካዊ ኣፈላላያት ዘይስዕሮን ዘይሓልኮን ስሙር ሓድነት ዝመፅእ፤ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ተደማራይ ዓቕሚ ዝፈጥር ምኻኑ ዝኣምን ወለዶ ምስንፈጥር እዩ።

ምዕብልቲ፣ ጠንካራ ትግራይ ክትህሉ ትኽእል ዘተኣማምን ፖሎቲካዊ ስርዓት እንትህልወና እዩ። ዱልዱል ፖሎቲካዊ ሰርዓት ዝህነፅ ድማ ኣብ ክሊ ሓድነትን ረብሓን ተጋሩ እዩ። ስለዚ ቅጥዑ ጠፊእዎ ዕንይንይ ዝብል ዘሎ ፖሎቲካና ናብ ንቡር ክንመልሶ ኣሎና።

ስለዚ ነቶም በብገዚኡ ሓዚልናዮም ዝመፀና ድርዕቶ ፖሎቲከዊ ኣተሓሳስባታት ነዚ ዘመን ብዝምጥኑ ሓደስቲን ሰጎምትን ኣተሓሳስባታት ክንትኮኦም ኣሎና።

1፡ ካብ ናይ ቂምን ሕነ ምፍዳይ ፖሎቲካ ክንወፅእ ኣሎና። እዚ ካብቲ ዝሓለፈ ወለዶ ዝወረስናዮ ሕማቅ ፖሎቲካዊ ባህሊ ኣባና ክቕፅል የቡሉን።

2፡ ናይ ምሽንናፍ ፖሎቲካዊ ባሀሪ ኣብዚ ወለዶ ክድገም የቡሉን። ብርግፅ ኣብ ዝኾነ ፖሎቲካዊ መስርሕ ኣሸናፊን ተሸናፊን ክህሉ ንቡር እዩ። እቲ ምሽንናፍ ኣይኮነን እቲ ቁምነገር፤ ንዕኡ ስዒቡ ዝመፅእ ኣዕናዊ ተግባርን ኣተሓሳስባን እምበር። ነቲ ኣብ ዴሞክራሲያዊ መስርሕ ዝሽነፍ ሓይሊ እዉን ዝምቹ ፖሎቲካዊ ባይታ ክህሉ ኣለዎ። ናተና ወለዶ ንኩሉ ዘተኣናግድ ሰፊሕ ጎልጎል ፖሎቲካ ክፍጠር ክዓዪ ኣለዎ።

3፡ ወገንተኛ ፖሎቲካ ካልእ ብኣግኡ ክፀሃይ ዘለዎ ኣተሓሳሰባ እዩ። መግለላይ ኣተሓሳባ ኣብ ትግራይ ቦታ ክህልዎ የቡሉን። ንኹሉ ዝሓቁፍ(Inclusive) ፖሎቲካዊ ስርዓት እዩ ክህነፅ ዘለዎ።

4፡ ካባብያዊን ኣዉራጃዉን ኣጀንዳታት ምርጋብ ካልእ ሕማም ፖሎቲካ ትግራይ። ብርግፅ ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ትግራይ ቡዙሓት ፀገማት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ነዞም ፀገማት ክንፈትሖም ንኽእል ድማ ኣብ ክሊ ትግራዋይነት እምበር፤ ሓድነትና ብዝሽርሽር መልክዑ ኣብ ከባቢን ጎጥን ብምትኳር ኣይኮነን።

ብዓብይኡ ከም ተጋሩ ዘለዉና ፀገማት ተመሳሰልቲን ተመጋገብትን እዮም። መፍትሒ ኩሎም ፀገማት ድማ ነቲ ሓሚቑ ዘሎ ፖሎቲካና ምስትኽካል እዩ።

ህዝባውነቱ ቂሂሙ ናብ ውልቀ ጣጥኡ ምእታው እዩ እቲ ፀገም !!

 

ካብ ኣብርሃ ተክለ

ህወሓት መስመር ወያናይ ዲሞክራሲ ምኽታሉ ድዩ እቲ ፀገሙስ ወይ ዚዒጉ ናብ ዓቀይታይ ምቅያሩ?

ነዚ ሓሳብ ከልዕል ዝደለኹ ሓደ ሓደ ሰባት ህወሓት ኣብያታዊ ድሞክራሲ ስለ ዝኾነ እዩ ናብ ዘሀዚ ዘሎ ፀገም ኣትዩ ዘሎ ስለ እዚ ካብ እዚ ተይወፀ ለውጢ ኣየምፅእን ዝብል ክርክር የልዕሉ ስለ ዘለው እዩ።

ብዙሓት ሰባት እዚ ወያናይ ዲሞክራሲ ምስ ካርል ማርክስ እዮም ዘዛምድዎ።ግን ኣይኮነን።ብርግፅ ማርክስ ኣብ ናይ ሄግል ናይ ስዕረተ ስዕረት/synthesis and antsynthesis /ተመስሪቱ ናይ ሸቃላይ ምልኪ ዘራጋግፅ ከመይ ክምስረት ከምዘለዎ ቀሚሩ እዩ።

ወይናይ ዲሞክራሲ ግን ናይ ለኒን ውፅኢት ፖለቲካዊ ምህንድስና እዩ።

ናይ ራሻ ወያነ ሃቀንኡ ስርዓት ዴስነት ንምምፃእ እዩ ነይሩ። ናይ ዛር ስርወ መንግስቲ ምስ ዓለወ ግን ኣብ ራሻ ዝረኸቦ ገባር እምበር ሸቃላይ ኣይነበረን።ገባር ሒዝካ ድማ ዴስነት ኣይህነፅን።ለኒን ክልተ ምርጫ ክመርፅ ተገዲዱ ሓደ ዝሓሰቦ ህንፀት ደስነት ብሰንኪ ሸቃላይ ዘይምህላው ይኹለፍ ስለ ዘሎ ሓዲግዎ ምኻድ።

ካልኣይ ሓዱ ሓሳብ ምቅማር።ለኒን ገባር ሒዝካ ደስነት ኣይህነፅን ግን ኣብ እቲ ገባር ሰፊሕ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ብምምፃእ ናብ ኢንዳስትሪ ምቅያር ደሓር ኢንዳስትሪ ድማ ሸቃላይ ዝፍጠረሉ ስለ ዝኾነ ዴስነት ምህናፅ ይከኣል።ስለ እዚ ናይ ሽግግር ግዜ የድሊ።እዛ መድረኽ ድማ ኣብዩታዊ ድሞክራሲ ትኸውን።

ኢንዳስትሪ ክሳብ ዝህነፅ ናይ ስርዓት ማሕበራዊ መሰረት ገባር ይኸውን እዩ።

ማሕበራዊ መሰረት ዘይብሉ ስርዓት ስለ ዘየለ ለኒን እውን ንግዚኡ ገባር ማሕበራዊ መሰረት ገይሩ።ኣብ ኣመሪካ ሪፖብሊካን upper class ዴሞክራት ድማ middle class ማሕበራዊ መሰረታዊ ከምዝገብሩ ማለት እዩ።

ናብ ናይና እንትመፅእ ድማ እቲ ኣመፃፅኣ ነቲ ናይ ራሻ ዝማሳሰል እዩ። ህወሓት ከም ኩለን ኣብ እቲ እዋን ዝነበራ ወድባት ስርዓት ደስነት ንምህናፅ ይቃለስ እየ ትብል ዝነበረት ውድብ እያ።ደሓር እቲ ኩነታት ምስተቀየረ ግን ናይ መስመር ለውጢ ገይራ።ስርዓት ርእሰ ማልነት ከምተሃንፅ ግን ርእሰ ማልነት መሰረቱ ኢንዳስትሪ ስለዝኾነ ኣብ ኢ/ያ ድማ እዚ ስለ ዘየለ ነቲ ገባር ናብ ሃፍታም ብምቅያር ውህለለ ርእሰ ማል ብምርግጋፅ ስርዓት ነፃ ዕዳጋ ተራጋግፅ ዝብል ኣንፈት ሒዛ።

ዝለዓለ ማሕበራዊ መሰረተይ ገባር እዩ ኢላ ናብ ስራሕ ኣትያ።ብዝተወሰነ መልክዑ እውን ነቲ ርእሰ ማልነት መሰረት ዝኾን ስራሕቲ ሰሪሓ ትሰርሕ ኣላ።

በዚ ተዝኽየድ ገባር ናብርኡ ምተቀየረ:እቲ ካሊእ ክፋል ማሕበረ ሰብ እውን ሂወቱ ምምተመሓየሸ ዋላ ሙሉእ ዲሞክራሲ ኣይሃሉ: ዋላ ፈታውን ፀለኢ ዝብል ኣማለኻኽታ ይሃሉ እቲ ፈታዊ ዝተብሃለ ለውጢ መምፀአ ኣብፀረ ዲሞክራሲ ኮይንካእውን ልምዓት ምምፃእ ስለ ዝካኣል።ሓደ ኦይዶለጂ ጉኡዝ እዩ ክፍተሽ የብሉን ዝብል እምነት የብለይን።

ዝበለፀ ለውጢ ዘምፅእ ተሊኡ ምቅባል ኣገደሲ እዩ።ብርግፅ ህወሓት ምርር ክብሎ ተሎ ናብ ቆፀራ ፈታውን ፀለኢን ይኣቱ እዩ።ኣረ ገሊኦም ደምበ ምትሕውዋስ እናበሉ ኣብ ዘይርደኦም ዓገግ ዝብሉ ኣለው።ርግፅ እዩ ህወሓት ባዕላ ዘፍረየቶም ደቀቅትን ኣንሸተየን ገይራ ርእሰማል ክትሃንፅ ትደሊ እያ።ነዚኦም ከምልምዓታውያን ትሓስቦም በዚ መንገዲ ንዘይመፁ ናይምጥርጣር ዝንበለ ኣለዋ እዩ።ኣብ ካሊእ እውን ከምኡ።

እቲ ቀነዲ ፀገሙ እዚ ኣይኮነን። ናይ ህወሓት ፀገም ነቲ ይውከለካ ዝብሎ ማሕበራዊ መሰረቱ ጠንጢኑ ውሕስና ስልጣነይ ምጉጅጃልን በዝሒ ተሓሽከርትን ምፍራይን እዩ ብማባሉ እዩ።ናይ እቲ ስርዓት ዘብዒ እቲ በዓልዋና እቲስርዓት ተይኮነስ ውልቃዊ ጥቅሞም ብዘቀድሙ ብምትኩኡ እዩ።

ባህሪ እቲ ስርዓት ዝተረድኡ ነዚ እውንመስዋእቲ ክኸፍሉ ዝኽእሉ ኣባላት ኣብ ክንዲ ምፍራይ ነዚ። ምስ ሕግሕጉ ዝሕግሕጉ ምዕራኹ እዩ።

ህዝባውነቱ ቂሂሙ ናብ ውልቀ ጣጥኡ ምእታው እዩ እቲ ፀገም። ህዝቢ ምድማፅ ሓዲጉ ናብ ዝለዓለ ንዕቀት ምሽግገጋሩ እዩ።

ህዝቢ ዝመርሕ:ሓልፍነት ዝስመዖ ውድብ ሙኳኑ ተሪፉ ውልቀ ጣጥኡ ዘቀድም ነዚኣ ዘዐንቅፍ ኣካል በተን ባዕሉ ዝቋፀፀረን ሚድያ ዓሻ ከዐሸወኒ ፃዕዳ ጣፍ ነቂዙ ዝዓነቱ ኣከብቲ ክራይ ኢናበለ ካብ ምዝራብ ካሊእ ስራሕ ናብ ዘይሰርሐሉ ደረጃ ምውራዱ እዩ።

እዚ ዝዕገት እዩ።ኣውየታዊ ዴሞክራሲ ወይ ሊበራል ስለዝኾንካ ዝመፅእ ኣይኮነን።ንቅዘት ተዘይተኻላኺልካዮ ኣብ ኩሉ እዩ ዝኽሰት።
ስለ እዚ ናይ ህወሓት ቀንዲ ፀገም ሳዕቤን ዝኽተሎ ኣይዶዮለጂ ኣይኮነን።ንሱ ተዝኾን ነቲ ይወከለካ እየ ዝብሎ ድኻ ኣይመሳቀየን።ንትግራይ ኣብ ሓደገኛ ቀራና መንገዲ ኣይመቀመጣን።

ቀንዲ ፀገሙ ንውልቁ ዝሰርሕ። ናበ ፀቢብ ጉጅለ ምቅያሩ እዩ።

መፈትሒኡ ድማ እንተስ ካብ ስነ ሓሳብ ኮሚኒዚም ዝወረሶም ደይኮተሚክ/dichotomic /ኣተሓሳስባ ኣወጊዱ ባህሪ ልምዓታዊ ኣታሓሳስባ ጨቢጡ ክኸይድ ወይ ካሊእ መማረፂ ክሕዝ ከም ውድብ ፖለቲካዊ ህላወ ክላበስ ይግባእ።

እንዳ ማርያም ቆርቆር !!

ካብ ዘርኡ ኣብርሃ ( ስዊድን )

ኣብ ጥቃ ሐውዜን  ‘ ገራዓልታ ሎጅ ” ዝበሃል መዕረፊ አጋይሽ አሎ ። አብቲ ኸባቢ ቁፅሮም ብዝሕ ዝበሉ በፃሕቲ ዓዲ ዝሪኢዎ ታሪኻዊ ቦታታት”ውን አለው”ዎ።

ካብ ቶም መሰጥቲን መገረምትን ዝረአዩ ሐደ አብ ጫፍ እቲ ዓብይ ጎቦ ዝርከብ ካብ ኮኽሒ ተፋሒሩ ዝተሰርሔ እንዳ ማርያም ቆርቆር ዝበሃል ቤተክርስትያ እዩ ።

ናብቲ አገራሚ ቤትክርስትያን ዘለዎ ቦታ ደይብካ ንኽትሪኢ ግና ብቀሊሉ ዝጀመር  መንገዲ እምበር ብቀሊሉ ዝውዳ መንገዲ
ዘይምኳኑ አብቲ እግሪ ጎቦ ምስ በፃሕካ ኢኻ እትርደኦ።

አብቲ ቦታ በፂሕኻ ነቲ ዝድየብ ጎቦ ንዓቀብ ገፅና ምስ ጠመትካዮ አፍ አውፂኡ አይትኽእለን ዝብል መልእኽቲ እዩ ንአእምሮኻ ሕሹኽ ዝብለካ። ኒሕ ሒዙካ ንላዕሊ ገፅካ መስጓም እንተጀሚርካ ድማ እስከ እንተበፂሕካያ ንሪኢ እናበለ ሐሳባዊ መጎት እዩ ምስ አእምኻ ዝማጎተካ ።

ቁሩብ ምኳድ ምስጀመርን ድማ ናይ ልብኻ ውቅዒት እናሐየለ አብ ነብስኻ ዝነበረ ፈሳሲውን ብረሃፅ ጠብጠብ ምባል
ስለ ዝጅምር ። ፈኸራ ነይቲ ጎቦ”ውን ጉልበት እናወሰኸ እይበልና”ዶ ዝዓይነቱ ደርፊ ዝደርፍ እዩ ዝመስል ።

ቀሪብና”ዶ ኢልካ ንላዕሊ ገፅካ እንተጠሚትካ ድማ ዝገደደ ይትረፍስ ክትቀርብ ገና መንገዲ ዝጀምርካ”ውን አይመስለካን። ብዝበለፀ
ድማ ይአኽለኩም ካብዙይ ተመለሱ እናበለ እዩ ሐሳባዊ መጎት ዝምጉተካ ።

ይኹን እምበር ፅኑዕ ውሳነ ስለዝወሰና ግና
ንኹሉ ሓሳባዊ አይከአልን ዝብል ሞጎት ከይተንበርከኽና “ንኽእል” ኢና እናበልና ንቅድሚት እንበር ንድሕሪትስ አይንምለስን ኢልና ቀፂልና።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ አብ ዓዲ ዘይተወለዱ
ደቂ ሸውዓትን ትሻዓተን ዝዕድሜኦም ደቀይ ናብቲ ጫፍ ጎቦ ናይ መድያብ ድልየቶም ዓብይ ስለዝነበረ ነቲ መንገዲ መሕሳብ ገዲፎም አብ”ቲ ጫፍ ደይቦም ክሪእዎ ዝደልዩ ጎቦ እናሐሰቡ ነቲ አድካሚ ዓቀበትን መፍሪሒ ገደላትን ካባና ብዝበለፀ ሐይልን ትብዓትን ረኺቦም ቀቅድሜና ስለ ዝሰጎሙ ንሕናውን ሐይሊ ወሲኸ ኢድ ከይሃብና እንዳ ማርያም ቆርቆር በፂሕና ንብለኩም። ።

ማርያም ቆርቆስ ቤተክርስትያን ልዕሊ 20 ዓንድታት ዘለውዎ። አብ ውሽጢ አቲኻ ናይቲ ቤተክርስትያን አሰራርሐዑ ምስ እትሪኢ ድማ
ዓድና ክንደየና ዝአክል ጥበብን ዓቅሚን ከምዝነበራ እናሐሰብካ ትግረም ።

ከምዙይ ዝበለ ምዕባለ ዝነበራ ሃገር ሎሚ ዘላቶ ዕሕረት ምስ እትሪኢ ድማ መልሲ ናብ ዘይትረኽበሉ ሓሳብ እናሐሰብካ አብ ማእኸል ውቅያኖስ ባሕሪ ከም ዝሕምስ ሰብ ኢኻ እትኸውን ።

እንበእር አብ ወፃኢ ንእትነብሩ ተፈጥሮ ንእተድንቑን ምስ ደቅኹም ዝቡቅ ግዜ ተሕልፍሉ ቦታ ምኳኑ እናሐበርኩ ተጠቀምሉ ይብል። 2 ግዜ ኸይዶም አይመነውዎን። ሕጂቅን ናብ ዓዲ ክንኸይድ እንከለና ከምዝኸዱ እዮም ዝዛረቡ እቱ ቦታ ተፈታዊ እዩ።

እዞም አእማን ቅርፆም መጠኖም ሕብሮም
ተፈላለዩ ኮይኖም ካብቲ እግሪ ጎቦ ደቀይ ንመዘከርትል ዘምፅእም እዮም።