ረጊፅኪዮ ዘለኺ መሬት !!



ብፃይ ገረንችኤልን (ብርሃነመስቀል) ብፆቱን ዝነበሩላ ሓይሊ 22 ብሽሾ ሰራዊት ኢዱ ኣብ ሓኽፈን ተኸቢባ። ተጋደልቲ ስረ ኣፅኒዖም ብፅንዓት ተቓሊሶም። ክዋጉኡለን ዝዋዓሉ ጥይት ዝወዳኣ ብረታቶም መስፍናውያን ኢዱ ምእንታን ከይጥቀሙለን ሰይሮም ብእምኒ ክሳብ መወዳእታ ተዋጊኦም፣ በጃ ህዝቢተሰዊኦም።
~ ~ ~ ~ ~
ፅባሕ ኲናት ሓኽፈን ሓይሊ 73 ብፆቶም ንኽቐብሩ ናብቲ እምባ ይድይቡ። ናይ ብፆቶም ሬሳ ስኢኖም ኣብቲ ከባቢ ንእሽተይ ሕብይብይ ምስበሉ ናብ ሰለኽለኻ ገፅ ኣብዝነበረ ጎልጎል ህዝቢ ተኣኪቡ የማነ ፀጋም ክብል ምስራኣዩ ናይዞም ብፆት ሬሳ ካብ ሰለኽለኻ ናይ 20 ደቒቓ መገዲ ኣብ ዝርከብ እምባ ፅሕዲ ኣብ ዘሎ ሜዳ ህዝቢ ይቐብሮም ምህላዉ ተረዲኦም፣ ናብቲ ቦታ ምውራድ ይጅምሩ። ተጋዳላይ ተ.ሓ.ህ.ት ብዘድንቕ ጅግንነት ዝተዋጋኣሉ ቦታ እንዳራኣዩ ፣ናይ እምባፅሕዲ ውግእ ናይ መስዋእቲ መጋረጃ መጀመርታ ዝኸፈተ ብፃዮም ወዲ ዓጋቲ ዝወደቐሉ እግሪ መገዶም ሪኦም ናብቲ ብዓቢ ሓዘን ተዋሒጡ ናይ ብፆቶም ሬሳ ይቐብር ናብ ዝነበረ ህዝቢ ይሕወሱ።
~ ~ ~ ~ ~
ናይ ውሽጦም ጓህን ሕርቃንን ሸፊኖም ፣ ብደም ተፀይቖም ዘይንሶም ዝመሰሉ ንራህዋ ውፁዓት ዝተሰዉኡ ብፆቶም እንዳቐበሩ ስሚዒቶም ምቑፅፃር እንዳኣበዮም ተሓቢኦም ዝበኽዩ ገሊኦም ካኣ “መስዋእቲ ጉቡእ እዩ” እንዳበሉ ነቲ ብዓቢ ተዋሒጡ ዝነበረ ሓፋሽ እንዳኣበዱ ምቕባር ይቕፅሉ። መሳፍንቲ ኢዱ ብዓወት ሰኺሮም ናብ ሽረ ኣትዮም ኢዱ ዘይገበረቶ ገይራ እንዳበሉ፣ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ዓቕሚ ከምዘለዋ ኣምሲሎም ብዓቢኡ ምውራዮም ይቕፅሉ።
~ ~ ~ ~ ~
እከለ ቀንዲ ዝባሃል ካብ መራሕቲ ተሓህት ተቐቲሉ፣ መሬት ንባዓል መሬት ገዛ ንባዓል ገዛ’ያ ተባሂሉ..ወዘተ ዝኣመሰሉ ዘረባታት ይጋፍሑ። ደቁ ዝተጋደሉ ነባራይ ከተማ ሽረ በዚ ወረ ይሰግእ።
~ ~ ~ ~ ~
ኢዱ ዝነዝሕዎ ወረ ስግኣት ዝኣተዋ ኣዶ ብርሃነመስቀልን ሓፍቲ ሓየሎም ኣርኣያን ወ/ሮ ኣምሳሉ ኣርኣያ ብዓቢ ሓሳብ ተዋሒጣ እንትትክዝ ኣብ ናይ ሽረ ኣውቶብስ መዕረፊ መኪና እንዳተፀበየት ትረአ። ብናይ ኢዱ ወረታት ተስፋ ከይቆረፀት “ወደይ ብሂወት ክረኽቦ እየ” ኢላ ፅንዓት ተቐኒታ ንሰለኽለኻ ተበገሰት። ኣብ መኪና ሓጂ ዓብዱ ተሰቒላ እንዳተጓዓዘት ሓደ ሓደ ጊዜ ዕምት፣ ሓደ ጊዜ ፍጥጥ፣ ሓደ ጊዜ ናብ ዓቢ ሓምቢስካ ዘይትዘልቆ ባሕሪ፣ ሓደ ጊዜ ሕማቕ ሓደ ጊዜ ፅቡቕ እንዳተራኣያ ናይ ወላድ ከብዲ ኮይንዋ ኣብ ዓቢ ድቃስ ኣይትብሎ ጋህዲ፣ ሓሳብ ኣይትብሎ ሕልሚ ተዋሒጣ እንዳተጓዓዘት ሰለኽለኻ ትኣትው። ካብ መኪና ወሪዳ ንሓንቲ ኣብ ሰለኽለኻ ትነብር ፈታዊታ “ማሓዛይ..ተጋደልቲ ዘለውዎ ከባቢ ትፈልጣ’ዶ? ናይቲ ወደይ ወረኸ ሰሚዕክን’ዶ?” ኢላ ትሓታ።
~ ~ ~ ~ ~
ዓርካ ናይ ወዳ ኩነታት ከምዘይሰመዐት፣ ተጋደልቲ ኣበይ ከባቢ ምህላዎም ብውሽጣ ዘሎ ናይ ሓዘን ስምዒት ንምሕባእ ኢላ ካብ ውሽጢ ዘይመፀ ፍሽኽታ ገይራ ክምስ እንዳበለት ትሕብራ።ብዙሕ ከይፀነሐት ዘንቢላ ኣንጠልጢላ ናብቲ ተጋደልቲ ዘለዎ ቦታ ካብ ሰለኽለኽ ተበጊሳ ሩባ ሩባ ጉዕዞኣ ትጅምር።
~ ~ ~ ~ ~
ኣምላኽ ብሓቂ ምስ ወደይ ክተራኽበኒ ዲኻ ? እንዳበለት ብሓደ ገፅ ንክልተ ዓመት ኣቢሉ ዝተፈለያ ወዳ ሓቚፋ ንክትስዕም እንዳተራኣያ ብካልእ ገፅ ካኣ ብርሃነመስቀል ምስ ሓየሎም ኣኩኡ ንሜዳ ክወፅእ እንዳተዳለዉ እንዳዘከረት “ብርሃነመስቀል..ዘይንስኻ ካልኣይ ሳልሳይ ዘይብለይ በይነይ ደርቢኻኒ ክትከይድ? ጨኪንካለይ ?” ኢላ እንዳበኸየት ክትዛረቦ ከላ።ናይ ፍቕሪን ናፍቖትን ስሚዒቱ ዝገልፅ ንብዓት ኣብ ዓይኑ መሊኡ ቅድሚ ዘረብኡ ቀዲምዎ ከይከይድ ዓይኑ ፍጥጥ እንዳበለ።
~ ~ ~ ~ ~
“ ኣደይ ማዓረይ ዘይኣነ ውላድ ዘይብልኪ ከም ወድኽን ንእሽተይ ሓውክን እንዳራኣኺ 9 ወርሒ ኣብ ከርስኺ ዳሓር ‘ውን ኣብ ሑቕፈኺ ተሰኪምኪ ንባዕሉ ሰብ ኮይኑ ንዓይውን ሰብ ክኾነኒ እዩ ኢልኪ ዝሓብሓብክኒ፣ ሓዳር ገይረ ጐጆ ወፂአ ሓቚፍኪ እትስዕምዮ ውላደይ ክትረኽቢ ብዓቢኡ ትምነዪ ምንባርኪን ናዓይ ኣምሂርኪ ግርማን ማዕረግን ክኾነልኪ ትፅበዪ ከምዝነበርኪን ብርሃነ መስቀል ወድኺ ሓቀኛ መንነተይ ኣብ ምፍጣር ዘሕለፍክለይ ዕዳ ዓቢን ከቢድን እዩ። ዕዳኺ‘ውን ይኸብደኒ ስለዝነበረ ለይቲን ቀትርን ኢለ ናትኪ ዕዳ ክምልስ ትምኒተይ ዓቢ’ዩ ነይሩ።
~ ~ ~ ~ ~
ህዝቢ ትግራይ ብመዝመዝቲ ደሙ እንዳተማፀየ ብዘስካሕክሕ ግፍዕታቶም እንዳተረሸነ እንዳተኣሰረ ብሰንኮም ክንደይ ህዝቢ እንዳተሰደደ ክንደይ ስድራ እንዳተበተነ እዚ ኩሉ እንዳራኣኹ ናዓይን ናዓኽን ክጥዕመና ኢለ ካብቲ ታሪኽ ካበይ ዝፅበዮ ግቡእ ዘልሓጥሓጥ ኢለ ነብሰይ ፈትየ ዝበልዖ ደሞዝ ዕፈል ኾይኑ ክቕትለኒ እዩ። ዝኽደኖ ክዳን ‘ውን ዕሾኽ ኾይኑ ክወግኣኒ እዩ። ዝረግፆ ሳእኒ‘ውን ምስማር ኾይኑ ከቑስለኒ እዩ።
~ ~ ~ ~ ~
ናትኪ ዕዳ ናይምኽፋል ግቡኣይ ንህዝቢ ትግራይ ብምቅላሰይ ጥራሕ እዩ ክምለስ ዝኽእል። ንህዝቢ ምቅላስ ናይ ስድራኻ ግቡእ ምርሳዕ ኣይኮነንን።..ካብ ናትኪ ናይ ሕጂ ብኽያት ንላዕሊ ናይ ውፁዕ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኩሉ ብኽያት ይበዝሕ።
~ ~ ~ ~ ~
ኣደይ መዓረይ ደጊም ንውልቀይ ዝብፅሓኒ ወዲ ኣለኒ ኣይትበሊ ወድኺ ንህዝቢ ትግራይ ተሃጊረ እየ። ወዲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ኮይነ እየ። ምናልባት ሕጂ እንክፍለየኪ ናይ መወዳእታ መፈላለይት መዓልትና ‘ውንክትኸውን ትኽእል እያ። ንህዝቢ ቆሪፁ ክዋደቕን ክቃለስን ንዝተላዓለ ጅግና ዝወለደ ርሑስ ከርስኺ ይፅናዕ፣ይኩራዕ ዳሓን ኩኒ ኣደይ” ኢሉ ንመወዳእታ እንትሰናበታ ዝነገራ ዘኪራ‘ውን ከም ኣፉ ኣይግበሮ ሎምስ ኣምላኸይ ተዋሓሰኒ ደኣ በለት።”
~ ~ ~ ~ ~
ሓይሊ 73 ስዉኣታ ቀቢራ ክትውድእ ኣደ ብርሃነመስቀል ናብቲ ንሶም ዝነበሩዎ እንዳተቐራረበት ትመፅእ።ዝበዝሕ ተጋዳላይ እቲ ውግእን ናይ ስዉኣት ኩነታት ኣብዝፈጠረሉ ስምዒት ጣንዩ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ናብ ምንቕስቓስ ከየስተውዓለ ኣብ ካሊእ ዓለም እንትዛውን ናይዛ እትመፅእ ዝነበረት ሰበይቲ ኣመፃፅኣ ካብ ሩሑቕ ኣብ ደው ዝበሎ ነቒፁ ዝጥምት ሓደ ብፃይ ግን ነይሩ።
~ ~ ~ ~ ~
እንዳተፀገዐት ከላ ሓደ መራሒ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ኮይኑ ምስ ራኣያ ኣለለያ ኣሞ ከይተፈለጦ እወ ንሳ እያ በለ። እወ ሓዋ ሓየሎም ኣርኣያ እዩ። እዛ ወላዲት ናብቲ ባዓል ሓየሎም ዝነበሩዎ ቦታ ምስ ቀረበት እዛ ወላዲት ዳሓንዶ ዊዒልኩም ክትብል ተደሃየት።
~ ~ ~ ~ ~
ሓየሎም ድማ ከምዛ ደቂሱ ዝነበረ ብህርር ኢሉ ቅንዕ በለ። እዘን ወላዲት ድማ ሓወን ረኺበን ዕልል ዕልል በላ ሓቚፈን ድማ ስዓመኦ። ሓየሎም ግና ክምስ ምባል ሲኢኑ ገፁ ክስመት ምስተኸደነ እዩ። ግን ድማ መስገን ድሓን ኢና ሓፍተይ በለ። ወላዲት ንሓዋ ረኺባ ተሓጉሳ ኣላ። ግን ድማ ወዳ የለን። ክሓቶ’ዶ ዋእ ዳሕር ካኣ ቅበፅዮ እንተበለኒ ኸ? ኢላ ቁሩብ ድሕሪ ምጉቡጋብ ንፍርሓ ኩሉ ተቆፃፂራ “ሓድሽ ሓወይ” በለት ሕጂ‘ውን ሓውሲ ፍርሓት። “ኣቤ..ት” ይብል ድምፁ እንዳተቖራረፀ። ብርሃነ መስቀል ወደይ ዳኣ ኣበይ ኣሎ? ክትብል ሓተተቶ። ኣካላቱ ከም ኤሌትሪክ ዝሓዘ ሰብ ዲዝ ኢልዎ ካብ ኣዒንቱ ቀልጢፉ መልሲ ክህብ ዝደለየ ይመስል። ብርሃነመስቀል ትብል ቃል ናብ ሓንጎሉ ደወል ደወለት።
~ ~ ~ ~ ~
ብርሃነመስቀልን ሓድሽን(ሓየሎም) ኣብ ዓዲ ነብሪኢድ ተወሊዶም ዕድሚኦም ዝተቐራረበ ኮይኖም ከም መትለመትሊ እንዳተቓፀፁ፣ እንዳተባኣሱ፣እንዳተዓረቑ፣ ሓድሽ ንብርሃነመስቀል ኣነ ኣኮኻ እየ እንዳበሎ፣ኪድ! ንስኻ ዲኻ ናዓይ ኣኮይ እንዳበለ እንዳመለሰሉ ብሓባር ብይን እንዳተፃወቱ ዘሕለፍዎ ናይ ቁልዕነት ዕድመ።
~ ~ ~ ~ ~
ዳሓር ካኣ ናብ ካሊእ ዓዲ ከይዶም ትምህርቲ ኣትዮም ብማርክ እንዳተወዳደሩ “ኣነ በሊፀካ፣ ቺድ እንዳቀዳሕካ’ምበር ኣይምበለፅካኒን” እንዳተባሃሃሉ።ዓዶምን ስድርኦምን ናፊቖም “ማኣስ ኢና ዓድና ንምለስ” እንዳበሉ ምህሮ ተወዲኡ ዓዶም ከይዶም ስድርኦም ምስረኸቡ ዝስምዖም ዝነበረ ታሕጓስን።
~ ~ ~ ~ ~
ዳሓር ተ.ሓ.ህ.ት ምስተፈጠረት ክንጋደል ኣለና ኢሎም ወሲኖም ነቶም ሽዑ ውሑዳት ዝነበሩ ብፆት ክደልዩ ከርተት እንዳበሉ ድሕሪ ምፅናሕ። ምስ ብፆት ተራኺቦም ኣብ ልዕሊ ሕውነት ብፃይነት እውን ወሲኾሙሉ ኣብ ሓድሽ ዓለም ምእታዎም ዝሕደረሎም ታሕጓስ ኣብ ደቒቓ ኣብዘይመልእ ጊዜ በብሓደ ክዝክሮ ይጅምር።
~ ~ ~ ~ ~
ንኣፉ ቀዲመን ኣዒንቱ ንብዓት መሊአን መልሲ ክህባ ክብላ ከለዋ መሊሱ ርእሱ ናብ መሬት ኣድኒኑ ንብዓቱ ከይረአ ክሓብእ ፈተነ። ግን ድማ እታ ሕቶ ክትምለስ ኣለዋ። ሓየሎም ሓንሳብ ንፀጋም ሓንሳብ ንየማን ቀባሕባሕ ክብል ንኹነታቱ ዝተዓዘቡ ወያናይ ተሰማ ስዩም ቅልጥፍ ኢሎም “ብርሃነ መስቀል ኣብዚ የለን። ቅድሚ ሕጂ ተወጊኡ ነይሩ ሕጂ‘ውን ተወጊኡ እዩ ግናናብ ሓይሊ 60 ሰዲድናዮ ኣለና። ሩሕቕ እዩ ከይዱ ናብ ገዛኺ ተመለሲ በላ” ክብል ኣብ ክንዲ ሓየሎም መለሰ። ሓየሎም’ውን ነቲ ብወያናይ ተሰማ ዝቐረበ መልሲ ትኽክል ኣዩ ንምባል ርእሱ ይንቕንቕ ።
~ ~ ~ ~ ~
ካብ ቁፅፅሩ ንላዕሊ ኮይኑ ካብ ዓይኑ መንዚዕዎ ክወርድ ኢሉ ዝነበረ ንብዓት ንውሽጢ ውሒጡ። ርእሱ ኣቕንዕ ኣፉ ቁሩብ ክፍት ኣቢሉ ኣብ መቓብር ወዳ ጠጠው ኢላ ዓይኒ ዓይኑ ንእትርእዮ ዝነበረት ሓፍቱ ፍጥጥ ኢሉ ኣንዳረኣየ ብሓሳቡ “ካብ ከርስኺ እንክወፅእ ብርሃን ልብኺ መሊኡልኪ ብርሃነ መስቀል ዝበልክዮ ወድኺ ሎሚ ገ/ችኤል ተባሂሉ ናብ ከርሲ መሬት ምእታዉን ረጊፅክዮ ዝለኺ መሬት መን ምዃኑን እንተትፈልጥዮስ እንታይኮን ምበልኪ?” ዝበለ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ እዩ ነይሩ።

ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና  !!

ዛንታ ዓዲ ገዛእቲ !!


ንመሬት ትግራይ ሃሰስ እንተኢልካዮ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ወርቂ ወይ ካልእ መኣድን ኣይትስእነሉን፡፡ እዚ እንተስኢንካ ግን ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዘይሃስስን ብድሙቕ ብርዒ ዝተፅሓፈን ታሪኽ ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ መዋእልና ዘርከብናሉን ታሪኽ ሓፂር እዋንን ዘይኮነስ ዘበን ካብ ዘበን እናተሳገረ ዝመፀን ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ጥንታዊ ስልጣነን ጥበብን እውን ዝሕውስ እዩ፡፡ 

እቲ ነዊሕ መዋእል ዝገበረ ንተመራመርትን ምሁራንን ታሪኽን ኣፅኒሕኻ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ዝተፈፀመ ዛንታ እንተወሲድና ሕልሚ ዝመስል ግን ድማ ጋህዲ ዝኾነ ፍፃመ ኣሎ፡፡እዚ እውን መስተንክራዊ ስርሒት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን’ዩ።

በዚ እውን 17 ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ደደቢት ፈላመይቲ ማእኸል መዋፈሪ ክትኸዉን ታሪኽ ሓርዩዋ፡፡ ኣብ ጉዕዞ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብደደቢት ዝፈለመ መስመር መዛዘሚኡ ዓዲ ገዛእቲ ሃገረሰላም ገበረ፡፡

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ መዋፈሪታት ዘለዉ ካልኦት መዋፈሪታት ንጥቀስ እንተኢልና ድማ ዲማ ማርዋ ፣ እገላ(እኒ ሰብዖ) ፣ ሱር ፣ ጫሞ ፀለይ፣ ወርዒ፣ ግልቤና ፣ በየዳ፣ ኣቤራ ፣ ደጀና፣ /ካዛ፣ ዛሬማ፣ ግህነም ፣ ማይገባ/ እናልና ንጥቀስ ምስ እንብል ብዙሓት እዮም፡፡

ማእኸል መዋፈሪ ዓዲ ገዛእቲ ፅላልን ኣዳራሽን ህወሓት /ኢህወዴግ ክኸውን ከይዲ ፅንዓት ዝተጀመረሉ 17 ነሓሰ 1981 ዓም እዩ፡፡

ዓዲ ገዛእቲ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን እዩ ዝርከብ፡፡ ካብ 1981- 1983 ዓ/ም መወፋሪ ህወሓት ኢህወዲግ ድማ ኣብ ዓዲ ገዛእቲ እዩ ነይሩ። ኣመራርሓ ህወሓትን ኢህወዲግን ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ (ካብ ከውሒ ብህዝቢ ተፈልፊሉ ኣብ ዝተሰርሑ ገዛውቲ ን3 ዓመት ተቐሚጥም እዮም።

ኣብቶም ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ክፍልታት ልዕሊ 35 ሽሕ ህዝቢ ደጉዓ ተምቤን ተሳቲፉ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምግቢ እቶም ኣመራርሓ እውን ካብ ህዝቢ እዩ ዝቐርብ ነይሩ።

እቲ መዋፈሪ – መዋፈሪ ሰላም ብዝብል ሽም እውን ይፍለጥ፡፡መዋፈሪ ሰላም – ሰላም ብዝብል ዝተሰየመ ፕሮጀክት ናይ ህወሓት /ኢህወዴግ ማእኸላት ፕሮፖጋንዳን ካልኦት ኣገደስቲ ኣካላት ውድብን ዝጠመረ ማእኸል መዋፈሪ ስለ ዝነበረ እዩ፡፡ በዚ ኣገባብ እዚ ዛንታ ዓዲ ገዛእቲ ክንፅሕፍ እንተኢልና ሰፊሕ ቅያ ዘለዎ እዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈቶም ኮይኖም ኣመራርሓ ካብ ዝህብ ዝነበሩ ብፆት ኣብነት ፣

1/ቤት ፅሕፈት ኣቦ ወ/ር ኢህወዲግ ብፃይ
መለሰ ዜናዊ
2/ ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ ብፃይ ኣባይ ፀሃየ
3/ ሓላፊ ወታደራዊ መምርሒ ብፃይ ስየ
ኣብርሃ
4/ ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ኢህወዲግ ብፃይ ተወልደ ወ/ማርያም

] ዓዲ ገዛእቲ ሕዚ ከመይ ኣሎ?

[] ዓዲ ገዛእቲ ከም ሓደ ማእኸል በፃሕቲ ንምግባር እንታይ እናተሰርሐ እዩ?

[] ሕዚ ዘለና መናእሰይ ብዛዕባ ታሪኽ ወለድናን ታሪኽ ትማሊናን ንምፍላጥ ይኹን ንምስናድ ከመይ እናነጠፍና ኢና?

ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ካብ ነብሲ ወከፍ ትግራዋ ይፅበ ኣለኹ፡፡
እንኳዕ ንበዓል ጉንበት 20 ኣብፅሕኩም  !!

ብርሃነ መስቀል ጅግና ወዲ ትግራይ !!

ብርሃነ መስቀል እምባየ ኣብ ዓዲነብሪ ኢድ እዩ ተወሊዱ። በቲ እዋን ኣኩኡ ሓየሎም ኣርኣያ ዳርጋ ዝተቐራረበ ዕድመ ስለዝነበሮም ልክዕ ከም ማናቱ ብሓደ እዮም ዓብዮም። ብርሃነ መስቀልን ሓየሎምን ብሓደ ብይን እንዳተፃወቱ ብሓመድን ጭቃን እንዳተቐላለዱ እዮም ዓብዮም።

ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ማእኸል ፀዋታ ሓየሎም ክብሪ ደሊዩ ኣነ እኮ ኣኮኻ እየ እንትብሎ ብርሃነ መስቀል ግና “ቺድ ንስኻ ዲኻ ኣኮይ” ኢሉ ይቕይዐሉ ነይሩ። ዳሓር ድማ ዓብዮም ናብ ትምህርቲ ምስ ኣተወ ኣብ እዋን ውፅኢት ኣነ በሊፀካ ኣይኮነን ኣነ እባ በሊፀ እንዳተበሃሃሉ ይነሓንሑ ነይሮም።

ብርሃነ መስቀል እምባየ ምስ ኣኩኡ ሓየሎም ኣርኣያ ብጣዕሚ ተፋተውቲ ስለዝነበሩ ኣብ ዝዝሊእ ኣንፈት መኪና ክደልዩ ይውዕሉ። እታ ዕድል ምስ ንርአ ነይራ ኮይናስ ንርአ ሓፍተይ ሕማም ሕርሲ ተተሓዚ እሞ በጃኹም ኢሉ ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ዝነበረት መኪና እንትልምን ኣባል ስርዒት ህወሓት ዝነበረን ኣብቲ ጥዕና ጣብያ ዝሰርሕ ዝነበረ ዶክተር ኣባዲ መስፍን ነቲ ሓላፊ መኪና ክፈቕደሉ ተሓባቢሩዎ። ብርግፅ ዶክተር ኣባዲ ብዛዕባ እቲ ኦፕሬሽን ሓበሬታ ኣለዎ እዩ።

ንርአ እታ መኪናንን ሓደ ዘዋሪን ተመዲቡሉ ነታ መኪና ሒዞም መገዲ ጀመሩ። ብኻሊእ ገፅ ድማ ብርሃነ መስቀል እቲ ዝወፈረሉ ስለዘይቀነዖ ናብቶም ጉልባብ ተሸፊኖም ዝፅበዩ ዝነበሩ ብፆቱ ተሓወሰ። ኩሎም ድማ ልክዕ ከም ናይ ደርጊ ሰራዊት ወታደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ነታ ናይ መወዳእታ ናይ ንርአ ዕድል እንትፅበዩ ሃንደበት እታ ንንርአ ዝሓዘት መኪና ደበኽ በለት።

ኣብ ሓደ ዓብይ ድልድል/ቢንቶ/ ፀኒሖም ነቲ ዘዋሪ መኪና ኢድካ ንዓቐብ በልዎ። እዞም ተጋደልቲ ድማ ቀለበት፣ ሃፍቶም፣ ሙሴ፣ ኣረጋዊ በርሀ፣ ኣሕፈሮም እውን ነይሩ።
ነዞም ጀጋኑ ዝፀዓነት መኪና ልክዕ ስዓት 10፡00 ብዘይምንም ከልካሊ ኣብ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ሰትት ኢላ ብምእታው ነቶም ፅዒናቶም ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ በቢቦቶም ብምብታን ወፍሪ ክጅመር ገበረት። እቲ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ 30 ደቃይቕ ምስ ተዛዘመ እቲ ዝተሃጅመ ዕጥቅን ገንዘብን ዝፀዓነት መኪና ብሓይሊ ብፆት ተደፊኣ ዘዋሪኣ ድማ ብርሃነመስቀል ኮይኑ ጉዕዞ ካብ ኣኹስም ምውፃእ ተጀመረ።

ኣብዚ ክተሓዝ ዘለዎ ፈላሚ ኣውቲስታ/ዘዋሪ/ መኪና ብርሃነመስቀል ነይሩ ኣብ ወፍርታት ህወሓት። በዚ ድማ እቲ ወፍሪ ዕውት ኮይኑ እታ መኪና ክሳብ እቲ ክትኸዶ ዝተመደበላ ከይዳ። ዝተረፈ ብእግሪ ብምጉዓዝ ንበረኻ ኣተው።

ብርሃነ መስቀል ኣብቲ ኣብ 1968 ዓ/ም ወርሒ ሰነ ኣብ ሴሮ ዝተኻየደ ምፍሻል 2ይ ወራር ደርጊ ምስ ነበልባል ክ/ስራዊት ደርጊ ከቢድ ግጥም እውን ተሳቲፉ እዩ። እዚ ግጥም ብላዕለዋይነት ዝመርሖ ሙሴ እንትኸውን ውድብ ታሪኽ ሰሪሓትሉ እያ። ኣብዚ ግጥም እዚ ብርሃነመስቀል ኣብ እግሩ ተወቒዑ ቆሲሉ ወዲቑ እዩ። ግን ብድጋፍ ተጋደልቲ ካብ ናይ ውግእ ቦታ ወፂኡ ናብ ሕክምና ብምእታው ድሕሪ 5 ወርሒ ናብ ኣሃዱኡ ተመሊሱ ኣብ ሓይሊ 22 ኣብ መሪሕነት ተመደበ።

ሓይሊ 22 ኣብ ከባቢ ሰለኽለኻ እያ ትንቀሳቐስ ነይራ። ሰራዊት ኢድዩ እውን ነዚ ፅንዓት ገይሩ ካብ ሽረ ተበጊሱ ናብዛ ኸተማ ክበፅሕ ናብ ኣፍጋሕጋሕ ሓሊፎ እኒሀ። ነቲ ናይ ኢድዩ ምንቅስቓስ መፅናዕቲ ክገብሩ ዝወፈሩ ተጋደልቲ በዝሒ እቲ ሰራዊት 200 ምዃኑ ሓበሬታ ረኸቡ። ዳሓር ግና ካብቲ ዝህንደድ ዝነበረ ሰራዊት ብስርሒት ዝተማረኹ ኣባላት ኢድዩ እቲ ሰራዊት 2000 ከምዝኾነ ኣነፀሩ። ሓይሊ 22 ዘለዋ ሓይሊ ሰብ ብጣዕሚ ውሑድ እዩ። ዳርጋ ናብ 65 ዘይመልእ። ግን ድማ ነዚ ንህዝቢ ከበሳብስ ዝህንደድ ዘሎ ሰራዊት ንምምካት ሓቦ ተቐኒታ ኣላ።

በዚ ድማ እቲ ቅድም ኢሉ ናብ ከተማ ሰለኽለኻ ዝኣተወ ሰራዊት ኢድዩ ንኣንፈት ሓኽፈን ገፁ ብምፅጋዕ ሰነ 15/1969 ዓ/ም ልክዕ ስዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ 22 ከቢድ ኩናት ይኸፍት። ሓይሊ 22 ፍርቁ እንትኳሻሕ ሓንቲ ጉጅለ ነታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ሓይሊ 73 ክተርክበሎም መልእኽቲ ይሰዱ። እታ ጉጅለ ድማ ብዘግርም ቅልጥፍና ንመልእኽታ ኣብፂሒ ሓይሊ 73 ከምዝተበገሰት ብምግላፅ ናብቲ ኩናት ኣተወት። መሬት ሓዊ ኮነት።

ሰራዊት ኢድዩ ዝወደቐ እንዳወደቐ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጦጒጉ ናብታ እምባ ክድይብ ይፍትን። ብፍላይ ብኣንፈት ብምብራቕ እምባፅሕዲ ምስ ዝነበረ መስርዕ ካብ ብጥይት ሓሊፉ ናብ ኢድ ብኢድ ግጥም ኣተወ። ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ወዲቑ መሬት ደም ሰቲያ ሰኸረት። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብግብ ሓይሊ 73 ኣርኪባ ናብ ባሕሪ ኵናት ኣተወት። ሽሾ ሰራዊት ዝነበሮ ሰራዊት ኢድዩ ግና ተወሳኺ ሰራዊት ብምጥቃም ንሓይሊ 73 እውን ኣብ ከበባ ኣእተዋ።

ተጋደልቲ ህወሓት ሓንቲ ተኵሳ መሊሳ ኣዐሚርካ ትትኩስ ብረት እዮም ሒዞም ዘለው። ብወገን ኢድዩ ድማ ቢሬን ፣ ኣርፒጂን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣውቶማቲክ ጠበናጁ ሒዞም እኒሄው። በዚ ድማ እቲ ውግእ ከበደ። ኣብ ማእኸል እዚ ሃይሃይታ ድማ ብርሃነ መስቀል ምስ ተኸስተ እስጢፋኖስ ብምዃን ንሓይሉ እንዳመረሐ ናብዝን ናብትን ይብል ኣሎ። መስዋእቲ በዚሑ ስንቅን ጥይትን እንትዛሪ ብርሃነ መስቀል ሓደ መምርሒ ሃበ። ክንዲዝካኣል ነቲ ከበባ እንዳፈንፃሕካ ምንስሓብ ክግበር ሓበረ።

ነቲ ዝግበር ዘሎ ግብግብ ብርሑቕ ዝሰመዐት ሓይሊ 60 ድማ ዳሃይ ክትገብር ናብ ብርሃነ መስቀል ብሬድዮ ርክብ ጀመረት።

ሄሎ ከመይ ኣለኹም ብፆት

“ተኸቢብና ኢና”

ክትወፁ ‘ዶ ትኽእሉ? ሽኩል ብዝኾነ ቃላት

ኣይንኽእልን

ንሓይሊ 60 መእተዊ ‘ዶ ምሓበርካልና?

ኣብ ፀገም ክትኣትው እያ” ምስ በለ ብርሃነ መስቀል ድምፁ የጥፍእ።

እቲ ግጥም ብጣዕሚ ፈታኒ ካብ ሙዃን ሓሊፉ ተጋዳላይ ህወሓትን ኢድዩን ክሳብ ምፍላይ ዝስእን ተሓዋዊሱ ኢድ ብኢድ ይተሓናነቕ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ርብርብ ምስ ብርሃነ መስቀል ዝነበሩ ከምኒ ተኸስተ እስጢፋኖስ፣ ጉዕሽ ታደሰ ማትዮስ፣ ፀጋዘኣብ ወዲቖም ክቡር መስዋእቲ ኸፊሎም።

ብርሃነ መስቀል ግና ክሳብ ሕዚ ኣብ ማእኸል ፀላኢ ተኸቢቡ ይተሓናነቕ ኣሎ። ሰራዊት ኢድዩ ካብ ጥይት ሓሊፉ ብኢዶም ክሕዝዎ ነቲ ክበባ ኣፅበቡሉ። ብርሃነ መስቀል ግና ዝወደቐት ብረት ኣልዒሉ ክሳብ ጥይት እትውድእ ሓደ ንሽሕ ገጠመ። እታ ብረት ድማ ጥይት ወዲኣ ቃዕ ዝብል ድምፂ ሂባ ኣፅቀጠት። ደም ሰውነቱ እንዳገረረ ከደ።

ናይ መወዳእታ ዕድል ብደንጎላ ምግጣም ጥራይ ኮነ። ብርሃነ መስቀል እምኒ እንዳኣልዓለ ክንባር ፀላእቱ ምብታን ጀመረ። ኣብ ኸምዚ ዝበለ ርሱን ግጥም ግና ብድሕሪቱ ከይራኣዮም ዝኣተው ፀላእቲ ኣብ ኽሳዱ ከባቢ ተኺሶም ስለዝውቅዕዎ ሽዑ ከምዝተሰወእ ብፆት ይዛረቡ ።

ሰመረ ቾንቶ !!



ጥላሁን ካሕሳይ ናይ ሃረር ጦር ኣካዳሚ ምሩቅ ነይሩ። ብ 1968 ዓ/ም ንመይዳ ክጋደል ወሪድ።

ኣብ ገድሊ ሰመረ ቸንቶ ዝብል ስም ተዋሂብዎ። ኣብ ሓይሊ 51 ፣ ዳሓር ሓይሊ 81 ኮይኑ ፀኒሑ በቲ ዝነበሮ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ብስለት ተሓሩዩ መራሒ ሓይሊ 92 ኮይኑጉቡኡብጅግንነትይፍፅምነይሩ።

ብ1970 ዓ/ም ደርጊ መበል 3ይ ወራር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ዝባን ሽረ ፣ ራማን ገርሁ ስርናይ መሪር ናይ ምክልኻልውግእሰመረዝመርሓሓይሊብሊፂቲተዋጋኢትነይራ።

ብ 1970 ዓ/ም ኣብ ሰለኽለኻ ነቑጡ ዝነበረ ሰራዊት ደርጊ ንምውቃዕ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈፀማ ሓይልታት ሰመረ ዝመርሓ ሓንቲ ሓይሊ ነይራ።
ኣብዚ ውግእ ሰለኽለኻ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርህወሓትኣተወት።

ኣብ እግሪ ኳና ተሓቢኡ ዝፀንሓ ወታደር ደርጊ ዝተኮሶ ጥይት ኣብ ኣፍ ልቢ ብፃይ ሰመረ ቸንቶ ዓሪፋ እቲ ተባዕን ጅግና ተጋዳላይ ተሰዊኡ።

ጅግና ብፃይ ሰመረ ህያው ኢኻ !!

ጀብጀብ ብፃይ !!



ብፃይ ኣረፋይነ ካሕሳይ ኣብ ከባቢ ሽረ እንዳሰላሰ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ግዳድ ተባሂሉ ኣብ ዝፈለጥ ጣብያ ተወሊዱ ዓብዩ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ከተማ ሽረ ተማሂሩ። ካልኣይ ብርኪ ድማ ኣብ መቐለ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ እዩ ተኸታቲሉ። ኣብ ሃገራዊ ፈተና ድማ ፅቡቕ ነጥቢ ብምምፃእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ፋኩሊቲ ሕጊ ኣትዩ ሰለስተ ዓመት ተማሂሩ እዩ። 

በቲ እዋን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ተማሃሮ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክነጥፍ ጀሚሩ። ብፍላይ ብወገን ማሕበር ተማሃሮ ተጋሩ ዩንቨስቲ ዝግበሩ ዝነበሩ ንጥፈታት ኣዚዩም ቀልቡ ስሓብዎ። በዚ ድማ ምስቶም ዳሓር ማገብት ዝመስረቱ ተማሃሮ ርክብ ጀሚሩ። ብኡ ብኡ ድማ ዕጣቃዊ ቃልሲ ኣብ ትግራይ ንኽጅመር እንትውሰን ካብቶም ካብ ሽረ እንዳሰላሰ እንዳሱሑል ናብ በረኻ ደደቢት ከይዶም ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ሓደ ንሙዃን በቐዐ። ኣረፋይነ ናብ ደደቢት ምስ ኣተወ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ብፆቱ ፀሃየ ዝብል ሽም ተወሃቦ።

ፀሃየ ደደቢት ካብ ዝኣትወላ መዓልቲ ጀሚሩ ውድብ ኣብ ዝሃበቶ ዕማማ ካብ ሸራሮ ጀሚሩ ክሳብ ሽረ ኣብ ዘሎ መሰመር ይፍፅም ነይሩ። ናይዚ ኣብነት ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት 1967 ዓ/ም እቲ ኣቦ ውድብ ዝኾነ ተጋዳላይ ስሑል ከቢድ ሕማም ሒዝዎ ኣብ ቀልቀል ሞት ይበፅሕ። በቲ ግዘ ስሑል ናብ ከተማ ከይዱ ክሕከም ኣይኽእልን ብተወሳኺ ድማ ካብ ተጋደልቲ ናብ ከተማ ከይዱ መድሓኒት ከምፅእ ዝኽእል ኣካል ዋላ እንተሃለው በቲ ቅድም ክብል ኣብ ሓደ ሓደ ኣባላት እቲ ውድብ ዝተፈጥረ ፀገም ነቲ ቃልሲ ራሕሪሖም ናብ ከተማ ዝኣተው ከደዓት ኣለው።

ኣብ ከምዚ ዝበለፅንኩር ኩነታት ፀሃየ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ከፊለ ኣነ መድሓኒት ከምፅእ በለ። እው በቲ እዋን ፀሃየ ከተማ ሽረ ተማሂሩላን ዓንዲሩላን እዩ። ብኣውርኡ ድማ ወዲ ኣቦይ ካሕሳይ ሸፊቱ ተባሂሉ ክሳብ ስድርኡ ዝተፈለጠላ ዓዲ። ፀሃየ ግና ነዚ ኩሉ ምስቲ ናይ ስሑል ህይወት እንተይ ኣወዳደረ ክሳብ መስዋእቲ ምኽፋል ንኽበፅሕ ወሰነ።

ብመሰረት ውሳንኡ ድማ ልክዕ ከምቶ ገባራት ዓዲ መሲሉ ናብ ማእኸል ከተማ ሽረ ኣቲዩ መድሓኒት ብምምፃእ ህይወት ብፃዩ ኣድሒኑ እዩ።

1968 ዓ/ም ውድብ ነቲ ዝነበራ ምንቅስቓስ ናብ ማእኸላይን ምብራቕ ትግራይ ኣብ እተስፍሐሉ እዋን ምስተን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሳ ውድባት ርክብ ንኽትምስርት ውሰነት። በቲ ዝቐረበ ሓሳብ መሰረት ምስ ግገሓት/ግንባር ገድሊ ሓርነት ትግራይ/ ርክብ እንትምስረት ካብቶም ንውድብ ወኪሎም ዝኸዱ ሓደ ፀሃየ ነይሩ። ፀሃየ ምስ ብፆት ስዩም መስፍን፣ ኣግኣዚ፣ ሰበሮም፣ ብርሃነ መስቀል፣ መ/ር ገብረዝጊሀር ገብሩ ብምዃን ምስ መራሕቲ ግገሓት ኣብ ዓሊተና ተራኺቦም ዘተዩ።

ተሓህት/ህዝባዊ/ ብዓቕሚ ምዕባይ እንትትጅምር ክፍልታት መሰሪታ ነይራ። ካብቶም ክፍልታት ሓደ ብስውእ ተጋዳላይ ኣስፍሃ ሓጎስ ዝመራሕ ክፍሊ 05 ዝነበረ እንትኾን ካብቶም ፈለምቲ ኣባላት እዚ ኮሚቴ ዝነበሩ ፀሃየ፣ ዘርኡ፣ በዛብህ፣ ሕሉፍ ፅምብላ፣ ይሳቕ ነይሮም።

ብፃይ ፀሃየ ኣብቲ ብ1969 ዓ/ም ኣብ ጨዓመስከበት ዝተገበረ ውግእ ተሳቲፉ እዩ። ብፍላይ እቲ ውግእ እንትዛዘም ወታደራዊ መራሒ ውድብ ሙሴ ኣብ ኢዱ ተወቒዑ እንትወድቕ ንንሓየሎም ኣልዒሎም ለምለም ስሑል ክትሕክሞ ኣቕረቡላ። ለምለም ክንዲዝከኣላ ድም ሙሴ ጠጠው ክተብሎ ፈተነት ግና ኣይሰምረላን።

ኣብ መወዳእታ ንሙሴ ብቃሬዛ ተሸኪሞም ንሸራሮ ብእግሪ ምኻድ እንትጅምሩ ፀሃየ እውን ምስኒ ሓየሎም ኣርኣያ ተሓዊሱ ህይወት ብፃዩ ከድሕን ፈተነ።

ኣብ መንገዲ ተረፍመረፍ ኢድዩ ኣጋጢሞሞ ነቲ ቃሬዛ ኣውሪዶም ተዋጊኦም እንደገና ነቲ ቃሬዛ ኣልዒሎም ህይወት ሙሴ ከድሕኑ ተጓየዩ ግን ሙሴ ኣብቲ ዝድለ ቦታ ከይበፀሐ ተሰዊኡ።

ደርጊ መበል 4ይ ወራር ብ1971 ዓ/ም ካብ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ዝኾነ ብሓይሊ ሰብ እውን ካብ ሕሉፍ ተሞክሮታቱ ተማሂሩ ዝገበሮ ነይሩ። ትግራይ ዳህሲስካ ናብ ኤርትራ ንምሕላፍ ዝዓለመ ወራር ኣብ ሓሸንገ፣ ደደቢት፣ ዓዲ ዳዕሮ ከበድቲ ግጥማት ተኻይዶም።

ብፍላይ ኣብ ሓሸንገ ንዝነበረ ንብረት ውድብ ንምምንዛዕ ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ጠርኒፉ እሞ ድማ ምስ ዘመናዊ ታንክታትን መዳፍዕን ሰኒዩ ወፊሪ ጀመረ። ኣብዚ ከባቢ ቦጦሎኒ 60 ከምኡ ድማ ርሕቅ ኢላ ቦጦሎኒ 80 እውን እኒሀተት። እዘን ቦጦሎኒታት ዘለወን ሓይሊ ሰብ ዋላ እኳ ውሑድ ይኹን እምበር ነቲ ሽሾ ሰራዊት ደርጊ መኪተን ንብረት ውድብ ከድሕና ተረማረማ።

ኣብዚ እዋን ሓላፊ ዕጥቂ/09/ ዝነበረ ብፃይ ፀሃየ ኣብዚ ግጥም ወየንቲ ከይተረፉ ኣሰሊፉ ተኻፊሉ እዩ። ግጥም ምስ ተፈጥሮን ሰብን። በቲ እዋን ናይቲ ቦታ ሞቐት ከም ሓዊ ዝባላዕ ዋዒ ነበሮ። ኣብዚ ፈታኒ ርብርብ ኩሉ ተጋዳላይ ህወሓት ከም ሓደ ኣካል ኣብ ሓደ ኣትኪሉ ደሙን ራሃፁን በይዛ ህዝቡን ውዱቡን ገበረ።

ብርክት ዝበሉ ጀጋኑ ምስ ፀላኢ ኢድ ብኢድ ተሓናኒቆም ወደቑ። ስጋ ለበስ ተጋደልቲ ምስ ሓፂን ተጋጠሙ። ብርክት ዝበላ ታንክታትን መካይንን ፀላኢ ተባርዓ።

ደርጊ ሕዚ እውን ተወሳኺ ሓይልን ነፈርቲ ከይተረፈ ኣብዚ ኩናት ክሳተፋ ገበረ። ኣብ ከምዚ ዝበለ መሪርን ፈታንን ግብግብ ድማ ልክዕ መጋቢት 27/1971 ዓ/ም ኣብ ሓሸንገ ፍሉይ ሽሙ ዝባን ማይ ሰሳሑ ኣብ ዝበሃል ቦታ ብፃይ ፀሃየ ብነፋሪት ተወቒዕ ክቡር መስዋእቲ ኸፈለ።

በቲ ግዘ ኣብ ጎኑ ዝነበሩ ወያናይ መብራህቱ ገ/ሄር ሎሚ እውን ኣብ ዓዲ ሸናጥሮ ኣለው። ነቲ ኩነታት እንትዝክሩ ከምዚ ይብሉ “ፀሃየ ፍሉይ ብዓል ቅያ እዩ። ኣብቲ ከም ሓዊ ዝረሰነ ኩናት ልክዕ ከም ጨዋታ ቃርሳ እዩ ዝጋጠም።

ውሑዳት ተጋደልቲን ምልሻን እንዳመርሐ ኣብቲ ርብርብ ምንም ድምብርፅ ከይበለ ጅግንነት ሰሪሑ። ንብረት ውድብ ብፃላኢ ኣይውረስን ክብል ድማ እንዳጨረሐ እዩ ዝዋጋእ ነይሩ።
እቲ ናቱ ወነ ንዓና ሓቦ ኮይኑና ክሳብ መወዳእታ ድማ ተቓሊስና ነቲ ንብረት ካብ ፀላኢ ኣድሒናዮ። ግን ድማ እቲ ተዓጢቁ ዘዕጠቐና ጅግና ተጋዳላይ ፀሃየ ብመስዋእቲ ተፈሊዩና።” ይብሉ።
(ሓበን ፍረ ቓልሲ)

ትርጉም ብፃይነት ስዬ ኣብርሃን፣ መራሒ ጋንታ ብፃይ ፋሕሻውን !!

ብፃይ ፋሕሻው ነብሱ ብተፈጥርኡ ረቂቕ አብ ልዕሊ ምዃኑ ዋጋ ቓልሲ ( ጥምየት፣ ፃምእ፣ ዕርቃን፣ቁሪ፣ፀሓይ፣ጉዕዞ ድኻም ወዘተ) ተሓዋዊሱዎ ቆርበቱ ካብ ናይ ሰብ ወዝ ርሒቑ ናብ ፃዕዳ ስለዝተቐየረ ብዝርኣዮ ምልክት ሳጓ ዘውፅእ ተጋዳላይ ፋሕሻው ይብሎ፡፡ ንሱ እውን ከም ሓውን ሓፍትን ናይ ቅርበት ምቁልማጣዊ ፃውዒት እምበር ናይ ምንሻው ስለዘይኮነ ኣብየት ይብል፡፡

ሓደ መዓልቲ ምሽት እዋን ፅልምትምት ዑድት ክገብር ስየ ነዙ ብፃይ ይረኽቦ፡፡ እቱ ብፃይ በቶም ዝገለፅኩዎም ምኽንያታት የዕርዩ ዘሕዝን ገፅታ ነይሩዎ፡፡ ስየ ምስርኣየ መን ዲኻ ትብሃል? ይብሎ፡፡ ፋሕሻው ይብሎ ንሱ እውን፡፡ እቱ ብፃይ ተኸዲኑዋ ዝነበረ ክዳን ቢንቢን ትብል ረቃቕ ጉባኤ እያ፡፡መራሒ ጋንታ ኣለካ ዶ ? ይብሎ፡፡ እወ፡፡ እስከ ኺድ ፀዋዕዮ ይብሎ፡፡

መራሒ ጋንታ ተፀዊዑ እንትመፅእ፡ ኣካላዊ ኩነታቱ ረጒድ፡ ታህታህ ዝብል ተፈጥሮኣዊ ኣካል ዘለዎ ኮይኑ፡ ርጉ ዝበለ ካናቲራ ተኸዲኑ ብልዕሊኣ ረጒድ ሸሚዝ ጉባኤ፡ብልዕሊኣ ድማ ፍልስጥኤም ጃኬት ተኸዲኑ ነይሩ፡፡

ስየ ጥምት ኣቢሉ ኡዙ ብፃይ ኣብ ናትካ ጋንታ ድዩ ዘሎ? እወ፡፡ እንታይ ድኣሞ ሓደ ኣካላዊ ኩነታትካ ካብኡ ንስኻ ትሓይሽ፡፡ ካልኣይ ካናቲራን ሸሚዝካን ድሓን እዩ ዝንሄ ፡፡ ብፃይነት ማለት እንታይ ማለት ድዩ? ስኽ ይብል መራሒ ጋንታ፡፡ በል ቱ ጃኬት ኣምልቆሞ ሃቦ፡፡ ኣምልቒ አቢሉ ይህቦ፡፡ ተኸደኖ ካይትህቦ ኢሉ፡፡ በል ታ ጋንታኻ ኣክባ ይብሎ፡፡

ጋንታ ምስ ተኣከበት ፣ እዙ ብፃይኮ ምስ ኣዲኡ እንተዝኸውን ከምዚ ኣይኸፍኦን፡፡ ናይ ቃልሲ ጉዳይ ኮይኑ እዩ ዝኾነ ዓይነት ሳጓ ክተውፅኡ ትኽእሉ ኢኸም፡፡ ድሕሪ ሎሚ ግን ነዙ ብፃይ ፋሕሻው ኢልኩም ከይትፅውዑዎ፡፡ ኢሉ መምርሒ ሂቡ ከደ፡፡

ናይ ብፃይነት ተፃራሪ ጉዕዞና ኣበይ ከብፅሐና ይኸውን ?

በዓል ሲሞኖቭ !!

 

ናብ ደደቢት ዝወፈረ ፣ ፈለሞት ዕጥቃዊ ቃልሲ ወፊሩ ፍሉይ በዓል ታሪኽ ሽግ ወያነና ዝወለዕ ንጉሰ ታየ ደደቢት እንትኣትው ስሙ ቀለበት ተባሂሉ ይፅዋዕ ነይሩ። ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ካብ ዝኸድ 15 ብፆት ሓደ ቀለበት ነይሩ። ኣብ ዒን ዝተባሃለ ቦታ ታዕሊም ወሲዶም ዕጥቂ ሒዞም ናብ ደደቢት ተመሊሶም።

ኣብ ወፋሪ ምድሓን ሙሴ ቀለበት ኣብታ ብሳይክል ውድድር ዝፍለጠላ ኣደባባይ ሽረ ኾይኑ የማን ፀጋም ንዝመፁ ወታደራት ደርጊ ኣዛቢዕዎም እዩ።ኣብቲ እዋን ኣብታ ኣደባባይ ኾይኑ ንብፆቱ ከውሊ ኾይኑዎም እዩ። ዕጡቓት ደርግ ሓገዝ ንምሃብ ናብቲ ኦፕረሽን ሙሴ ዝተፈፀመሉ ቦታ ብ 5ተ ሸነኽ ኣብ ዝንቀሳቀስሉ እዋን እቲ ኣብ ኣደባባይ ዘሎ በዓል ማእኸላይ ቁመት ብፃይ ግና ሓኒቑ ሓዝዎም።

እቲ ብፃይ ሲሞኖቭ ብረት እዩ ሒዙ። ብፆት ኣብ ቤት መእሰርቲ ንዝነበረ ብፃይም ሙሴ ሒዞም ምስወፁ ኣብታ ብሳይክል ስፖርት ውሩይ ተወዳዳራይ ኮይኑ ዝፍለጠላ ኣደባባይ ሕዚ ናይ ጅግና ሓየሎም ኣርኣያ ሓወልቲ ዘለዋ ኮይኑ ብሲሞኖቭ ብረቱ ብተኹሲ እናዛበዐ ዝነበረ ንጉሰ ታየ ምኻኑ ህዝቢ ሽረ ምስፈለጠ ኣዙዩ ብጅግንነት ቀለበት ታሓጉሱ።

ኣብ ስርሒት ኦፕሬሽን ኣኽሱም ምስ ካልኦት ብፆቱ ኮይኑ ዕውት ኮይኑ እዩ ። ኣብ 1968 ዓ/ም መራሒ ሓይሊ 31 ነይሩ።

ናይ ቀለበት ጅግንነት ታሪክ ብዙህ እዩ አብ ሰለኽለኻ፣አክሱም ለማኒ ኮይኑ እንዳአተወ ብዙሕ ታሪክ ይሰርህ ነይሩ ። ንኣብነት ካብ ዓድዋ ናብ ሽረ ዝሓልፋ አውቶቡሳት ለማኒ ኮይኑ ምስ ነዊሕ በትሪ ሒዙ ስለ መድሃኔአለም እንዳበለ ናብ አብቶቡስ እዳለመነ ይአቱ።

ገሊኦም ፀሪፎሞ ደፋር ለማናይ ውረድ ኢሎም እቶም ዝደሌም ምስረኸበ ብረቱ ራሻን ኡዚ ኣውፂኡ አነ ተጋዳይ እየ እንትብሎም ብጣዕሚ ደንግፆም። ሰለስተ ሰባት ይድለዩ እዮሞ ኢሉ አውሪዱ ይቅርታ ኢሉ ንታ አውቶቡስ ሰነያ።

እቶም ዘውረዶም ሰለስተ ሰባት ሓደ ትግራዋይ ናይ ሽረ ማዘጋጃ ቤት ሓላፊ እዪ። እቶም 2ተ ናይ ደርጊ ወታደር ስቪል ዝተኸደኑ እዮም። ብጣዕሚ ፈሪሖም ነይሮም “ምን ሊደርጉን ነው”እዳበሉ ፈሪሖም። ካብ ከተማ 15 km ምስተጓዕዙ ናብቲ ተጋደልቲ ዘለውዎ ቦታ በፂሖም። እቲ ሓደ ሓለቃ ሽሕ (ሻለቃ) እዩ ። ብአምሓርኛ ምስሓተቶም ብጣዕሚ ተሓጊሶም።

ምሳሕ ቀሪብሎም ሽጋራ ግስላ ዝደሊ ጠይቆም ሃብዎ ንቲ ሻለቃ “ከአዲስ አበባ የነገሩን መልካቸው የተለየ ሰይጣኖች ናቸው ስናገኛቸው ግን መልአክታን ናቹ” በሎም።ብሓፈሻ ብዙሕ ዘይተዘረበሉ መሪር ንፀላእቱ እዩ ነይሩ ብፃይ ቀለበት።

ብ1970 ዓ/ም ደርግ ንትግራይ ዳህሲሱ ናብ ኤርትራ ክሓልፍ ናይ ሰሜን ወፋሪ ዝብል ሽም ዝሃቦ ደርግ ኣብ ዓዲ ሓና፣ ጥቓ እንዳጀወርጊስ ሓይሊ ቀለበት ትውግእ ውዒላ ናብ ዓዲ ሓኖ እምባዜዙ ተፀገዐት። እቲ ግጥም ክሳብ ኢድ ብኢድ ዝዘለቐ ብፆት ቡምባ ፈቲሖም ዝሃጅመሉ ግዘ ነይሩ።ሽዑ ነይሩ እዚ ጅግና በዓል መትከል ወዲ ህዝቢ ብፃይ ቀለበት ኣብ እምባ ጤዙ ዝተባሃለ ቦታ ኣብ ዝነበረ ርሱን ውግእ ተሰዊኡ።
ጅግና ብፃይ ቀለበት ህያው ኢኻ!

ዓወት ንውፁዕ ህዝቢ ዓለም ! ዓወት ንውድብና ! ክንዕወት ኢና !!

ተጋዳሊት ብርሽዋ ኣብ ዓዲ ኣርባዕተ ተወሊዳ:: እዋኑ ብሰንኪ መስፍናዊ ስርዓት ሃ/ስላሰ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘስካሕክሕ ብሄራዊ ጭቆና ክነብር ዝተገደደ፣ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላቱ ዝተግሃሰ፣ ከርፋሕ ናብራ ድኽነት ንክነብር ዝተፈረደሉ እዋን’ዩ ነይሩ::

ኣብ መወዳእታ 1967 ዓ.ም ምዕባይ ብርሽዋ ዝኾነት ትርሓስ ተጠምቀ ዕድሚኣ እንተይኣኸለ ተመርዕያ ናብ ተሰነ ከደት:: 12 ዓመት ዝዕድሚኣ ብርሽዋ’ውን ምስ ዓባይ ሓፍታ ክትነብር ተልኣኸት:: ብሰንኪ ከርፋሕ ናብራ ቁልዕነታ ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ እንዳዞረት ዘሕለፈቶን ኣብ ተሰነ እርሳስን ጥራዝን ሒዛ ፊደል ክትቆፅር ንደገኣፍ ቤት ትምህርቲ ክተረግፅ ዕድል ረኸበት::ኣብዚ ግዜ’ዚ ናይ ስዊድን ሚሽን ዘጣየሽዎ ቤት ትምህርቲ ስለዝነበረ መፃኢ ህይወታ እተማሓያሸሉን ፍልጠት ናብ እትቀስነሉ ቤት ትምህርቲ ኣትያ ሀ…ሁ ክትብል ጀሚረት::

እንተኾነ ግና ንሽግርን ንመከራን ጥራሕ ዝተፈጥረት ክሳብ ዝመስል ከም ማዓር ዝመቀረታ ትምህርቲ ሰሙን እንተይገበረት ናብ ቤት ትምህርቲ እንዳኸደት እንከላ ብዕጡቓት ጀብሃ/ተሓኤ ተገፊፋ ተወሲዳ:: ኣባላት ጀብሃ ንከተማ ተሰነ ተቆፃፂሮሞ ስለዝነበሩ ብኣስገዳድ ንመናእሰይ እናገፈፉ ዘጋድሉሉ እዋን‘ዩ ነይሩ:: ትርሓስ ንብርሽዋ ክትደሊ ን3 ወርሒ ከርተት እንዳበለት ዘይመስል መሰለት::

ኣብ መወዳእታ ካብቶም ኣባላት ጀብሃ ሓደ ሓፍትኺ ንዘላቶ ክነግረኪ ምእቲ ቕርሺ ክፈሊ ኢሉ ሓተታ:: ትርሓስ ካብ ምኽፋል ድሕር ከምዘይትብል ብምግላፅ ተለቂሓ፣ ንዝነበረኣ ወሳሲኻ ሚእቲ ቕርሺ ከፈለት:: እታ ክትማሃረላ ዝተፀበየታ ሓፍታ ጮግሪ ርእሳ ተላፅዩ፣ብረት ዓጢቓ ንዘይትፈልጦን ንዘይትደልዮን ዕላማ ክትዋጋእ፣ ኣብዕሸል ዕድሚኣ ወታደራዊ ታዕሊም እንዳወሰደት’ያ ረኺባታ::

ሕጂ ‘ውን ዝተኸፈለ ይከፈል ኢላ ንብርሽዋ ካብቲ ዘላቶ ክተውፅኣ ወሰነት::ልዕሊ ዓቕሚ ሰልዲ ከይሓቱዋ ብምሕሳብ ምእመኒዩ ንዝበለቶም ናይ ሓሶት ምኽንያታት ምሂዛ ናብቶም ሓለፍቲ ዝባሃሉ ኣባላት ጀብሃ/ተሓኤ ከደት::

ብርሸዋ ንምግዳል ዘይትበቅዕ ህፃን ኣብርእሲ ምዃና ወለዳ ዓይነስዉራት ስለዝኾኑ እሞ ድማ ብዘይ ንሳ ካልእ መራሒ ከምዘይብሎም ብምግላፅ ንክሰዱዋ ለመነቶም:: እቶም ኣባላት ጀብሃ’ውን ብርሽዋ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክትፀንሕ ከላ ከምቶም ዕድሚኦም ዝኣኸሉ ተዓለምቲ ክኢላ ነቲ ዝዋሃባ ዝነበረ ታዕሊም ትፍፅም ስለዘይነበረት ናብ ገዝኣ ንክመልሱዋ ኣየማትኡን:: ካልኣይ ማዓልቲ ኣብ ደገ እንተተራእያ ኣሲሮም ናብታ ዝነበረታ ታዕሊም ከምዝወስዱዋን ፈፂሞም ከምዘይለቁዋን መጠንቀቕታ ብምሃብ ኣፈሪሞም ኣውፂኦማ::

ብርሽዋ ኣብ ተሰነ ክትማሃር ዝነበራ ዕድል ተዓፅዩ:: ብርሽዋ ኣብ ተሰነ ምፅናሕ ንትርሓስ ከቕስና ስለዘይካኣለ 1969 ዓ.ም ናብ ዓዳ ኣብፂሓታ ተመለሰት:: ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርሽዋ ጓል 14 ዓመት ዝመለአት እንትትኮን ልቢ ዝገበረትሉን ንዘላቶ ከርፋሕ ናብራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ በደላት ከሕስባ ጀመረ::

1969 ዓ.ም ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከባቢ ራማ ተንቀሳቐስ ስለዝነበረት ብርሽዋ ምስ ተጋደልቲ ክትቀራረብን ንመንነቶም ክትፈልጥን ዕድል ረኸበት::ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ ሰገናት ፍሉይ ፍቕሪ ዘሕድሩ ስለዝነበሩ ብርሽዋ’ውን ከምቶም ካልኦት ሰገናት ራማ ብፍቕሪ ተጋደልቲ ተፀመደት:: ቁምጣ ስረ ዓጢቓ ብረት ተሓንጊጣ ክትውይን ድማ ተመነየት::

ናብ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት እንዳኸደት ንከቃልሱዋ ክትሓትት ጀመረት:: ኮይኑ ግና ዕድሚኣ ስለዘይኣኸለት ሕቶኣ ተቐባሊነት ኣይረኸበን:: በቲ ዝተዋሃባ ምላሽ ተስፋ ዘይቆረፀት ብርሽዋ ኣብ 1969 ዓ.ም ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ከተማ ራማ ንምምሕዳር ዝተኸለትሉ እዋን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብዝተጣየሸ ማሕበር መናእሰይ ብርሽዋ ፈላሚት ኣባል እቲ ማሕበር ብምዃን ነቲ ውድብ መሰሰቶ::

መንእሰይ ራማ ናብ ቃልሲ ንክዓስልን ምስ ህ.ወ.ሓ.ት ንክውግንን ኣባል ባህሊ ማሕበር መናእሰይ ብምዃን ብዜማታት ቃልሲ እናጋወሐት ብምልዕዓል ልዑል ተራ ዝነበራ ብርሽዋ ጠርናፊት ፀጥታ ከተማ ራማ ንብረት ህዝቢ ከይዝረፍ ቀንዲ ተዋሳኢት ኮነት::

ብመሰረት’ዚ ወርሒ ግንቦት 1970 ዓ.ም ተጋደልቲ ጀብሃ ኣብ ራማ ዝነበረት ናይ ጀርዲን ቱቦታት ኢነትረ ብዝዓይነታ መኪና ፅዒኖም ዘሪፎም ክኸዱ እንትብሉ ኣብ እግሪ ጎማ እታ ንብረት ህዝቢ ፅዒና ክትወፅእ ዝተዳለወት መኪና ብምደቃስ “ናዓይ ረጊፅኩም እንተዘይኮይኑ ንብረትና ኣይትወስድዎን” ብምባል ህዝቢ ራማ ክሳብ ዝእከብ ገቲራቶም ፀነሐት:: ህዝቢ ራማ ንብረቱ ንከይዘረፍ ምስቶም ዕጡቓት ጀብሃ ተፋጠጠ : ኣባላት ጀብሃ ብረቶም ኣዕሚሮም ነቲ ህዝቢ ከፈራርሑ ፈተኑ:: ኣብዚ እዋን’ዚ ብርሽዋ ንሓደ ሲሞኖፍ ዝተዓጠቐን ንሳንጃ ብረቱ ገቲሩ ዝፍክር ዝነበረ ዕጡቐ ጀብሃ ብድሕሪቱ ከይዳ ንዝሓዞ ብረት መንዚዓ ምስመንጠለቶ ነታ ብረት ንመናእሰይ ራማ ኣቐበለቶም:: ክፍክር ዝፀነሐ ዕጡቕ ጀብሃ ብፍርሒ ማይ ይኸውን::

ብርሽዋ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲራ “በል ናዓ ሕጂ” በለቶ:: ኣብ ቅድም ህዝቢ ዝተዋረደ ብረተይ ምለሱለይ እንዳበለ ኣብ ጥራሕ ሜዳ ናብ ልመና ኣተወ:: መናእሰይ ራማ ናብዝበፅሖ የብሉን ኢሎም ንብረቱ ደርበዩሉ:: ኣባላት ጀብሃ ሓሳቦም ፈሺሉ::

ደርግ ኣብ ሳልሳይ ወራር ከተማ ራማ ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ኣተወት:: ብርሽዋ ሕቶ ምግዳል ኣቕረበት:: ዋላኳ ዕድሚኣ ንምግዳል ዘብቕዕ እንተዘይነበረ ኣብ ራማ እንተፀኒሓ ክበፅሓ ዝኽእል ሕደጋ ማሕበር መናእሰይ ኮይና ንዝፈፀመቶም ስራሕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ሕቶኣ ተቐባሊነት ረኺቡ::

ንቃልሲ ብዘለዋ ፅኑዕ ድልየትን ቆራፅነትን ከምኡውን ኣብ ፆታዊ ማዕርነት ዘለዋ እምነት ተሪር ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንጋንታኣ ኣብ ዝወሃቡ መደባት ተሳታፊት ኣብ ምዃን ዘይትቕደም ውፍይቲ ብምንባራ ካብ ቦጦሎኒ 50 ሓሊፉ ኣብ ኩለን ሓይልታት ህ.ወ.ሓ.ት ተፈላጢት ኮነት::

ፀዋር ፣ ንፀገማት ዘይትንብርከኽ እያ ኔራ:: ኣብ እዋን ራብዓይ ወራር ፀላኢ ብፍላይ ኣብ ኲናት ደደቢት ዘርኣየቶ ፀዋርነትን ፅንዓትን ከም ኣብነት ዝላዓል እዩ::እቲ ውግእ ብፅዑቕ ደብዳብ ከበድቲ ኣፅዋራት ፀላኢ ዝተፈነወ ብምንባሩ ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብዝዓረድሉ ቦታ ዝርከብ ሳዕሪ ስለዝተባርዐ ብመሬት ሓዊ፣ ብሰማይ ተፈጥራዊ ሓዊ ብቅድሚት’ውን ካብ ፀላኢ ብዝፍኖ ሓዊ ተኸቢቦም:: ካብ ታዕሊም ወፂኦም እኹል ምድላው ከይገበሩ ናብቲ ውግእ ዝኣተዉ ሓደሽቲ ተጋደልቲ ነቲ ዝነበረ ፃምእ ማይ ጥሜትን ፈታኒ ውግእን ክፃወርዎ ስለዘይካኣሉ ነቶም ነባራት ተጋደልቲ’ውን ክፀልዎም ክኢሉ እዩ::

ብርሽዋ ንሰለስተ ማዓልትታት እኽሊ እንከይጣዓመት ኣብ ማእኸል እቲ ርሱን ዓውዲ ውግእ ኣትያ ክትኳሻሕ ብምፅናሓ ከምቶም ካልኦት ተጋደልቲ እንተደኸመት’ውን ብጊዝያዊ ፀገማት ሸብረኽ ዘይብል ፅኑዕ ሓቦን ትብዓትን ነቶም ተወጊኦም ዝወደቑ ብፆታ ሓዚላ ናብ ሕክምና ዝረኽቡሉ ቦታ እንዳተማላለሰት ካብ ሞት ኣድሒናቶም እያ:: ደርጋውያን በቶም ውሑዳት ግን ድማ ፅኑዓት ተጋደልቲ ብዝገጠሞም ተሪር መኸተ ተፀፊዖም::

ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ በረኻ ብዘጋጠመ ሕፅረት ማይ እተን ብዕድል ዝተረኸባ ውሑዳት ማይ ንኩሎም ተጋደልቲ ዝኣኻላ ስለዘይነበራ ንደቀነስትዮን ሰገናትን ጥራይ ተባሂለን በብጋንትኡ እንተተመቐላ’ውን እታ ግመል  በረኻ ዝኾነት ብርሽዋ ግና ብፃምእ ማይ ጎሮሮኣ ነቒፁን ከም ዋልካ መሬት ፍግዕግዕ ኢሉ እንዳሃለወ’ውን ስተዪ ክትባሃል ከላ “ኣነ ዳሓን እየ ነተን ካልኦት ብፆት ሃቡወን” ብምባል ማዕረ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ማይ ከይጣዓመት በቲ ልሙድ ፅንዓታን ቆራፅነታን ጉዕዞኣ ቀፀለት:: ብድሕሪ’ዚ ብርሽዋ ኩሉመደያዊ ብቕዓታን ተመዚኑ መራሒት ጋንታ ኮይና ንክትመርሕ ሓላፊነት ተወሃባ::

መራሕቲ ሓይሊን ቦጦሎኒን ንህፁፅ ኣኼባ ይፅወዑ:: ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ስለዘሎ ምድላዋት ንክገብሩ ይነገሮም:: ብርሽዋ ተሓጒሳ:: “ኣነ ኣብ ኤርትራ እንተዝስዋእ ክንደይ ፅቡቕ ነይሩ” ብምባል ምስተዛረበት ንምንታይ ዝብል ሕቶ ካብ ብፆታ ቀሪቡላ እንትትምልስ ” ሓደ ወያናይ ሰራዊት ወያናይ ካብዘብሉዎ ሓደ ዓለምለኻዊ ግቡኡ ምፍፃሙ‘ዩ ይመስለኒ:: ኣነ‘ውን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጋዝ ግቡአይ ንምፍፃም ከይደ ኣብኡ ክስዋእ እንከለኹ ዝላዓለ ህዝባዊ ወገናውነትና ዘመስክር ታሪኽ’ዩ ዘለዎ” ብምባል ንብሱል ፖሎቲካቲዊ ብቕዓታ ብዘንፀባርቕ ኣገላልፃ እዩ ነይሩ ዘብርሃትሎም::

ቀይ ኮከብ ዘመቻ – ህ.ግ.ሓ.ኤ ንምብራስ

ደርግ ንኤርትራ ደምሲሱ ናብ ትግራይ ክምለስ ትልሚ ስለዝነበሮ ብዘይካ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ሓይልታት ስፍሪ ዘይብሎም ሓደሽቲ ወታደራትን ከበድቲ ኣፅዋራት ናብ ኤርትራ ዘኽተቱሉ ብምንባሩ ታጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ምስ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምትሕብባር ነቲ ናይ ሓባር ፀላኢ ሓቢሮም ክምክትዎ ከምዘለዎም ንኩሎም በራጊድ ምስተገለፀሎም ተጋደልቲ ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ሓሳብ ብሙልእ ድለየትን ወነን ምስተቐበሉዎ እዩ ብእግሪ ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ዝጀመሩ::

ብርሽዋ፣ጓል ፀሃየ፣ ኣበባ ፋራን ካልኦትን ብርክት ዝበላ መራሕቲ ሓይሊ ናብ ግንባር ባርካ ተመዲበን:: ፀላኢ ንወራር ኣብዝተንቀሳቐሰሉ እዋን ነቲ ወራር ንምምካት ኣብ ዝተካየደ ውግእ ኣባላት እታ ብርሽዋ ትመርሓ ሓይሊ ፀላኢ ብምዝባጥ ዝላዓለ ዓወት ክሓፍሱ ክኢሎም ‘ዮም:: ኣብ ባርካ ዝተኻየደ ውግእ ኣዝዩ ከቢድ እንተነበረኳ ብውሕሉል ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን ነቲ ወራር ኣምኪኖምዎ እዮም::

ሚያዝያ 1974 ዓ.ም ብርሽዋ ካብቲ ንሓይላ ሒዛ ዝዓረደትሉ ግንባር ሕዳይ ትኽስ ናብ ዝተባህለ ቦታ ተፀዊዓ ትኸይድ:: ምስ ወታደራዊ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ከምኣ ካብ ዝተፋላላዩ ነቑጣታት ተፀዊዖም ዝመፅኡ ወታደራዊ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ተራኺቦም ኣብ ሓውሲ በዓቲ ኮፍ ኢሎም ንኩነታት እቲ ከባቢ እንዳፅነዑ፣ ወታደራዊ ጉዳያት ሓሳብ እንዳተለዋወጡ እንዳሃለዉ ፀላኢ ብዘካየዶ ደብዳብ ከቢድ ብረት ናብታ ባዓቲ ሾሊኻ ብዝኣተወት ቁምቡላ ርእሳ ተወቐዐት::

ተጋደልቲ ካብቲ ዝወደቐትሉ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ድፋዕ ምስ ኣእተዉዋ ሕክምና ንክትረክብ ምጉያይ ጀመሩ:: ግና ውቃዓ ከቢድ ስለዝነበረ ድሕሪ 15 ደቓይቕ “ዓወት ንውፁዕ ህዝቢ ዓለም ! ዓወት ንውድብና ! ክንዕወት ኢና !” ኢላ ምስጨረሐት ነቲ እትምነዮ ክቡር መስዋእቲ ከፊላ ሓለፈት::

ብጓንዴ ሄልኮፕተር !!

ኣብ ዕጥቂ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ” ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን ” ክበሃል ከሎ ንወግዒ ክሙቺ ጥራሕ ኣይኮነን ናማን እዩ::

እዞም ጅግና ወያናይ ኣየለ መኮነን ይበሃሉ በጓንዴ ሄልኮፕተር ማሪኾም፡፡ ከመይ ዝብል ሕቶ ከም ዝለዓል ፍሉጥ እዩ፡፡

1974 ዓመተ ምሕረት እዩ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምረ ከባቢ ፊናርዋ ግባና ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ወያናይ ኣየለ ኣብ ዉሽጢ ገዘኦም ናሃለዉ ድምፂ ሄልኮፕተር ብቐረባ ይሰምዑ፡፡ በዓልቲ ገዘኦም እወን ኣብ ድሕሪ ገዘኦም ገለ ዘይፈልጠኦ ነገር ከምዘሎ ናጎየያ መፂአን ይነግረኦም፡፡ ስብኣይ ጓንዴ ሒዞም መሰስ፡፡

ናብ ድሕሪ ገዞኦም ተኸዱ…. ክልተ ኣብረርቲ ካብ ሄልኮፕተር ወሪዶም ከባቢ ክሓቱ ናብኦም ይፅግዑ፡፡ ኣባላት ደርጊ ምኻኖም ምስ ፈለጡ ኢድኩም ንላዕሊ ይብልዎም ማሪኾም ኩሩንኩሪት እዉን ኣሲሮምም ኣብ ኦም፡፡

ካብኡ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ክነግሩ ከይዶም ሄልኮፕተር ምስ ክልተ ኣብረርታ ማሪኸ ተበልዎም መን ክኣምኖም ።

አረ ንዑናይ እሞ ትኣምኑ ኢሎም ወሲዶሞም ተጋደልቲ እሺ ኢሎም ተኸዱ ኩሩንኩሪት ኣብ ኦም ተኣሲሮም ክልተ ኣብረርቲ ኣለዉ ፈንተት ኢላ እዉን ሄልኮፕተር ።

ፈላሚ ስውእ !!

“ቆልዑ አሕስኣ ኔርኩም’ዶታ ኣብ ቀብሪ

ሃፍቶም እንትድበ ቀትሪ ምድሪ።”

 እያሱ በርሀ

ካሕሳይ በላይ ይበሃል። ትውልዲ ዓዱ ኣብ ከተማ ሽረ ቀበሌ 04 እንትኾን ንፉዕ ተማሃራይ፤ ተፃዋታይ ኩዕሶን ጉያይን ኮይኑ ዓብዩ። ብፍላይ ኣብ 1965 ዓ/ም ካብ ኩለን ኣውራጃታት ትግራይ ብሉፅ ጎያይ ኮይኑ ወርቂ መዳሊያ ተሸሊሙ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ‘ዚ ኣብቲ ዓመት እቲ ብሉፅ ተፃዋታይ ኩዕሶ እግሪ ተባሂሉ እውን ተመሪፁ እዩ ካሕሳይ።

ሓደ እዋን እዩ። ኣብ ከተማ ሽረ ተማሃሮ ረቢሾም ተባሂሉ መካይን ክሓፍስኦም እንትብገሳ፣ በቲ ጊዜ ካሕሳይ ኣርኪቡ ናብ ሓንቲ መኪና ብምድያብ ነቲ ዘዋሪ መኪና

“ተማሃሮ ናብ ምሕፋስ ኣይትኸይድን” ኢሉ ይኽልክሎ።

ነዚ ዝተዓዘበ ሓለቃ ሚእቲ ሽጉጥ ኣውፂኡ ንላዕሊ ብምትኳስ ከፈራርሖ ፈተነ። ካሕሳይ ወይከ ድምብርፅ ኣይበለን። ድሕሪ ብዙሕ ሞጎትን ግብግብን ዝተወሰኑ ወታደራት ደርጊ ንካሕሳይ ከቢቦም ብምሓዝ ኣሰርዎ። ካሕሳይ ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእስርቲ መግረፍቲ ወረዶ። ኣብ ልዕሊ እቲ መግረፍቲ ተደራረብቲ ሕቶታት ቀረብሉ።

መርማሪ ፖሊስ፦ “ፈለማ ማሓዛ ቀለበት ኢኻ?” ክብል ብሕቶ ምጉጣጥ ጀመረሉ። ቀፂሉ ድማ

“ከምቲ ትፈልጦ ቀለበት ሸፊቱ እዩ ዘሎ። ብዛዕብኡ ትፈልጦ ጉዳይ ንገረና። ብተወሳኺ ‘ውን ምስ ገሰሰ/ስሑል/ ርክብ ኣለካ እዩ። ኣብ በረኻ ኮይኖም እንታይ ከምዝመኽሩ ትፈልጥ ኢኻ ተዛረብ” እናበለ ኣሳቐዮ።

ካሕሳይ ግን “ኣነ ብዛዕባ እቶም ትብሉዎም ዘለኹም ሰባት ኣብ ምንታይ ከምዘለው ኣይፈልጥን ።” ክብል ኣቐቢፁ እዩ። ብርግፅ ካሕሳይ ምስ ቀለበት ብሓደ ተማሂሮም፤ ብሓደ ተፃዊቶም ዝዓበዩ መሓዙት እዮም። ብተወሳኺ እውን ቀለበት ብብሽክለታ ካሕሳይ ድማ ብኩዕሶን ጉያን ተወዳደርቲ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተኻፊሎም እዮም። ሕዚ ድማ ኣብ ሓደ መስመርን ኣብ ካሊእ ዕማምን ኣለዉ። እቶም መርመርቲ ዘውረድሉ መግረፍቲ ከለፋልፎ ከምዘይካኣለ ምስተገንዘቡ ንኣብኡ ኣይተ በላይ ፀዊዖም ከዘራርብዎ ኣእተውዎም።

ኣይተ በላይ ድማ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሎም ፤

“ኣንታ ካሕሳይ ወደይ በጃኻ ግደፍ፣ ንምንታይ ኢኻ ምስ መንግስቲ እተባእስና ዘለኻ?” በልዎ። ካሕሳይ፤  ኣእጋሩ ምስተኣሰራ ቅንዕ ኢሉ ፤

“ኣነ ዘጉህየኒ ዘሎ እማ ናትካ እዩ። ንዝኾነ ሰብ እንዶ ኢድ ኣይትንሳእ። ኣነ ወዲ ትግራይ እማ ኣሽንኳይዶ ኣእጋረይ ኢደይ እውን ሓዊሶም መቑሕ እንተዘእትዉለይ ፀገም የብለይን። ኣነ ወዲ በይንኹም ኣይኰንኩን። ወዲ ኩሉ ትግራዋይ እየ” ብምባል መልሲ ሃበ።

ብድሕሪ እዚ እቶም መርመርቲ

“በቃ ወዶም ክፍታሕ እንተደሊዮም 30,000 ብር ዋሕስ ይኽፈሉ” ኢሎም ንኣቦይ በላይ ኣፋነውዎም።   ጉዳይ ዕድል ኰይኑ፤ ካሕሳይ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ክፀንሕ ኣይከኣለን። ይርጋ ሃፍቱ ዝተበሃለ ነጋዳይ ተዋሒሱ ንካሕሳይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኦ።

ካሕሳይ ፤ ካብ ቤት ማእስርቲ ምስወፀ ብዙሕ ኣይፀነሐን። ሰነ 8/1967 ዓ/ም ቁምጣ ስረ ዓጢቑ ጋምባለ ገይሩ ናብ መይዳ ክጋደል ወፀ። ናይ ካሕሳይ ምኻድ ዝተዓዘቡ ወታደራት ደርጊ ንኣይተ በላይ

“ወድኹም ኣምፅእዎ” እናበሉ ብምውቃዕ ኢዶም ሰበሩዎም። በዚ ምኽንያት ድማ ኣይተ በላይ ን6 ወርሒ ሙሉእ ሓሚሞም ደቂሶም እዮም።

ካሕሳይ ኣብ ሱር ታዓሊሙ፤ ኣብ መስርዕ ውድብ ምስተሰለፈ ሃፍቶም ዝብል ሳጓ( ስም ቃልሲ) ተዋሃበ። ሃፍቶም ጠንካራን ጅግናን ብፃይ ንምዃን በቕዐ። ሃፍቶም በቲ ዝነበሮ ቁመናን ወታደራዊ ብስለትን ቅልጥፍናን ተሓርዩ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 29/1967 ዓ/ም ኣብ ኣኽሱም ዝተኻየደ ስርሒት/ኦፕሬሽን/ ምስ ሙሴ፣ ንርአ፣ ቀለበት ተመዲቡ ናይ “ዕድገት ብሕብረት” ወፈርቲ ክዳን ገይሮም ኣብ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ታሪኽ ሰሪሑ እዩ። ኣብዚ ስርሒት ሃፍቶም ካርባይን ብረት እንዳተኮሰ ናብቲ እንዳፖሊስ ጠጒጉ እንትኣቱ ብውሽጢ ዝፀንሐ ሓለቓ ሓምሳ ዘሊሉ ብምሕናቕ ተቓሊሱዎ። ሃፍቶም ግን ሕዚ እውን ተሓኒቑ እንተሎ ናብቶም ካልኦት እንዳተኮሰ ነይሩ። ኣብዚ ሃንደበታዊ ምትሕንናቕ ተጋዳላይ ንርአ ናብ ውሽጢ ዘሊቑ ብምእታው ነቲ ንሃፍቶም ዝቃለሶ ዝነበረ ሓለቓ ሓምሳ ኣብ ጉንዲ እዝኑ ተኲሱ ኣውደቖ። ኣብ ማእኸል እዚ ግጥም ኣብ ቀረባ ርሕቀት ኾይኑ ዝታኮስ ዝነበረ ሓለቓ ሽሕ ድማ በታ ዝሓዛ ሽጉጥ ገይሩ ንሃፍቶም ኣብ ዳንጋ እግሩ ተኲሱ ወቐዖ። ብፆት ተሓባቢሮም ነቲ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ገበሩዎ። ሃፍቶም ድማ እቲ ወፍሪ ብቕልጣፈ ክዛዘም ግቡእ ስለዝነበረ ነታ መውጋእቲ ተፀሚሙ ካብ ብፆቱ ከይተፈለየ ምስታ መስርዕ ወፂኡ። ድሕሪ እቲ ኦፕሬሽን ነታ ብፆት ኣውፂኦሙሉ ተሓኪሙ። በዚ ድማ ፈላሚ ጥይት ዝተወቕዐ ተጋዳላይ ህወሓት ሃፍቶም እዩ።

ውድብ ህወሓት ካብ ምዕራብ ናብ ማእኸላይ ትግራይ እንትትንቀሳቐስ ኣብ ከባቢ እገላ ለይቶ ፍሉይ ቦታ ገራዓ ኣብ ዝነበረ ታዕሊም ኣብታ ቀለበት ዝመርሓ ጋንታ ምኽትል መራሒ ጋንታ ኾይኑ ነቶም ሓደሽቲ ተዓለምቲ ይዕልም ነይሩ።

ብ1968 ዓ/ም ኢድዩ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህወሓትን ነባሪ ምዕራብ ትግራይን ግፍዕታት ከብፅሕ እንትጅምር ሃፍቶም ኣብ ሓይሊ ደደቢት መራሒ ጋንታ ኾይኑ ተመደበ። ኣብዚ እዋን ሓይሊ ደደቢት  ካብ ዓጋመ ናብ ምዕራብ ተበገሲ ተባሂላ እንትትንቀሳቐስ እግረ መንገዳ ንህዝቢ እናንቀሐትን እናወደበትን ትስጉም ነበረት። ካብቶም ንህዝቢ ዘንቅሑን ዝውድቡን ዝነበሩ ሓደ ሃፍቶም በላይ ነይሩ። እቲ ምንቅስቓስ ካብ ዓጋመ ጀሚሩ ክሳብ ማእኸላይ ዞባ ኣሕስኣ ጨርቃማ ዝበሃል ቦታ ዝበፅሑ ቀፀሉሉ። ኣብዚ እዋን ተጋደልቲ ዕረፍቲ ገይሮም ድራር ክበልዑ መደብ ይወፅእ።

 

ሃፍቶም ንጋንትኡ ከድርር ላዕልን ታሕትን ምባል ጀመረ። ሃፍቶም ምግቢ ተጋደልቲ ፅቡቕ ገይሩ እዩ ዝሰርሕ። ብተወሳኺ ድማ ጋንትኡ ተደሪራ ከይወድአት ምግቢ ኣይጥዕምን ነይሩ። ነዚ ኩሉሻብ ዝገብሮ ተግባር እናፈፀመ ካብተንሰለስተመስርዓት ነተን ክልተኣድሪሩ ናብታ ሳልሰይቲ መስርዕ ከድርር እንትንቀሳቐስ፤ ንፀላም ተጎልቢቦም ዝኣተዉዎም ነጭለባሻት ደርጊ ንሃፍቶም ከቢቦም ጠያይቲ ከም ዝናብ ኣብ ነብሱ ኣውረድሉ። ሃፍቶም ብጠያይቲ ተወቒዑ እንትወድቕ ብፆቱ ኣርኪቦም ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋት ናብቲ ሃፍቶም ዝወደቐሉ እንትመፁ፤ ናይ መወዳእታ ቃል ሃፍቶም ኣርከቡላ። ከምዚ ድማ በለ

“ብፆት ናይ ሎሚ መዋእል ናይ ቃልሲን መስዋእትን እዩ። ፀረ ኩሎም ድሕረታት ዝኾነ ዕላማ ተሓህት/ህወሓት/ ንህዝቢ ትግራይ ዝረብሕ እዮ’ሞ ኣብ ሽቶኡ ኣብፅሕዎ” ኢሉ ድምፁ ኣጥፈአ። ናይቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ መስዋእቲ መሳሲ ኰይኑ ሓሊፉ። ሓይሊ ደደቢት ነዚ ምሩፅ ተጋዳላይ ኣብ ዓዲ ፍታው ሎሚ ድማ ጣብያ ሃፍቶም ቀቢራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝጀመረቶ ጉዕዞኣ ቐፀለት።

ሎሚ ኣዕፅምቲ ፈላሚ ስውእ ተጋዳላይ ሃፍቶም በላይ ካብቲ ፈለማ ተቐቢርሉ ዝነበረ ዓዲ ፍታው ወፂኡ ኣብቲ ንህዝቢ ዘምህረሉ ዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ቁስቋም ብህዝቢ ተዓጂቡ ዝተቐበረ እንትኾን፤ እታ ብጥይት ፀላኢ ተወቒዑ ዝወደቐላ ጣብያ ጨርቃማ ድማ ዓዲ ሃፍቶም ተባሂላ ስማ ተቐይሩላ ትርከብ።

( ሓበን  )