ብግፍዓዊ ቕትለት 2 ህፃውንቲ ዝተኸሰሰ ተኸሳሲ ኣይተ መዝገበ ደስታ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ተወሲኑዎ !!

ተኻሳሲ ኣይተ መዝገበ ደስታ ገ/ሂወት ዝተበሃለ ዕለት 17 መስከረም 2009 ዓ.ም. ሰዓት 10፡00 ኣጋምሸት ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሓወልቲ ጣብያ ሰላም ወለዶም ፈዊሶም ኣዕቢዶሙኒ’ዮም ካብ ዝብል ቂም ተበጊሱ ንየሕዋት ህፃውንቲ ያሬድ ገ/ኪሮስን (ወዲ 8 ዓመት) ሃፍቶም ገ/ኪሮስን (ወዲ 11 ዓመት) ሓውኩም’የ ንዑናይ ኢሉ ናብ ግቢ ሓወልቲ ብምውሳድ ሓዱሽ ብዝገዝኦ ካራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣካላቶም ሓሪዱን ወጊኡን ስለዝቐተሎም ዓንቀፅ 559(1)(ሀ) ሕጊ ገበን ተመሓላሊፉ ተደራራቢ ገበን ከቢድ ቅትለት ሰብ ፈፂሙ እዩ ዝብል ክሲ ብዞባ ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣብ ማእኸላይ ቤ/ፍርዲ ከተማ መቐለ ክሲ ቀሪቡዎ። ብእምነት ተኸሳስን ብተወሰኽቲ መርትዖታትን መሰረት ተኻሳሲ ጥፍኣተኛ ኮይኑ ተረኺቡ እዩ።

እቲ ማእኸላይ ቤ/ፍርዲ ሓሳብ መቕፃዕቲ ዓቃቢ ሕግን ተኸሳስን ሰሚዑ፡ ግፍዓውነት ናይቲ ገበን ብሞት ከቕፅዕ ዝኽእል እኳ እንተነበረ ተኸሳሲ መቃለሊ ስለዝተረኸቦ፤ መቃለሊ ዘለዎ ድማ ብዓንቀፅ 117 (1) ሕጊ ገበን መሰረት ብሞት ክቕፃዕ ስለዘይኽእል ተኸሳሲ ኣይተ መዝገበ ደስታ ገ/ሂወት ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፃዕ ዕለት 13 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ ወሲኑሉ እዩ።

እዚ ውሳነ ብላዕለዋይ ቤ/ፍርዲ ዝመሓየሸሉ ወይ ዝልወጠሉ ኩነታት እንተጋጢሙ ተኸታቲልና ክነፍልጥ ኢና።

ንቅሓተ ሕጊ !!

ካብ ልኡል ካሕሳይ

ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ
ስትራተጅያዊ ዛዕባታት ቢሮ ፍትሒ

ሀ. ልኡኽቶ ቢሮ ፍትሒ

ፅንዓት መሰረት ዝገበረ ረቂቕ ሕጊ ክዳሎ፣ግንዛበ ሕጊ ሕ/ሰብ ክዓቢ፣ፈፀምቲ ገበን ካብቲ ንፁህ ተፈልዮም ብሕጊ ክሕተቱ፣ ስርዓት ምዝገባ ወሰንቲ ኩነት ኣብ ድልዱል መሰረት ክህነፅ ርክብ ሕ/ሰብ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ጥቕሚ ህዝብን መንግስትን ክሕሎ ብምግባር ኣብ ክልል ሰላምን ድሕንነትን ነበርቲ ክረጋገፅ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰል ዜጋታት ንክኽበር ግቡእና ብምውፃእ ልዕልነት ሕጊ ምርግጋፅ፡፡

ለ. ራኢ ቢሮ ፍትሒ

ኣብ 2017 ዓ/ም ሰብኣውን ዲሞክራሲውን መሰል ዜጋታት ዝተኸበረላ፣ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀላ፣ ኣብ ስራሕቲ ፍትሒ ዕግበትን ኣመኔታን ዜጋታት ዝተፈጠረላ ትግራይ ምርኣይ፡፡

ሐ.ሓበራዊ ክብርታት ቢሮ ፍትሒ

1. ልዕልነት ሕጊ ነኽብር፣ክኽበር ንገብር!

2. ብውፅኢት ስራሕና ንኣምንን ንዕቀንን!

3. ንግዕዝይና ንፅየፍ!

4. ተሓታትነትን ኣሳታፋይነትን መትከልና እዩ!

5. ንድልየት ህዝቢ ቀዳምነት ንህብ!

6. ፍትሓውነትን ሚዛናውነትን መግለፂና’ዩ!

7. ንሞያና ዝለዓለ ክብሪ ንህብ!

ፍትሒ

ንቅሓተ ሕጊ !!

****×****

ካብ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዝተወሰደ

ኣድላይነትን ትርጉምን ውዕሊ
ውዕሊ ዝህሉ ተወዓዓልቲ ወገናት እንትህልው እዩ፡፡ ዝወዓዓሉ ሰባት እውን ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ሂወት እዩ፡፡ ሰባት ኣብ ውሽጢ ማሕበራዊ ሂወት ምስታፎም ንማሕበራዊ ምትእስሳር (social interaction) መልዐሊዝኾኑ ጉዳያት ኢኮኖምያዊ ርክባት ብምፍጣሮም ጉዕዞ ሂወት ዝፈጥሮ ነባራዊ ኩነታት እዩ፡፡ ከይዲ ምፍራይ ብብቅዓት ሓደ ካብ ኣብ ዘይውስነሉ ሕብረተሰብ ምክፍፋል ስራሕ (division of labour) ከምዘድሊ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡
ከምዚ ዓይነት ርክብ ሓደ ሓደ እዋን ቀሊል እኳ እንተኾነ ካልእ እዋን ድማ ዝተሓላለኸ ብምዃኑ ኩሉ ሰብ ከምድላይ ይግበሮ ተባሂሉ ዝግደፍ ጉዳይ ኣይኾነን፡፡ ሰባት መሰል ነፃነት ምውዕዓልን ንብረት ምፍራይን ኣለዎም ክበሃል ከሎ ነዚ ነፃነት እዚ ግቡእ ዝኾነ ሕጋዊ ሓለዋ የድልዮ እዩ ማለት እዩ፡፡ ብፍላይ ክፍፍል ስራሕ ብዓበይኡ እናሰፈሐን እናረቀቀን ኣብ ዝከደሉ ሜላን ዓቅምን ምፍራይ ደቂ ሰባት ኣብ ዝዓበየሉ እዋን ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ እናዓበየን እናተሓላለኸን ኣብ ዝመፀሉ እዋን ፣ ንግድን ኢንድስትሪን ናይዞም ርክባት መዘወሪ ሞተር ኣብ ዝኾነሉ፣ መንግስቲ’ ውን በዚ ልክዕ እናጎልበተን ኣወዳድብኡ እናተመሓየሸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዞም ርክባት መልክዕን ሰርዓትን ብዘለዎ ኩነታት ክመርሑ ምግባር ኣድላይ ነገር እዩ፡፡

ውዕሊ ሓደ ግቡእ ወይ ምስ እዚ ግቡእ ዝተተሓዙ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ጉቡኣት ዘጣይሽ ተግባራት ዘርእይ እዩ፡፡ በዚ ግቡእ በዓል ገንዘብ ዝኾነ ወገን ሓደ ነገር ንክፍፀመሉ መሰል ምሕታት ዝህልዎ እንትኾን ብዓል ዕዳ ድማ ሓደ ነገር ግቡእ ምፍፃም ኣለዎ፡፡
ስለዝኾነ ውዕሊ ማለት ንኣፈፃፅምኡ ብሕጊ ውሕስናዝረኸበ ግቡእ (A regally enforceable promise) እዩ ክበሃል ይክእል፡፡

ውዕሊ ዝብል ቓል ዝትርጉም ፍ/ሕ/ቁፅሪ 1675 ከምዚ ክበል ይገልፆ
“ ውል ማለት ንብረታቸውን የሚመለከቱ ግዴታዎችን ለማቋቋም ወይም ለመለወጥ ፣ ለማሰቀረት በስቸው ተወዳዳሪ ግንኘነት በሁለት ወይም በብዙ ሰዎች መሃል የሚደረግ ስምምነት ነው” ፡፡
ብመሰረት ውዕሊ ኣብ መንጎ ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት ዝግበር ስምምዕነት እዩ ፡፡ ነገር ግን ካብዚ ሕጊ ዝሃቦ ትርጉም እንርደኦ ኩሎም ዓይነት ስምምዕነት ውዕሊ ክኸኑ ኣይክእሉን፡፡
ሓደ ስምምዕነት ውዕሊ እዩ ንክበሃል እቲ ስምምዕነት ግቡእ ከጣይሽ ይግባእ ፡፡ ነዚ ‘ውን እዩ ሄነሪ ብለክ ዝተብሃለ መዝገብ ቃለት ኢንግሊዝኛ ዘደለወ ምሁር ሕጊ ፡-
″ A contract is an agreement between two or more persons which creates an Obligation to do or not to do a particular thing. ″
እዚ ናብ ትግርኛ እንትንምልስ ከለና ውዕሊ ኣብ መንጎ ቁፅሮም ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ዝኸኑ ሰባት ሓደ ነገር ንምግባር ወይ ንዘይምግባር ግቡእ ንምጥያሽ ዝገብርዎ ስምምዕነት እዩ፡፡
ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ውዕሊ ስምምዕነት እዃ እንተኾነ ካብ ካልኦት ስምምዕነታት ዝፈልዮ ንኣፈፃፅምኡ ብድሕሪት ድጋፍ ሕጊ ዘለዎ ስምምዕነት ምዃኑ እዩ፡፡ ተወዓዓልቲ ብቅድሞያ ሓደ ተፈልዩ ዝተፈለጠ ፍረ-ነገር ሓሳብ ንሓሳብ ይለዋወጡ ቐፂሎም ዝተረድእሉ ፍረ ነገር ንምፈፃም ወይ ንዘይምፍፃም ብምስምዕማዕ ውዕሊ ይፈፅሙ፡፡


ካብዚ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ትርጉም እዞም ዝስዕቡ ፈረ-ነገር ምሓዝ ይኸአል
ሀ. ውዕሊ ካብ ተወዓዓልቲ ሓሳባዊ ምርድዳእ (meeting of minds / ዝምንጭው ስምምዕነት ምዃኑ
ለ. ውዕሊ ንምእታው ቁፅሮም ክልተን ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰባት / plurality of parties/
ሐ. ትሕዝቶ ግቡእ ውዕሊ ካብ ንብረት ተወዓዓልቲ ወይ ኢኮኖሞያዊ ጥቅሚ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ / proprietary nature /
መ.ውዕሊ ዘጠይሽ ግቡእ /creation /፣ ዝተጠየሸ ግቡእ ንምልዋጥ /Variation /ወይ ዝተጣየሸ ግቡእ ንሞትረፍ / extinction / ምዃኑ እዩ፡፡
1.1- ኣመሰራርታ ውዕሊ
ኣብ ፍ/ሕ/ቁ 1678 ከምዝተቀመጠ ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዋጋ ዘለዎ ውዕሊ ኣብ ኣርባዕተ መሰረታዊ መለክዕታት ኣንፃር ተቀባልነት ክረክብ ኣለዎ ፡፡ ንሳቶም ውን
1. ክእለት ተወዓዓልቲ ወገናት
2. ፍቓድ ተወዓዓልቲ ወገናት ፀገም ዘይብሉ ምዃኑ
3. ተወዓዓልቲ ዝተወዓዕልሉ ዋኒን ብሕጊ ፣ ሞራልን ዘይተከልከለ ምዃኑ
4. ኣፈፃፀምኡ ብተወዓዓልቲ ወገናት ተግባራዊ ክኸውን ዝክእል
1.1.1.ክእለት ተወዓዓልቲ
ብሓፈሻ እንትርአይ ክእለት ዝብል ቃል ሓደ ሰብ ወይ ሓደ ብሕጊ ሰውነት ዝተወሃበ ኣካል ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዋጋ ዘለዎ ተግባር ንምፈፃም ዘለዎ ብቅዓት /ability to perform a judicial act/ ዘርእይ እዩ፡፡

ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዋጋ ዘለዎ (judicial act) ዝብል ፅንስ ሓሳብ ውዕሊ ንምውዕዓል ጥራሕ እንተይኾነስ ካልኦት ሕጋዊ ተግባራት ዘጠቓልል እዩ፡፡ እዚ ‘ውን ሓዳር ምምስራት፣ ኑዛዘ ምንዛዝን ካልኦት ባዕለዋ ዝኾኑ ዋኒናት ዝምልከቱ ተግባራት ንምውሳን ክእለት የድሊ ፡፡
ክእለት ዝምልከት ፅንስ ሓሳብ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክእለት ከምዘለዎ ግምት ይውሰድ፡፡ እዚ ግምት (Legal presumption) ከፈርስ ዝድሊ ሰብ እቲ ዝተበሃለ ክእለት ዘይብሉ ምዃኑ ሓላፍነት ምርዳእ ይወስድ ፡፡

ተፈጥራዊ ሰብ ብዝተመልከተ ክእለት ምስኣን ምስ ዕድመ ፣ ሕማምን ውሳነ ቤት ፍርዲን ይመፅእ፡፡ ዕድሚኡ ንኣካለ መጠን ዘይበፀሐ ህፃን (ማለት 18 ዓመት ዘይመልአ) ዝፍፅም ውዕሊ ኣብ ሕጊ ዝተቐመጡ ፍሉያት ኩነታት እንዘይሃልዩ ፈራሲ እዩ፡፡
ከቢድ ኣእሞራዊ ሕማም ዘለዎ ዝፍፀምዎ ተግባራት ዘኸትልዎ ውፅኢት ብቁምነገሩ ዘይግንዘቡሉን ከምኡ ‘ውን ብቤት ፍርዲ ክልከላ ዝተገበረሉ ሰብ ዝአሰሮ ውዕሊ ብተመሳሳሊ ፈራሲ እዩ፡፡
እቲ ካልእ ኣብ ኣካሎም ብዝበፀሐ ከቢድ ኣካል ምጉዳል ዝተለዓለ ሕጊ ፍሉይ ሓለዋ ዝገበረሎም ከም ዓይነት ሰውራን፣ ምስማዕ ምዝራብ ዝተሰኣኖም ውዕሊ እንትኣሰሩ ክፍፀም ዝግበኦ ዝተፈለየ ስርዓት ኣሎ፡፡ ዘይምክታል እዚ ስርዓት ውዕሊ ፈራሲ ክገብሮ ይክእል ፡፡ ንኣብነት ዓይነ ሰውራን ውዕሊ እንትወዓዓሉ ኣብ ሰነድ ንከረጋግፅ ስልጣን ዝተወሃቦ ኣካል ቐሪቡ እንተዘይተመዝጊቡ ፈራሲ ከምዝኾነ ፍ/ሕ/ቁ 340 ምስ 1728(3) ብሓባር የገንዝቡና፡

1.1.2.ፍቓድ ተወዓዓልቲ ወገናት
ሓደ ግቡእ ውዕሊ ዝተጣየሸ ምዃኑ ዝረጋገፅ ፍቓድ ተወዓዓልቲ ብሕጋዊ ኣግባብ ምግላፁ እንትፍለጥ እዩ ፡፡ ተወዓዓልቲ ኣብ ሞንጎኦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዝፀንዕ ግቡእ ንምጥያሽን እዚ ግቡእ ዘምፀኦ ውፅኢት ንምግዳድ ስምምዕነት ዘለዎም ምዃኑ እንትገልፁ እዩ ፡፡ እዚ ብዝተመልከተ ፍ/ሕ/ቁፅሪ 1679 “ውል ተዋዋዮች በገቡላቸው ግዴታዎችና እነዚሁም ኣሰገዳጅ እንዲሆኑ የተሰማሙበትን በሚገልፀው የፈቀድ መስጠት ላይ የተመሰረተ ነው “ ብምባል ይድንግግ፡፡
ካብዚ ብምልዓል ክላዓል ዝግበኦ ሕቶ ሓደ ሰብ ዝኣተዎ ቃል ከኽብር ብሕጊ ዝግደደሉ ፍቓድ ሂቡ ዝበሃል መዓዝን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት መዓዝን ብከመይ ዝበለ ኩነታት እዩ ዝበል እዩ፡፡ ነዚ መልሲ ንምሃብ ኣብዚ ሕጊ ዝተቐመጠ እንትንርኢ ፡-
1. ውዕሊ ንምውዕዓል የማነ ፀጋም ኣብቲ ዋኒን ሓሳብ ንሓሳብ ምርከበ /meeting of minds/ን
2. ዝተሰማዕምዕሉ ዋኒን ንምግዳድ ብግልፂ ፍቓድኛ ምዃኖም ምርኣይ /intention to be bound by/ ከምዘድሊ ምርዳእ ይከኣል ፡ ስለዚ ሕጋዊ ተፈፃምነት ዘለዎ ውዕሊ ካብ ተራ ስምምዕነት ዝተፈለየን ንተግባራውነቱ ብድሕረት ውሕስና ሕጊ ዝተወሃበ ተግባር እዩ፡፡

እዚ ዘድለየሉ ምኽንያት ማሕበራዊ ድሕንነት ንምሕላውን ኣብ መንጎ ሰባት ክህሉ ዝግባእ ሰነድ ርክብ ንምንክብካብ እዩ ሓደ እዋን ብድልየቱ ዘምፅእ ሳዕቤንን ውዕኢት ተገንዚቡ ውዕሊ ምስ ኣሰረ በዚ ውዕሊ ይእሰር፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ “ ሰብ ብቃሉ ይእከር “ pacta sunt servanda“ እናተበሃለ ምስ ዝፍላጥ ጥንታውያን ሮማውያን ኣዘራርባ ዝተወሰነ ናይ ሕጊ ብሂል ዝፈልፈለ እዩ ቃል ተወዓዓልቲ ወገናት ዝግለፅ ድማ ብውዕሊ ኣቀራርባን ኣቀባበልን እዩ፡፡

ኣቀራርባን ኣቀባባለን ውዕሊ
ተወዓዓልቲ ወገናት ብውዕሊ ንምግደድ ዝወሃቦ ፍቓድ ኣብ ሞንጎኦም ብግልፂ ዝግበር ኣቀራርባ ውዕሊ /offer/ን ነዚ ኣቀራርባ ውዕሊ ዝተወሃቦ ግልፂ ኣቀባበላ ውዕሊ/acceptance/ ዝገልፅ ተግባራ እዩ ፡፡
ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዋጋ ዘለዎ ኣቀራርባ ውዕሊ ንምጥያሽ ውዕሊ ሓደ ሰብ ዘለዎ ድልየት ፡፡
1.1.3- ዋኒን እቲ ውዕሊ
“ ዋኒን እቲ ውዕሊ“ ዝብል ሓረግ ንምምስራት ውዕሊ ምኽንያት ዝኾነ የማነ ፀጋማ ተነፃፃሪ ግቡእ ዝምልከት ተግባር ዘርእይ ገለፂ ሃይለ ቃል እዩ፡፡ በዚ ኩነታት ዝምስረት ግቡእ ሓደ ተወዓዓሊ እቲ ካልእ ሓደ ተግባር ንክፍፅም ፣ ንምሃብ ወይ ሓደ ዝኾነ ተግበር ንዘይምግባር ዝስማዕምዐሉ እዩ፡፡
እዚ ፈረ-ነገር ስምምዕነት ብሓጋዊ ኣዘራርባ ዋኒን እቲ ውዕሊ / object of the contract / እናተበሃለ ይፅዋዕ ፡፡ ዋኒን እቲ ውዕሊ ዝምልከቱ ድንጋጌታት ፍ/ሕ/ቁ 1711 -1718 ተቐሚጦም ይርከቡ ዋኒን እቲ ውዕሊ ንምውሳን ምስ ነፃነት ምውዕዓል ብቀጥታ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ንተወዓዓልቲ ወገናት ብቀጥታ ዝተኣሳሰረ ስለዝኾነ ንተወዓዓልቲ ወገናት ውልቀዊ ምርጫ ዝተገደፈ እዩ፡፡
ሕጋውን ንሞራል ዘይፃባእ ዋኒን ውዕሊ
ዋኒን ውዕሊ ዝከኣል እኳ እንተኾነ ንሕግን ንሰናይ ምግባር ተሰማዕሚዒ እንተዘይኮኑ ውዕሊ ዋጋ ኣይህልዎን፡፡ ሕጊ ኣይትግበር ኢሉ ዝከልከሎ ነገር ሕጊ ኣፍልጦ ኣይህቦን ።
1.1.4- ፎርሞ /ቅርፂ/ ውዕሊ
ኣመሰራርታ ውዕሊ ኣመልኪቱ ሕግና ዘቐመጦ መለክዒ ኣቀራርፃ ወይ ኣፅሓሕፋ ስርዓት እዩ፡፡
ፍቓድ ፣ ክእለትን ዋኒን ውዕሊ ከም መላክዒ ንኩሉ ዓይነት ውዕሊ ተፈፂሚ ዝኾኑ እንትኾን ስርዓት ኣፀሓሕፋ ዝምልከት ግን ሕጊ ብግልፂ ፈልዩ ዘቐመጦ ወይ ተወዓዓልቲ ወገናት ዝተፈለየ ስርዓት ዘቀመጥሉ ዓይነት ውዕሊ ዝሸፈን እዩ፡፡

እዚ ዝምልከት ድንጋጌታት ኣብ ፍ/ሕ/ቁ 1719-1730 ዘለው እንትኾኑ መብዛሕተኦም ድንጋጌታት ግልፂ ብምዃኖም ትንትና ዘድልዮም ኣይኾኑን፡፡ ኣጠቓላሊ መሪሕ ድንጋጌ ዘቕምጥ ፍ/ሕ/ቁ 1719(1) ተወዓዓልቲ ወገናት ነፃነት ምውዕዓል ከምዘለዎም ስርዓት ኣፀሓሕፋ ምውሳን ከምዝክእሉ የቐምጥ፡፡ ሕጊ ብፍላይ ብፅሑፍ ክኸውን እንተዘይኣዚዙ ተወሳኪ ግቡእ እንተዘየቕሚጡ ተወዓዓልቲ ውዕሎም ብፅሑፍ ክገብርዎ ኣይግደዱን፡፡ ብከመይ መልክዕ ውዕሎም ይገብሩ ዝብል ንተወዓዓልቲ ወገናት ዝተገደፈ እዩ፡፡
ሓደ ግዜ ሕጊ ብግልፂ ስርዓት ኣፀሓሕፈ ውዕሊ ዝተፈለየ ስርዓት ክኽተል ከምዝግባእ እንተቐሚጡ ወይ ድማ ተወዓዓልቲ ወገናት ብስምምዕነት እንትውስኑ እዚ ዝተደለየ ስርዓት ዘይምፍፃም እቲ ውዕሊ ውፅኢት ከይህልዎ ይገብሮ ፡፡
ዘይንቐሳቐስ ንብረት ዝምልከት ፣ምስ መንግስታዊ ኣካላት ዝግበሩ ውዕሊ መረጋገፂ ውሕስና ከምኡ‘ውን ውዕሊ መድሕን ግድን ብፅሑፍ ክኸውን ከምዝግባእ ተደንጊጉ እዩ ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ፍ/ሕ/ቁፅሪ 2472 ካብ 500 ብር ንላዕሊ ውዕሊ ልቓሕ ምርዳእ ዝከኣል ብፅሑፍ እንተኾይኑ እዩ፡፡ንግዲ ሕጊ እንተረኢና ካብ ኣሽሙር ማሕበር ወፃኢ ካልኣት ዓይነት ንግዲ ማሕበራት ዝጠየሸሉ ውዕሊ ብፅሑፍ ክኸውን ከምዝግባእ ብተወሳኺ ክምዝገበን ብምልክታ ክገልፅ ከምዝግበእ ተደንጊጉ እዩ፡፡
ካብ ተወዓዓልቲ ወገናት ሓደ ዘይተመሃረ ወይ ዓይነ ስውር እንተኾይኑ ፊርምኡ ኣብ ቅድሚ ሰነድ ከረጋግፅ ስልጣን ዝተወሃበ ኣካል እንተዘይተመዝጊቡ እዚ ውዕሊ መገደዳይ ኣይከውንን፡፡

***********//////************

ናፃነት ዳይንት !!

*****×****

ዳኛ ካብ ሕጊ ወፃእ ብኻሊእ ኩነታት ኣይምራሕን”

ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝተደንገገ መሰረታዊ መትከል እዩ። ንምንታይ? ዳይነት ማለት ብተፈጥርኡ ብሕጊ መሰረት ጥራይ ምድናይ ስለዝኾነ። እዚ መትከል ኣብ ሕገ-መንግስቲ ምቕማጡ ጥራይ ግን ዳኛ ካብ ሕጊ ወፃእ ብኻሊእ ኩነታት ከይምራሕ ክገብሮ ኣይኽእልን። እቲ ዳኛ ዝሰርሓሉ ጭቡጥ ኩነታት ነዚ ብግቡእ ዘጠናኽር ክኸውን ይግባእ።
“ንጥርጡራት ብዋሕስ ሰዲድካ” ብዝብል ጥራይ ሽመት ዝኽልከል እንተኾይኑ ሽመት ዘየኸልክል ክገብር ካብ ሕጊ ወፃእ ክሰርሕ ምግዳዱ ኣይተርፍን። ካብ ዘቕፅዕ ዘሸልም ክመርፅ ምኽንያታዊ ስለዝኾነ። ሽዑ ፍትሓዊ ዳይነት ደሓን ወዓል ይበሃል። ዳኛ “ከምዚ እዩ ዝድለ ዘሎ” እንዳበለ ምውሳን እንተጀሚሩ ልዕልና ሕጊ ከይኮነስ ልዕልና ፅዕንቶ ይሰፍን። ሽዑ መን ይጉዳእ? ህዝቢ። መንከ ይጥቀም? ፅዕንቶ ፈጣሪ።

~ ~ ~ ~ ~
ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ትማሊ ዕለት 07 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. “ንጥርጡራት ብዋሕስ ትሰዱ ኢኹም” ብዝብል ምኽንያት ዳያኑ ብሽመት ከይዓብዩ ምውሳኑ ሰሚዕና። ግርም: ስልጣኑ እዩ ብዝብል ቅቡል እዩ። እንተኾነ ግን ዝኾነ መንግስታዊ ኣካል ሕገ-መንግስቲ ኣኽቢሩ ክሰርሕ ስለዝግባእ እቲ ቤ/ምኽሪ ዝሓዞ ምኽንያት ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ብቑዕነቱ ኣመልኪተ ርኢቶ ክህበሉ፡
ብመሰረቱ ሓደ ዳኛ ብክልተ መሰረታዊ ጉዳያት እዩ ዝልካዕ፡
1- ሞያዊ ብቕዓቱ (judicial competence)
2- ሞያዊ ስነ-ምግባሩ (judicial ethics)
“ብዋሕስ ሰዲድካ” ዝብል ኣብዚ ዝተጠቐሰ መለክዒ ዘይኣቱ፤ ንፉዕ እውን ሰነፍ እውን ዘየብል፤ ፅቡቕ እውን ሕማቕ እውን ዘየብል irrelevant እዩ። ብዋሕስ ምስዳድ ኮነ ዘይምስዳድ ክልቲኡ ናይ ዳኛ ስራሕ እዩ። እቲ መለክዒ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ዳኛ ብዋሕስ እንክሰድድ ወይ እውን እንክኽልክል ብሕጊ ጥራይ ተመሪሑ ድዩስ ካብዚ ወፃእ እዩ ዝብል ክኸውን ይግባእ።
በዚ መሰረት ውሳነ እቲ ቤ/ምኽሪ ኣብ ብቑዕ ምኽንያት ዘይተደረኸ እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።

~ ~ ~ ~ ~
ከምዚ ዓይነት ውሳነ ፀገሙ እንታይ እዩ?
1- “ዳያኑ ስራሕቶም ብሕጊ መሰረት ጥራይ የሳልጡ፤ ካብ ሕጊ ወፃእ ብኻሊእ ኩነታት ኣይምርሑን” ዝብል ሕገ-መንግስታዊ መትከል ዋጋ ከይህልዎ ይገብር። “ሕገ-መንግስቲ ናይዛ ሃገር ዝለዓለ ሕጊ እዩ። ዝኾነ መንግስታዊ ኣካል ኮነ በዓል ስልጣን ነዚ ሕገ-መንግስቲ ዝቃረን ውሳነ እንተወሲኑ ውሳንኡ ፍሩስ እዩ” ዝብል ሕገ-መንግስታዊ መትከል ንባዕሉ ፍሩስ ይኸውን። ንህንፀት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ዕንቅፋት ይኸውን።
2- “ቤት ምኽሪ ኮን እንታይ ይብሎ?” እንዳበለ ዝውስን ቤት ፍርዲ ይፍጠር እሞ ናፅነት ዳይነትን በዚ ኣቢልካ ዝወሃብ ፍትሓዊ ውሳነን ጨንኡ ይጠፍእ።
3- ንፅዕንቶ ፈጠርትን ዘይፈጠርትን ብማዕረ ዘይጥምት ቤ/ፍርዲ ይፍጠር እሞ ቤ/ፍርዲ ምኳኑ ተሪፉ “ቤት ፈጠርቲ ፅዕንቶ” ይኸውን። ፍትሒ ደሓን ወዓሊ ይኸውን።

~ ~ ~ ~ ~
ቤት ምኽሪ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ክውስን ዘይብሉ ንቤት ፍርዲ ውዕለታ ንምውዓል ኣይኮነን። ነቲ ብመስዋእቲ ኣሽሓት ዝተሃነፀ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምኽባር ክብል ክኸውን ኣለዎ።
“በዚ ዝውስኖ ዘለኹ ውሳነ ከመይ ዝበለ ስርዓት እየ ዝሃንፅ ዘለኹ?” እንዳበለ ንርእሱ ክሓትት ኣለዎ።
ገለ ገለ ሰበ ስልጣን ብዛዕባ ናፅነት ዳይነት ዝጭነቑ ካብ ስልጣን ምስ ተባረሩ ወይ ተጠርጢሮም ናብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረቡ እዩ። እዚኣ ክትከውን ዘለዋ ምስ ስልጣንካ እያ።
“ዳኛ ካብ ሕጊ ወፃእ ብኻሊእ ኩነታት ኣይምራሕን”
ሰላም!
. . . //. . .
ዓወት ልጃለም

√√√√√√√√

እዚ ፅሑፍ ናይ ዓወት ልጃለም ኪኢላ ሕጊን ደራስን እዩ:::