ማናጁስ ሓካይም !!

ኣብ እዋን ገድሊ ትግራይ ዝነበሩ ሓካይም ውፍያትን ጀጋኑን ነይሮም:: እዞም ሓካይም ብፍላይ ኣብ ግምባራት ምስ ሰራዊት ዝነበሩ ሓካይም ናውቲ ሕክምና ጥራሕ ኣይኮነን ዝሕዙ ነይሮም ::ሙሉእ ዕጥቂ እውን ይሕዙ እዬም::

ኣብ ሓያልን ውዕውዕ ኲናት እናሓከሙ ይዋግኡ:: ከቢድ መዎጋእቲ ንዘጋጠሞ ተጋዳላይ ቀልጢፎም ካብቲ ውግእ ያግልሱን ይሕክሙን ነይሮም::ነዚ መደብ ስራሕቲ እናፈፀሙ ዝተሰውኡ ሓካይም ብዙሓት ነይሮም::

ንዚ መዳብ ይፍፅሙ ካብ ዝነበሩ ተጋደልቲ እዘን ኣብ ስእሊ ትሪእወን ዘለኩም ማናጅስ ሓካይም ዋዕሮታት ሕዚ ግና ክሳብ ሓለቃ ሽሕ/ሻለቃ መዓርግ ዝበፅሓ ለባማት ዋዕሮታትና እየን::

ሻለቃ ግደይ ደረሶ/ኣብቲ ስእሊ ፎቶ ጠጠው ኢላ ዘላን ናይ ቀረባ ፍቶ ዘለዋን ቅድም ኢላ ኣብ ጦር ሃይሎች ሆስፒታል ውፍይትን ንፍዕቲ ሓኪም ኮይና እናሰርሕት ነይራ ሕዚ ኣብ ካሊእ ምድብ እናስርሕት ትርከብ::

ኣብ ቀፃላይ ኣዙዩ ዝገርም ውፍይነትን ጅግንነትን ኣብ እዋን ውዕውዕ ኩናት ሓካይም ብፆት ተጋደልቲ ዝፈፀምዎ ስርሓቲ ሓደ ክልተ እናበልኩ ኣብዚ ገፅን ኣብ ገዛና ሚድያ ካቕርበልኩም እየ::

ሰላም !

 

ካብ ፍሉይ ሃሴት ዝፈጥሩ መስሕባት ቱሪዝም ተምቤን ዝተወሰኑ …!!

ካብ ንጉሰ ብርሃነ
ከተማ ተምቤን ዓ/ዓዲ ኣብ መንጎ ላሊበላ ፣ ሰሜን ተራራ ብሄራዊ ፓርክን ኣኽሱምን ገርዓልታን እትርከብ ንዞባታትን ወረዳታትን ትግራይን ኣምሓራን ዘማእኸለት ብተፈጥራዊ ፣ ታሪካዊን ባህላውን መስሕባት ዝተዓደለት ንበፃሕቲ ዓድን ንኮንፈረንስ ቱሪዝምን ምችውቲ ዝኾነት ከተማ እያ።

ተምቤን መበቆል እቶም ኩርዓት ፀለምቲ ኣፍርካውያን ዝኾኑ ኣብ ታሪኽ ኢትዮዽያ ዝዓበየ እጃም ዘበርከቱ ንግስተ ሳባ ፣ ቀዳማዊ ምኒልክ፣ ሃፀይ ዩውሃንስ ፣ ራእሲ ኣሉላ ፣ ኣሞራን ካልኦትን ዝተፈጠሩላ ታሪካዊ ቦታ እያ።

ተምቤን ዓብይ-ዓዲ ዘለዋ መልከኣ ምድራዊ ኣቀማምጣ ሪኢኻዮም ብዘይምነው ጐቦታት ፅለረ ፣ ድራምባ ፣ ቐርናለ ፣ ወርቀኣምባ ፣ ደብረዓሳ ፣ ማርያም ታምባን እምባ ንዋይን ዝተዓጀበት ብሩባታት ተከዘ ፣ ገረብግባ ፣ ፃሌት ፣ ወርዒን ጫሞ ፀለይን ከምኡ ‘ውን በሃገር በቆል ኣግራባት ዝማዕረገት ታሪኻዊት ቦታ ‘ያ። ከምኡ ‘ውን ተምቤን ናይ ኢኮኖሚ ፍልፍል እቶት ዝኾኑ ንብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ናይ ምስሓብ ዓቕሚ ዘለዎም ዘበናት ዘቑፀሩ ጥበብ ውሕልና ቀዳሞት ወለዲ ዝዓረፎም ደጊምካ ደጋጊምካ ሪኢኻዮም ዘይምነዉ መዘና ዘይብሎም ብዓይነቶም ፣ ብፅባቐ ኣሰራርሓ ስነ-ጥበቦም ፣ ብበዝሖምን ጥንታዊነቶምን መደነቕቲ ዝኾኑ ልዕሊ 44 ካብ ከውሒ ተፈሊፊሎም ዝተሰርሑ ውቕር ኣብያተ ክርስትያናት፣ እንሰሳ ዘገዳም፣ እንሰሳ ዘቤትን ዝተፈላለዩ ዓሌት ዘለወን ኣዕዋፍን ይርከብዋ። ከምኡ ‘ውን ካብ ከውሒ ተፈሊፊሎም ዘይተሰርሑ ነገር ግን ልክዕ ከምቶም ካብ ከውሒ ተፈሊፊሎም ዝተሰርሑ ፍሉይ ፅባቐ ዘለዎም ኣብ ውሽጦም መደነቕቲ ዝኾኑ ተንቀሳቐስቲ ቕርስታት ዝሓዙ ብናይ ኢደ-ጥበብ ስእሊታት ዝተመላኽዑን ካብ 1000 ክሳብ 3000 ዓመት ዘቕፀሩ ጥንታዎት ኣብያተ ክርስትያናት ይርከብዋ።

ተምቤን ብኹለ መዳይ መስሕብ ቱሪዝም ዝተዓደለት ኩነታት ኣየራ እንተሪኢና ‘ውን ደጉዓ፣ ወይና ደጉዓን ቆላን እንትትኸውን ንኹሎም ፍጡራት እንሰሳን ሰብን ዝስማዕማዕ ኹነታት ኣየር ዘለዋ ቦታ ‘ያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ብእምነት እስልምና እንተሪኢና ‘ውን እንዳ ቡሪከይ ተቐራቂራ፣ እንዳ ሸኽ ዕሻ ጉያ ምውፃእ ወርቂ ኣብ ምድረ ተምቤን ካብ ዝረከቡ ናይ እስልምና እምነት መስሐባት ቱሪዝም እዮም።

መዓዝ እዚ ጥራሕ ኮይኑ ተምቤን ዓብይ-ዓዲ እንኳን ተፃሒፉ ተዘሪቡ ዘይውዳእ ታሪኸ ዘለዋ ቦታ ‘ያ።

10888 ጣልያናውያን ጥራሕ ዝተቐበርሉ ወርሰገ መቓብር ጣልያን ፣ ውድብ ኢህዴን ብኣዴን ዝተመስረተሉ ጉያ ሽሉም እምኒ ፣ ናይ ውድብ ህወሓት ቤት ፅሕፈትን ዋና ቤት ሕክምናን ዝነበረ ኣቕመራን ጫሞ ፀለይን ፣ ናይ ውድብ ህወሓት ዋና ቤት ሕትመት ዝነበረ ጓል ክቡር ጠቅላላ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ሰምሃል ዝተወለደትሉ ቦታ ወለገሳ ፣ ናይ ውድብ ኢህወዲግ ብሃገር ደረጃ ናይ መጀመርያ ጉባኤ ዘካየድሉ ሩባ ሎሚን ናይ ውድብ ኢህወዴግ ዓበይቲ መራሕቲ ከም ቤተ-መንግስቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ታሪኻዊ ቦታ ዓዲ ገዛእቲ ኣብዚ ኣብ ተምቤን ዝርከቡ ተዓቂቦም ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍን መስሕብ ቱሪዝም ክኾኑ ዝግበኦምን ዓበይቲ ታሪኻዊ ቦታታት እዮም።

ብመዳይ ባህላዊ መስሕብ እንተሪእና ‘ውን ኣመንቲ ሃይማኖታት ክርስትናን እስልምናን ተፋቒሮም ፣ ተሓላልዮም ብስኒት ዝነብሩላ ምድረ ሰላምን ቅሳነትን ዝኾነት ተምቤን መፍጠሪ ባህላዊ ፀዋታት ኣውርስን ኣሸንዳን እያ። ባህላዊ ፀወታ ኣሸንዳን ኣውርስን ህዝቢ ተምቤን ዓብይ-ዓዲ ኣዕርዩ ዝፍለጠሎም ባህላዊ መግለፂ መንነቱ እዮም። ብፍላይ ኣብ ተምቤን በዓል ኣሸንዳ ካብ ካልኦት ከባቢታት ፍሉይ ዝገብሮ ብፀወታታት ዓይነታት ኣውርስ ፣ ጓዳን ኣስታሊለይን ዝተዓጀበ ምዃኑ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ተምቤን ብባህላዊ ፀዋታት ቃርሳ፣ ሸውላለ፣ ይሃብኩም ይሃብኩም ፣ ሕየ ወ.ዘ.ተ ዝፍለጥ ከባቢ ‘ዩ።
እዛ ታሪካዊ ቦታ ተምቤን ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅክዎ ዝተፈላለዩ ዓይነት መስሕብ ቱሪዝም ዘለውዋ እንትኸውን ካብቶም ብዙሓት ውሕዳት ቕንጭብ ኣቢለ ካላልየኩም፦

1.ገዳም ኣባ ዮውሃኒ
ገዳም ኣባ ዮውሃኒ ኣብ 5ይ ክ/ዘመን ዝተሰርሐ ጥንታዊ ገዳም እንትኸውን ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ዶ/ር ኣታኽልቲ ኣብ እምባ ደብረ ዓሳ ዝርከብ ገዳም እዩ። ካብ ከተማ ዓብይ-ዓዲ 17 ኪ/ሜ ንኣንፈት ሰሜን ምብራብ ርሒቑ ዝርከብ ገዳም እዩ። እንዳ ኣባ ዮውሃኒ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ ዝተሰርሐ ገዳም ኮይኑ ኣብ ትግራይ ካብ ከውሒ ካብ ዝተሃነፁ ገዳማት ብንውሓቱ ዝፍለጥ ገዳም ‘ዩ። ገዳም ኣባ ዮውሃኒ ብናይ ኣሰራርሓ ጥበብን ብዘለዎ መጋየፅታት ፣ ስእልታትን ቕርፃ ቕርፅን ሪኢኻዮ ዘይምነው ገዳም ‘ዩ።

እዚ ገዳም ኣብ ማእኸል ሃው ዝበለ ገደል ዝተሃነፀ እንትኸውን ኣብኡ ደይብካ ዓይንኻ ዝኸኣሉ ርሕቐት ተፈጥራዊ ኣቀማምጣ ጐላጉል መሬት ቆላ ተምቤንን ጐቦታት ራስ ዳሽን እትግብኒየሉ ቦታ ‘ዩ። ኣብዚ ገዳም ብዙሓት መደነቕቲ ነገራት ኣለው ካብዚኣቶም ሓደ ምዕባይ ኣባ ዮውሃኒ እናተባሃለ ዝፍለጥ በዓልቲ ‘ዩ።እዚ በዓቲ ነዊሕ ሰብን ሓፂር ሰብን ኣብቲ በዓቲ እንተኣትዮም ቑመት እቲ በዓቲ ንክልቲኦም ማዕረ ‘ዩ። እዚ ንምርግጋፅ እንተደሊኹም ምርኣይ ምእማን እዩ ‘ሞ ብኣካል ኮይዶም የረጋግፁ። ገዳም ኣባ ዮውሃኒ ካብ ከተማ ዓብይ-ዓዲ እስካብ እግሪ እቲ ገዳም ናይ መኪና መንገዲ ዘለዎ ገዳም ‘ዩ። ክብረ በዓል ኣባ ዮውሃኒ በቢ ዓመቱ ሕዳር 5ተ እዩ ዝኽበር።

2.ገዳም ገብርኤል ወቕየን
ገዳም ገብርኤል ወቕየን ካብ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ንዓድዋ ኣብ ዝወስድ ፅርግያ ኣስፋልት 16 ኪ/ሜ ምስ ተጓዓዝካ ናብ ኣንፈት ምዕራብ ኣብ እግሪ እምባ ደብረ ዓሳ ዝርከብ ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ከም ተሰርሐ ዝእመነሉ ውቕር ቤተ-ክርስትያን እዩ። እዚ ካብ ከውሒ ተፈልፊሉ ብዝለዓለ ጥበብ ዝተሰርሐ ቤተ-ክርስትያን ቅርፂ መስቀልን ርቡዕ ኩርናዕን ዘለዎም ብዝተፈላለዩ ቅርፂታት ዘጋየፁ ዓንዲታትን ጉልላትን ዘለዎ ገዳም ‘ዩ።
ገብርኤል ወቀየን ኣብቶም ኣዕምድን ጉልላትን ምስሊ ሓወልቲ ኣኽሱም ፣ ዝተፈላለዩ ቕርፂ ዘለዎም መስቀል ፣ ቅርፂ ወርሕ፣ ፀሓይን ጡብን ወዘተ ይርከብዎ። እዚ ገዳም ብርክት ዝበሉ ሓድግታት ዘለዎ እንትኾን ካብኣቶም ንምጥቃስ ዝኣክል ወርቂ መስቀል ፣ ወርቂ ዲኖ (ናይ ነገስታት ኣልባሳት) ብሃፀይ ዩውሃንስ ዝተወሃበ ዓብይ ወርቂ ዝጠምዐ መስቀል ፣ ስእሊ ማርያምን መላእክትን ዝሓዘት ማዕተብ ኣባ ዳኒኤል ወዘተ ይርከቡ።

ኣብዚ ዙርያ እዚ ገዳም መፀለይ ኣቡነ ዳኒኤልን መንበሪ መነኮሳትን ዝነበሩ ፍሉይ ፅባቐን ሰሓባይይነትን ዘለዎም በዓትታት ይርከቡ። እዚ ገዳም ‘ውን ልክዕ ከም እንዳ ኣባ ዩውሃኒ እስካብ ፀግዒ እቲ ገዳም ናይ መኪና መንገዲ ዘለዎ ‘ዩ። ክብረ በዓል ገብርኤል ወቕየን ታሕሳስ 19 ‘ዩ ዝኽበር።
3.ገዳም ማርያም ታምባ
ማርያም ታምባ ካብ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ንኣንፈት ምዕራብ 22 ኪ/ሜ ተጓዒዝካ ኣብ መእተዊ ጫፍ ከተማ ጉያ እትርከብ ጎቦ እያ። እዛ ጐቦ እንዳ ማርያም እንዳ ተክለሃይማኖት እንዳ መዳሂናኣለምን ዝበሃሉ ሰለስተ ካብ ከውሒ ዝተሃነፁ ውቕር ኣብያተ ክርስትያናትን ካልኦት መነበሪ መነኮሳትን ዝሓዘት ጎቦ እያ።

እዛ ሰለስተ ገዳማት ዝሓዘት ኣብ ማእኸል ጐልጐል ሜዳ ከም ሓወልቲ ቆይማ ንኸተማ ጉያ ግርማ ሞጐስ ኮይና ዘላ ጐቦ ማርያም ታምባ ተባሂላ

ኦፕሬሽን ኣኽሱም !!

 

( ላንድሮቨር ዝዓይነታ መኪና )

ንሙሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምዉፃእ ዘክኣለ ዕዉት ወፍሪ ኣብ ዝተኻየደሉ ፅባሕ እዩ፡፡ እቲ ኦፕሬሽን ሽረ ዝተኻፈለን ኣብ ደደቢት ዝፀንሐን ሓይሊ ኣብ በረኻ ዊዳኽ ተኣኻኺቡ ኣሎ፡፡

እዞም ዉሑዳት ተጋደልቲ ነቲ ዝጀመርዎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገጠር ንምቕፃልን ናብቲ ዝድለ ሽቶ ንምብፃሕ ዘኽእል ፅንዓትን ዕላማን እኳ እንተነበሮም እኹል ዕጥቅን ስንቅን ግና ኣይነበሮምን፡፡ ብርግፅ ካብ መጀመርትኡ እዚ ዝበሃል ዕጥቂ ኣይነበሮምን ፡ሸ እተን ዘለዋ እዉን እንተኾና እናተመናመና እየን ከይደን ሓንፈሽቲ ነተን ዝነበራ ዕጥቂ እናሓዝወን ስለዝጠፍኡ ፀገም ዕጥቂ ነይሩ፡፡ ስንቂ እዉን እንተኾነ ኣይነበሮምን፡፡ እናተለቅሑ ዝዕንገልሉ እዋን እዩ ነይሩ፡፡ እተን ዝነበረኦም ዉሑዳት ብረት ከምዝብርክታ ግና ሙሉእ እምነት ነይርዎም ነዚ እምነት እዚ ናብ ተግባረ ንምልዋጥ ድማ ካብ ወርሒ ግንቦት 1967 ዓ/ም ጀሚሩ ኣድላዪ መፅናዕቲ እናተገበረ እዩ ፀኒሑ፡፡

እቲ ክካየድ ዝተሓሰበ ወፍሪ ክልተ ዕላማታት ንምስኻዕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ሃለዋት ህወሓት ክፈልጥን ብኡ ኣቢልካ ድማ ካብ ህዝቢ ክርከብ ዝኽእል ደገፍ ምርካብን ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ እንትኾን፣ ነቲ ዝነበረ ሕፅረት ስንቂ ምቅላልን መሳለጢ ቃልሲ ዝኸዉን ዕጥቂ ምርካብ እዉን ካልኣይ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ ነይሩ፡፡ ብመሰረት እዚ እዉን እቲ ወፍሪ ኣብ ባንክታት ኣክሱም፣ ሽረ፣ ዓድዋ ዘነፃፀረ ክኸዉን ምርድዳእ ተገቢረሉ፡፡

ብመሰረት እዚ አዉን ሙሴ፣ ንርአ፣ናፅናት፣ ኣሕፎሮም፣ሰበሮም፣ቀለበት፣ቆቋሕ፣ኣባይ ፀሃየ፣ኣስገደ፣ኣዉዓሎም፣ሃይሉ፣በሪሁ፣ግደይ ዝርከቡላ ሓይሊ ናብዚ ወፍሪ እዚ ተዳለወት ፍርቃ መፅናዕቲ እተካይድ፣ፍርቃ መጥቅዒት ኮይና እትኣቱ ኮይና እዉንኣብ ክልተ ተመቐለት፡፡ ነዚ መሰረት ብምግባር እዉን ሙሴ፣ኣባይ ፀሃየ፣ኣዉዓሎም፣ኣልኣሚን፣ በሪሁ፣ ሃየሉን ናፅነትን ኣቐዲሞም ንከፅንዑ ካብ ዊዳኽ ተበጊሶም ናብተን ከተማታት ኣተዉ ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ እቲ ወፍሪ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ክኸዉን ተመረፀ፡፡

( እቲ ኦፕረሽን ዝተካየደሉ ህንፃ )

ብካሊእ ገፅ ድማ ሃፍቶም፣ሰበሮም፣ቀለበት፣ ኣሕፎሮም፣ ንርአ፣ ቆቋሕ፣ ኣስገደን ገደይ ዘርኣፅዮንን ዝርከቡላ ጉጅለ ንመጥቃዕቲ ካብ ዊዳኽ ተበጊሳ ናብ ኣኽሱም ኣምረሐት፡፡ ኣባላት እዛ ጉጅለ ካብ ዊዳኽ እንትብገሱ ነተን ዝነበራ ዕጥቂ ስለዝዓጠቁወን ነቲ ኣብ በረኻ ዝተረፈ ሓይሊ ዕጥቂ ኣይገደፍሉን፡፡ ስንቆም እዉን ካብ ገባር ብልቓሕ ዝረኸብወን ሽዱሽተ ኪሎ ዕፉን እየን ነይረን፡፡ ሓንቲ ክላሽን፣ ሓንቲ ሲሞኖቭ ፣ ሓንቲ ማስ፣ ሓንቲ ኡዚ፣ ሓንቲ ግንፅል፣ ሓንቲ ካርባይን፣ 3 ሽጓጉጥ/እተን ክልተ ዘይሰርሓ/፣ ከምኡ እዉን ሓደ ገዞሞ ዓጢቆም ገ/ዩሃንስ ካሕሳይ ዝተብሃለ መንእሰይ ገባር/ደሓር ዝተጋደለ /መንገዲ እናመርሖም፣ ሙሉእ ለይቲ ትጉዕዝ ሓዲሮም ዓዲ ኣቃይም ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ምስ በፅሑ ወጉሑዎም፡ዓዲ ብዐራይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ኣድላዪ ዘበለ ምምስሳል እናገበሩ ክሳብ ስዓት 10፡00 ናይ ኣጋግዘ ፀንሑ፡፡ እቲ ዝገበርዎ ምምስሳል ዘመቲ “እድገት በህብረት” ንምምሳል ስለዝነበረ “መሄድ ነዉ ዘመቻ መሄድ ነዉ ገጠር”ዝብል መዝሙር እናዘመሩ ካብ ዓዲ ብዕራይ ነቒሎም ናብ ዉቅሮ ማራይ ኣተዉ ካብኡ ድማ ፀልማት ጉልባብ ገይሮም ናብ ኣንፈት ከተማ ኣኽሱም ጉዕዞ ጀመሩ፡፡ ኣብ ከባቢ ዱራ ምሰ ዝፀንሖም ሓደ ኣባል ናይታ ኣቐዲማ ዝኣተወት መፅንዒት ጉጅለ ተተሓሒዞም ናብ ማእኸል ከተማ ኣኽሱም ኣተዉ፡፡

መፅንዒት ጉጅለ ኩሉ ስርሓ ወጋጊና ናይታ ካብ በረኻ እትኣትዉ ጉጅለ ምምፃእ እያ እትፅበ ፀኒሓ፡፡ እቲ ኦፕሬሽን እታ ካብ በረኻ ዝተበገሰት ጉጅለ ዕለት 26 ነሓሰ 1967 ናብ ከተማ ኣኽሱም ምስኣተወት ንፅባሒቱ ኣጋግዘ ከካየድ እዩ ተሓሲቡ ነይሩእንተኾነ ግና ከምቲ ዝተሓሰበ ከይኮነ ተሪፉ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ኦፕሬሽን ክካየድ ዝተሓሰበ ዕለት 27ነሓሰ 1967ዓ/ም ቀትሪ ካብ ባንኪ ኣኽሱም ሓደ ሚሊዮን ቅርሺ ወፂኡ ዉዒሉ፡፡ በዚ ምክንያት እዚ እቲ ኦፕሬሽን ክናዋሕ ተገበረ፡፡

ዕለት 28 ነሓሰ መፅንዒት ጉጅለ ኣድላዪዘበለ መረዳእታ ኣብ ምትእኽኻብ ዉዒላ፡፡ ኣብቲ ዕለት ናብ ባንኪ መጠን ዝኣተወ ገንዘብ ሓበሬታ ምስረኸበት እቲ ወፍሪ ንፅባሒቱ ኣብ ዝነበረ ዕለት ስዓት 10፡00 ክካየድ ተወሰነ

ካብ ኣባላት እታ መጥቅዒት ጉጅለ ገሊኦም መሓመድ ሓኽፈንን ፋኑስን ዝተብሃሉ ኣባላት ስርዒት ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ እዮም ኣዕቑቦም ዉዒሎም፡፡ ገሊኦም ድማ ካብታ ከተማ ኣስታት ሓደ ኪ/ሜትሮን ፈረቓን ዉፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ /ማይ ኮሖ/ ክዉዕሉ እዩ ተገይሩ፡፡እቲ ዝሓዝዎ ብረት ኣብ እግሪ ዒቃሹጉጦም ስራሕ ፃህያይ ዝደልዩ ሸቃሎ መሲሎም እዮም ይረኣዩ ነይሮም፡፡ ስዓት 10፡00 ክኸዉን ቁርብብ ደቓይቕ ምስተረፎ ኩሎም በብወገኖም ነናብ ዝተመደብሉ ቦታ ምንቅስቓስ ጀሚሩ፡፡

እቲ ዝርከብ ገንዘብ ዕጥቅን ካብ ከተማ ሒዝካ ንምዉፃእ መኪና ኣድላዪ ስለዝነበረ ንርአን ብርሃነ መስቀልን መኪና ናይ ምጭዋይ ዕማም ሒዞም እዮም ተዋፊሮም፡፡ ኣስገደ ጥርዓን ዘለዎ መሲሉ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ ተመደበ፡፡ ግደይ ነታ ዝሓዛ ኡዚ ብድርዕቶ ሸፊኑ ለማኒ መሲሉ ኣብ ደገ ኣፍ እቲ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሕ ፣ ኣልኣሚን እዉን ብወገኑ ተመሳሲሉ ኣብ ከባቢ ባንኪ ክፀንሕ፣ ሃይሉ ሽኮር ይዕደሉ ምስዝነበሩ ተመሳሲሉ ክፀንሕ፣ሰበሮም ሓዉሲ ወዲኒ ኮይኑ ንየን ነዘን እናበለ ኣብቲ ከባቢ ከማሲ፣ኣባይን ናፅነትን ገዞሞን ሓንቲ ሽጉጥን ሒዞም ኣብ ከባቢ ቴሌኮሚኒኬሽን ክፀንሑ ተገበረእቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ከባቢ ማይ ኩሖ ፀኒሖም ንርአ ወይ ብርሃነ መስቀል መኪና ምስረኸቡ ምስታ መኪና ናብቲ ከባ ክበፅሑ እዩ ተገይሮም፡፡

ብርሃነ መስቀል እታ ዝኸዳ መኪና ተበላሽያ እያ ፀኒሓቶ፡፡ እቲ ዝተረፈ መኪና ዕድል ምርካብ ናይ ንርአ ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡ ንርአ ካብ ጣብያ ጥዕና ኣኽሱም መኪና ከምፅእ እዩ ወፊሩ ነይሩ፡፡ ንርአ ከተማጨመታይ ዘምስሎ ምምስሳል ገይሩ ነቲ ሓላፊ ናይቲ ጣብያ ጥዕና ዝነበረ ዶ/ር ረኸቦ፡፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንዕረፍቲ ናብ ኣኽሱም ከምዝመፀን ከም ኣጋጣሚ ግና ኣብ ከባቢ ሓፀቦ /ካብቲ ከተማ ዉፅእ ኢላ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓፍቱ ብሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ትሳቐይ ምህላዋ ድሕሪ ምንጋር መኪና ክህቦም ናብ ሕክምና ከምፅኣ ሓተቶ፡፡ እቲ ዶ/ር መኪና ኣይህብን በሎ፡፡ ብዙሕ ለሚንዎ፡፡ ፈፂሙ ከምዘይህቦ ኣቕበፆ፡፡ ንርአ እናለመነ እቲ ዶ/ር እምቢ እናበለ ቁርብ ደቓይቕ ጠፍአ፡፡ ነዚ ኩነታት ርሕቕ ኢሉ ዝከታተል ዝነበረ ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ዝሰርሕ ሓደ ሓኪም ሕዉስ በሎም፡፡ እዚ ጉዳይ ጉዳይ ህይወት ምዃኑ፣ ሕክምናዊ ስነ-ምግባር እዉን ነዚ ንምፍፃም ዘገድድ ምዃኑ ብምብራህ እቲ ደ/ር ንንርአ መኪና ንክፈቕደሉ ገበረ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ብዛዕባ እቲ ወፍሪ ዝፈልጥ ሰብ እንትኾን፣ ኣብቲ እዋን ኣባል ስርዒት ህወሓት ዝነበረን ኣብ 19 ዓ/ም ዝተጋደለን ተጋደላይ ኣባዲ መስፍን እዩ፡፡

ንርአ ላንድሮቨር ዝዓይነታ መኪና ምስ መራሒኣ ምስተፈቐደሉ ሒዝዋ ናብቶም ምምፃእ ናይታ መኪና ዝፅበዪ ዝነበሩ ተጋደልቲ ተሓወሰ፡፡

እቶም ነታ መኪና ዝፅበዩ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብወገኖም ዘድሊ ምምስሳል ወታደራት እዩ ኣምሲልዎም፡፡ እታ መኪና ምስመፀት ኣብ ልዕሊኣ ተሰቒሎም ናብ ቤት ማእሰሪ ኣኽሱም ኣቕንዑ፡፡ እዚ ዝኸዉን ዘሎ ስዓት 10፡00 ኣጋግዘ እዩ፡፡

ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ 20 ዝኾኑ ፖሊስ ኣብ ሓለዋ ነይሮም፡፡ እታ ተጋደልቲ ዝፀዓነት መኪና እናተሓምበበት መፂኣ ኣብ ደገ ኣፍ እንዳ ፖሊስ እንትትበፅሕ ምንም ዝጠርጠርዎ ነገር ሰለዘይነበረ በብዘለዉዎ ኮይኖም ወታደራዊ ሰላምታ ሂቡ፡፡ ኣብቲ ቅፅበት እቶም ተጋደልቲ ካብታ ላንድሮቨር ዘዘሊሎም እናወረዱ ተኹሲ ጀመሩ፡፡ ኣቐዲሙ ተኹሲ ዝጀመረ ሙሴ እዩ፡፡ እታ ዝሓዛ ክላሽን ጠያይት ክትተፍእ ምስጀመረት እቶም ፖሊሳት ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ሰኣኑ፡፡ ሓደ ዋርድያን ኣዛዚ ፖሊስ ጣብያ ዝነበረ ሻለቃን ተቐተሉ፡፡ ሓደ ሓላ ዓሰርተ ተወጊኡ፡፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዉሽጢ ደቓይቕ ተማረኹ፡፡

እቶም ዝተማረኹ ፖሊሳት ኣብ ሓደ ገዛ ተዳጎኖም ንድሕሪት ክዕፀዉ ተገበረ ፡፡ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተረኸበ 70 ዝኸዉን ብረትን ካልእ ንብረትን ናብታ መኪና ክፀዓን ጀመረ፡፡ እዚ እንትኸዉን ድምፂ ተኹሲ ሰሚዖም ንሓገዝ ዝመፁ ዕጡቓት ንከየርክቡ ቀለበት ሲሞኖቭ ብረቱ ሒዙ ኣብ ምክልኻል እዩ ዘሎ፡፡ ኣሕፈሮም እዉን ማስ ምስ 20 ጥይታ ሒዙ እናተኸላኸለ እዩ፡፡

( ቴሌ ኣኽሱም )

እቶም ኣብ ከባቢ ቴሌኮሚኒኬሽን ባንኪን ዝተመደቡ ተጋደልቲ ብወገን ፖሊስ ጣብያ ድምፂ ተኹሲ ምስ ሰምዑ ስርሖም ጀሚሮም እዮም፡፡ ኣባይን ናፅነትን እዉን ኣብ ቴሌኮሚኒኬሽን ዉራዮም እናፈፀሙ እዮም፡ በቲ ዝሓዝዎ ገዞሞ ነቲ መራኸቢ ገመድ እናበተኹ እቶም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ሰበስልጣን ደርግ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቶም ከይራኸቢ ናይ ምግባር ተግባር ፈፀሙ፡፡

እቶም ኣብ ባንኪ ዝተመደቡ እዉን ተግባሮም እናሳለጡ እዮም፡፡ ቁልፊ ናይ ካዝና ተቐቢሎም እቲ ዝነበረ ኣቕራሽ ናብ ከረጢት መሊኦም ምምፃእ ነታ መኪና ክፅበዩ ጀመሩ፡፡

እቲ ወፍሪ ኣብ  ደቒቓ ምሉእ ብሙሉእ ተዛዘመ፡፡ እቲ ወፍሪ እንትዛዘም ግን ካልእ ዘይተሓሰበ ፀገም ኣጋጠመ፡፡ እታ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተሃጀመ ብረት ዝፀዓነት መኪና ምንቅስቃስ ኣበየት፡፡ መራሒ ናይታ መኪና ኮይኑ ዘሎ ብርሃነ መስቀል እዩ፡፡ ፀገም ናይታ መኪና ፈሊ ፍታሕ ክናድዩ ጀመሩ፡፡ ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ እታ መኪና ክትለዓል ዘይከኣለትሉ ምኽንያት ምድካም ባተሪ ምኻኑ ተረዲኡ፡፡

ድሕሪ እዚ ድማ ደፊእኻ ክትለዐል ከምትእክእል ገመቱ፡፡ እዚ እዉን ባዕሉ ዝኸኣለ ፀገም እዩ ነይሩ ንሳቶም እንተደፍኡ ካሊእ ዘጥቅዕ ሓይሊ እንተመፀ ኸ መን እዩ ክከላኸሎ? ዝብል ሕቶ ኣልዐለ፡፡ ነዚ እዉን ሓደ ፍታሕ ኣቐመጥሉ፡፡ ካብቶም ተማሪኾም ንድሕሪት ዝተዓፀዉ ፖሊስ ዝተወሰኑ ወፂኦም ክደፈኡ ተገበረ፡፡ ምሩኻት ኣብ ምድፋእ መኪና ሓጊዞም እታ መኪና ምስተልዓለት ናበታ ዝነበርዋ ክፍሊ ተመሊሶም ክዕፀዉ ምስተገበረ እታ መኪና ናብ ባንኪ ኣምረሐት፡፡ እቲ ኣብ ከረጢት ተቛፂሩ ዝፀንሐ ቅርሺ ተፅዓነ፡፡ እተም ኣብቲ ኦፕሬሽን ዝተኻፈሉ ተጋደልቲ ተኣካኺቦም ንከተማ ኣኽሱም ንድሕሪት ገዲፎም ወፁ፡፡ በታ መኪና ዝተወሰነ ርሕቐት ምሰተጉዓዙ ነታ መኪና ኣብ በረኻ ገዲፎም ናብ መደባይ ወለል ገፅ ኣምርሒ፡፡ ኣብ መደባየ ወለል ሓዲሮም ንቖላ ሚሓ ወረዱ፡፡ ንብረትን ቅርሺን “ደሳለኝ” ኣብ ዝተብሃለ ብቕልን ክልተ ኣእዱግን ፅዒኖም ብሃሌሉያ ኣቢሎም ናብ መዋፈሪኦም ኣተዉ፡፡

እቲ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን መኽሰብ ንምርካብ ዓሊሙ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ኣኽሱም ብዓወት ተዛዚሙ፡፡ በቲ ኦፕሬሽን ተብዓት፣ ብልሓትን ፅንዓት ተጋደልቲ ህወሓት ከመ እንደገና ኣብ መላእ ትግራይ ኣጋዊሑ ነዚ ዘጋጥም ዝነበረ ፀገም ስንቂ ዘቃልል ቅርሺ ተረኺቡ፡፡ ዕጥቂ ዘይነበሮ ተጋደላይ ኩሉ በዓል ዕጥቂ ኮይኑ፡፡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ዓቕሚ ረኺቡ፡፡

 

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ተጋሩ ብሕብረት የጥዕመልና!!

ካብ ገብሩ ትግራይ

ፃዊዓት ንኹልና ተጋሩ ኣብ ዝተፈላለየ ድሕረ ገፅፃት ብፍሉጥ መንነት ኾነ ብብዕር ስም እንፅሕፍ ዘለና ተጋሩ እንታይ ንግበር?

በቲ ሐዚ እንኸዶ ዘለና መንገዲ ኣየዋፀአናን:: በቢ ኣንፈቱ ዝመፅእ ዘሎ ሓሳብ ክንጥቀመሉ ኣይርእን ዘለኹ ብስሚዒት እንተዘይንጋዓዝ ምኽንያቱ ኣጀንዳና ንዘይኮነ ግዜ እንተዘይነጥፈአሉን ናይ ካልኦት ኣጀንዳታት እንተዘይነቀፃፅል ዝብል መበገሲ ሓሳብ ኣለኒ::

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ሶሻል ሚድያ ኩሉ ዝግበር ዘሎ እናረኣኹም ከምዘይረኣኹም ሱቕ ኣይትበሉ እንተኺእልኩም ዝስመዐኩም ተንፍሱ “ብዙሃነ ይመውእ” እዩ ነገሩ ዝተፈላለየ ፀረ ሂዝቢ ትግራይ ክንደይ ስማት ተኸፊቱ ክንደይ ከም ዝገጭዎን(like) ከም ዘባፅሕዎን(share) ንርኢ ኣለና:: ሑሾት እናደጋገሙ እዩ ሓቂ ኣምስለምዎ ዘለው::

ሓብሬታ:-

እዚ ፅሑፍ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ንዘይኮኑ ኣይምልከትን ምእንተ ምንታይስ ተጋሩ እናመሰሉ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ንምምፍላይ ስለ ዝሰርሑ ዘለው!!!

ተጋሩ ሐዚ ዘድልየና ኩልና ብምሕባር ሐዚ ዘተሓሳስበና ዝኾነ ትግራዋይ ሓድነትን ፍቕርን ተጋሩ ጥራሕ ብምፅሓፍ ጥቕሚ ትግራይና ነኽብር:: እቶም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ኩሎም ሓይልታት ካብ ዘመነ እኒ እኒ ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ሕልሞም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ጭንግራሕ ክብለሎም እዩ:: ኣብ ኸምዚ ግዜ ድማ ኩልና ንዘርእና ብኹሉ ኣንፈት ዝቃወምን ብስም ህወሓት እናገበረ ዝቃወም ክንቃለስ ይምረፅ:: ሐዚ ንህወሓት ምፅራፍ ዘይኮነ ዘድሕንናስ ምሕጋዝን ብዝኸኣልናዮ ቅልፅምና ኣብ ሓደ ብምግባር ቅርቅርቲ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ምውቃዕን እዩ ዘዋፀአና:: ብናተይ እምነት ሐዚ ትግራዋይ ኮይኑ ኣብ ድሕረ ገፅ ዝፀሓፍ ብዝግባእ ብሓደ ዓይነት መልሲ እንተይሂብናዮም ኩልግዜ ሓደ ምኻና ዝመሃርሉ ግዜ ይኸውን:: ንዓና ንተጋሩ ዝፅልእ ድማ በቲ ኣጀንድኡ ንፍለዮ::

ብፍላይ ናይ ትግራይ ምስሊ ብምሓዝ ትግራይ ከምዝተበደለት ን ከም ተጋሩ መሲሎም ዝፃረፉ ብኣጀንደኦም ንፍለዮም:: ኣነ እንትፅሕፍ ነቲ ብ ሕብረቱ ዓለም ዘደምም ትግራዋይ/ቲ ወኪለ እየ ስለዚ ኣብ ሕድሕድ ምንቅስቓስና ህዝቢ ትግራይ እናሓሰብና እንተዝኸውን በሃሊ እየ::

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ተጋሩ ብሕብረት የጥዕመልና!!!

ከም መበገሲ ኩሉ ክሳተፍ እየ ዝብል ትግራዋይ ብነጥቢታት እዚ እንተዝግበር ዝብል ሓሳባት ሂብና እንተንመያየጥ እሞ ኩልና ብሓባር ወዲብና ንምቅላሱ እውን ክጥዕመና በቢዘለናዮ ድማ ሓሳብ ንሃበሉ:: ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ምእንተምንታይስ ናይ ትማሊ : ሎሚ ዋላ ንናይ ፅባሕ ግዜ ክድቅሱ እዮም ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ::

ረብሓ ህዝቢ

 

***  ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክንብል እንተለና ***

  • ህዝብና ካብ እቲ ዘለዎ ሕሱም ድኽነት፣
  • ልመና፣
  • ካብ ረድኤት ምንባር፣
  • ስእነት ጽሩይ ማይ፣
  • ኣብ ዳስ ምምሃር፣
  • ስደት፣
  • ስእነት ስራሕ፣
  • ናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ቑጠባዊ ተነፅሎን ኣብ ካልኦት ክልላት ዝወርዶ ዘሎ ምጉናይን ወፂኡ ካውኡ ሓሊፉ ድማ እቶም ዝተቓለሰሎም፣ፍትሒን ሰናይ ምምሕዳርን ክረክብ ገይርካ ዘተኣማን ቑጠባዊን ፖለቲካዊን ቑመና ዘለዎ ክልልን ህዝቢ ምፍጣር ማለት እዩ።
  • እዚ ምስ ረብሓ ካልኦት ክልላት ይኹን ሃገራዊነትን ፈፂሙ ዘይፃረር ረብሓባ ሃገርና ገይርካ ክወሰድ ዘለዎ እዩ።”

ውቅብ ኣደራሽ !!


እዚ እትሪእዎ ዘለኹም ኤምሬት እስታዴየም ዝመስል ውቅብ ኣዳራሽ ዓዲ ኣሕፈሮም እዩ::

እቲ ጅግና ህዝቢ ዓዲ ኣሕፈሮም ኣብ 7 መዓልቲ ጥራሕ እምኒ ሰይሩ፣ ኣኪቡ፣ ጎኒኹ ፣ ነዲቁ ዛዚምዎ።

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ካብዝተሃነፁ መአከቢ ኣደራሻት ካብቶም ብስፍሓቶም ዝፅርሑ ሓደ እዩ ።

ኣብዚ ኣዳራሽ እዚ እተን ዋዕሮታት ኣደታት ዓዲ ኣሕፈሮም ደቀን ናብ ቃልሲ መሪቀን ዝሰደዳሉ ፤ መናእሰይ ዓዲ ኣሕፈሮም ድማ ውድብ ይኣኽለኒ ንክንድዚ ዝኣክል ሓይሊ ሰብ መዐለሚ ማእከል የብለይን ክሳብ እትብል ቆፉኡ ከምዝተነኽኦ ንህቢ እናተተንገገ ብተደጋጋሚ ዝዓሰለሉ ናይ ፅንዓት ቦታ እዩ ።

ህዝቢ ዓዲ ኣሕፈሮም ብፍላይ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለወ ህዝብታት እምባ ሰነይቲ ፣ ኣዛባ ፣ሓሓይለ ፣ ፈረስማይ ወዘተ. ዝበሉ ጀጋኑ ኮይኑ ብዙሕ ተኣምር ዝሰርሐ ጅግና ህዝቢ እዩ ።

በኮርቲ !!

 

ኽልቲኦም ፆታ ንኣብነታዊ ጅግንነት በኩርታት እዩም::ሃፍቶም በላይ ንደቂ ተባዕትዮ ኣልጋነሽ ካሕሳይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ግና ክልቲኦም ኣብ ዕላም ህወሓት ዝተሰለፍ እዮም::

እቲ ቓልሲ ዝሓቶ መስዋእቲ ንሶም ጀሚሮም ብዓሰርተ ኣሽሓት ተጋደልትን ሲቭላትን ቐፂለሙሉ::

ብፃይ ሃፍቶም በላይ መጋቢት 1967 ዓ/ም ተሓህት ኣብ ደደቢት እናሃለወ ዝተሓወሰ ኮይኑ መሰረታዊ ስልጠና ውትድርና ኣብ ደደቢት ዝወሰደ ነይሩ:: ሃፍቶም ቐላቕል ኣብ ዝተወደባ ጀመርቲ 3 ጋንታታት እውን ኣባል ነይሩ::

ሃፍቶም ብ 1968 ዓ/ም ናይ መኣዲ መስዋእትነት ቀዲሙ ወሲዱ::ዝተሰወኣሉ ቦታ ኣሕስኣ እዩ::ካብተን ፈለምቲ ሓይሊታት ሓይሊ ደደቢት እያ ነይራ::

ሃፍቶም መራሒ ጋንታ ነይሩ ሽዑ ጋንትኡ ንምግቢ ዓሪፋ የማን ፀጋም ኣብዝጓየየሉ እዋን እዩ ዕጡቓት ደርጊ ንተጋደልቲ እንጀራ ሒዞም ዝመፁ ብምምሳል ኣብ ርእሲ ሃፍቶም ናይ ኣውቶማቲክ ተኹሲ ብምፍፃም ንመስዋእቱ ምኽንያት ዝኾነ::

” ቆልዑ ኣሕስኣ ኔርኩምዶታ ኣብ ቀብሪ
ሃፍቶም እንትድበ ቀትሪ ምድሪ”
*** ኣቦ ኪነት እያሱ በርሀ ***

ብፃይ ሃፍቶም ፈላሚ ተሰዋኢ ጥራሕ ኣይነበረን ::ፈላሚ መቑሰልቲ ዘጓነፎ እውን ኣብ ክረምቲ 1967 ዓ/ም ኣብ ታሪካዊ ኦፖሬሽን ኣኽሱም ፈላሚ ቁሰለኛ እዩ ነይሩ::

ስውእቲ ብፃይ ኣልጋነሽ ካሕሳይ ብ 1968 ዓ/ም ካብ ማርታ ቀፂለን ካብ ዝተጋደላ ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ገድሊ ሓንቲ እያ::ኣብ መበል 3ይ ውግእ ምስ ኢዱ ዝተገበረ ደማዊ ውግእ ናይ 36 ሰዓታት ውግእ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ::

ኣብዚይ ምስ ኣሽሓት ሓይልን ሰብን ዘመናዊ ዕጥቂ ምስ ዘሰለፈ ኢዱዩ ካብ 60 ዘይበዝሕ ተጋዳላይ ውሑዳት ወየንቲን ዝተገበረ ውግእ ስለዝነበረ እዩ ደማዊ ዝተብሃለ::

ኣብዚ ውግእ መስተንክራዊ ጅግንነት ተጋደልቲ ብፆት : ወየንቲን ህዝብን ተራእዩ::ከቢድ መስዋእቲ እውን ተኸፊሉ መብዛሕትኡ ናይታ ሓይሊን ወየንቲን ሓይሊ ተሰዊኡ እዩ::

ካብቶም ጀጋኑ ሰማእታት ታሪኻዊት መጋቢት 20 ሓንቲ ኣልጋነሽ ካሕሳይ እያ::ኣልጋነሽ ኣብ ፈለማይ ውግእ ኢዱዩ ዝተሰውኡ መራሕታን ብፆታን ዝኾኑ እኒ ጅግና ብፃይ  መሓሪ ተኽለ (ሙሴ) ኣሕፈሮምን ካልኦትን ጅግንነት :ሓደራን ኒሕን ሒዛ እንትትዋጋእ እያ ተሰዊኣ::

** ብዛዕባ ስውእቲ ኣልጋነሽ ካሕሳይ ( ጓል ዓዲ ከንቲባ )ሙሉእ ታሪኽ ንምፍላጥ ኣብ

” ፍቱን ዳያን ”

መፅሓፍ  ምርካብ ይካኣል **

ኣነፋፍራ ቆቋሕ ያ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን” ዶ በሉ ወለዲ!!

ካብ ረዳኢ ገብረእግዛብሄር

ሓቁ ሓቁ ንዘራረበሉ፡፡ ኣነ ኣባል ህወሓት ስለዝኾንኩ ምናልባት ሰልፊ ዝቃወም ዘለኹ ከይመስለኩም ብመንፈስ ንረዳዳእ፡፡ ህወሓት እውን እቲ ሰልፊ መፍትሒ ተዝኾን ቀዲሙ ህዝቢ ምፀወዐ ነይሩ፡፡ ግን ማይ ፅምኢ ያ ክረምትን ጥሜት ቀውዕን ፈላጢኡ ይፍለጦ እዩ እሞ ህወሓት እዚ ጉዳይ ካብ መሰረታዊ ባህሪኡ ተበጊሱ ተንቲኑ ስለዝፈልጦ መፍትሒ እዚ ፀገም እንታይ ምኳኑ ስለዝፈልጥ እዩ ከብዱ እናሓረረ ስርሑ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡

ወለድና ሲ ቀብሪ እንተጋጥሞም ሕዚ ኣይትብከዩ ቀባሪኹም ዳኣ ረእዩ ይብሉ፡፡ እዞም ጠርዚ ምዕባለ ዓለም ቅድሚ ኹሉ ዝሓኾሩዎ ወረጃታት ወለድና እንትምስሉ ሲ ” ኣነፋፋራ ቆቋሕ ያ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን ይብሉ፡፡

መሲልካ እንታይ ኣምፃእኻ ዶ ኢልኩም? እወ ናብ ሕጋዊ መሰረት እሞ ንምፃእ ኣነ ዝገረመኒ ሲ ንህዝቢ ክውክል እየ ኢሉ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተጣየሸ ፖለቲካዊ ውድብ ከመይ ናይ ፀረ ህዝቢ ሓይልታት ድሌትን ባህግን ምርዳእ ይኣብዮ? ከመይ ከ ምንም ዝጭበጥ መረዳእታ ዘይብሉ ከም ቆልዓ ትሕቲ ዕድመ ብ ያ ተባሂሉ ይጭፍር? ኣነ ትማሊ ምሸት VOA ትግርኛ ንዓንዶም ክሓትዎ ከለው መን መን ዝበሃሉ ተጋሩ ተቀቲሎም? አበይ? ምዓዝ ዝብሉ ጭብጥታት እንትሓትዎ ናብ ተባሂሉ ምስ ኣተወ እዩ ዝገረመኒ፡፡

ንሱ እሞ ይፅናሕ ዋላ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዘርኣዊ ፕሮፖጋንዳ ጥቅዓት ይበፅሕ ኣሎ ቅድኒ ሕዚ እውን ኣብ ጎንደር በፂሑ ዝብል ሓቂ ኣሎ፡፡ እሞ እዚስ ናይ ብሓቂ ብሰልፊ ድዩ ዝፍታሕ ኮይኑ?

እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ዕሽሽ ኢሉዎ እንተዝኾን ሰልፊ ምፅዋዕ ምንም ኣማራፂ የለን፡፡ ኮይኑ ግን ብትምክሕትን ፀቢብነትን ከም ሓዱሽ ዝለፍዕ ማእሲ ዝተወጠረን ከመይ ከም ዝኣልዮ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ ተመያይጡ ብሕጋዊ መንገዲድን ወያናይ ዴሞክራስያዊ ቃልስን ጥራሕ እዩ ዝፍታሕ ኢሉ ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ መንግስቲ ብሰልፊ ምጭንናቅ እንደገና ብጭንቂ ንክዓብድን የሻል ኢሉ ዝወርድ ሰብ ንምርኣይ ድዩ ወይስ ናይ ብሓቂ መፍትሒ ንምርካብ? ብስሩ ኸ ንጀዋር ድዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣደባባይ ወፅዩ ሕቶ ክሓትት? ወዮ ዳኣ እቲ ሓደ ብገርሁ እቲ ካሊእ ብጉርሑ ኮይኑ እምበር እቲ ሕዚ ዘሎ ናይ ጨብረቅረቅ ፖለቲካ እኮ ኣብ ውሽጢ ኣሓት ውድባት ይኹን ብደገ ኾይኖም ስርዓት ፌደራሊዝም ከይፈረሰ ንሕና ክንርባሕ ኣይንኽእልን፣ ብስሩ ውን ክንቃላዕ ኢና ኢሎም ዝአመቱ ብፀበብትን ትምክሕተኛታትን እኮ ናይ መወዳእታ ድፋዕ ኢህወዴግ ህዝቢ ትግራይ እንተዝሕወሶን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እንተነባእስ ብሓደ ፀሓይ ምተሳኸዐልና ኢሎም እዮም ሃለውለው ሰልፍን ካልእን ቀይሶም ዘለው፡፡

ወዲ ዓሻ ዓረና ድማ እዚ ቀጢን ተልእኾ ሒዙ ነቲ ኩሉ ዝፈልጥ ወረጃ ህዝቢ ያ አደባባይ ሮማናት ክወፅእ እሞ ብኩሉ ናይ ዓለም ፅግዕተኛ ሚድያ ህዝቢ ትግራይ እምቢ ኢሉ ተባሂሉ ክቃላሕ እኮ እዩ ያ!! ዋሕስ ህዝቢ ትግራይ ሕጋዊ መንገድን ቅልፅሙን ጥራሕ እምበር ዝሰምዕ እንተዝርከብ 17 ዓመት ዶ መስዋእቲ ምኸፈለ? ሎሚ ያ 17 ዓመት ብቃልሱ ዝሰዓሮም ተረፍመረፍ ብዓረና ኣቢሎም ብሰላም ያ ብሓደ ለይቲ ንህወሓት/ኢህወዴግ ክስዕሩስ ናይ ትግራይ ፓርቲ ክለኣኾም?? እስኪ ሓቂ ንዘራረብ ሰልፊ ድዩ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ዕቡድ ከልቢ ፀገም ዝፈትሖ?

ብስሩ ንሕና መናእሰይ ናይ እቲ ፀገም ሚሽጥር ተረዲኡና ድዩ ወይስ እን ባዓል….ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ብዝባን ወዲ ዓሻ ቴክኖሎጂ ብዝፈጠረሎም ዕድል ኣብ ዕቁል ኮይኖም ክመርሑዎ እሞ ከም መድሓኒት አንጭዋ ለውጢ ዘምፅእ እንተኾይኑ ክፍትኑ እዩ? እን ባዓል ጎይተኦም ኣብ ሕክምና ስነ ምግባር ተማሂሮም እናሃለው ህዝቢ ትግራይ ከም መፈተኒ ክጥቀሙ እዚ ሰልፊ ከይተርፍ ክሳብ ለይቲ መራሕቲ ዓረና ኣብ ሓድነት ተኣሰሩ? ጭርሖ ተመንጠሉ፣ ሕዚ ተለቀቁ እናበሉ ክከታተሉ ላሕ ዝበሉ ንምንታይ ዘይንብል?

ብስሩ እውን ቁም ነገሩ ህወሓት ኣብ መንእሰይ ክሰርሖ ዝግባእ ናይ ህንፀት ገዛ ዕዮ ዘይምውድኡ እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን በታ ሕዚ ዘላ ኩነታት ኣሰላልፋ ሓይልታት ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ዝፈጠሩዎ ናይ ዝብኢ ፖለቲካ ተቀቢሉ ዓረና ኣብ ዝፀወዖ ሰልፊ ክሳተፍ እየ ዝብል ወይ ዝድግፍ ዋላ ሓደ መንእሰይ ትግራይ ዶ ክርከብ ነይሩዎ ይመስለኩም? እስኪ ከብዲ ይወዳእዮ!! በሉ::

መናእሰያትና ኣነ ዘላትኒ ናይ መወዳእታ ቅዋም

1) እቲ ክስራሕ ዝነበሮ ናይ ህንፀት ስራሕ ምስራሕ ገዲፉ ንውልቁ ዝጓየ ኣመራርሓና ባዕልና ንፈልጦ!

2) እዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ዝፈጠረን ተልእኾ ህዝቢ ብግቡእ ዘይተዋፀአ ኣበይ ረኺብና ነዘራርቦን ስርዓት ነትሕዞን ካብ ሓወልቲ ሰማእታት ወፃኢ ኣብ ሮማናት ከም ዘይኸውን ኩልና ንረዳዳእ

3) እቲ ሕዚ ዘሎ ፀገም መን ይርደኦን ይፈትሖን ወይ መን ከ ይጭነቀሉ ዝብል ካብ ህወሓትን መስመር ወያናይ ዴሞክራስን ወፃኢ ከንቱ ምኳኑ ነስምረሉ!

4) ዓረና ዳኣ ንምንታይ ከምዚ ኮይኑ ኣሰላልፍኡ ዝሓወሰሉ ናይ ኣተሓሳስባ ዓቅምን ብስለትን እውን ተራ ዘለዎ ይመስለኒ፡፡

ትማሊ ምሸት ኣብ VOAዓንዶም ዝበሎ ምስ ሰማዕኹ ስልጣን ምድላይ ወይ ናይ ፅግዕተኛ ተለኣኣኺ ምኻን ለካ ዓቅሚ እውን እዩ እቲ ፀገም እየ ኢለ ኣነ፡ ብዝዞኾነ ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፍኻ ኣፅንዕ እዩ እሞ መናእሰይ ትግራይ ብዝተረጋዐ መንፈስን ብትዕግስትን ክንሓስበሉ ዝግባእ እዋን ምካኑ ተረዲእና ብስምዒት ካብ ምንጓድ ንቆጠብ እዩ እቲ ዋና ነገር፡፡

ነገራት ካብ ሱር መሰረቶም ንረዳእ፣ መንቀልን ስዓቤንን እዚ ሕዚ ዘሎ ናይ ከብዲ ፖለቲካ ምርዳእ አገዳሲ እዩ ዝብል እምነትን መልእኽትን አለኒ!! ኣብ ህወሓት ዶ ፀገም ኣሎ? ሽሕን ሚኢትን!! እቲ ውድብ ፀገሙ ይፈልጦ ዶ? እወ ብዝግባእ! ወዮ ተሃድሶ ወሊዑስ!! እቲ ፀገም ክፈትሕ ይፅዕር ዶ ኣሎ?

ሕቶ የብሉን ለይትን ቀትርን ብዘይ ድቃስን እኽለ ማይን!! ህወሓት ደቂሱ ነቲ ፀገም ዕሽሽ ኢሉዎ ወይ ኢህወዴግ ስራሕ ገዲፉዎ ወዘተ ዝብሉ ድሑራት ዘረባታት ንዮው በልዎ እሞ እቲ ፀገም ካብ መስመር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን፣ ካብ መስመር ኩለን ውድባት ኢህወዴግ ወይ ወያናይ ዴሞክስን ሕግን ወፃኢ ከም ዘይፍታሕ ኩላትና ንረዳደአሉ፡፡ ሰናይ ምዓልቲ!!

“ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ፥ ደቂ ተባዕትዮ ክቃለሱልና ክንምሕፀን የብልናን”

ካብ ቢቢሲ ትግርኛ ዝተወሰደ

ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ስርዓት ፊውዳል ንምውጋድ ዝተወደበ ተቓውሞ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን፡ ኣብቲ እዋን ዕዙዝ ግደ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ተምሃሮ፡ ዓንዲ ሑቐ ተገይሩ ይውሰድ።

ኣብ ዓመፃት ሓረስቶት ቀዳማይ ወያነ ትግራይ፥ ባሌን ጎጃምን፣ ሃገር ለኸ ምንቅስቓስ መምህራን ብሓፈሻ እቲ ማሕበረሰብ፡ ብፍላይ ድማ ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ሰለማዊ ሰልፍታት ልዑል ፅዕንቶ ዋላ እኳ እንተነበረን፡ ታሪኸን ኣብ ብዙሕ መዛግብቲ ኣይተሰነደን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ፡ መምህር ዴቨሎፕመንት መስከረም ኣበራ ኣብዚ ጉዳይ ዝተወሰነ መሰረተ-ሓሳብ ኣለዋ።

ከም ኣገላልፃ መስከረም፡ መብዛሕትኦም ፅሑፋት ብደቂ ተባዕትዮ ስለ ዝፅሓፉ፡ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዘይምጉላህ ኩነታት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ ብምሁራት ይቐርቡ ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ሕቶታት፡ መሬት ንሓረስታይ፣ ደርባዊ ሕቶ፣ ተቓውሞ ኩናት ቬትናም፣ ፖለቲካ ዓለም ኣብ ክልተ መደብ ተገሚዑ፡ ምንቅስቓሳት ፀረ ሃፀይነት ኣብ ዝጎልበተሉ እዋን፡ ዋላ እኳ ደቂ ኣንስትዮ እንተነበርኦ፡ መራሕቲ እቲ ምንቅስቓስ ከምዘይነበራ ትገልፅ።

ውሑድ ተሳትፎ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ እውን ናይ ደቂ ተባዕትዮ መሓዙተን ፈለግ ብምስዓብ ከምዝኾነ ትዛረብ።

ብብርኪ ሃገር ዘተታት ፌሚኒዝም (ኣንስታውነት) ንክፍጠሩን፣ መዓርነት ፆታ ንክነግስ ንዝንቀሳቐሳ ደቂ ኣንስትዮ ፈላሚት መስራቲት ዝኾነት ስሂና ተፈራ፡ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ ብዘደንግፅ መልክዑ፡ ካብ ምንኣሱ ብተወሳኺ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝነበረን ተሳትፎ “ብዘሕፍር መልክዑ” ኣብዚ እተ ዝበሃል ኣእነበረን።

ኣብ ምድላዋት ቡን ከፍልሓ፣ ኣኼባ እንትካየድ ፅሑፍ ንክፅሕፋ፣ ወረቐት ኣብ ምብታንን ጭርሖታት ካብ ምሓዝን ብዝዘለለ ትሑት ሚና ይወሃበን ከምዝነበረ ትዛረብ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ እዋን ተሳተፍቲ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብፆተአን የላግፁለን ከምዝነበሩ ስሂና ትዛረብ።

እዚ ኩነታት እናተቐየረ ዝመፀ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ልዕል ብዝበሉ ብበዓል ዋልልኝ መኮንን ዝኣመሰሉ፡ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮን መሰልን ስለ ዝተቐበልዎ እዮም።

ድሕሪ 10 ዓመታት እውን ብዙሕ ለውጢ ከምዘየለ እትዛረብ መስከረም፡ ኣብ ውድባት ፖለቲካ ዘሎ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ እዩ።

ኣብ መዋቕር መንግስቲ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣዝየን ውሑዳት እየን። ድሕሪ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ቅልቅል ኢላ ዝጠፍአት፡ ምክትል ኣደ መንበር ውድብ ቅንጅት፡ ቡርቱካን ሚደቅሳ ትግለፅ።

ቅድሚኣን ድሕሪኣን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብወፍሪ ምጥፋእ ስም (ጠቐነ) ካብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ተገሊለን እየን።

ፖለቲካዊ ተሳትፎ ንምንታይ ኣድልዩ?

ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ብብርኪ ዓለም፡ ፖለቲካዊ ስልጣን መንግስቲ ዝተቖፃፀርዎ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብቀጥታ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከቱ ሕግታት ዘርቅቑን ዘፈፅሙን እውን ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣይተ ሽመልስ ካሳ፡ ‘ቻለንጅስ ኤንድ ኦፖርቺኒትስ ኦፍ ውሜን ፖለቲካል ኢን ኢትዮጵያ’ ኣብ ዝብል ፅሑፎም፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ኣድልዩ ንዝብል ሕቶ፡ ብዋናነት ዘልዕልዎ ሕቶ ፍትሒ እዩ።

ፍርቂ ክፋል እቲ ማሕበረሰብ ከም ምዃነን መጠን፡ ኣብ ውክልና ዲሞክራሲ ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ብባዕለን ዘይውከላ ዝብል ሕቶ እዩ።

እቲ ካልእ ድማ ልምዲ ህይወት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ብፍላይ ድማ ምስ ታሪኻዊ ኢ-ፍትሓውነት ፆታ ተተሓሒዙ ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ሕግታትን ኣፈፃፅምኦምን ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፈልጥ ስለዘየለ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብመዓረ ክውከሉ ይግባእ ይብሉ፡ ኣይተ ሽመልስ።

ናይ ምስሊ መግለጺ መስከረም አበራን የውብማር አስፋውን፤ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ተሪረን ካብ ዝቃለሳ ውሑዳት ተጠቀስቲ እየን።

እቶም ብድሆታት እንታይ እዮም?

መስከረም ከም ቀንዲ ምኽንያት እትገልፆ፡ “ኣባዊ ስርዓት” (ፓትሪያርኪ) ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ብምርግጋፅ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምድጋፍ ግደ ክህልወን ኣኽኢሉ እዩ።

በዚ ድማ ኣብ መቐሎ ስራሕ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ገዛ፣ ቆልዓ ምውላድን ምሕብሓብን ይምደባ።

ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣደባባይ ምውፀአን ከም ነውርን ነቲ ስርዓት ከም ምጥሓስን ከምዝረአ ትገልፅ።

ነዚ ልማዳዊ ስርዓት ጥሒሰን ኣብ ፖለቲካ ዝሳተፋ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምዝንጣል፣ ፀርፊ፣ ከምኡ እውን “ክረኣ ክረአ በሃሊት” ዝብል ስም ከምዝሽመማን ትዛረብ።

ብፍላይ ድማ መሪሕነት፡ ስራሕ ወዲ ተባዕታይ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ትካላት ሃይማኖት፡ ደቂ ኣንስትዮ ብብዙሕ መልክዒ ካብ ደቂ ተባእትዮ ከምዝንእሳ ምስባኾም ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።

ትካላት ሃይማኖት፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቦታ ብግልፂ ፈልዮም ምቕማጦም፡ ኣይተ ሽመልስ ይዛረቡ።

ካብ ኣከዳድና ደቂ ኣንስትዮ ጀሚሩ በየናይ መልክዑ ክእዘዛ ከምዘለወን፡ ከምኡ እውን ካብ ኣመራርሓ ሃይማኖታዊ ቦታታት ዝተገለላ ምዃነን ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ ይብሉ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ምህላወን፣ ሕዚ እውን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ትሑት መሃያ ዝኽፈላ፣ ፅግእተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ምዃነን፣ ኣብ ስራሕ እንትቁፀራ እውን ኣብ ገንዘበን ክውስና ስለዘይኽእላ ነዚ ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣይተ ሽመልስ ይገልፁ።

ብፍላይ ድማ መዋቕር ስድራ እንትለዓል “ኣባዊ” ብዝኾነ መገዲ ዝምራሕ እንትኸውን፡ መንግስቲ እውን ስድራዊ መዋቕር ስለዝኽተል፡ ኣብ ገዛ ዘሎ ኣቧዊ ውሳነን ካልኦት ጉዳያትን ዘሎ ልዕልና፡ ኣብ መንግስታዊ መዋቕራት፣ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ፅሕፈትን ዕለታዊ መነባብሮን ይንፀባረቕ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እንተተምሃራ እውን፡ “ግዜ ዝሓለፎ” ክፍፍል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛ ንክሰርሓ የገድደን።

ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ተመሳሳሊ ስራሕ ሰሪሖም፡ ገንዘብ ዋላ እኳ እንተምፅኡ፡ እታ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ገዛ ዘሎ ስራሕ እውን ክትሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ግዜአን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ጉዳያት ንከየድህባ ፅዕንቶ ከምዘሕድረለን መስከረም ትዛረብ።

ኣብ ዝተፈላለዩ መፅሄታት፡ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖምያዊ፣ ማሕበራዊ ጉዳያት እታ ሃገር ትንታነ ብምፅሓፍ እትፍለጥ መስከረም፡ ንደቂ ተባዕትዮ ተባሂሎም ዝተገደፉ ከም ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝበሉ ጉዳያት ናታ ቦታ ከምዘይኮነ ዝነግርዋ ከምዘለዉ ትገልፅ።

ብፍላይ እዚ ኣቧዊ ዝበሃል ስርዓት፡ እቲ ማሕበረሰብ ከም ስርዓት ዝተቐበሎ፤ ዋላ እኳ ንደቂ ተባዕትዮ እንተጠቐመ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝተቐበልኦ ንምፍራስ ሕልኽላኽ ይገብሮ።

“ብፍላይ ኣወዳት ናይ ባዕሎም ዝኾነ ዝእከብሉን ዝዘራረብሉን፡ ደቂ ኣንስትዮ ዘግለለ ጉጅለ ኣለዎም”።

በዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፖለቲካ ቅልቅል እንትብላ “ከምዝኹርኾማ” መስከረም ትዛረብ።

ኣብ ሓደ መፅሄት ትፅሕፍ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ብተመሳሳሊ ዘርፊ ይፅሕፍ ምስ ዝነበረ ወዲ ብርዒ ዝነኣሰ መሃያ እንትትኽፈል፡ ከምኡ እውን ፅሑፋ ከምዘየንበቡ ዝነግርዋ ኣወዳት እውን ነይሮም።

“ንፍዕቲ ጓል ኣንስተይቲ እንተሃልያን፡ ንዕኦም ትፈታተን እንተመሲላቶምን፡ ብዝተፈላለዩ መገድታት ክወቕዑዋ ይደልዩ። ናይ ምትሕሓት ፖለቲካ ዝነገሰሉን ብዓይኒ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን መሰናኽላት ዝተመልኦ እዩ” ትብል።

Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ ኣንስትዮ ንስሙ ክመርፃን ክምረፃን ሕጊ ይፈቕደለን።፥

ሕቶታት ፆታን መሰል ምውዳብን

ኣብ መዋቕር መንግስቲ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ እናወሰኸ ‘ኳ እንተመፀ፥ ናይቲ ውድብ ስራሕ ካብ ምፍፃም ሓሊፈን ሓቀኛ ተሳትፎ ከምዘይገብራ፥ ነባር ተጋዳሊት ህወሓት የውብማር አስፋው ይዛረባ።

ኣብ ዘመን ሃፀይ ሃይለስላሴ ካብ 240 ኣባላት ባይቶ እተን 2 ጥራሕ ደቂኣንስትዮ ነይረን። ኣብ ዘመነ ደርጊ ድማ፥ ካብ 835 ኣባላት ባይቶ ወከልቲ፥ ቁፅሪ ደቂኣንስትዮ 14 እንት ኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ቁፅሪ ደቂ ኣንስትዮ 30 ምኢታዊ ይሕዛ።

ብፍላይ ኣብ ሓደ ሐደ ባይቶ ተወከልቲ ክልላት ድማ ቁፅሪ ደቂኣንስትዮ ካብዚ ፈዴራል ፓርላማ ሓፍ ብመባል፥ ክሳዕ 50 ምኢታዊ ከምዝሕዛ መረዳእታት ይሕብሩ።

እቲ ወሰኽ ቁፅሪ ከም ኣወንታ ዝምልከታ ወይዘሮ የውብማር፥ ፖሊሲን ኢህወዴግ ካብ ምትግባር ወፃኢ ካሊእ እጃም ሰለዘይብለን፥ እቲ ተሳትፎ ጎደሎ ምዃኑ ይገልፃ።

“እዚ ተሳትፎአን ከም መሳርሕን መሰላት ደቂኣንስትዮ ፀንቂቑ ከምዝተመለሰን ገይርካ ንክረኣ ኣብ ረብሓ ይውዕል ኣሎ።

እቲ ቀንዲ ሕቶ ክኸውን ዘለዎ፥ ‘ነፃነት ኣለወንዶ’ ? ‘እንታይ ዝኣኽላ ፖሊሲ እታ ሃገር ክቕይራ ይኽእላ’ ? ‘እንታይ ዝኣክልከ ፅዕንቶ የሕድራ’?” ክብላ ይሓታ።

እዚ ማለት፥ ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሞሩ ‘ውን እንተኾነ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፊነት ዝርከባ ደቂኣንስትዮ።

ማሕበራዊ፥ ፖሊቲለካዊን ኢኮኖሚያውን መሓውራት መንግስት ንምቕያርን ሓደሽቲ ፖሊሲታትን ሕግታትን ኣብ ምርቃቕን ተሳትፎአን ውሱን ምዃኑ ወሲኸን ይዛረባ።

“ብዙሕ መስዋእትነት ዝተኸፈሎ ቃልሲ እንተኾነ ‘ኳ፥ እቲ ዝመፀ ስርዓት ግና ዲሞክራስያዊ ዘይኮነስ ዓፋንን ክብሪታትን ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ዝግህስ ‘ዩ” ይብላ።

ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ብዝወተደበ መልክዕ ጎሊሁ ኣይውፃእ ‘ምበር፥ ከም ሰበሞያ ሕጊ ደቂ ኣንስትዮ ዓይነት ብርቱዕ ማሕበር ከምስረት ክኢሉ እዩ።

ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣድሎኣዊ ሕግታትን ድሑራት ልምድታትን ከተርፉ፥ ንመሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብፍሉይ ይጣበቕ፥ ከምኡድማ ዝፀንሑ ፍትሓዊ ዘይኮኑ ሕግታትን ፖሊሲታትን ክንቀሉን ይቃለስ፥ እኹል ገንዘብን ዓቕምን ዘይብለን ደቂኣንስትዮ ሕጋዊ ጠባቓ ይኾነን።

ናይ ምስሊ መግለጺ ደቂ ኣንስትዮ ዘበረታትዑ ፅሑፋት

ምስቲ ሓድሽ ዘይመንግስታዊ ማሕበራት ኣመልኪቱ ዝወፀ ሕጊ ተኣሳሲሩ፥ እቲ ማሕበር ናይ ፈንድን ገንዘብን ፀገም እንተሃለዎ’ኳ፥ ኣብታ ሃገር ፆታዊ ርክብን፥ ካልኦት መዘራረቢ ጉዳያትን ዛዕባ ክኾኑ ብምግባር ብዙሕ ለውጢ ኣመዝጊቡ እዩ።

ብዙሕ ዘይድፈሩ ሕቶታት ክለዓሉ ድማ ልዑል ግደ ተፃዊቱ።

ይኹን ‘ምበር ክሳዕ ሐዚ ውድባት ፖሊቲካ፥ ነፃነት ደቂ ኣንስትዮን፥ ሕቶታት ፆታን (ጀንደር) ከም ሓደ ፖሊቲካዊ ሕቶ ገይሮም ክንቀሳቐሱ ብዙሕ ኣይረአን።

“ናይ መን ሓላፊነት እዩ ? መን እዩ ከልዕሉ ዝግባእ ነይሩ? ናይ መን ሕቶ መን እዩ ከልዕሎ ዝግባእ?” ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይድርድራ፥ ወይዘሮ የውብማር።

ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ምንቅስቓስ ደቂኣንስትዮ እንትለዓል፥ ኣብ ትሕቲ አገዛዝኣ ደቂኣንስትዮ ዘመነ ህንደኬ፥ ስማ ብጥፍኣት ዝለዓል ንግስቲ ዮዲት፥ ኣብ ማእኸላይ ዘመን ልዑል ተራ ዝነበራ ምንትዋብ፥ ጣይቱ፥ ዘውዲቱ ኢልና እንተዘርዚርና ቁፅረን ብኣፃብዕቲ ዝቑፀራ እየን።

ንምንታይ ከምኡ ይኸውን?

“ፊኒክሷ ሞታም ትነሳለች፡ ያልተቋጨው የትግራይ ሴቶች ገድል” ( ፊኒክስ ሞይታ ትለዓል እያ፡ ዘይተዛዘመ ቓልሲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ) ብዝብል ርእሲ መፅሃፍ ዘሐተማ ወይዘሮ የውብማር፥ ኣብ ቃልሲ ዝነበረ ኩነታት ‘ውን እቲ ሕብረተሰብ ንደቂኣንስትዮ ዘለዎ ትሑት ቦታ ዝፍለ ከምዘይነበረ ይዛረባ።

ኣብ መጀመርታ ኣከባቢ፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ቃልሲ ክሕወሳ ዘይተፈቕደ እንትኸውን፥ ካብ 1968 ዓ/ም ጀሚሩ ግና ብዙሓት ናብቲ ቃልሲ ተፀምቢረን ኣብ ዓውዲ ኲናት ‘ውን ተሳቲፈን እየን።

‘ደቂ ኣንስትዮ ዓበይቲ ኣፅዋራት ውግእ ክሽከማ ኣይኽእላን’ ዝብላ አመለኻኽታ፥ ከምኡድማ ፆታዊ ማዕርነት ምስ ጉልበትን ኣካላዊ ዓቕሚ ምትእስሳርን፥ ፆታዊ ርክብ ስለ ዘይፍቀድ ደቂ ኣንስትዮ ከም መሰሓሓትቲ ናይ ምርኣይ ዝንባለታት ከምዝነበሩ ይዛረባ። ሓል ሓሊፉ ፆታዊ ትንኩያታት ‘ውን ነይሩ ይብላ።

እቲ ፀገም ኣብ ልዕሊ ደቂተባዕትዮ ጥራሕ ዘየላግባ እተን ነባር ተጋዳሊት፥ እቲ ቀንዲ መንቀሊ ንደቂተባዕትዮ ልዕል ኣቢሉ፥ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ታሕቲ ዘንብር ስርዓት ‘ዩ ይብላ።

“ብቑጠባ ኾነ ብፖሊቲካ ኣትሪርካን ተወዲብካን ምቅላስ ‘ምበር ዝኾነ ሰብ ሓልዩ መሰልና ኣይክህበናን። ደቂኣንስትዮ ናይ ዝኾነ አካል ድጋፍ ከይተፀበያ ንመሰለንን ማዕርነተንን ዓርሰን ክቃለሳ አለዋ። ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፥ ደቂታባዕትዮ ክቃለሱ ክንምሕፀን የብልናን”ይብላ።

ኮይኑ ግና እቲ ሃዋህው ፖሊቲካ እታ ሃገር ብምልኳቱ፥ ሰላማዊ ሰልፊ ኮነ ናይ ምፅሓፍ መሰል ብምግዳቡን፥ ቃልሲ ደቂኣንስትዮ ድማ ክዘሓሓል ገይሩ እዩ ይብላ።

 

“ንለባም ኣምተሉ ፤ ንዓሻንከ ደርጓሓሉ፡፡”

ካብ ዓብደልፈታሕ መሓመድ (ሓበሻዊ )

እቲ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ዘጓነፈ በደል ንምኹናን ንፅባሕ ቀዳም ኣብ ከተማ መቐለ ክሳለጥ ብዓረና ዝተፀወዐ ሰላማዊ ሰልፊ ብምኽንያት ምሕፃር ግዘ እኹል ናይ ፀፅታ ሓይሊ ፣ ትራፊክ ፖሊስን ካልኦትን ዘይምድላው ንኽካየድ ከምዘይተፈቐደ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ምላሹ ሂቡ ኣሎ፡፡ በሉ ክንዛረብ፡፡

ከምቲ ካብ ትማሊ ጀሚርና (ጀሚረ) ዝተዛረብኩዎ ሽሕን ሚእትን ክምለሱሉ ዝደልዮም ሕቶታት ንዘለዎ ለባም ህዝቢ ድምፁ ከስመዓሉ ካብ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ብምኹላፍ ፤ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላቱ ብዘየኽብር መንገዲ ድምፁን ስምዒቱን ብምዕፃው ነቲ ዝተፈጠረ ውዑይ ማዕበል ክዝህም ምግባር ከምዝከኣል ምሕሳብ ግርህነት እዩ፡፡

ህዝቢ ነቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ ዝደገፈሉ ምኽንያት ጉዳይ ዓድና እዩ ኢሉ ከይዱ ከብቅዕ ኣብ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ክቑፀርን ተደጋጋምን ዘይሰብኣውን ጉድኣታት ክስከም ብዝተገደደ ወገኑ ብምሕዛን ፤ ነዚ ዘይሰብኣዊ ግፍዕን ምጉናይን ንምኹናን ድኣ ‘ምበር ካልእ ሕብሪ ስለዝነበሮ ኣይኮነን፡፡ ነዚ ሓቂ እዚ ዝኽሕድ መሪሕነት ኮነ መገልገሊ እንተሃልዩ ድማ ብርግፀኝነት ነዚ ዓቃልን ለባምን ህዝቢ ኣይፈልጦን ማለት እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ እኮ (ዳርጋ ኹሉ) ደጋፊ ህወሓት እዩ ፤ ንህወሓት ዝድግፈሉ ዋና ጉዳይ ግን ስለዝተኣመመነሉ ወይ ‘ውን ኣሽሓት መላምል ደቁ ከፊሉ ዝሃነፆ ስርዓት ስለዝኾነ ኣይኮነን ፤ ካልእ መማረፂ ከምዘይብሉ ስለዝፈልጥ ‘ምበር፡፡ እዚ ማለት ግን መማረፂ የብሉን ኢልካ ኣሽካዕላል ኣብ ርእሱ ክትስቀል ከም ዝገብር ፅቡቕ ዕድል ክቑፀር ኣይግባእን፡፡

ዝኾነ ኾይኑ እናገበለ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶን ስምዒትን ህዝቢ ዘይምልስ ኣሰራርሓ ዕምሪ ከምዘይብሉ ካብ ናይ ትማሊ ታሪኽና ምርዳእ ኣኻሊ እዩ፡፡ ህዝቢ ተጋግዩ ኣይፈልጥን ፤ ምስ ዝደቀሱ ደቂሱ ፀሓዩ ከዕርብ ‘ውን ክግደድ የብሉን፡፡

ሕጂ ‘ውን እቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ሰልፊ ብዘይምክያዱ ዝፍጠር ነገር የለን ፤ ምኽንያቱ ዓይነቱ እዩ ክፈላለ ዝኽእል ‘ምበር ሰልፍስ በዚሕዎ እኳ ፤ በዓል ብዝመፀ ቁፅሪ ብፍቓዱን ብግዴታን እናወፀ ዝስለፍ ምስኪን ህዝቢ እንድዩ ፤ መዓዝ ከ ኣዕሪፉ ይፈልጥ???

ካብዛ ከይተኻየደት ብዙሕ ዘዘራረበት ጉዳይ ሕቶ ሰላማዊ ሰልፊ ክንወስዶ ዝግበኣና ቁውም-ነገር ግን ብዙሕ እዩ፡፡
ንኣብነት ዝኣክል ግን …
√ ህዝቢ ሽሕ ጊዜ መስተውዓልን ዓቃልን ይኹን እንትበዝሖ ዘተንፍሰሉ ግዘ ከምዘናዲ

√ እንተበዚሕዎ ንሕብረቱን ንድምፁን ይትረፍ ናተይ ዝበሎ ወገኑ ካልእ ‘ውን እንትፅውዖ ንድሕሪት ከምዘይብል

√ ብኣሽሓት መስዋእቲ ጀጋኑ ኣያታቱ ስለዝረኸባ ጥራሕ ተሸኪሙዋ ዝኸድ ስርዓት ከምዘይብሉ

√ ፈታዊኡን ፀላኢኡን ጠንቂቑ ዝፈልጥ ፀዋርን ወሳናይን ምኽዋኑ … እዩ፡፡
ስለዚ ኣንቱም ደቂስኩም ዘለኹም ክትበራበሩ ‘ሞ ካብዚ ተዓብዒቡ መተንፈሲ መዓልቱ ዝፅበ ውህሉል ዕፁው ድምፂ ክትመሓሩ ስምዒትን ባህታን ህዝቢ ዝሰምዕ መድረኽ ክትፈጥሩ ፤

ኣንቱም ኩነታት ምስተፈጥረ ደሃይ ወገናቱ ከስምዕ በርኹም ንዝተፀገዐ ህዝቢ ምርጭኡ ዝኾንኩም መሲልኩም ዳንኬራኹም ዝወቓዕኹም ‘ውን ኣብ ከምዚ ኩነታት ስለዝተረኸብኩም ጥራሕ ምርጭኡ ክትኮኑ ከምዘይትኽእሉ ክትፈልጡ ይግባእ፡፡

ዝኾነ ኾይኑ በዘን ክልተ መዓልታት እቲ ለባም ህዝቢ እኹል ናይ ትዕዝብቲ ፈተና ፈቲንኩም እዩ ‘ሞ ኩለኹም ካብ ነናይ ውልቅኹም ሓሳብ ተላቂቕኩም ቆላሕታኹም ኣብቲ ከም ድላዩ ክገብረኩም ዝኽእል ሓያል ህዝቢ ይኹን፡፡

“ንለባም ኣምተሉ ፤ ንዓሻንከ ደርጓሓሉ፡፡” እዩ ‘ሞ … ሃየ ንህዝብኹም ምሰሉ ፤ እቲ ምርጫ ድማ ንዕኡ ግደፉሉ፡፡