እንዴት ያገሳል የተባለ በሬ እምቧ ብሎ ቀረ፡፡ (ተረት ወላይታ)

በመሆኑም በጥቅም ብቻ ሳይሆን በደም ለተሳሰሩት የሁለቱ ሀገር ሕዝቦች የጋራ ጥቅም ሲባል የኢትዮጵያ መንግስት የአልጀርሱን ስምምነት እና የድንበር ኮሚሽኑን ውሳኔ ሙሉ ለሙሉ ተቀብሎ ተግባራዊ ለማድረግ የወሰነና ለተግባራዊነቱ ያለማመንታት በቁርጠኝነት የሚሰራ መሆኑን ለመግለፅ ይፈልጋል፡፡

ይህንኑ በጋራ ተጠቃሚነትና እኩልነት ላይ የተመሰረተውን የሀገራችን ፖሊሲም አጠናክረን እንደምንቀጥል በዚሁ አጋጣሚ በድጋሚ ለማረጋገጥ እንወዳለን፡፡

የኤርትራ መንግስትም ተመሳሳይ አቋም በመውሰድ ያለምንም ቅድመ-ሁኔታ የሰላም ጥሪያችንን ተቀብሎ በሁለቱም ወንድማማች ህዝቦች መካከል ከዚህ በፊት የነበረውን አብሮነትና ሰላም ወደነበረበት ለመመለስና በቀጣይም ዘላቂነቱን ለመጠበቅ ለተግባራዊነቱ ያለማመንታት በቁርጠኝነት እንዲሰራ እንጠይቃለን፡፡

ኢህአዴግ ም/ቤት ጽ/ቤት ግንቦት 28/2010 ዓ.ም

 ዲስ አበባ፤

 

ለመሆኑ፡ እየሰሩት ያለ ነገር ይገባቸዋል፡፡ ጠቅላያችን ይህንን ሲያስወስኑ፡የሚከተሉት ነጥቦ አለማየታቸው፡የሚያስከፍለን ዋጋ ምንድን ነው ???

1ኛ/የመሬት ጉዳይ የሃገር ጉዳይ ነው፡፡ ባለፉት ዓመታት በኢትዮጵያ ውስጥ ከኦሮሚያ ክልል ስንዝር መሬት ወደ አዲስ አበባ ከተማ አስተዳደር በተቀናጀ የልማት ፕሮግራም ምክንያት እንዳይገባ በሺ የሚቆጠር ህዝብ በዓመፅ ያሰለፉት ጠቅላያችን ዛሬ ከአንድ ሉዓላዊ ሃገር በሺ የሚቆጠር ኪሎ ሜትር ካሬ መሬት ቆርሶ ለሌላ ሉዓላዊ ሃገር ለመስጠት መዘጋጀታቸው፡ ትርፉ ትዝብት ነው፡፡ ምክንያቱም በዚህ ሰላም ይመጣል ብሎ ማመን የሻዕቢያ መሰረታዊ ባህሪ አለማወቅ ነው፡፡

2ኛ/ እጅግ ዘግናኝ ስህተት፡ አንድ ከኦነግ የመጣ አመራር ቢያደርገው ኣይገርመኝም ነበር፡፡ ምክንያቱም ሻዕቢያ ምንም እንኳን ለራሱ ጥቅምና ኢትዮጵያ ለማተራመስ በተደጋጋሚ በኢትዮያ ደቡብ፤ደቡብ ምዕራብ ወዘተ ያሰማራው የነበረ ፀረ-ሠላም ኃይል በፈጠረው ማዕበል ተንሳፍፎ ለሥልጣን ከበቃ ፡በውለታነት ተቆጥሮ የቀረበ ገፀ-በረከት ሊሆን ይችል ነበር፡፡ ዶክተር ግን በኢህአዴግ ለስልጣን የበቁ ሠው ናቸው፡፡

3ኛ/ ይህንን ሲያስቡ “የትውልድ አደራ” መፅሓፍ ቢያነቡ፡- ልዑል ራስ መንገሻ ስዩም በኢትዮ-ኤርትራ ጦርነት ወቅት የትግራይ ጠቅላይ ግዛት አስተዳዳሪ ስለነበሩ መረጃና ማስረጃ እንዲሰጡ ተጠይቀው የሰጡት መልስ፡-

ሀ/ የኤርትራ ጠቅላይ ግዛት አስተዳዳሪ ተጠርተው ድርድር እንዲደረግ የላኩት ኤርትራዊ ወኪላቸው፡ እንዲህ ብሎ ነበር፡፡ እስከ ጋሽ ባርካ የትግራይ ጠቅላይ ግዛት አስተዳደር ይዞት እንደነበረ፡፡ በጣልያ ወረራ ወቅት ጣልያኖች ለቀላል መሣርያ ጎታች ፈረሶች መጋጫ /የሣር መሬት/ ይሰጠኝ ብሎ በመጠየቁ፡ እስከ ሰቲት የተወሰነ ቦታ መሰጠቱ፡ ጣልያኖች አገራቸው ሲገቡ ግን ወደ ትግራይ መመለስ የነበረበት መሬት መሆኑን፡፡ ተማምነው፡ የተፈራረሙበት በኃይለስላሴ ቤተ-መንግስት እንደሚገኝ አስረድተው እንደ ነበር፡፡ ውጤቱም ከ5ቀን በኋላ ቃለ-ጉባኤው እንደተገኘ ማስረጃ የሰጡት ኮሚቴ ገልፆ እንደነበር፡፡ከክርክሩ በኋላ ተሸነፉ ሲባል ግን ምን ይዘው እንደተከራከሩ የሚያውቁት እነሱ ናቸው፡፡ በሚል በግልፅ የአማርኛ ቋንቋ አስፍረውታል፡፡ ይህ ደግሞ የሚያሳየን፡ መረጃና ማስረጃ ምንና ምን እንደሆነ የተጠየቀበት አገባብ ሰነዶቹ ከቦታዎቹ ለማጥፋት ነበር ማለት ነው፡፡

ለ/ በዚህ መፅሓፍ/ “የትውልድ አደራ”/ እኝህ ሰው በአርሲና ሲዳሞ አስተዳደር በነበሩበት ጊዜም፡ ከኢትዮጵያ ግዛት መሬት ተቆርሶ ወደ ኬንያ እንዲከለል የተደረገ፡ በኢዮጵያ ህዝብ በጀት ለእንስሳት አርቢዎቹ ጥቅም ታስቦ የተቆፈሩ 40 ጉድጓዶች ጭምር ሄደው እንደነበር፡፡ ይህንንም እሳቸው የክፍለ ሃገሩ ጠቅላይ ግዛት ከሆኑ በኋላ ከኬንያውያን ተደራድረው ወደ ኢትዮጵያ እንዲመለስ እንዳደረጉት፡በግልፅ ቋንቋ ተቀምጧል፡፡ እንዲያውም እንደ ቀልድም ኬንያውያን እባክህ ኣንንተ ምን ዓይነት ሠው ነህ፡ የነበሩት መሣፍንትኮ ከተማ ቁጭ ብለው፡እኛ ባቀረብንላቸው ጥናት ነበረ የፈረሙት፡ብለው እንደቀለዷችውም ተቀምጧል፡፡ ይህ የሚያሳየን የኢትዮጵያ ነገስታት ምን ያህል ደንታ ቢሶች እንደሆኑ፡ነው፡፡

4ኛ/ ዓሰብን በህግ አገባብ የማስመለስ የኢትዮጵያውያን ህልም ድርግም አድርጎ ዘጋው፡፡ በገብሩ አስራት ዴሞክራሲና ሉዓላዊነት በኢትዮጵያ በሚል መፅሓፉ፡ የህግ ዶክተር ያዕቆብ ኃይለማርያም “አሰብ የማን ናት? ” በሚል መፅሓፍ ላይ የተቀመጠው የባህር በር የማግኘት ህጋዊ መብታችንም ላንዴና ለመጨረሻ ጊዜ ተዘጋ አበቃ፡፡

5ኛ/ ባድመ ለኤርትራ አሳልፎ መስጠት፡ ኢትዮጵያ ወራሪ እንጂ ተወራሪ ሀገር አልነበረችም ማለት ነው፡፡ በዚህ ወቅት የክልሎቻችን በጀት ከ100ሚልዮን ባልበለጠበት ዘመን ዓሰብ ወደብ ላይ መጋዘን ውስጥ የነበሩ፤ከ800ሚልዮን በላይ ግብርና ቀረጥ የተከፈለባቸው ዕቃዎች፡ሻዕቢያ በማን አለቢኝነት የወረሰው የዜጎቻችን ኃብት ለድርድር ሣይቀርብ፤ የጦር ምርኮኞቻችን ለድርድር ሳይገቡ፤ የአልጀርስ ስምምነት ሙሉ በሙሉ እንቀበለዋለን ማለት፡ በዚህ ጦርነት ለደረሰ የንብረትና የህይወት ዕልቂት የጉዳት ካሣ እንድትከፍል ኢትዮጵያ ተጠያቂ ያደርጋታል፡፡የነበረው አመራርም በጦር ፍርድ ቤት እስከማቆም የሚደርስ ቅጣት ያሰከትላል፡፡

6ኛ/ የህወሓት ማዕከላይ ኮሚቴ ይህንን ተቀብሎ ከወጣ የትግራይ ህዝብ ጥቅም ምንድን ነው በሚገባ የገባው ኣይመስለኝም፡፡ ይህንን የሚያሳየኝ፡ በኢህአዴግ ስብሰባ ሲጠናቀቅ አንድ አቋም ወስደናል የሚል መግለጫ ውስጠ ወይራ እንደሆነና ሌሎች እስረኞቻቸው እንዲፈቱ፡ስልጣን ለመረከብ መደላድል እየሰሩ፣ የህወሓት አመራር ትብታብ ውስጥ እየከተተ መሆኑን ግልፅ እየሆነ መጥቷል፡፡

7ኛ/ በሌላ አቅጣጫ አማራ በመሆናቸው ከመከላከያ ሠራዊት የተሰናበቱ፤የታሰሩ ወዘተ በሚል የመከላከያ ሠራዊት አባላት ስምዝርዝራቸው እየተፖሰተ ነው፡፡ ይህም በዘር ማጥፋት ወንጀል የሚከሰሱ ሰዎች እንደሚኖሩ ያመላክታል፡፡ ይህ ጉዳይ ባለቤቱ ይጨነቅበት፡፡

በአጠቃላይ በመሬታችን ላይ የተላለፈው ውሳኔ ግን ፍፁም ተቀባይነት የለውም፡፡
8ኛ/ አብዮታዊ ዴሞክራሲ አለ ወይ ዕድርተኛ ሣያውቀው ሞተ?

( ቢዋ ሃዋ ኣይኑ)

ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን ዘይሓዝካዮ/ዝስሓትካዮ ዝመስለኒ !!

ቃለ መሕትት ዶ/ር ደብረፅዮን ብፅሞና ክከታተል ፈቲነ። ብቕንዕና ንዝርዳእ ፣ እቶም ብግልፂ ዘቕመጦምን ኣብ ልቡ ብሓያል ትዕግስቲ ፀቒጡ ዝሓለፎምን እንትግንዘብ ካብ ሓደ ፖለቲካዊ መራሒ ዝፅበዮ ጉዳይ እዩ። ከም ምክትል ር/ምምሕዳር ትግራይ እቲ ክብሎ ዝግባእ ምባሉ ውን ፅቡቕ እዩ።

ሓንቲ ሕቶ እንትምልስ ዝስሓታ ዝመስለኒ ግን ገለ ክብል።

እታ ሕቶ “ኣብ ህወሓት ናይ ጥሮታ ስርዓት ኣሎ ዶ!?” እትብል ነይራ። ንሱ እንትምልስ “እወ ኣሎ።” ኢሉ።

እዛ ሕቶ ዓባይን መሰረታዊትን ሕቶ እያ ነይራ። ናይ ጥሮታ ሕቶ እንትልዓል ብዛዕባ መስርሕ ምትኽኻእ ማለትና እዩ። ብዛዕባ ጥሮታ እንትልዓል ብዛዕባ ስትራቴጂካዊ ወሎዶኣዊ ምውርራስ ማለትና እዩ። ብዛዕባ ጥሮታ እንትልዓል ብዛዕባ ምንጪ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ህውሓት ጥራይ ዘይኮነስ ብሓፈሻ ፖለቲካ ትግራይ ማለትና እዩ። ብዛዕባ ጥሮታ እንትልዓል ደርጊ ካብ ምድምሳስ ዝዘለለ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ማሕበራዊ ፣ፖለቲካዊን ስነቑጠባውን ምዕባለ ትግራይ ማለትና እዩ። ብዛዕባ ጥሮታ መራሕቲ ህወሓት እንትልዓል ፣ ብዛዕባ ኣብ ፌደራላዊት ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ዘለና ብሄራዊ ኣስተውፅኦን ቀፃልነቱን ማለትና እዩ። ብዛዕባ ጥሮታ እንትልዓል ፣ ብዛዕባ ምዕባለ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘውሓሶ ምውሓስ ብሄራዊ መንነትናን ውሑስ ህላወና ኣብ ትኣፋፊ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ወዘተ ዝብሉ ኣምራት ማለትና እዩ።

ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን “እወ ናይ ጥሮታን ናይ ምትኽኻእ ስርዓት ኣሎ።” እዚ ውድብ ብኣውርኡ ናይ መንእሰይ ውድብ ምዃኑ እዩ ገሊፁ። ንዓይ ፈፂሙ ኣይተወሓጠለይን። እቲ ናይ ጥሮታ ስርዓትን ባህሊ ምትክኻእን ካብ ምጩ ደሪቑ እዩ ብሃላይ እየ። ብምኽንያት ከረድእ።

1) ንምድራቕ ምንጪ ምትኽኻእ መሪሕነት ትግራይ ቀንዲ ፀገም ዝመስለኒ እቲ ኣተሓሳስባ ባዕሉ እዩ። ወያናይ ዲሞክራሲ እንኮ መፍትሒ ፀገም እዛ ክልል ጥራይ ዘይኮነስ እዛ ሃገርን ኣህጉርን ኢሉ ምውሳዱ። ድላዩ ዓይነት ብልሒ ይምፃእ ፀረ ወያናይ ዲሞክራሲ እንተኾይኑ ኣይጠቅምን ጥራይ ዘይኮነስ ንስርዓትና ሓደጋ እዩ ዝብል ጠፍናጊ ኣተሓሳስባ ነኺሱ ብምሓዙ እዩ።

1.1 ቤት ትምህርቲ ወያነ

ቤት ትምህርቲ ወያነ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሰገናትን ኣባፅሕን ዝምሃርሉ ዝነበረ ኣልዒልካዮ ዘይምኖ ኩሉ ዝሃርፎ ናይ ኣሻሓት በላሕቲ ሰገናት ቤት ትምህርቲ ዝነበረ እዩ። እዞም ብኣካዳሚ ፣ ብኪነን ሰነን ጥበብ፣ ፖለቲካን ኣእሙራዊ ንቕሓትን ንምፍላዮም ብዘፀግም ኣዝዮም በላሕትን ደፋራትን ሰገናትን ኣባፅሕን ምንባሮም መኣዲ ቤት ትምህርቲ ወያነ ዝጥዓመ ይፈልጦ። እዞም ሰገናት ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ኣብቲ ናይ 1977ዓ/ም ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ልክዕ ከምቲ ውድብ ንክልተ ምምቃሎም ሻቡ ሰገን ዝነበረ ኣዋጊዕኒ። ብፍላይ #ብተስፋይ_ኢንግሊዝ ዝፍለጥ ሰገን ፖለቲካዊ መትከል ወሲዱ ምስ ግደይ ዘረኣፅዮን ከምዝወገነን ዳሕራይ ብሱዳን ገይሩ ከምዝወፀን ይስማዕ እዩ። እዚ ሰገን ምስ መሓዝቱ ብተደጋጋሚ ንተጋዳላይ ስብሓት ነጋ(ኣቦይ) ብወጠርቲ ሕቶታት ይብድህ(challenge ይገብር) ምንባሩ ካብቶም ሻቡ ተምሃሮ ዝነበሩ ይስማዕ እዩ።



እዞም ተምሃሮ ብዝነበሮም በሊሕ ተሳትፎን ንቕሓተ ሕሊናን ነቲ ስርዓት ወያናይ ዲሞክራስን ናይ ስልጣን ሓይልን ግልፂ ሓደጋ ነይሮም። ብመሰረቱ ውን እቲ ዝነበሮም ብልሒ ብንእስነት ትዓጂቡ ህፀፃት ስለዝነበርዎም ንተጋድልቲ ከምዘይተምሃሩ ዝቖፅሩን ቀፃሊ ስልጣን ናናቶም ከም ዝኾነ ደጋጊሞም ይዛረቡ ብምንባሮምውን እዞም ትምሃሮ ክቕፅሉ ኣይተደለየን። ስለዝኾነ ናብ ኣሃዱታት ክብተኑ ተገይሩ።

1.2 ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ብርኪ ቃላሚኖ!

እዚ ትካል እንትምስረት ቁንፅል(one sided) ዕላማ ሒዙ ዝተልዓለ ይመስለኒ። ምኽንያቱ መራሕትናን ግዱሳት ወገናትን ቃላሚኖ እንትሓስቡ ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ጥራይ በላሕቲ ክኢላታት ንምፍራይ ጥራይ ዝዓለመ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ።እዚ ድማ ነተን ሻቡ ዝተፈጠራ ትካላት ትእምት ግብኣት ክኾኑ ብምሕሳብ። ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ተፍጥራዊ ብልሑ ብፍሉይ ትሓብሒቡ እንተተማሂሩን ትዓሊሙን ካብቲ ዝተምሃሮ ንዓቐብ ምሕሳቡ ኣይተርፍን። ብርግፅ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ በቲ ትፅቢት ዝተገበረሎም ሳይስን ቴክኖሎጅን ውን ዘርውይ ስራሕ ሰሪሖም ካብ ውሽጢ ዓዲ ክሳብ ዓለም ለኻዊ ተፈለጥቲ እዮም። ንሃገርናን ክልልናን ውን ዘይትካእ ሞያዊ ኣስተዋፅኦ ዝገብሩ ዘለዉ ምዃኖም ዋላ ሓደ ዘይክሕዶ ሓቂ እዩ።

ይኹን ደኣምበር እዞም በላሕቲ ተምሃሮ ፣ ንዛ ዘለናላ ፖለቲካ ትግራይ ካብ ብጉሓቱ(ተምሃሮ እናሃለዉ ከይተረፈ) ብናይ ባዕሎም፡መነፀር ካብ ምርኣይ ንድሕሪት ኣይበሉን። ተረርቲ በዳህቲ ሕቶታት ምልዓልን ሓለሓሊፉ ድማ ብፍላይ ሎሚ ናብ ተቓውሞ ምስግጋሮም ግልፂ እዩ። እዚ ንታ ውድብ ብፍላይ ድማ ንቲ ወያናይ ዲሞክራሲ እንኮ ናይ ድሕነት መንገዲ እዩ ዝብል ናይ ፖለቲካ ድውይ ኣዝዩ መሰንበዲ ነይሩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ክሳብ ኮሌጅ(MIT) በፂሑ ዝነበረ ቃላሚኖ ከም ጋሳ ኣብ ዝበቖሎ ክብስብስ ተገይሩ።

1.3 ማእኸል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ

ንዓይ ከም ትግራዋይ ማእኸል መሰልጠኒ ኣግበ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ወያነን ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖን እዩ። ምኽንያቱ ሓደ እዚ ትካል ኣካለ መጠን ዝበፅሑ መናእሰይ እዩ ዘሰልጥን። ንፍረ ዝበቕዑ ማለተይ እየ። እዞም ንፍረ ዝበቕዑ መናእሰይ ክተሰልጥን ከለኻ ኩለመዳይ ስልጠና ክትህብ ቀሊል እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ትኽክለኛ ናይ ዕድመ ደረጃ እዩ። ከም ዝርድኣኒ ኣብ ኣግበ ብዙሓት ስልጠናታት ክትህብ ትኽእል ኢኻ እዩ። ይግባእ እውን።
ብዋናነት ነቲ ስራሕ ስኢኑ ተስፋ ቆሪፁ ኣብ እንዳ ሱስ ተሓቢኡ ዝውዕል ዘሎ መንእሰይ ኣካላዊ፣ ስነ ልቦናዊ ፣ መንፈሳዊ ስብእንኡ ዝተስተኻኸለ መንእሰይ ክትቐርፅ የኽእለካ።

እዚ ማለት ወግሐ ፅብሐ ብስፖርት ክህነፅ እዩ። ቀፂሉ ድማ ጥርናፈን ውድባዊ ወይ ማሕበራዊ ዲሲፕሊን ከጥሪ ብመዓልታዊ ገምጋም እናኮስኮስካ ናብ መስመር እተእትወሉ ከይዲ ስልጠና እዩ። ካብዚ ቀፂሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ክለባት ተሓቚፉ ዝተፈላለዩ ጎናዊ ክእለታት ከማዕብል ዝሕግዝ ዓብዪ ዓውዲ ስልጠና እዩ። እዚ ማለት ብግጥሚን ስነ ፅሑፍን፣ ብስእልን ቅርፃቅርፅን፣ ብሙዚቃን ስፖርትን ዝመሳሰሉን ዓውዲታት ውሽጣዊ ፀጋታቱ ከውፅእ ይሕግዞ።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ጥርኑፍ መንእሰይ ኩነታት ሃገሩን ክልሉን ኢሉውን ኣህጉርን ዓለምለኻዊ ወድዓዊ ኩነታትን ክተምህሮ ቀሊል እዩ። ጉዳይ ማሕበራውን ማሕበራዊ መሰረቱ ፣ ጉዳይ ታሪኽን ፖለቲካን ትግራይ፣ ጉዳይ መፃኢ ዕድል ትግራይ፣ ጉዳይ ህላወ ትግራይ ኣብ ትኣፋፊ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓፂሩ ብሓፂሩ ክተምህሮ ቀሊል ይኸውን። ምስዚ ተኣሳሲሩ ብመልክዕ ወታሃደራዊ ቁመና ክቕረፅ፣ ኣሰላልፋ፣ ተፃዋርነት፣ ምስጢር ዓቃቢነት፣ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ፣ ውድባዊ ኣተሓሳስባ ፣ መኸተ ኣንፃር ፅቡቕና ዘይደልዩ ወገናት፣ ቃል ኪዳን ዓዲ ኣቦ(ትግራይ) ንመላእ ሕ/ሰብ ምግዳስን ስለህዝቢ መስዋእቲ ምዃንን ከምኡ ድማ ሓቢርካ ሰሪሕካ ሓቢርካ ናይ ምዕባይን ብሓባር ዓዲ ኣብ ምልማዕ ኩለመዳይ ኣተሓሳስባኡ ብውነ እትቐርፀሉ እንኮ መሰልጠኒ ትካል እዩ።

ብዋናነት ድማ እቲ መንእሰይ ብTVET( ኢደ ጥበብ) ኢዱ ከፅርይ ጥራይ ተይኮነስ ኢደ ሰሎሞን(specialize ገይሩ) ኮይኑ ክወፅእን ኩሉ መንእሰይ ካብቲ ዝነበሮ ደንበርበር ወፂኡ ኣሻሓት ናይ ስራሕ ዕድላት ምህላዎም ክፈልጥን ሓዱሽ ስራሕ ዘፍጥር ቁመና ሒዙ ክወፅእን ይሕግዝ። ዋላኳ እዚ ጉዳይ መንግስቲ ብTVET ይሽፍኖ ኣለኹ እንተበለ ፣ ብናተይ እምነት እቶም ኣብ TVET ዝሰልጠኑ ወገናት ውን መሊሶም ኣግበ እንተሰልጠኑ እዮም ንፍረ ዝበቕዑ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ስለዝኾነ እዩ ኣግበ ጀሚሩ ክሳብ ዝዕፆ ዘሰልጠኖም ወገናት ሕጂ ዓበይቲ ኮንትራክተራት፣ መሃንዲሳት፣ ሓለፍቲ ቤት ዕዮታት፣ ናይ ስራሕቲ ህንፃ ፎርማናት ፣ ኣብ ከተማ ልምዓት ላዕለዎት ክኢላታትን ሓለፍትን ከምኡ ድማ ዓበይቲ ናይ ፀፅታን ፖሊሳዊ ስራሕቲ ሰበስልጣናት ኮይኖም ዘለዉ። ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ግድባት ሳርትን ማረትን ዓብዪ ግደ ካብ ዝነበሮምን ሕጅ ውን ካብ ዘለዎምን እዞም ኣግበ ኣብ ዝተፈላለየ ዙር ዝሰልጠኑ ወገናት እዮም። ከምዝርድኣኒ እንተኮይኑ ፣ እቶም ኣግበ ዝሰልጠኑ ክሳብ ሕጂ ብስነ ልቦናኦምን ማሕበረሰብብዊ ውግንናኦምን ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ግን ድማ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ኣግበ ውን ክዕፆ እዩ ተገይሩ።

2) እቲ ውድብ ደርጊ ካብ ምድምሳስ ዝሓለፈ መሰረታዊ ዕላማን ሽቶን ብዘይምሓዙ ዝመፀ ፀገም ይመስለኒ። እዚ ውድብ ደረጊ ምስ እሸነፈ ዕዮ ገዛኡ ዝወደአሞ ውድብን ወያናይ ዲሞክራስን ንዘልኣለም ከም ንጉስ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ዝቕፅል ስለዝመስሎ ንዞም ብቓልሱ ዝፈጠሮም ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታትን ፣ ትካላት መመንጨዊ ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታትን ብጎቦ ዓይኑ ክርእይ ባህርያዊ ኮይኑ።

3) ኣብዚ ውሽጢ እቲ ውድብ ዝተፈጠረ ናይ ስልጣን ህረፍ ዘለዎ ሓይልን ንዕኡ ስዒቡ/ተፀጊዑ ዝተፈጠረ ሓይሊ ዓመጥመጥን ፤ እቲ ሓደ ንስልጣኑ ክብል እቲ ካልእ ድማ ንከብዱ ክብል ፣ ወይ ንስልጣን ወይ ድማ ንከብዲ ዕንቅፋት ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከኽስም ምቅላሱ ባህርያዊ እዩ። ውፅኢቱ ውን ነዛ ሕጂ ዘላ ትግራይ ህያው ገይሩ።
ወዘተ………

ብሓፈሻ እዞም ኣብ ቁፅሪ ሓደ ዝተጠቐሱ ወሰንቲ ስለስተ ትካላት ብባህሪኦም መስርሕ ምትኽኻእ መሪሕነት ትግራይን መውሓሲ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ልምዓት ትግራይን እዮም ነይሮም። እዚኦም ብታ ውድብ ዘቕረበትሎም እንኮ መንገዲ ወያናይ ዲሞክራሲ ዘይኮነስ ብውልቃውን ወለንታውን ናይ ምልከታ ኩርናዕ፣ ብትካላዊ ኣተሓሳስባ(ኣብነት ቃላሚኖ ከም ቃላሚኖ) ፣ ብዕድመ ክልልን ምልውዋጥ ዓለም ለኻዊ መስተጋብርን ዝግናሕ ሓዱሽ ኣረኣእያ፣ ምርጫን ዝንባለን ወገናት ክኸዱ ባህርያዊ እዩ። እቲ ዘይባህርያዊ ዝኸውን ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን ውን ዝስሓቶ ፣ እቲ መስርሕ ምትኽኻእን ለውጢ ኣተሓሳስባን ኣብ ውሽጢ ሓፁር ውድብ ህወሓትን ኣተሳስባ ወያናይ ዲሞክራሲን ጥራይን ጥራይን ገይርካ ምውሳድ እዩ።

ክሳብ 87 ዓመቶም ኣብ ላዕለዋይ ናይ ስልጣን ፀፍሒ ንሰብ ፀጋ ዕድመ ዘፅነሐት ውድብ ፣ ናይ ጥሮታ መስርሕ ኣለኒ እንተ በለት ብጣዕሚ እዩ ዘገርም። ከይዲ መስርሕ ምትኽኻእና ክሰምር እንተደኣኮይኑ በቢ ዓውዱ በቢ ዘፈሩ ነፂርካ መንእሰይ ዜጋ ክምሃር፣ ተመኩሮ ክቐስም ምግባር ምተገበአ። እዚውን ነቲ ወያናይ ዲሞክራሲ እንተቐፀሎ ሻነ፤ ሓዱሽ ኣትውሓሳስባ እንተወለደ ድማ ዝበለፀ ዝብል ኣተሓሳስባ እንተሃልዩ ፣ ወድብ ህወሓትን ውድብ ዓረናን ይቕፅላ ዶ ኣይቅፅላን ዝብል እኳ እንዘይፈለጥና ትግራይ ግን ኣብ ሃዲድ ምዕባለ ኣትያ ብኹሉ መዳይ ከም እትሕምበብ ርግፀኛታት ኢና። እቲ ቀንዲ ዛዕባ ንውድብ ዝሕለቕ ምሁር ዶ ፈጢርና ዘይኮነስ ንትግራይ ቅድሚት ዝስዋእ ዲና ኣፍሪና ዝብል እዩ ክመፅእ ዘለዎ።

ስለዝኾነ ክቡር ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚክካኤል ከም ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘይኮነስ ከም ምክትል ር/ምምሕዳር ብሄራዊ መንግስቲ ትግራይ(ርእሰ ብሄር ብሄረ ትግራይ) መነፅርካ ካብታ ውድብ ወፂኡ ነቲ በታናይን መንጠብጠባይን ኣተሓሳስባ ማሌሊት ንጎኒ ገዲፍካ ዕድል መፃኢት ትግራይ ኣብ እነውሕሰሉን ኩሉ ትግራዋይ ብትግራዋይነቱ ዝዓስለሉን ኣንፈት እንተተኮርካካ እዩ ግርም ዝብል እምነት ኣለኒ።
( ወዲ ገረብ ፃና )
( ካብ ገረብ ፃና )

ህወሓት ሕዚ’ውን ሕልሚ ህዝቢ ትግራይ ንዝወልደሉ ሕማም ሕርሲ ይፈርሕ’ዩ ዘሎ !!

 

ከም ናተይ እምነት ኢህወደግ ኣብ ዝሰመረ መትከል የለን ፡፡ ኣብ ውሻጠ ኣሓት ውድባቱ ዝነበረ ምትእምማን መሊኡ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ እዩ ዝብል እንተሃልዩ የዋህ ሰብ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል ፡፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ንምእኹልነት ኢህወደግ ዝተኸተሉ ፡ ንእምነታትን ባህርያት ኢህወደግ ዘይለቐቑ እዮም ምባል እውን ዝከኣል ኣይመስለንን ፡፡

ብምኽንያት 20 ግንቦት ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓደ ካብ መስረቲ ህወሓት ዝኾኑ ተጋዳላይ ስዩም መስፍን – ኣብ መንጎ ኣባል ውድባት ኢህወደግ ኣፈላላይ ከምዘሎ ሕዚ’ውን ነገራት ንቡር መልክዖም ንኽሕዙ ቃልሲ ይቕፅል ምህላው ድሕሪ ምሕባር ንኢህወደግ ሓደጋ ምስንጣቕ ክገጥሞ ከምዝኽእል እውን ተዛሪቦም እዮም ዋላ’ኳ ተስፍኦም ከምኡ ክኸውን ከምዘይደልዩ እንተስመሩሉ።

ስለዚ እቲ ሃገራዊ ኩነታት ምስ ህላወን ጥንካረን ኢህወደግ ዝተኣሳሰር ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ ብዛዕባ ፅባሕን ድሕሪኡን ሰናይ ተተንቢኻ ኣስተርሒኻ እትድቅሰሉ እዋን ዘይምህላውና ምግንዛቡ ፅቡቅ’ዩ ዝኸውን።

እቲ ብህዝቢ ትግራይ ተሓብሒቡ ዝባፅሐ ብኣዴን እኳስ ሕዚ’ውን ኣብ ልዕሌና ብስፍሓት ዘመተ ቂምን ፅልእን ዘካይደሉ ዘሎ ኩነታት ፅባሕ ናበይ ዘምርሕ ሳዕቤን እዩ ኾን ክህልዎ ምምላሱ ከቢድ እዩ።

ስለዚ ውሽጣዊ ጥዕና ህወሓት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን የገድሰና ኣሎ እንብለሉ ምኽንያት ገና ኣዝዩ ተኣፋፊ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ስለዘለና እዩ ፡፡

ህወሓት ፀገመይ ፈቲሸ ረኺበዮ እየ ዝብለና ዘሎ ከክንዲ እምባ ዝኸውን ፀገማት ዘለዎም ሰባት ገና ኣብ ሕቑፉ እናሃለው ስለዝኾነ ሰኸፈትና ኣይተቐንጠጠን ፡፡

ሕዚ ብጭቡጥ ምስ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታትን መድረኽን ዝምጥን ርሑቕ ዝኣመተ ዝሰመረ መርገፂ ዝሓዘ መሪሕነት ኣለና ድዩ ? ህዝቢ ዝኣመነሉን ዝዓገበሉን ለውጢ ዲና ነረጋግፅ ዘለና ? ጉዳይ መስመር ዶስ ጉዳይ ክብሪ ሰባት እዩ ዝቅድም ዘሎ ? ብዘተኣማምን መንገዲ እንተዘይተፈቲሾም ይትረፍ ኣብቲ ፈታኒ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ገዛእ ውሻጠና እውን ክንፅገም ይመስለኒ ፡፡

ስለዚ ህወሓት ነዚ ሃገራዊ ኩነታት ዝምጥን ኣተሓሳስባ ዘንሸራሽር መድረኻት ትፍጠር ፡ በሊሕን ሰዓራይ ዝነፀረን ምቅልላስ ተካይድ ፡ እዚ ናይ ሕዚ ቁመና መሪሕነት ነቲ ብደረጃ ሃገር ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ብብቅዓት ዝሰግረሉ ዝሰመረ ኣረኣእያ ዝሓዘ ምኳኑ ደጋጊማ ተረጋግፅ።

ከም ናተይ ጥርጣረ ህወሓት ሕዚውን ባህግን ሕልምን ህዝቢ ትግራይ ክትገላገለሉ ንእትኽእል ሕማም ሕርሲ እትፈርሐሉ ኩነታት ይዕብልላ እዩ ዘሎ ፡፡ ንውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ብዘየማትእ መንገዲ ረቲዑ ነቲ ኣብ ሓጎፅጎፅ ዘሎ ናይ ኢህወደግ ኮነ ሃገርና ጉዕዞ ዝምጥን ቁመና እትፈጥረሉ ድፍረት ይንእሳ ዐሎ ኾይኑ ይስምዓኒ ፡፡

ህዝቢ ዝፅመመሉ ዝዕገሰሉ ፅባሕ ዶኾን ዝብለሉ ዘሎ ኩነታት ትኽክለኛ ትርጉም ሂብካ ፡ ንዑኡ ዝምጥን ቁመና ክትሕዝ ዘይምኽኣል ሓደግኡን ሳዕቤኑን ከቢድ ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ሃመይን ቀልበይን መልሱለይ ተፊአኩም’የ በቃ ዘብልን ክኸውን ከምዝኽእል ምእማኑ ግርም’ዩ።

( ዮሴፍ ኪዳነ)

ናይ ትእምት ኣወዳድባን ቀፃሊ ስትራቴጂን ብዝምልከት ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ !!

ሓሳብና ናይ ውልቀ ካፒታል ኣብ ዘይደንፍዐሉን ውልቃዊ ትካላት ኣብ ዘይማዕበለሉ ኩነታት ትእምት ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚ ትግራይ ወሳናይ ግደ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ዝብገስ ኢዩ፡፡ ብተወሳኺ ትእምት ዝተጣየሸትሉ ዕለማ ካብ ምርዳእን ብዝበለፀ ብርኪ ክፍፀም ዘለና ድልየት መበገሲ ዝገብር ኢዩ፡፡ ትእምት ብሕጊ ውድድር ዕዳጋ ክትምራሕ እምበር ክትለምስ ኣይንደልን፡፡ ሃፍቲ ምውፋርን (ኢንቬስትመንት) ዕዳጋን ትግራይ ንኹሉ ክፍትን ተበፃሕን ክኾን ኣለዎ፡፡

ብውልቀ ሰባት ስም ክህሊ ዝኽእል ናይቲ ውድብ ገንዘብ ናብ ትእምት ክህገር (endowed ክግበር) ይግባእ፡፡ ምናዳ እቲ ውድባዊ መሪሕነት ኣብ ምትፍናንን ኣብ ምፍንጫልን ኣብ ዘለሉ እዋን እቲ ገንዘብ ባኺኑ ከይተርፍ ናብ ናይ ትእምቲ ኻዝና ክኣቲ ኣለዎ፡፡

1. ዕላማታት ትእምት፡

 ውለቀ ሰብ ሃፍቲ ክዋፈርሉ ኣብ ዘይኽእሉ ስትራቴጂካዊ ዘፈር ሃፍቲ ምውፋርን መፍረይቲ ትካላት ምጥያሽን ፣

 ብቐረብን ብመሸጣን ምስ ናይ ትእምት ትካላት ብምትእስሳር ሃፍቲ ትግራይ ምፍራይን፣ ትካላት ትእምት ዝተዋፈራሉ ዘፈር ክመርሑን ክሽፍኑን ዘኽእል ዓቕሚ ምስ ፈጠሩ ትካላት ትእምት ሸይጥኻ ኣብ ካሊእ ስትራቴጂካዊ ስራሕቲ ምውፋር፣

 ካብ ናይ ትእምት ትካላት ዝርከብ ትርፊ ብምውህላል ኣብ ልምዓት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ክውዕል ምግባር፣

 ምስ ዘመናዊ ኣሰራርሓን ቴክኖሎጅን ብምልላይ ንትግራይ ዝጠቅም ብቕዓት ዘለው ሓይሊ ሰብ ምፍራይ፣

 ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ተመለላእቲ ትካላት (backward and forward linkage) ምፍራይ፣

2. ኣወዳድባ ትእምት (ንሓዋሩ ክኾን ዘለዎ)

ትእምት ኣብዚ እዋን ዘለዋ ንፁር ሕጋዊ ባይታ ዘይብሉን መሪሕነት ወለድ ብኽነት( Management inefficiency) ዝፈጥር ዘሎን ኣወዳድባ ወፂኣ ዳግም ናይ ኣወዳድባ ምትዕርራይ ክትግብር ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለና፡፡ ብዚ መሰረት፡

2.1. ቤት ምኽሪ ትእምት
ቤት ምኽሪ ትእምት ከምብሓዱሽ ክጣየሽ ኣለዎ፡፡ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ናይ ትእምት ፖሊሲን ኣፈትን ምውሳን ኮይኑ፤ ኣባላት ቤት ምኽሪ ድማ፡

 ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ
 ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ
 ቤት ፅሕፈት ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ
 ናይ ኩለን ዞባታት ትግራይ ኣማሓደርቲ
 ዩኒቨርሲታትን ተፈለጥቲ ውልቀ ምሁራትን
 ማሕበር መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ሓሮስቶት ትግራይ
 ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት
 ዓበይቲ ዓድን ሃይማኖታዊ መረሕትን፣
 ማረት፣ ማልት

እዙ ዳግመ ውደባ ዋንነት፣ ኣንፈት፣ ምትሕግጋዝን ሓልዮትን ይፈጥር፤ ከምእውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ክህሊ ዝግባእ ርክብ የነፅር፡፡

2.2. መሪሕነት ቦርድ፡

እቲ መሪሕነት ቦርድ ስትራቴጂካዊ ትልምታት ዝውስን፣ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ዝህብን ምውፋርን ምሕደራን ሃፍቲ ትእምት ዝውስንን ዝቆፃፀርን፣ ኣብ ልምዓት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ክውዕል ዘለዎ ሃፍትን ዝውንን ኣፈፃፅምኡ ዝከታተልን፣ ወዘተ፡፡

ኣባላት እቲ መሪሕነት ቦርድ ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትእምት ይምረፁ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈርን ትምህርትን ልምድን ዓቕምን ዘለዎም ናይ ምሁራት ኣመኸርቲ ቦርድ የጣይሽ፡፡

2.3. ፈፀምቲ ኣካላትን ማሓውራትን

ፈፀሚ ኣካል (Executive Leadership/Management) ትእምት እዞም ዝስዕቡ ኣወዳድባን ማሓውራትን ይህልውዎ፡፡

ሀ. ምሕደራ ሃፍቲ ትእምት (Asset Management)፡

ናይቲ ግብረ ሰናይ ስራሕተን ሓላፍነትን፡

 ዝሰሰነ ሃፍቲ (ዝዋህለለ Dividend) ትእምቲ ኣበይ ክዋፈር ከምዘለዎ ካብ ኢንቬስትመትን ቢዝነስ ዴቬሎፕመንትን ዝቐርበ ፅንዓት መሪሕነት ቦርድ መሚዩ ምስ ወሰነሉ ይፍፅም፣ የዋፍር

 ሃፍቲ ትእምት ምምሕዳር፣ ናይ ትእምት ኣክስዮን (share) ኣብ ዘለዎን ትካላት ንትእምት ይውክል፣ ሰሰን (Dividend) የወህልል፣

 ኣብ ልምዓት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትግራይ ዝውዕል ሃፍትን ዘፈራትን ናይ ውሳነ ሓሳብ ዓቕሪቡ ምስ ፀደቐሉ የተግብር፣

 ሒሳብ ባንኪ ይኸፍት፣ ይቆፃፀር፣ ንቦርድ ሪፖርት የቕርብ፣

ለ. ኢንቬስትመንትን ቢዝነስ ዴቬሎፐመንትን(Investment and Business Development)

እዙ ማሓውር ኢዙይ፡

 ሃፍቲ ትእምት ዝዋፈረሉ ስትራቴጂካዊ ዘፈራት ቢዝነስ የፅንዕ፣

 ምስ ናይ ደገን ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ሃፍቲ ሓባራዊ ስራሕቲ (Joint Venture) ንምስራሕ ርክብ ይገብር፣ ይደራደር፣

 ትእምት ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ኣፍሪያ ዓቕሚ ኣብ ዝፈጠሩሉ ዘፈራት ዋንነታ (ኣክስዮን) ሸይጣ ዝትወፅአሉ፣ ወይ ዋንነት ትንክየሉ ኩነታት የፅንዕን ትልሚ ይሕንፅፅን፣

 ሓደሽቲ ናይ ቢዝነስ ሓሳባት፣ ሞዴላት የፈልፍል፣ ፕጄክት ይኽንፅፅ፣

ሐ. ምሕደራ ፕሮጄክት (New Projects under construction/establishment)

እዙ ማሓውር ኣብ ህንፀት ዘለው ትእምት ሃፍቲ ዘዋፈረትሎም ፕሮጄክትታት የመሓድር፣

3. ትእምት ሃፍቲ ዘዋፈረትለን ኣብ ስራሕ ዘለዋን ሓደሽቲ ዝጣየሻ ትካላትን

3.1. ኣብ ስራሕ ዘለዋ ትእምት ሃፍቲ ዘዋፈረትለን ትካልት

ትእምት ኣብ ዝእዋን ሙሉእ ብሙሉእ ሃፍቲ ዘዋፈረትለንን ዋንነት (Share) ዝኣተወትለትን ትካላት ኣለዋኣ፡፡

ሀ. ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ትእምትን ሃፍቲ/ዋንነት ዝተጣየሻ ትካላት ብዝምልከት፡

 እተን ትካላት ካብ PLC ወፂአን ከምቀደመን ናብ Share Company ክልወጣ ይግባእ፣ምዝገባ ንግደንን ዋና ቤት ፅሕፈተንን ኣብ ትግራይ ይገብራ/ናብ ትግራይ የዝራ፣

 እተን ገዘፍቲ ዝኾና ዝተመዝገበ ካፒታለን ዋነነተን 25 ካብ ምኢቲ ንተጋሩ (ውልቀ ሰባት ሓዊስካ ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ እውን ዋንነት ክዕድጉ ይኽእሉ)፣ 25 ካብ ምኢቲ ድማ ንምምሕዳር ክልል ትግራይ ክመሓለፍ ወይ ክሽየጥ ኣለዎ፣

 እተን ንእስ ዝበላ 50 ካብ ምኢቲ ዋንነተን ንተጋሩ ውልቀ ሰባት፣ 25 ካብ ምኢቲ ንክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሻጥ፣

 እተን ትካላት ብናይ ባዕለን ቤት ምኽርን መሪሕነት ቦርድን ይመሓደራ፣ ትእምት ብዝህልዋ ዋንነት መጠን (በዝሒ ኣክስዮን) ኣብ ቦርድን ቤት ምኽርን ቦታ ይህልዋ፡፡ እቲ ቦርድ ናይ ትካል መሪሕነት (ፈፃሚ ኣካል) ይምድብ፣

ናይዚ ኣካይዳ ረብሕኡ፡

 ትእምት ኣብ ስትራቴጂካዊ ዘፈራት ንክትዋፈር ካብ መሸጣ ዋንነት(ኣክስዮን) ገንዘብ ትረክብ፣

 ትካላት ትእምት ናይ ዋንነት ፀገም ስለ ዘይህልወን ብኽነትን ምዝበራን ይንኪ፡፡ ዋንነቱ ዘይነፀረ ናይ ትእምት ምሕደራ ንብኽነትን ምዝበራን ዝተቓልዐ ኢዩ፤

 ትካላት ትእምቲ ብፀረ ትግራይ ሓይልታት ዒላማ ከይኾና ህዝባዊ መሰረት ይህልዎን

 ተጋሩ ሓቢርካ ናይ ምስራሕን ሃፍቲ ምስሳንን ልምዲ የጥርዩ፣

 ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ የፍሪ፣ ተጋሩ ሰብ ሃፍቲ ምስ ዘመናዊ ትካላዊ ስርዓትን ኣሰራርሓን ይላለዩ፣ ልምዲ፣ ክእለትን ፍልጠትን ምሕደራ ትካላት የጥርዩ፣ ትካል ተልይዎም ናብኡ የላግብዎ፣

ለ. ትእምት ዋንነት (ኣክስዮን) ዝኣተወትለን ትካላት፣

ትእምት ኣብ ካልኦት ትካላት ብባዕላን ብትካላታን ዝኣተወቶ ዋንነት (ኣክስዮን) ጠቕሊላ ክትድሕዞን፣ ምሕደርኡ ከምዘሎ ክትቕፅለሉን ትኽእል፡፡

3.2. ሓደሽቲ ስትራቴጂካዊ ትካላት ምጥያሽ፣

ትእምት ክልተ ዓይነት መጠን ዋንነት (ኣክስዮን) ዘለዎ ምስ ናይ ደገ ሰብ ሃፍቲ ሓባራዊ ትካል (Joint Venture) ክተጣይሽ ትኽእል ኢያ፡፡

ዓይነት ሓባረዊ ትካል (Joint Venture) ሓደ፡
25 ምኢታዊ ተጋሩ፣ 30 ምኢታዊ ትእምት፣ 45 ምኢታዊ ናይ ወፃኢ ትካል፣

ዓይነት ሓባረዊ ትካል (Joint Venture) ክልተ፡

20 ምኢታዊ ተጋሩ፣ 25 ምኢታዊ ትእምት፣ 55 ምኢታዊ ናይ ደገ ትካል/ሰብ ሃፍቲ

ናይዚ ኣካይዳ ረብሓ፡

 እቶም ናይ ደገ ትካላት ወይ ሰብ ሃፍቲ ቴክኖሎጂ፣ ዘመናዊ ናይ ኣሰራርሓ ስርዓትን ክእለትን ሒዞም ስለ ዝመፅኡ ኣብኡ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ተጋሩ ምስ ዘመናዊ ኣሰራርሓን ቴክኖሎጅን ይላለዩን ይብቕዑን፣ ዓለም ለኻዊ ንግዲ ይለምዱ፡፡ ብቑዕ ሰብ ሓይሊ ምፍራይ ዕላማ ትእምት ድማ ይሳኻዕ፣

 ትእምት ገዘፍትን ተወዳዳርትን ትካላት ብምፍጣር ኣብ ትግራይ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለን ለውጥን ኣብ ምምፃእ እጃምኣ ትዋፃእ፣ ተመላላእቲ ትካላት ይሰሓቡ፣

 ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ይፈርዩን ትካል ምጥያሽን ሓቢርካ ምስራሕን ልምዲ የደንፍዑ፣

 ትእምት ኣብ ምዕባለ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ተዋፍሮ ሃፍቲ ይስስን፣

( ግዱሳት ተጋሩ )

የትግራይ ህዝብ ትግልና የኢትዮጵያ ህዳሴ !!

በዛዲግ አብርሃ

( በሚኒስትር ዴኤታ ማዕረግ የዴሞክራሲ ስርዓት ግንባታ ማዕከል )

I. መግቢያ

የድህነት ዘበኛና የሰላም የዴሞከራሲና ልማት ፀር የነበረውን የደርግ አገዛዝ አስወግዶ፣ የኢትዮጵያን ህዳሴ አስተሳሰብ የቀመረ፣ ያሰረጸና የኢትዮጵያን ህዳሴ በስኬት ጐዳና በማስጓዝ ላይ የሚገኘው በህወሓት የሚመራ የትግራይና የሌሎች የአገራችን ህዝቦች ትግል እነሆ 4ዐኛው ዓመቱን አስቆጠረ፡፡ የዛሬ 40 ዓመት በጥቂት ታጋዮች የተጀመረውና ዕልፎችን በመስመሩ ዙሪያ አሰልፎ ለድርብርብ ድል ያበቃው የህወሓት የትግል ሂደት መራራና ሊታለፍፉ የማይችሉ የሚመስሉ ፈተናዎችን በማለፍ በፀረ-ፋሽስቱም ሆነ በፀረ-ድህነት ትግሉ ለድል የበቃው ከመሠረቱ መነሻና መድረሻው ጥርት ብሎ በተለየ ህዝባዊ መስመር በጽናት በመጓዙ ነው፡፡

ሀገራችን ኢትዮጵያ በህዳሴ ጎዳና በስኬት በመጓዝ ላይ ባለበችት በዚህ ወቅት የሚከበረውን 40ኛውን ዓመት የህወሓት የምስረታ በዓል መነሻ በማድረግም የትግራይ ህዝብ ትግልና ትግሉ ለኢትዮጵያ ህዳሴ ያበረከተውን አስተዋጽኦ በዚህ ፅሑፍ በአጭሩ እንቋደሳለን፡፡

II. የትግራይ ህዝብ ትግል

2.1 የትግሉ መነሻዎች

ለሰብዓዊና ለዴሞክራሲያዊ መብቶቹ በጽናት የሚታገል ህዝብ ባለቤት የሆነችው ትግራይ የኢትዮጵያ ታሪክና ሥልጣኔ መሠረት ነበረች።የኢትዮጵያን ታሪክ ወደኋላ መለስ ብለን ለመቃኘት ስንሞክር የኢትዮጵያ ቅድመ ሥልጣኔና ትግራይ ከፍተኛ ቁርኝት እንደነበራቸው በቀላሉ አንረዳለን። የዘመነ አክሱም ሥልጣኔ፣ ታሪካዊውና አስደማሚው የአክሱም ሀውልትና ተያያዥ የሥልጣኔ መገለጫዎች የትግራይን የቀዳሚ ሥልጣኔና ታሪክ ምንጭነት አፍ አውጥተው የሚመሰክሩ ዓብይ ማስረጃዎች ናቸው፡፡

ከሥልጣኔ ምንጭነትና ቀዳሚነት ባሻገርም ትግራይ የሀገራችን ታላላቅ ሃይማኖት ከሆኑት ክርስትናና እስልምና ጋር ያላት ታሪካዊ ቁርኝትም ትግራይ የታላላቆቹ እምነቶች ማዕከል እንደነበረች የሚመሰክሩ ናቸው። የንግስት ሣባ፣ ለክርስትና እምነት መሠረት የጣሉት ዘጠኝ ቅዱሳን መቀመጫ የሆነችው ትግራይ የክርስትና እምነት በኢትዮጵያ ላደረገው መስፋፋት ትልቅ ሚና እንደነበራት ይታወቃል፡፡ የታቦተ ጽዮን ማረፊያ እንደሆነች የምትታመነው የአክሱም ጽዮን ቤተክርስቲያንን ጨምሮ የክርስትና እምነት ዕውቀቶች መከማቻና የዕደ-ጥበብ ተዓምር የሚንፀባረቅባቸው የአብርሃም ወአጽብሃ ፣ የደብረ ዳሞና መሰል አብያተ ክርስቲያናት ምንጭና መገኛ መሆኗም ትግራይ እና የክርስትና እምነት ምን ያህል የጠበቀ ቁርኝት እንዳላቸውና የክርስትና እምነት በኢትዮጵያ ላደረገው መስፋፋት ከፍተኛ ሚና እንደነበራት የሚያረጋግጡ ናቸው፡፡

የእስልምና እምነት መሠረት የሆኑትና በእምነቱ ላይ በዓረብ ሀገራት የደረሰባቸውን መገፋትና ጭቆና ለመቋቋም የመጀመያዎቹ የእስልምና ተጓዞች /ሂጅራ/ መጠጊያ ያገኙትና ያረፉት በትግራይ ክልል ሲሆን ታላቁ የአል ነጃሺ መስጊድም በዚሁ ክልል መገኘቱ የትግራይና የእስልምና ሃይማኖት ቁርኝትን ከማሳየቱም በላይ ትግራይ የታላላቅ እምነቶች መሠረትነቷን አጉልቶ የሚያሣይ ነው፡፡ የእስልምና እምነት አስተምህሮ የመጀመሪያ ተጓዦች በዚያን አስቸጋሪ ወቅት በትግራይ መጠጊያና ከለላ ማግኘታቸው እስልምና አሁን ላለበት ደረጃ እንዲበቃ ቀዳሚውን ሚና መጫወቱን በሀገር ውስጥም ሆነ በውጭ የሚገኙ የእምነቱ አባቶች በየጊዜው የሚመሰክሩት ሀቅ ነው።

እነዚህ ሁኔታዎች የትግራይን የሥልጣኔ፣ የታሪክ፣ የእምነትና የኢኮኖሚ ማዕከልነት የሚያሣዩ ሲሆኑ ከዚህም ሌላ ቀደም ባሉት ጊዜያት ትግራይ የሠፋፊና አመቺ የሆኑ የእርሻ መሬቶች የተለያዩ የውሃ ምንጮችና በቂ የሚባል የዝናብ ውሃ ባለቤትም ነበረች።

በአንድ በኩል የውጭ ወራሪ ኃይሎች የኢትዮጵያን ሉዓላዊነት ለመጋፋት የሚያካሂዱትን ወረራ ለመመከት አንደ አድዋ ዓይነት በርካታ ጦርነቶች በትግራይ ምድር ሲካሄድ የትግራይ ህዝቦች በሀገር ውስጥ ፊውዳላዊና አምባገነናዊ ስርዓትንና ገዥዎችን በመቃወም በተለያዩ ጊዜያት በተደጋጋሚ ሲያከናውኗቸው የቆዩት የተራዘሙና ተደጋጋሚ ጦርነቶች የበርካታ አምራች ወጣቶች ህይወት ለመቅጠፍና የተፈጥሮ ሃብቶቿን ለማውደም በቅተዋል፡፡

ይህ ሁኔታ የትግራይን ክልል ነባራዊና መልካም ገጽታ በመቀየር ለምነቱን አጥቶ የተራቆተ አካባቢና ያገጠጡ ተራሮች መገኛ እንዲሁም የውሃ አካላቷ ደርቀው ሸለቆውና ሸንተረሩ የደረቁ የድንጋይ ክምችት ብቻ ሆነው እንዲቀሩ አደረገ። ይህ ሂደት ህይወቱን በግብርና ላይ የመሰረተውን የክልሉን ህዝብ ለአስከፊ ድህነት ዳረገው። ከዚህም በተጨማሪ የኢኮኖሚ፣ የሥልጣኔና የፖለቲካ ማዕከል የሆነችው ትግራይ ወደ ዳር እየተገፋች የሥልጣን ማዕከልነት በቅድሚያ ወደ ዛጉዌ ሲቀጥልም ወደ ጐንደርና ሸዋ እንዲያቀና ሆነ።በተለይም የሥልጣን ማዕከሉ ወደ ሸዋ መዘዋወሩን ተከትሎ አካባቢውን የሚያስተደድሩ ገዥዎችን ከዚሁ አካባቢ እንዲመደቡ በማድረግ የህዝቡን በራሱ ጉዳይ ራሱ የመወሰን መብት አሳጡት።

ከዚህም በባሰ የትግራይ ህዝብ ለሸዋ መኳንንትና ነገሥታት እንዲገብርና ብሄራዊ ማንነቱና ክብሩ ዝቅ እንዲል በማድረግ ለአስከፊ ብሄራዊና ኢኮኖሚያዊ ጭቆና ሊዳረግ በቃ። የትግራይ ህዝብ ወደ ዳር ከመገፋቱም በተጨማሪ የብሄራዊ ጭቆናም ሰለባ ነበር። ይህ ታላቅና ለማንነቱ ልዩ ክብር ያለው ህዝብ በአፍ መፍቻ ቋንቋው የመማርም ሆነ የመዳኘት ዕድል አልነበረውም። ማንነቱ ባህሉና ቋንቋው ተንኳሶና ዝቅ ተደርጐ በሀገሩ እንደ ሁለተኛ ዜጋ ሆኖ ለመኖር ተገዶም ቆይቷል፡፡

ለትግራይ ክልልና ህዝብ ኢኮኖሚያዊ ጭቆና መገለጫዎች እጅግ በርካታ ማስረጃዎችን በመጥቀስ ማሳየት ይቻላል። ለአብነት ያህል እንኳ ቅድመ 1983 በትግራይ ክልል የነበረው ኢንዱስትሪ ኩዊሃ የሚገኘውና በጣሊያን ዘመን የተቋቋመ አንድ አሮጌ የዱቄት ፋብሪካ ብቻ ነበር። የጤና፣ የንጹህ መጠጥ ውሃ ፣ የቴሌኮም፣ የኤሌክትሪክ ሃይልና የትምህርት መሰረተ ልማቶችም በከፍተኛ ደረጃ ዝቅተኛ የነበሩና የሉም ተብሎ በሚገለጽ ደረጃ የሚስተዋሉ ነበሩ። ለዚህ ትልቅ ክልልና ህዝብ አንድ የመምህራን ማሰልጠኛ ተቋም እንኳን አልነበረውም። ስለሆነም የክልሉ ተወላጆች በመምህርነት ለመሰልጠን እንኳን ደሴ ወይም ራቅ ወዳሉ ሌሎች የሀገሪቱ ክፍሎች ሊጓዙ ግድ ይል ነበር።

2.2 ትግላችንና የተጐናጸፍናቸው ድሎች
የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅቱ ህወሓት ሥር በመደራጀትና ከጭቁን የኢትዮጵያ ብሔር ብሔረሰቦች ድርጅቶች ጋር በመጣመር በከፈሉት አኩሪና መራር መስዋዕትነት የግፍና የጭቆና መንስዔና የሰላም ጸር የሆነውን የደርግ ሥርዓት በማንኮታኮት የሰላም መሠረትን ጥሏል፡፡ ይህ የጋራ ትግል አስከፊውንና የኢትዮጵያ ህዳሴ እንቅፋት የነበረውን የደርግ ሥርዓት ካስወገዱ በኋላም የዜጐች ሰብዓዊና ዴሞክራሲያዊ ሥርዓት በፈቃደኝነት ላይ የተመሠረተች ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ኢትዮጵያን ዕውን ለማድረግ ችሏል፡፡

በሀገራችን የመድብለ ፖርቲ ሥርዓት በመስፈኑና የዘመናት ችግር ሆኖ የኖረውን ብዙህነትን ያለመቀበል ችግር በመፈታቱ እንዲሁም የራስን ዕድል በራስ የመወሰን መብት እስከ መገንጠል የሚለው መብት ሙሉ ህገ-መንግስታዊ ዋስትና በማግኘቱ የግጭትና የብጥብጥ መንገዶችን ዝግ አድርጐ በሀገራችን ሰላም እንዲሰፍን አድርጓል፡፡ በአንድ ወቅት ለሀገራዊ ህልውናችን የስጋት ምንጭ ተደርጐ ይወሰድ የነበረው ኦነግ በአሁኑ ወቅት ህልውናው ያከተመለት ደረጃ ላይ ከመድረሱም በላይ አስፈሪ ተደርጐ ይታሰብ የነበረውንና በእኩይ ተግባሩ የሶማሌ ክልልን ሰላም ሲያደፈርስ የቆየውን ኦብነግን ከመንደር ጐረምሣነት በዘለለ የሀገርን ህልውና የሚያናጋ ኃይል እንዳይሆን ማድረግ ተችሏል፡፡

በኢትዮጵያ ሰፎኖ የቆየው ፊውዳላዊ ሥርዓት የአርሶ አደሩን የመሬት ባለቤትነት አሳጥቶ በጭሰኝነት ዘመናትን እንዲገፋ ከማድረጉም በላይ ምንም ዓይነት ካፒታልን ያላከማቸ መሆኑ የሀገራችንን ልማት ወደ ኋላ በማስኬድ ለድህነታችን ትልቅ አስተዋጽኦ አበርክቷል፡፡ ይኸንን ፊውዳላዊ ሥርዓት የተካው የደርግ መንግስት ደግሞ በመሬት ላራሹ ስም አርሶ አደሩን የመሬት ባለይዞታ ቢያደርግም ያመረተውን ምርት በፈለገው ሁኔታ እንዳይሸጥ ኢኮኖሚያዊ ጫና በመፍጠርና ራሱን ገዥ በማድረግ የአርሶ አደሩን ኢክኖሚያዊ ተጠቃሚነት አፍኖ ለከፋ ድህነት ዳርጐታል፡፡

ይኸ አምባገነናዊ መንግስት በተከተለው የተዛባ የዕዝ ኢኮኖሚ የዜጐችን ሀብት የማፍራትና የመልማት መብት ሲጨቁን ኖሯል። ከ5ዐዐ ሺህ ብር በላይ ሀብት ማከማቸት እንደ ወንጀል ተቆጥሮ ዜጐችን ወደ እስር ቤት ያስወረውር ነበር። ይህም በመሆኑ መስራት፣ ማልማትና ሀብት ማፍራት የማይቻልበት ሁኔታ ተከስቶ የሀገራችንን የኋልዮሽ ጉዞ አፋጥኗል፡፡ ይህንን አስከፊ ሁኔታ በመሠረቱ ለመቀየር የትግራይ ታጋዮች ከሌሎች ጭቁን ብሄር ብሄረሰቦች ጋር በመቀናጀት በከፈሉት መስዋዕትነት ዜጎች ቀዳሚ ዓላማቸው ዋነኛ ጠላታቸው የሆነው ድህነትን ማጥፋት ላይ በማድረግ ባደረጉት ሁሉን አቀፍ ርብርብ በትግራይ ክልልም ሆነ በመላ ሀገራችን ከፍተኛ የልማት ድሎችን ማስመዝገብ ተችሏል፡፡

የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅቱ ህወሓትና በታላቁ መሪና የህዝብ ልጅ ጓድ መለስ ዜናዊ ግንባር ቀደም አመራር ከሌሎች ጭቁን የኢትዮጵያ ህዝቦች ጋር በመሆን ዋነኛ ጠላታችን የሆነውን ድህነትን ከሀገሪቱ ለመጠራረግና የኢትዮጵያን ህዳሴ ለማብሰር ባደረጉት ትግል በርካታ ድሎችን ተጎናፅፈናል፡፡ በተለይም ባለፉት አስራ ሁለት ዓመታት መላው ህዝባችን በየደረጃው ተጠቃሚ ያደረገ የኢኮኖሚ ዕድገት በማስመዝገብ የአፍሪካ ታይገር፣ የአረንጓዴ ኢኮኖሚ ግንባታ ሻምፒዮንና በአጠቃላይ የነገይቱ ባለተስፋ ሀገር የሚሉ ስያሜዎችን ልንጎናጸፍ በቅተናል።

ሁሉንም ህዝብ በየደረጃው ተጠቃሚ ያደረገ ፈጣንና ተከታታይ የኢኮኖሚ ዕድገት በማስመዝገባችንም የሀገራችንን ዓመታዊ የሀብት መጠን ከ1.5 ትሪሊዮን በላይ፣ የዜጎች የነፍስ ወከፍ ገቢም 636 ዶላር አድርሰናል።

በ1984 19 ሺህ 20 ኪሎ ሜትር የነበረውን ጠቅላላ የመንገድ ርዝመት አስከ 2ዐዐ5 ዓ.ም ሁሉን አቀፍ የገጠር መንገድ ተደራሽነት ጨምሮ 85 ሺ961 ኪሎ ሜትር ማድረስ ችለናል፡፡ የመንገድ መሠረት ልማት ግንባታችንን ስንጀምር በጥራቱ ጥሩ ደረጃ ላይ ይገኛል ይባል የነበረው መንገድ 18 በመቶ አይሞላም ነበር ዛሬ ግን ይሄ ቁጥር አድጎ ከ72 በመቶ ሊደርስ ችሏል፡፡

ከደርግ ውድቀት በፊት የትምህርት ተሣትፎም ሆነ አቅርቦት በሀገራችን እጅግ በዝቅተኛ ደረጃ ላይ ይገኝ ነበር፡፡ ከግንቦት 2ዐ/1983 በፊት የመጀመሪያ ደረጃ ትምህርት ጥቅል ተሣትፎ 2ዐ በመቶ ንጥር ተሣትፎ 9 በመቶ ብቻ የነበረ ሲሆን ባለፉት 23 ዓመታት በዘርፉ በተደረገ ርብርብ የሀገሪቱ ጠቅላላ የመጀመርያ ደረጃ ትምህርት ተሳትፎ 143.9 በመቶ እንዲሁም የንጥር ቅበላ ምጣኔ ወደ 95.5 በመቶ ከፍ ለማድረግ ተችሏል።

በአሁኑ ወቅት ቁጥራቸው 22 ሚሊዮን የሚጠጋ ዜጐች በትምህርት ገበታ ላይ ይገኛሉ። በህወሓት/ኢህአዴግ የሚመራው መንግስታችን ከ1997 ዓ.ም ወዲህ ብቻ በየዓመቱ በአማካይ 1 ሺህ 625 የአንደኛ ደረጃ ት/ቤቶችና 126 የሁለተኛ ደረጃ በድምሩ 1 ሺህ 751 ትምህርት ቤቶችን በመገንባት የሰለጠነና ዘመናዊ ዕውቀት ያለው ዜጋ በማፍራት ረገድ ስኬታማ ተግባራት ማከናወን ችሏል፡፡ ባለፉት ስምንት ተከታታይ ዓመታት ሀገራችን በየዓመቱ በአማካይ 1 ሺህ 438 የጤና ኬላዎችን፣ 295 ጤና ጣቢያዎችንና 6 ሆስፒታሎችን በድምሩ 1 ሺህ 733 የጤና አገልግሎትን እየገነባች በሥራ ላይ በማዋል ላይ ትገኛለች፡፡ የዓለም ባንክ የቅርብ ጊዜ ጥናት ውጤት እንደሚያሣየው የኢትዮጵያውያን የነፍስ ወከፍ አማካይ የህይወት ዘመን / Life expectancy/ ከ23 ዓመታት በፊት ከነበረበት 49 ዓመት ወደ 64 ዓመት ከፍ ብሏል፡፡

የዴሞክራሲ ስርዓት ግንባታችንም እየተጠናከረ መጥቷል፡፡ በሽግግር ወቅት የተጀመረው የመድብለ ፓርቲ ስርዓት እየጎለበተ ይገኛል፡፡ የፖለቲካ ምህዳሩም የህዝብን የስልጣን ባቤትነት በሚያረጋግጥ ሁኔታ ላይ ይገኛል፡፡ ባለፉት ዓመታት አራት ሀገር አቀፍ ምርጫዎች ነፃና ዴሞክራሲያዊ በሆነ ሁኔታ ለማካሄድ ተችሏል፡፡ እነሆ አምስተኛው ሀገር አቀፍ ምርጫ በተሳካ ሁኔታ ለማከናወን በሂደት ላይ እንገኛለን፡፡ የመገኛና ብዙሃን መስፋፋት፣ የመደራጀት መብትና ሌሎች ሰብአዊና ዴሞክራሲያዊ መብቶች ህገ-መንግስታዊ ዋስትና አግኝተዋል፤ በተግባርም እያደገና እየተጠናከረ ይገኛል፡፡

2.3 የትግሉ ፈተናዎች

በህዳሴ ጉዟችን ፈተናዎች ሆነው ከሚገኙትና የኢትዮጵያን ህዳሴ በስኬት ለመፈጸም በቁርጠኝነት ልንታገላቸው ከሚገቡ ጉዳዮች መካከል ጠባብነት፣ ትምክህት፣ የመልካም አስተዳደር እጥረት፣ የሃይማኖት አክራሪነትና ኪራይ ሰብሳቢነት ዋነኞቹ ናቸው።

የትምክህት አስተሳሰብ የሀገራችን የፖለቲካ እውነት የሆነውን ብዙህነትን አይቀበልም። ብዙህነትን በሀገራችን ላይ እንደተከሰተ አንድ መቅሰፍት አድርጎ ይወስደዋል። ስለሆነም ብዙህነትን ጠላቴ ነው ብሎ በመነሳት የተዥጎረጎረውን ባህላችንን፣ ማንነታችንን፣ ቋንቋችንና ሃይማኖታችንን አጥፍቶ በምትኩ አንድ ቋንቋ፣ ባህል፣ ሃይማኖት መስፈን አለበት ብሎ የሚያምንና ለዚሁ የሚታገል ስርዓት ነው። በአንድ ወቅት በአገራችን የፖለቲካ ስልጣን በትምክህት ሃይሎች እጅ ስለወደቀ የሀገራችንን ህዝቦች ውድ ዋጋ አስከፍሏቸው የነበረ ብቻ ሳይሆን ሀገራችንን ወደ መበታተን ጠርዝ ገፍቷት እንደነበር የትናንት ትውስታ ነው። ይሄንን አንቀበልም ያሉ የትግራይ፣ የባሌ፣ የጎጃም አርሶ አደሮችና የኤርትራ የነጻነት ሃይሎች ነፍጥ አንግበው በፀረ-ትምክህት ትግሉ ከፍተኛ መስዋዕትነት ከፍለዋል። የትምክህት አስተሳሰብ መገለጫው ብዙ ዓይነት ቢሆንም ዋንኛው መለያው ግን የአንድን ወገን የበላይነትና የሌላውን ህዝብ /ብሄር ብሄረሰብ/ የበታችነት ማስፈን ነው፡፡ ይህ አሰተሳሰብ ነባራዊ ሁኔታዎችን በመደፍጠጥ የተሳሳተ አካሄዱን ቅዱስ አድርጐ ለማሳየት ይሞክራል፡፡

ይሄን በመሰረቱ ጨቋኝና አግላይ የሆነ ስርዓትን በመቃውም ነው የህወሓት ብርቅዬ ታጋዮች የካቲት 11/1967 የትጥቅ ትግል ጀምረው ዕልፍ ታጋዮቹን መስዋዕት ያደረጉት። የኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊ ብሄርተኝነት እንፈጥራለን የሚለው አስተሳሰብ የትግላችን እርሾ ስለነበረ ደርግን ጥለን መንግስት መመስረት ስንችል በሀገሪቱ ህገ-መንግስት አማካኝነት ትምክህተኝነት እንደ ስርዓት ተመልሶ እንዳይመጣ በሚያደርግ ሁኔታ ስርዓተ ቀብሩ እንዲፈጸም ያስቻለ ዴሞክራሲያዊ ህገ-መንግስት አውጥተናል።

ትናንት የብሄርን ጥያቄን መሰረት አድርገው የተደራጁና ለመገንጠል ጥያቄ ያቀረቡ ከ17 በላይ የትጥቅ ትግል የሚያደርጉ ድርጅቶች መኖራቸውን ስንገነዘብ ሀገራችን ብዝህነት ማስተናገድ ካልቻለችና ወደ ትምክህት ስርዓት ከተንሸራተተች እንደ ሀገር እንደማትቀጥል በቀላሉ እንረዳለን። ለዚህም ነው ትምክህትን እየታገልን ዴሞክራሲያዊ ብሄርተኝነትን የመገንባት ጉዳይን የህልውና ጉዳይ አድርገን መስራት አለብን የሚባለው።

የህዳሴ ጉዟችን ሌላኛው ጠንቅና ያልፈታነው ችግር ጠባብነት ነው። ጠባብነት እኔ ብቻ እና የእኔ ብቻ የሚል አመለካከትን የሚያራምድ በጋራ በመስራትና በጋራ ተጠቃሚነት የማያምን የህዳሴና የአንድነታችን ፀር ነው። ጠባብነት ሌላውን የሚያገልል ተስፈኛና ጥገኛ አስተሳሰብም ነው። ስለሆነም በአንድ ሀገራዊ ራዕይ ዙሪያ ህዝቦችን ለማሰለፍ የሚደረገውን ጥረት ለማደናቀፍ ከመምከር ባሻገር ትብብርና ህብረትን አምርሮ ይጠላል። የዴሞክራሲ ስርዓት ግንባታ ትግላችንና ፈተናዎቹ በሚለው ሰነድ እንደተቀመጠው በታሪክ ሂደት ገዥዎች የፈጠሩትን ችግር የአንድ ብሄረሰብ አባላት በሙሉ እንደፈጸሙት አድርጎም ህዝብን ከህዝብ በማናከስ ዕልቂትን ለማንገስ ይሰራል። በክልሌ ከሌላ አካባቢ የመጣ ሰው መኖር፣ መስራትና ማልማት የለበትም ብሎ ስለሚያስብ በህገ-መንግስታዊ ስርዓቱ የተደነገገውን ማንኛውም ዜጋ በፈለገው አካባቢ የመኖርና የመስራት መብት ይጻረራል።

ሌላውና በአሁኑ ወቅት የሚስተዋለው የስርዓታችንና የህዳሴ ጉዟችን አደጋ የሃይማኖት አክራሪነት ነው። ድርጅታችን ኢህአዴግ ለሃይማኖቶች እኩልነት በፅናት የሚያምኑ ብቻ ሳይሆኑ ሀይማኖቶች ህዝብ በሰላምና በመቻቻል እንዲኖር፣ በአቋራጭ መክበርና ሙስና እንዲጠፋ እንዲሁም ፍትህ እንዲሰፍን ምዕመኖቻቸውን በማስተማር ለህዳሴ ጉዟችን ትልቅ የሰላምና የልማት አቅም እንደሆኑ አጥብቀው ያምናሉ። ከዚህም ባለፈ ድርጅታችን በሃይማናቶች ላይ ይደርስ የነበረውን ጭቆናና ኢ-ፍትሃዊነት በመቃወም ግንባሩን ለጥይት የሰጠና ታላቅ መስዋዕትነትን የከፈለ ድርጅት ነው። ይሁንና ድርጅታችን ህወሓት/ኢህአዴግ ሃይማኖትን መሰረት ያደረገ አገዛዝ የሰላምና የዴሞክራሲ ጠንቅ ነው ብሎ ያምናል። ይህም እንዳይከሰትና ሀገራችንን እንዳይበታትን አበክሮ ይታገላል። ስለሆነም የመንግስትና የሃይማኖት መለያየትን ብሎም መንግስት ከሃይማኖት፤ ሃይማኖትም ከመንግስት አሰራር ነጻ መሆንን ህገ- መንግስታዊ ዋስትና በመስጠትም ለዚህ አቋሙና መርሁ ምን ያህል ቁርጠኛ እንደሆነ በተግባር አስመስክሯል።

በኢፌዴሪ ህገ-መንግስት መንግስትና ሃይማኖት በማያሻማ መልኩ ተለያይተዋል፡፡ መንግስት በሃይማኖት የውስጥ አሰራርና አስተምህሮ ጉዳይ ጣልቃ አይገባም፡፡
የሃይማኖት ነጻነት ሙሉ ለሙሉ ህገ-መንግስታዊ ዕውቅና በተጎናጸፈበትና ዜጎች የፈለጉትን እምነት የማራመድ መብታቸው በተረጋገጠበት ሁኔታ የሃይማኖት አክራሪነትና የፖለቲካ አጀንዳን በሃይማኖት በመሸፈን እየተደረጉ ያሉ ፀረ-ሰላም እንቅስቃሴዎች ማጠንጠኛቸው የሀገራችንን ሰላምና ዕድገት ያለመፈለግና የህዳሴ ጉዞዋን በማደናቀፍ ህዝባችንን ለአስከፊ ድህነት መዳረግ ነው። በመሆኑም ይህ የልማታችን፣ የሰላማችንና የዕድገታችን ፀር የሆነውን የሃይማኖት አክራነትንና ሃይማኖትን መደበቂያ ያደረገ አፍራሽ የፖለቲካ አስተሳሰብ አጥብቀን ልንዋጋው ግድ ይለናል።

ምንም እንኳን ድርጅታችን ህወሓት/ኢህአዴግ የእኩልነት ተጠቃሚነት መርህና መልካም አስተዳደር የአስተማማኝ ሰላማችንና የዴሞክራሲያችን መሰረት ነው ብለው ቢያምኑምና ለዚሁ ተግባራዊነት ቢረባረቡም የመልካም አስተዳደር እጦት ችግር ዛሬም እንደቀጠለና በተጎናጸፍናቸው ኢኮኖሚያዊና ዴሞክራሲያዊ ድሎች ላይ ጥላውን እንዳጠላ ነው። ከላይ በተጠቀሰው ሰነድ እንደተቀመጠው ከዚህም በላቀ ዜጐች በመንግስትና መንግስታዊ ተቋማት የሚሰጡ አገልግሎቶችን ያለምንም አድልዎና መጉላላት ማግኘት ሲገባቸው ለአላስፈላጊ ምልልስ እና አድልዎ የሚጋለጡበት ሁኔታም ይስተዋላል፡፡

በአንዳንድ ተቋማትም ያሉ አካላት ያለ እጅ መንሻና መደለያ ጉዳይን ባለመፈጸም ዜጐች እንዲንገላቱና በመንግስት ላይ እንዲማረሩም ሲደረግ ይስተዋላል፡፡ ይህ ችግር ካልተፈታ የህዳሴ ጉዟችንን በማቀዛቀዝ በከፍተኛ መስዋዕትነት የተገኙ ድሎቻችንን ሊያጨናግፍና አገራችንንም ለአደጋ ሊያጋልጥ እንደሚችል ልንዘነጋው አይገባም።በታዳጊ ሀገራት ኢኮኖሚ እያንዳንዱ ዜጋ ተጠቃሚ የሚሆነው ለኢኮኖሚው ባበረከተው አስተዋጽኦ ልክ አይደለም። ልማታዊነትና ምርታማነት የኀብረተሰቡ ዋነኛ መገለጫ ስላልሆነ ተጠቃሚነት የሚረጋገጠው በኔትወርክና በሌሎች አቋራጭና ተገቢ ያልሆኑ መንገዶች ነው። ኪራይ ሰብሳቢነት ብለን የምንጠራውም ይሄንን ዝንባሌ ነው፡፡

በሀገራችንም እንደሌሎች ታዳጊ ሀገሮች ይሄ አሰተሳሰብ ገዥ አስተሳሰብ ሆኖ ቆይቷል፡፡ ስለሆነም የመንግስት ሥልጣንን የተጠጋ ሰውና የባለሥልጣን ዘመድ ሁሉ የሚከብርበት ይኸ ዕድል የሌለው ደግሞ የሚደኸይበት ሁኔታ ዋነኛው የኢኮኖሚያችን መገለጫ እንደነበር ቅድመ 1983 በሀገራችን የነበረውን ሁኔታ በማየት ማረጋገጥ ይቻላል፡፡
የልማታዊ መንግስት አስተሳሰብ ታዳጊ ሀገራትን ከድህነት ወደ ብልጽግና፣ ከግብርና ወደ ኢንዱስትሪ መር ኢኮኖሚ በፍጥነትና በተሟላ ሁኔታ ያሸጋግራል ሲባል ይህ እውን የሚሆነው የኢኮኖሚ ትራንስፎርሜሽን ማነቆዎች የሆኑትን ኪራይ ሰብሳቢነትንና የገበያ ጉድለትን በማስወገድ ነው ማለት ነው።

ሀገራችን በልማታዊ ዴሞክራሲ መንግስት የምትመራ ሀገር እንደ መሆኗ መጠን ልማታዊ መንግስታችን የልማታዊ አማራጮችን የሚያሰፉ የኪራይ ስብሳቢ አማራጮችን የሚያጠቡና የገበያ ጉድለትን የሚፈቱ ፖሊሲዎች፣ ስትራቴጂዎችና ዕቅዶች ነድፎ እነዚህኑ ሰነዶች በጥብቅ ዲሲፕሊን ተግባራዊ ማድረግ ከጀመረ ውሎ አድሯል። ይኸም በመሆኑ ኢኮኖሚያችን በፍጥነት አድጓል ብቻ ሳይሆን መሠረታዊ ወደሚባለው የኢኮኖሚ ትራንስፎርሜሽን እየተሸጋገረ ይገኛል፡፡

ባለፉት 12 እና 13 ዓመታት የኪራይ ሰብሳቢነት ፖለቲካል አመለካከትን በመናድ ልማታዊ አሰተሳሰብን ገዥ ለማድረግ ባካሄድነው የሞት ሽረት ትግል በተለይም በገጠሩ የሀገራችን ክፍል መልካም ውጤቶችን ለማስመዝገብ አስችሎናል፡፡ ዛሬ ዛሬ በገጠሪቱ የሀገሪቱ ክፍል ጠንክሮ የሰራና ያመረተ አርሶና አርብቶ አደር የልፋቱ ተጠቃሚ እየሆነ በመምጣቱ የልማታዊነት አስተሳሰብ ከዕለት ወደ ዕለት እያደገ በመሄድ ላይ ይገኛል፡፡

ይሁንና በከተሞች አካባቢ ግን የኪራይ ሰብሳቢነት ጥገኛ አስተሳሰብ ዛሬም ገዥ እንደሆነ ይታያል፡፡ በከተሞች ልማታዊ አስተሳሰብ የበላይነቱን ባለመቀዳጀቱም በአቋራጭ መክበር ዛሬም እንደ ዋነኛ ሀብት ማግኛ መንገድ ተደርጐ ሲወሰድ ላይ ይታያል። ይህም ሁኔታ በሀገራችን መፃኢ ዕድልም ሆነ በህዳሴ ጉዟችን ላይ የተጋረጠ አደጋ መሆኑን ተገንዝበን በከፍተኛ ርብርብ ልንታገለውና ልናከስመው የሚገባን ጉዳይ ይሆናል፡፡

III. የትግራይ ህዝብ ትግልና የኢትዮጵያ ህዳሴ

የድህነት ዘበኛ የነበረው የደርግ ሥርዓት ሳይጠረግ የኢትዮጵያን ህዳሴ መፈፀም ቀርቶ ማሰብ እንኳን አዳጋች ነበር፡፡ ይህ ፍጹም አምባገነናዊና ኢኮኖሚያዊ ጭቆናን በዜጐቹ ላይ የጫነ መንግስት እያለ ስለበለፀገ ማህበረሰብ ከቶውኑ ማሰብ አይቻልም ነበር፡፡ ያ ሰው በላና ጨፍጫፊ ሥርዓት እያለ ስለአስተማማኝ ዴሞክራሲ ማሰብ ፈጽሞ አይታሰብም ነበር። ያ የቅቡልነት ምንጭን አፈሙዝ ያደረገና ከህዝብ ለሚነሱ ጥያቄዎች በጥይት መልስ የሚሰጥ እንዲሁም እናቶችን ለገደላቸው ልጆቻቸው የጥይት ሂሣብ የሚያስከፍል አረመኔያዊ መንግስት እያለ ስለአስተማማኝና ዘላቂ ሰላም ማሰብ ቀርቶ በሰላም ውሎ መግባትም አዳጋች ነበር፡፡

በአጠቃላይ ብዙህነትን እንደፀጋ ቆጥሮ የአንድነታችን መሠረት ማድረግ ያቃተውና ከዚህ ይልቅ ኢትዮጵያን የብሔሮች እስር ቤት ያደረገ ፍጹም አምባገነናዊ ሥርዓት እያለ ለኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረት የሆነውን ዴሞክራሲ ሰላምና፣ ልማትን ማለምና መተግበር በፍጹም የማይታሰቡ ጉዳዮች ነበሩ፡፡ በብዙሃን መቃብር ላይ አንድ ባህል፣ አንድ ቋንቋ፣ አንድ እምነትና አስተሳሰብን ለመጫን ያልፈነቀለው ድንጋይ በሌለው ጨቋኝ አገዛዝ ስር ሆኖ ዴሞክራሲን መተግበር ቀርቶ ማሰብም ከቶውኑ ሊታሰብ የሚችል ጉዳይ አልነበረም፡፡ ስለሆነም ስለ ኢትዮጵያ የህዳሴ ጉዞ ማሰብ ለመጀመር እንኳን ይህ አደናቃፊ ስርዓት ማስወገዱ የግድ ነበር።

ይህ መሰረታዊ እውነታ የትግራይ ህዝብ ትግል በመጀመሪያ የኢትዮጵያ ህዳሴ እንቅፋት የሆነውንና የዴሞክራሲ፣ የሰላምና የልማት ፀር የነበረውን የደርግ ሥርዓት በመጥረግ ሊጀመር ግድ ብሏል፡፡ ለዚህም ሲባል እልፍ የትግራይ ብርቅዬ ልጆች ከሌሎች ጭቁን የኢትዮጵያ ብሔሮችና ብሔረሰቦች ጋር በመሆን ዘላለም ሲወሳ የሚኖር የህይወትና የአካል መስዋዕትነት ከፍለዋል፡፡

የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅቱ ህወሓት እና በድርጀቱ ታላቅ መሪና የህዝብ ልጅ መለስ ዜናዊ በሳል አመራር የኢትዮጵያን ህዳሴ ጽንሰ ሀሳብ በመቀመርና በማስረጽ እንዲሁም ይህንን ህሳቤ በተግባር ላይ ለማዋል ሲባል አምባገነኑን የደርግ ስርዓት በመራር መስዋዕትነት በማስወገድ እንዲሁም ተግባራዊ በማድረግ በኩልም በአካባቢ ጥበቃና ሌሎች ስራዎች አስደማሚና ለሌሎች ክልሎችም አርዓያነት ያለው ተግባር በማከናወን በአጠቃላይ በፀረ-ድህነት ትግሉ ከፍተኛ ተጋድሎ በማድረግ ሀገራችን አሁን ለደረሰችበት የህዳሴ ጉዞ ግንባር ቀደም አስተዋጽኦ አበርክቷል፤ በማበርከትም ላይ ይገኛል። የኢትዮጵያ ህዳሴ መዳረሻ ግብ የበለፀገች ኢትዮጵያን መፍጠርና ህዝቦቿን ከችግር በማላቀቅ በማነነታቸውና በሃገራቸው ኮርተው እንዲኖሩ ማድረግ ነው፡፡ ይህንንም በማድረግ ሀገራችንን ከብልጽግና ጐራ ስማቸው ከሚጠቀሱ ሃገራት ተርታ ማሰለፍ ነው፡፡

የኢትዮጵያ ህዳሴ ረጅም ጊዜ የሚጠይቅና በተለያዩ ምዕራፎች እየተከፋፈለ በየወቅቱ እየተሣካ የሚሄድ ጉዳይ ቢሆንም የህዳሴ ጉዞን ለመጀመርም ሆነ በስኬት ለመፈጸም ዴሞክራሲ፣ ሰላምና ልማት ተኪ የሌላቸው ጉዳዮች ናቸው፡፡ ዴሞክራሲን አስፍነን በየወቅቱ እያሣደግነው ካልሄድን ልማታችንና ሃገራዊ ህልውናችን ማብቃቱ አይቀሬ ነው፡፡ ያለ አስተማማኝ ዴሞክራሲ ምንም ዓይነት የሰላም ዋስትና እንደሌለም ፀሃይ የሞቀው ሃቅ ነውና፡፡ ዴሞክራሲ በሃገራችን ሲሰፍን ዜጐች በጋራ ጉዳያቸው እየመከሩና እየወሰኑ ማንነታቸው ዕውቅና አግኝቶና ተከብሮ ይቀጥላል፡፡ ይህም ሁኔታ ሰላማችንን በማጐናፀፍ ለልማት በአንድ ልብ እንድንተጋ ያደርገናል፡፡ ክብርና ሞገስ ለታጋዩ የትግራይ ህዝብና መሪ ድርጅቱ ህወሓት በተከፈለው የህይወትና የአካል ከፍተኛ መስዋትነት በሀገራችን ዴሞክራሲ ሰፍኖ ላለፉት 24 ዓመታት የሰላምን አየር ለማጣም ችለናል። ዛሬ ዛሬ በሃገራችን ሆነ በውጭ መገናኛ ብዙሃን ተደጋግሞ የሚደመጠው የዜጎቻችን እልቂትና ረሃብ ሳይሆን የመሠረተ ልማት፣ የማህበራዊና ኢኮኖሚያዊ ዕድገት ስኬታችን ሆኗል፡፡

በሃገራችን በሰፈነው ዴሞክራሲና ይህንንም ተከትሎ በተጐናፀፍነው ሰላም በህዳሴ ጐዳና በስኬት የምንራመድ ሀገርና ህዝቦች ሆነናል፡፡ ከልመናና ከተመጽዋችነት ተላቀን ታላቁን የህዳሴ ግድብ የመሳሰሉ ሜጋ ፕሮጀክቶችን በዋንኛነት በሀገራዊ አቅም የምትገነባ ሀገርና ህዝብ ፈጥረናል፡፡

የትግራይ ህዝብ መራራ ትግልና አኩሪ መስዋዕትነት መነሻም ሆነ መድረሻ ግቡ ዴሞክራሲን፣ ሰላምንና ልማትን በትግራይ ብሎም በመላ ኢትዮጵያ በማስፈን በዚህ መሰረትነት የኢትዮጵያን ህዳሴ ዕውን ማድረግ ነበር፡፡ ክብርና ሞገስ ለትግሉ ሰማዕታት ይሁንና የጀግኖች የትግራይ ህዝብና ልጆች መስዋትነት ሜዳ ላይ ፈስሶ አልቀረም።

ዴሞክራሲን አስፍኖና ሰላምና ልማትን ወልዶ ታላቅ የነበረችውን ሀገር ወደ ቀድሞ ታላቅነቷ በሚመልስ የህዳሴ ባቡር ላይ እንድትሳፈር አድርጓል፡፡ በአጠቃላይ የኢትዮጵያ ህዳሴ ተጨባጭና ተግባራዊ የሚሆን አስተሳሰብ መሆኑን ሀሳቡን በማጥራት፣ ለዚህ ጉዞ እንቅፋት የነበረውን ሥርዓት በመጥረግ፣ የኢትዮጵያን የህዳሴ አስተሳሰብን ወደ ተግባር በመቀየር፣ ከኢ-ዴሞክራሲያዊ ወደ ዴሞክራሲያዊ፣ ከድህነትና ኋላቀርነት ወደ ልማትና ብልጽግና እንዲሁም ከጦርነት ወደ አስተማማኝ ሰላም ሀገሪቱን በመቀየር ረገድ የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅቱ ህወሓትና የህዝብ ልጅ በሆነው በታላቁ መሪ ጓድ መለስ ዜናዊ ግንባር ቀደም አመራር የከፈለው መስዋዕትነትና ያበረከተው አስተዋጽኦ ለኢትዮጵያ ህዳሴ ትልቅ መሠረት ነበር፡፡ ይህም እውነታ የትግራይ ህዝቦችን ትግልና የኢትዮጵያን ህዳሴ የአንድ ሳንቲም ሁለት ገጽታነት ፍንትው አድርጐ ያሣያል፡፡

3.1 የትግራይ ህዝብ ትግል የኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረት ነው

የኢትዮጵያን ህዳሴና የትግራይ ህዝብን ትግል ቁርኝት ለማየት ስንነነሳ መጀመሪያ የሚመጣው ነገር የራሱ የህዳሴ ትርጉም ነው። በህዳሴ ጎዳና ላይ ነን የሚሉ ሀገሮች ቀድሞ ጥንታዊ ስልጣኔ የነበራቸው ኋላ ላይ ግን ወደ ድህነት ጫፍ በመውረዳቸው የቀድሞ ታላቅነታችንን ተመልሰን ማግኘት አለብን ብለው የተነሱ ህዝቦች ናቸው።

እንግዲህ ሀገራችን በህዳሴ ጉዞ ላይ ነች የምንለው ከላይ እንደተጠቀሰው በአንድ ወቅት ታላቅ የነበረች ቢሆንም ወደ ድህነት ጫፍ በመውረዷ ምክንያት ህዝቦቿ በቁጭትና በወኔ ተነሳስተው የቀድሞ ታላቅነታቸውን ተመልሰው ለማግኘት በልማት ጎዳና ላይ እየተራመዷት ስለሚገኙ ነው። ታዲያ እዚህ ላይ የምናነሳው ቁም ነገር የቀድሞ ስልጣኔ ብለን የምንጠራው የጥንታዊቷ ኢትዮጵያ ብልጽግና የቱ ላይ ነው? የሚለው ጥያቄ ነው። ትግራይ በጥንታዊቷ ኢትዮጵያ፣ የኢኮኖሚ፣ የፖለቲካና የወታደራዊ ስልጣኔ ላይ ቀዳሚውን ሚና የተጫወተች ሲሆን ይህንኑ ስልጣኔ ነው እንግዲህ ለዛሬው ዕድገታችን የሞራል ስንቅና አንቀሳቃሽ ሞተር ሆኖ እያገለገለን ያለው። የኢትዮጵያ ህዳሴና የትግራይ ህዝብ ትግል የሚገናኝበት የመጀመሪያ ነጥብም ይሄው ነው።

የትግራይ ህዝብ ትግልና የኢትዮጵያን ህዳሴ የሚያስተሳስረው ሁለተኛው ጉዳይ የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅቱ ህወሓት ጥላ ስር ተሰባስበው የድህነት ዘበኛ የነበረውንና የኢትዮጵያ ህዳሴ ጸር የነበረውን የደርግ ስርዓት ለማስወገድ ያደረጉት ትግልና የከፈሉት መስዋዕትነት ነው። የኢትዮጵያ የህዳሴ ጉዞ በቅድሚያ የዴሞክራሲ፣ የሰላምና የልማት ፀር የሆነውን የደርግ አገዛዝ በመጥረግ ቀጥሎም ጽንሰ ሀሳቡን በማጥራት በማስረጽና በመተግበር የሚፈፀም ነው፡፡ ስለሆነም መላ ሀገሪቱን የጦርነት ቋያ ያደረገውና ከተሳሳተ የኢኮኖሚ አካሄዱ ጋር በተያያዘ እዚህም እዚያም ለተከፈተበት ትግል የጦርነት ምላሽ በመስጠት ኢኮኖሚውን አዘቅት የከተተው እንዲሁም ሰላም፣ ዴሞክራሲና ልማት በሀገሪቱ እንዳይሠፍን ደንቃራ የነበረው የደርግ አምባገነናዊ አገዛዝ መቀመቅ ሳይወርድ የኢትዮጵያን ህዳሴ ተግባራዊ ማድረግ ቀርቶ ማሰብ እንኳን አዳጋች ነበር።

የደርግ አገዛዝ ግብዓተ ቀብር ሳይፈፀም የኢትዮጵያን ህዳሴ መወጠንም ሆነ መተግበር ቤትን በአሸዋ ላይ ወይም ያለአስተማማኝ መሠረት ላይ እንደ መገንባት ይቆጠራል፡፡ ስለሆነም ለ17 ዓመታት የዘለቀውና የበርካታ ወጣቶችን ህይወት መስዋዕትነት ያስከፈለው በህወሓት ግንባር ቀደምትነትና በጭቁን የኢትዮጵያ ብሔሮች ጥምረት የተካሄደው ትግል ለኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረትና መደላድል እንጂ በራሱ መዳረሻ ግብ አልነበረም፡፡

መዳረሻ ግቡ ኢትዮጵያን በህዳሴ ጎዳና በማራመድ የብልጽግና ጎራን መቀላቀል ነበር።
የኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረት የሆነው ትግል በህወሓት ጥላ ሥር በተሰባሰበው የትግራይ ህዝብ ሲጀመርና 10 ሺዎች ትግሉን ሲቀላቀሉ የትግራይ እናትና አባቶች ልጆቻቸውን መርቀው ወደ ግንባር የሰደዱት ይህ የሰላም፣ የዴሞክራሲና የኢትዮጵያ ህዳሴ ፀር የሆነ ሥርዓት ሳይወገድ የትግራይ ክልልንም ሆነ ኢትዮጵያን ወደ ብልጽግና መምራት አንደማይቻል በጽኑ ያምኑ ስለነበር ነው፡፡ ስለዚህም ነው ስለትግራይ ህዝቦች ትግል ስናወራ ስለኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረት እያወራን ነው የምንለው፡፡

የህወሓት የትግል አካሄድ ጠባብ አስተሳሰብ ይዞ እንደተነሣው ኦነግ፣ ፊውዳላዊውን ሥርዓት ለመመለስ ነፍጥ ይዞ እንደታገለው ኢዲዩም ሆነ የተሳሳተ የትግል ስልት እንደተከተለው ኢህአፖ ያልከሰመውና ያልወደቀው ገና ከመነሻው በጠራ፣ ትክክለኛ፣ ዴሞክራሲያዊና ተራማጅ ሀሳብ በመመራቱ ነበር፡፡
የትግራይ ህዝብ ትግልና የኢትዮጵያን ህዳሴ የሚያስተሳስረው ሶስተኛው ጉዳይ የትግራይ ህዝብ የኢትዮጵያን ህዳሴ ሀሳብ በመቀመርና በማስረጽ በመሪ ድርጀቱና በታላቁ መሪ ጓድ መለስ ዜናዊ አማካኝነት በተጫወተው ታላቅ ሚና ነው። በዚሁም መሰረት ህወሓትና የትግራይ ህዝብ ከሌሎች የኢህአዴግ ድርጅቶችና ህዝቦች ጋር በመተባበር የኢትዮጵያ ህዳሴ ጉዞ ማለትም በቅድመ ታሪክ ታላቅ የነበረችውን ሀገር ወደ ቀድሞ ታላቅነቷ የመመለስ ሂደት መሆኑንና ይህም የሚሳካው ፈጣን ልማት፣ አስተማማኝ ዴሞክራሲና ዘላቂ ሰላም በማስፈን መሆኑን ጥርት አድርገው በማስቀመጥ ጽንሰ ሀሳቡን በሀገር አቀፍ ደረጃ ለማስረጽ ችለዋል። ከዚህም በላይ የትግራይ ህዝብ ትግል ውጤት የሆነው ታላቁ መሪ መለስ ዜናዊ የኢትዮጵያን ህዳሴ ማሳካት የሚያስችሉ ስትራቴጂዎችንና ፖሊሲዎችን በመቅረጽ እንዲሁም ሂደቱ ረጅም ጊዜንና ፈታኝ ትግሎችን ማለፍ የሚጠይቅ መሆኑን በማመላከት ነገር ግን በጥረት ሊሳካ የሚችል ጉዳይ መሆኑን አንጥሮ በማስቀመጥ ለኢትዮጵያ ህዳሴ መሰረት ግንባር ቀደም አስተዋጽኦ አበርክቷል።

የትግራይ ህዝብ ትግልና የኢትዮጵያ ህዳሴ የሚቆራኙበት አራተኛው ጉዳይ ደግሞ የኢትዮጵያን ህዳሴ በማረጋገጥ ዙሪያ የትግራይ ህዝብ ያደረገው አኩሪ ተጋድሎና ያስመዘገበው ታላቅ ድል ነው። የትግራይ ህዝብ የድህነት ዘበኛ የነበረውን የደርግ ስርዓት በማስወገድና የኢትዮጵያን ህዳሴ አስተሳሰብ በመቀመርና በማስረጽ እንዳበረከተው ግንባር ቀደም አስተዋጽኦ ለኢትዮጵያ የህዳሴ ጉዞ መሳካት በተለይም በፀረ-ድህነት ትግሉ ሙሉ ጉልበቱንና ዕውቀቱን በመሰዋት በሁሉ መስክ ደማቅ ልማታዊ ድሎችን አስመዝግቧል። በተለይም በተለያዩ ምክንያቶች የተራቆቱትን አካባቢዎችን ወደ አረንጓዴ በመቀየር ረገድ እጅግ ታላቅና ለሌሎች ክልሎችም በተምሳሌትነት የሚተርፍ ውጤቶችን አስመዝግቧል። የትግራይ ህዝብ አካባቢውን አረንጓዴ በማድረግ ክልሉን ለኑሮና ልማት ምቹ ለማድረግ ጉልበቱን መስዋዕት አድርጎ ያስመዘገበው ድንቅ ድል በታሪክ ሲዘከር የሚኖርና ለኢትዮጵያ ህዳሴ ስኬት ከፍተኛ አቅም ሊሆን የቻለ ነው።

በአጠቃላይ የኢትዮጵያ ህዳሴና ብልጽግና ፀር የነበረውንና የድህነት ዘበኛውን ደርግ በትጥቅ ትግል በመደምሰስ፣ የኢትዮጵያን ህዳሴ ጽንስ ሃሳብ በመቀመርና በማስረጽ እንዲሁም በተጨባጭ ተግባራዊ በማድረግ በመሪ ድርጅቱ ህወሓት እና በሊቀመንበሩና የኢትዮጵያ ህዳሴ መሃንዲስ በነበሩት ታላቁ መሪ ጓድ መለስ ዜናዊ በሣል አመራር የትግራይ ህዝብ ያበረከተው አስተዋጽኦና የከፈለው መስዋዕትነት ግንባር ቀደም ሥፍራን የሚይዝ ነው። ለዚህም ነው የኢትዮጵያ ህዳሴና የትግራይ ህዝብ ትግል በጥብቅ የተቆራኙና የአንድ ሳንቲም ሁለት ገጽታዎች ናቸው የሚባለው፡፡
ለዚህም ሲባል የትግራይ ህዝብ ከጭቁን ወንድሞች እና እህቶች ጋር በመቀናጀት የድህነት ዘበኛ የነበረውንና አፋኙን የደርግ መንግስት ለ17 ዓመታት በመቀጠልም

የትግራይና የኢትዮጵያ ህዝብ ዋነኛ ጠላት የሆነውን ድህነት ላለፉት 24 ዓመታት በከፍተኛ የትግል ወኔ በመፋለም ዋስትና ያለው ዴሞክራሲ፣ ዘላቂ ሰላምና ተከታታይነት ያለው የኢኮኖሚ ዕድገት ማስመዝገብ ችለዋል። የተመዘገቡት እነዚህ የዴሞክራሲ፣ የሰላምና የልማት ድሎች ለኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረታዊ ጉዳዮች ናቸው። ይህም በአሁኑ ወቅት ኢትዮጵያ እየተራመደችበት ላለው የህዳሴ ጉዞ የትግራይ ህዝብ ትግል መሠረት እንደነበር በግልጽ ያሳያል፡፡

3.2 ደደቢት የኢትዮጵያ ህዳሴ መሰረት ነች
አሲምባና በለሳ ላይ የተጀመረው የኢህአፖ ትግል፣ ወለጋን መነሻ ያደረገው የኦነግ ትግል እንዲሁም ሽራሮ ላይ የተጀመረው የኢዲዩ ትግል የታሰበላቸውን ግብ ሳያሳኩ ወድቀው ቀርተዋል፤ ድርጅቶቹም እንደ ድርጅት ከስመዋል፡፡ ደደቢት ላይ የተጀመረውና በቅድሚያ የኢትዮጵያ ህዳሴ ፀር የሆነውን ደርግ በመቀጠል ድህነትን የመጠራረግ ዓላማ የነበረው የህወሓትና የትግራይ ህዝብ ትግል ግን ዓላማዎቹን ሁሉ በማሣካት ፍሬ አፍርቶ ለሀገራችን ህዝቦች የህዳሴ መሰረት ሆኗል፡፡ መሰረቱን በደደቢት ላይ ያደረገውና ዋስትና ያለው ዴሞክራሲ፣ አስተማማኝ ሰላምና የበለፀገች ኢትዮጵያን የመፍጠር አስተሳሰብ ፍሬ አፍርቶና ጐምርቶ ለመላ ሀገራችን ህዝቦች በመዳረስ ላይ ያለ ትሩፋትም ሆኗል፡፡

ስለሆነም የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅት ህወሓት ጥላ ሥር ጨቋኙንና ጨፍጫፊውን የደርግ አገዛዝ ለማንኮታከት 11 በሚደርሱ ታጋዮችና በጥቂት ኋላቀር መሣሪያዎች ለመፋለም ውል ያሠሩበትና ትግል የጀመሩበት ደደቢት የኢትዮጵያ ህዳሴ መሰረት እንድንላት ያስገድደናል፡፡

ለሀገርና ለህዝብ ጥቅም ህይወትና አካላቸውን ለመሰዋት ቆርጠው የተነሱ ውድ የህወሓት ታጋዮች በዚህች ታሪካዊ ቦታ ተሰባሰበው የትግሉን ነበልባል ሲያቀጣጥሉ የመጀመሪያ ግባቸው የነበረው የትግራይ ህዝብም ሆነ መላ ኢትዮጵያውያን ዋነኛ ጠላታቸው የሆነው ድህነትን እንዳይታገሉ በጭቆናና አፈና በላያቸው ላይ ተንሠራፍቶ የነበረውን የደርግ አምባገነናዊ ሥርዓት ማንከታኮት ነበር። ይህም በእልፎች የከበረ የህይወትና የአካል መስዋዕትነት በስኬት ተፈፀሞ ግንቦት 20/1983 ባደራጀው ታላቅ የአፈና ሠራዊት ከአፍሪካ አንደኛ የነበረውን የደርግ ሥርዓት ዳግም ላይመለስ መቃብር ሊያወርደው ችሏል፡፡ የድህነት ዘበኛ የነበረው የደርግ ሥርዓት ከተወገደ በኋላም የትግራይ ህዝብ በመሪ ድርጅቱ ህወሓትና በታላቁ መሪና የህዝብ ልጅ ጓድ መለስ ዜናዊ ግንባር ቀደም አመራር በትክክለኛና ተጨባጭ ሀገራዊ ስትራቴጂዎችና ፖሊሲዎች በመመራት ከሌሎች ጭቁን የኢትዮጵያ ህዝቦች ጋር ባደረጉት ረጅምና መራራ ትግል ደደቢት ላይ የተፀነሱትና የኢትዮጵያ ህዳሴ መሠረት የሆኑትን ዴሞክራሲ ሰላምና ልማት በመላ ሀገራችን ሊያሰፍኑ ችለዋል፡፡ ይህ እውነት ነው እንግዲህ ደደቢት የኢትዮጵያ ህዳሴ መሰረት ናት ብለን አፋችንን ሞልተን እንድንናገር የሚያደርገን፡፡

የትግራይ ህዝብ አስከፊውን የጭቆና ስርዓትም ሆነ ድህነትን ሲታገልና ከፍተኛ መስዋዕትነት ሲከፍል የክልሉን ህዳሴ በኢትዮጵያ ህዳሴ ማዕቀፍ ውስጥ እየተመለከተ ነው። ለዚህም ነው የትግራይ ሰማዕታት የኢትዮጵያ ህዳሴ ሰማዕታት ናቸው የምንለው። በሌላ አነጋገር የኢትዮጵያን ህዳሴ ማረጋገጥ የትግራይን ህዳሴ ማረጋገጥ ነው።

ዛንታ ዓዲ ገዛእቲ !!


ንመሬት ትግራይ ሃሰስ እንተኢልካዮ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ወርቂ ወይ ካልእ መኣድን ኣይትስእነሉን፡፡ እዚ እንተስኢንካ ግን ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዘይሃስስን ብድሙቕ ብርዒ ዝተፅሓፈን ታሪኽ ኣሎ፡፡ እቲ ኣብ መዋእልና ዘርከብናሉን ታሪኽ ሓፂር እዋንን ዘይኮነስ ዘበን ካብ ዘበን እናተሳገረ ዝመፀን ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ጥንታዊ ስልጣነን ጥበብን እውን ዝሕውስ እዩ፡፡ 

እቲ ነዊሕ መዋእል ዝገበረ ንተመራመርትን ምሁራንን ታሪኽን ኣፅኒሕኻ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋናት ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት ዝተፈፀመ ዛንታ እንተወሲድና ሕልሚ ዝመስል ግን ድማ ጋህዲ ዝኾነ ፍፃመ ኣሎ፡፡እዚ እውን መስተንክራዊ ስርሒት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን’ዩ።

በዚ እውን 17 ዓመታት ዝወሰደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ደደቢት ፈላመይቲ ማእኸል መዋፈሪ ክትኸዉን ታሪኽ ሓርዩዋ፡፡ ኣብ ጉዕዞ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ብደደቢት ዝፈለመ መስመር መዛዘሚኡ ዓዲ ገዛእቲ ሃገረሰላም ገበረ፡፡

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ መዋፈሪታት ዘለዉ ካልኦት መዋፈሪታት ንጥቀስ እንተኢልና ድማ ዲማ ማርዋ ፣ እገላ(እኒ ሰብዖ) ፣ ሱር ፣ ጫሞ ፀለይ፣ ወርዒ፣ ግልቤና ፣ በየዳ፣ ኣቤራ ፣ ደጀና፣ /ካዛ፣ ዛሬማ፣ ግህነም ፣ ማይገባ/ እናልና ንጥቀስ ምስ እንብል ብዙሓት እዮም፡፡

ማእኸል መዋፈሪ ዓዲ ገዛእቲ ፅላልን ኣዳራሽን ህወሓት /ኢህወዴግ ክኸውን ከይዲ ፅንዓት ዝተጀመረሉ 17 ነሓሰ 1981 ዓም እዩ፡፡

ዓዲ ገዛእቲ ኣብ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን እዩ ዝርከብ፡፡ ካብ 1981- 1983 ዓ/ም መወፋሪ ህወሓት ኢህወዲግ ድማ ኣብ ዓዲ ገዛእቲ እዩ ነይሩ። ኣመራርሓ ህወሓትን ኢህወዲግን ኣብዚ ዘለናዮ ቦታ (ካብ ከውሒ ብህዝቢ ተፈልፊሉ ኣብ ዝተሰርሑ ገዛውቲ ን3 ዓመት ተቐሚጥም እዮም።

ኣብቶም ካብ ከውሒ ተፈልፊሎም ዝተሰርሑ ክፍልታት ልዕሊ 35 ሽሕ ህዝቢ ደጉዓ ተምቤን ተሳቲፉ እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ምግቢ እቶም ኣመራርሓ እውን ካብ ህዝቢ እዩ ዝቐርብ ነይሩ።

እቲ መዋፈሪ – መዋፈሪ ሰላም ብዝብል ሽም እውን ይፍለጥ፡፡መዋፈሪ ሰላም – ሰላም ብዝብል ዝተሰየመ ፕሮጀክት ናይ ህወሓት /ኢህወዴግ ማእኸላት ፕሮፖጋንዳን ካልኦት ኣገደስቲ ኣካላት ውድብን ዝጠመረ ማእኸል መዋፈሪ ስለ ዝነበረ እዩ፡፡ በዚ ኣገባብ እዚ ዛንታ ዓዲ ገዛእቲ ክንፅሕፍ እንተኢልና ሰፊሕ ቅያ ዘለዎ እዩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈቶም ኮይኖም ኣመራርሓ ካብ ዝህብ ዝነበሩ ብፆት ኣብነት ፣

1/ቤት ፅሕፈት ኣቦ ወ/ር ኢህወዲግ ብፃይ
መለሰ ዜናዊ
2/ ሓላፊ ውዳበታት ህዝቢ ብፃይ ኣባይ ፀሃየ
3/ ሓላፊ ወታደራዊ መምርሒ ብፃይ ስየ
ኣብርሃ
4/ ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ኢህወዲግ ብፃይ ተወልደ ወ/ማርያም

] ዓዲ ገዛእቲ ሕዚ ከመይ ኣሎ?

[] ዓዲ ገዛእቲ ከም ሓደ ማእኸል በፃሕቲ ንምግባር እንታይ እናተሰርሐ እዩ?

[] ሕዚ ዘለና መናእሰይ ብዛዕባ ታሪኽ ወለድናን ታሪኽ ትማሊናን ንምፍላጥ ይኹን ንምስናድ ከመይ እናነጠፍና ኢና?

ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ ካብ ነብሲ ወከፍ ትግራዋ ይፅበ ኣለኹ፡፡
እንኳዕ ንበዓል ጉንበት 20 ኣብፅሕኩም  !!

ሙሉእነት ዘማዕደወ ጅማሮ ይኹን !!

ልዕሊ 2 ሺሕ እሱራት ወገናት ምሕረት ተጌሩሎም ተፈቲሖም ዝብል ጥዑም ደሃይ ይስማዕ ኣሎ ፡፡ ኣነ እዚ ውሳነ’ዚ ብፍላይ ከም ጅማሮ እንተኾይኑን ናብ መንገዲ ምሕረትን ሕድገትን ዝተበገስናሉ ፍፃመ ምኳኑ እንተዝንገረናን ብዝግባእ መስተማቐርክዎ
ንእሱራት ምሕረት ምግባር ሓድሽ ነገር ዘይክኸውን ይኽእል እዩ ፡፡ ይግበር ስለዘሎ ከም ሃገርና ንኹን ኢልካ እውን ናይ ህንፀት ግዚኦም ክውድኡ ንዝቐረቡ ሰባት ብምፍታሕ ፖለቲካዊ ፀወታ ምፅዋት ኣይኸብድን ፡፡

ስለዚ እዚ ውሳነ’ዚ ዝተበገሰሉ ዕላማ ብውነ ዝተሓሰበሉ ክኸውን እትስፎ ፡፡ እዚ ምሕረትን ሕድገትን ዓሚቑን ሰፊሑን ካብ ህልኽን ድርቅናን እንናገፈሉ ኣተሓሳስባ ዝዕምብበሉ ክኸውን ኢና ድማ ትፅቢት ንገብር።

ኣብ መንጎና ምሕረትን ሕድገትን ይግባእ እንብለሉ ምኽንያት ብህልኽን ብድርቅናን ዝኸፈልናዮ ዋጋ ስለዘይንስሕቶ እዩ ፡፡ ፖለቲከኛታትና ተኣምር ብዘበለ ታሪኽ ኣብ ዘግሃድዎ መድረኽ ኮይኖም ኣፈላላይ ዘአንገድሉ መንገዲ ቡኡነት ሕዚ ክሓንኩሉ ይግባእ ፡፡ እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ከሳድዶን ከቆናፅቦን ፡ እቲ ኻልእ ነቲ ኻልእ ክድህሎን ከሸማቕቆን ዝባኸነ ግዜ ጥንካረና ቀስ ብቀስ ክሽርሸር ፡ ገበናና ወፅዩ መስሓቕ ሸራፋት ኽንከውንን ኽንነዓቕን ገይሩና እዩ ፡፡

ሕዚ ኣብ ፈታኒ ኩነታት ኢና ዘለና ፡ ህዝቢ ትግራይ ብዝተዓፃፀፈ ፃዕሪ ዝመርሖ ሓይሊ ይደሊ ኣሎ ፡፡ካብ ትማሊ ብዘይቀልዓለም ዝመሃር ፡ ሕዚ ንዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ብህድኣት ዘስተውዕልን ንፅባሕን ድሕሪኡን ቀዲሙ ዝእምትን ዓቕሚ ይጠልብ ኣሎ ፡፡ ንስለ ጥፍኣትናን ውድቀትናን ተንኮል ክፈሓስ ይወዓልን ይሕደርን ስለዘሎ ንሓድነትን ስምረትን ቀዳምነት ምሃብ ነዞም ዕዮታት እትፍፅመሉ ፍርቂ መንገዲ ዳርጋ ምጉዓዝ’ዩ ዝቑፀር ኢልካ ምእማን ጠቓሚ እዩ ዝኸውን ፡፡

ስለዚ ” ኣፈላላይ እነተኣናግደሉ ባህሊ ምቅያር*  ምስዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ንዝተፈፀሙ መነወሪ ተግባራት ንክብሪን እዋናዊ ጠለብን ህዝቢ ትግራይ ኢልካ ብዘይ ዋጋ ዕዳጋ ምቕባልን ” ሕዚ ቁመናኻ ምስ ህርመት ልቢ ህዝቢ ትግራይ ምስናይን ይግባእ።

ከምዚ ዓይነትድልዉውነት ምስዝህሉ እዩ ምፍታሕ እሱራት ወገናት ብሙሉእነት ትርጉም ዝህልዎን ኣብ ስምረትን ሓድነትን ዝሽረፍ ቁምነገር ዝርከቦን … ከም ድምሩ  ድማ ሎሚ ፅባሕን ድሕሪኡን ዝተፈሓሰ ተንኮል ይፈሓስ ሰዓራይነቱ ኣብ ዘውሓሰ ጉዕዞ ጥራይ ዘትከለ ዋኒን ይህልወና።

(  ዮሴፍ ኪዳነ )

ብተራ ስብከትን ሆይ ሆይን ዓዲ ኣይምራሕን !!



ኣብ ሃገርና ቅድሚ ሰለሰተ ዓመት ዝጀመረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክሳዕ ሐዚ ግቡእ መፍትሒ ረኪቡ እዩ ዝበሃል ኣይኮነን፡፡ እቲ ቀንዲ ናይቲ ፀገም ምንጪ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ፖለቲካዊ ቁመንኡ ብምሽርሻሩ ሃገር ምምራሕ ኣብይዎ ብተፈጠረ ናይ መሪሕነት ጉድለት ናብ ዘየድሊ ቅልውላው ክትኣቱን ፖለቲካዊ ገፅታ ሃገርና ክሳዕ ምብልሻው ዝከይድ ዘይምዕሩይ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ ፡፡

ናይ ባዕላ ሰላም ሓልያ ናይ ካልኦት ሰላም ኣብምርግጋፅ ብዝለዓለ መንገዲ እትነጥፍ ዝነበረት ሃገር ሰላማ ደፍሪሱ ህዝብታታ ብዝተፈለላየ መንገዲ ካብ ዝነብርሉ ቦታ ዝፈናቀልሉን ሰሪሖም ብሰላም ናብ ገዝኦም ንምምላስ ውሕስና ዝስእንሉን ኩነታት ብምፍጣሩ ንነዊሕ እዋን ብህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ትምራሕ ዓዲ ኮይና እያ ዘላ ፡፡

እቲ ዝነበረ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ከም ውፅኢቱ ሓዱሽ ጠቅላይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ዝመፅሉ ኩነታት ብምፍጣሩ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ምናልባት ለውጢ ዶኾን ይመፅእ ዝብል ሓድሽ ተስፋ ኣሕዲሩ ንቲ ሐዚ ዘሎ ክስተት ብዝለዓለ ትኩረት ዝከታተለሉ ኩነታት እዩ ዘሎ ፡፡

ብተግባር ክሳዕ ሐዚ ዝረአ ዘሎ ኣካያዳ ግና ነቲ መሰረታዊ ናይ ህዝቢ ፀገም ናይ ሰናይ ምም/ር  ሽግር ዝፈትሕ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናይ ዓሚቅ ድኽነት ብፍላይ ኣብዝሐዚ እዋን ዓይኒ ኣፍጢጡ ዝረአ ዘሎ ስራሕ ዝእነትን ናብራ ናይ ምኽባርን ብዓዲ ደረጃ ነግነግ ዘብል ዘሎ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ሕፅረትን ካልኦት ናይ ዴ/ክራሲን ናይ ሰላምን ሕቶታት ብመሰረቱ ዝፈትሕ መደብ ወፂኡ ከም ሃገር ናይ ሓፂርን ማእከላይን ጊዜ ፕላን ተቀሚጡ ናብ ጭቡጥ ለውጢ ዝወስድ ምንቅስቃስ ኣብ ክንዲ ምጅማር ነዙይ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ካልኦት ዘይመሰረታዊን ነቲ ቀንዲ ስራሕኻ እናሰራሕካ ጎኒ ንጎኒ ክስርሑ ዝክእል ገሊኦም ንርካሽ ተቀባልነት ንምርካብ ጊዜን ሃፍቲ ዓዲ ብዘባክን መንገዲ ዝፍፀሙሉ ኩነታት ከምዘሎ ብተግባር ንዕዘቦ ዘለና ጉዳይ እዩ ፡፡

ናይቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው መበገሲ ብቀንዱ ድኽነት፣ ስእነት ሰናይ ምም/ርን ምጉዳል ዴ/ክራሲን ክሳዕ ዝኮነ ነዙይ ብመሰረቱ ክሳዕ ዘይፈታሕኻ ፆሙ ዝሓድርን ዝውዕልን ዜጋ እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ሃገር ኮይንካ ሙሩፃት ቃላት እናደርደርካ ተተዛረብካዮ ንዑዑ ዝፍይደሉ ነገር የለን ፡፡

ስለዚ ናብቲ ስልጣን ብዝመፃእካ ምፃእ ካብታ ስልጣን ዝሓዝካላ እዋን ጀሚሩ እንታይ ዝኣክል ኣብ ናይ ዜጋታት ሂወት ብተግባር እትረአ ለውጢ ኣምፂእካ እዩ ንሓደ መራሒ እቲ መሰረታዊ መምዘኒኡ ዝኸውን ፡፡ ብመሰረቱ ኣብዚክልተ ወርሒ ዘይመልእ ጊዜ ዓብይ ለውጢ ክመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ እኻ ተዘይኮነ እቲ ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛን ኣጀማምራን ትኩረትን እንትምዘን ግና ኣብ ሆይ ሆይን መን እንታይ ተዛረበን ናይ ዘረብኡ ቁመትን ወርድን እናለካዕኻ ንሰማዒ ብዘድንፁ መንገዲ ዝጠፍእ ዘሎ ጊዜን ዝባክን ዘሎ ሃፍቲን እቲ ጉዕዞ ናበይ ይከይድ ኣሎ ንምምዛኑ ዘፅግም ኣይኮነን ፡፡

በዚ ኣካይዳ እዙይ መንግስቲ ክዓሞ ዝግባእ ስራሕ ብቅልጡፍ ዓሙሙን ተጨባጢ ለውጢ ከምፅእ እንተዘይኪኢሉ ናብቲ ዝነበረ ፀገም ምምላስና ዘይተርፍ እዩ ፡፡ ሰለዚ ሐዚ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን እየ ዝብል ሓይሊ ካብ ተራ ስብከትን ሆይ ሆይን ወፂኡ መሰረታዊ ሽግር ዝፈትሕ መደብ ኣውፂኡ መላእ ህዝብን ነዙይ ዝመርሕ መሓውርን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናብ ምንቅስቃስ ብምእታው ለውጢ ክመፅእ ኣበርቲዑ ክንቀሳቀስ ተዘይኪኢሉ ወርቃዊ ጊዜ የባክን ከምዘሎን ንሱ’ውን ከምቶም ዝሐለፉ ብህዝቢ ፍርዱ ከምዝረክብ ብግቡእ ክርድኦ ዘለዎ እዩ ዝመስለኒ ፡፡

(  ፍስሃ መረሳ )

ተጋዳላይ ኣለም ገብረዋህድ ብዛዕባ ሰብ ሕድሪ፣ ዓረናን ኣግኣዝያንን እንታይ እዩ ኢሉ?!

የርድእ ዝቐበረ፣ ይመስክር ዝነበረ፤ እዩሞ እስኪ እቲ ሓቂ ክንነግረኩም፡፡

ሓቂ ሓደ፣

ተጋዳላይ ኣለም ሰብ ሕድሪ ዝብሃል ሽም ኣየልዓለን፡፡ ብሽም ሲቪክ ማሕበር ፖለቲካዊ ዝመስል ምንቅስቓስ ዝገብሩ ኣካላት ከምዝለዉ ግን ተዛሪቡ፡፡ እዚ እንትዛረብ ፀላእቲ ፈተውቲ ዝብል ሽም ኣይሃበሙን፡፡

ሓቂ ክልተ፣

ዓረና እውን ነቲ ዝነበረን ሕዚ እውን ዘሎ ወድዓዊ ምንቅስቓሶም መሰረት ገይሩ ሽሞም እንተልዕሎም ብፈታዊ ኮነ ብፀላኢ ዝብሃል ሽም ኣይፀወዐሙን፡፡

ሓቂ ሰለስተ፣

“ኣግኣዝያን ከመይ ኢና እንሪኦ”? ዝብል ሕቶ ኣብቲ መድረኽ ካብ መናእሰይ ቀሪቡ፡፡ ተጋዳላይ ኣለም፣ “ብመሰረቱ ኣግኣዝያን ኤርትራውያን ዝመስረትዎ ምንቅስቓስ እዩ፡፡ ነዚ ኣተሓሳስባ ዝቕበሉ ገለ ኣካላት ኣብ ዓድና እውን ንርኢ ኣለና፡፡ እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሓዉ ህዝቢ ኢትየጵያ ብምፍላይ ምስቲ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ዝነብር ትግርኛ ተዛራቢ ህዝቢ ክንሓውሰካ ኢና እዮም ዝብሉ፡፡ ምስ ኤርትራ ብሙሉኡ እውን ኣይኮነን፡፡ ናይዚኦም ተልእኾ ብመሰረቱ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሉ ንምንፃል ዝዓለሙ ሰባት እዮም፡፡ ስለዚ እዚ ምንቅስቓስ ሓደገኛ ስለዝኾነ ነዚ ብኣግባቡ ተረዲእኹም ቃልሲ ክተካይድሉ እዩ ዝግባእ” ኢሉ፡፡

ድምር ፖለቲካዊ ትንተና ተጋዳላይ ኣለም ኣብ ኣሰላልፋ ሓይልታት እዚ እዋን፣

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ኣብ መንጎ እቲ ወያናይ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ ሓይልን ፅግዕተኛ ኣካቢ ክራይን ዝካየድ ዘሎ ግጥም እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዚ እቶም ናይ ደገ ፀላእቲን ኒዮ ሊብራል ሓይልታትን እውን ምስቲ ፅግዕተኛ ኣካቢ ክራይ ዝድረብሉን ነዚ ዝድግፍሉን ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ናይዚኦም ቀንዲ ዕላማ ካብ ናቶም ድሌት ተበጊሶም ነቲ ኣብዚ ሃገር ተሃኒፁ ዘሎ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ምፍራስ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ብግልፂ ኣብዚ ሃገር ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ሓይሊ ዓብይ ግጥም እዩ ዝካየድ ዘሎ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ኣብ መንጎ ካልእ ኣሰላልፋ የለን፡፡

እቲ ፅግተኛ ሓይሊ ኣብቶም ዝሓለፍናዮም ዓመታት ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ሃገርና ዕርግር ንኽፍጠር በዚ ኣቢሉ እውን ነቲ ስርዓት ከፍርስ ዓብይ ስራሕ እናሰርሐ መፂኡ ኣሎ፡፡ ሕዚ እቲ ስርዓት ክፈርስ እተድኣ ኮይኑ ትግራይ ማእኸል ዕርግርን ህውካትን ክትከውን ባህጊ ኣለዎ፡፡ ዝተጀመሩ ነገራት እውን ንርኢ ኣለና፡፡

ትግራይ ማእኸል ዕግርግር እንተድኣ ዘይኮይና እቲ ስርዓት ክፈርስ ኣይኽእልን ዝብል ገምጋም ገምጊሞም እዚ ንምትግባር ካብ ምድላዋት እውን ዘሊሎም ገለ ተግባራት እውን ጀሚሮም ኣለዉ፡፡ ነዚ ክቕበሉ ዝኽእሉ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ድማ ንርኢ ኣለና፡፡ ኣብነት ዓረና ናይዚ መሳርሒ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

ኣብ ካልኦት እውን እዚ ብከቢድ ዋጋ ዝሃነፅናዮ ስርዓት ከይፈርስ ጥቡቕ ስራሕ ክነስርሕ ኣለና፡፡ ንስኹም ነዚ ኩነታት ብኣግባቡ ተረዲእኹም ዝግባእ ቃልሲ ክተካይዱ ኣለኩም፡፡ እቲ ቃልሲ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን፤ ይኹን እምበር ነቲ ወያናይ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ኣጥቢቕና ብምሓዝ ዝተዋደደን ጠንካራን ቃልሲ ኣካይድና ነቲ ፅግዕተኛ ሓይሊ ክንስዕሮ ኢና ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ፡፡

እሞ ተጋዳላይ ኣለም ሓቁ ድዩ ወይስ ተጋግዩ?
ግርም እባ ገይሩ! ነቲ ሓቂ ብዝግባእ ኣውፂኡ እባ ክገጥሙና ዝኽእሉ ፈተናታትን ክንክተሎ ዝግበአና ኣንፈት ቃልስን ኣብሪሁ፡፡ እዚ ብምባሉ ንምንታይ ይውቀስ? ኣብ ልዕለይና ኣንፀላልዩ ዘሎ ፈተና ቀሊል ድዩ? ነዚ ብኣግባቡ ተረዲእና ቃልሲ ምክያድ ኣየድልየናን ድዩ፡፡ እሞ ብሽም ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ክግዘትን ክምሕልን ዝውዕል ሰብሲ በዛ መደረ ተጋዳላይ ኣለም ከመይ ይኸፍኦ? ዋኒኑ ጉዳይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝኾነ ሰብ እቲ ብመስዋእትና ዝሃነፅናዮ ስርዓት ትግራይ ማእኸል ህውከት ብምግባር ከፍርስዎ ይህቅኑ ኣለዉ እሞ ነዚ ተረዲእኹም ብንቕሓት እናተኸታተልኩም ቃልሲ ኣካይዱ ኢሉ ንኣባላቱ መልእኽቲ ንዘሕለፈ ናይ ውድብ መራሒሲ ብኸመይ መንገዲ እዩ ተኸሳሲ ክኸውን ዝኽእል?

ኣብዚ ኣብ ትግራይ ብጭቡጥ ነቲ ወያናይ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምንቁሻሽ ዝውዕሉ ሰባት ኣይንርእን ዲና ዘለና? ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕለና ዘተዋደደ ናይ ፀላእቲ ሓይልታት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ትግራይ ብዞባን ወረዳን ክኸፋፍሉ ላሕ ዝብሉ ኣካላት ኣይንርእን ዲና ዘላና? ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሓይልታት ከ ምድግጋፍ ኣየነስተውዕልን ዲና ዘለና? እዚ ስለዝኾነ እውን እኮ እዩ ብሓባር ፈኸራ ዝካየድ ዘሎ፡፡

ስለዚ ኣነ ድማ ይብል፤ ውድብና ናብ ዘይተደለየ ፈተናታት ትኣቱ ዘላ ከምዚ ዝበለ ግልፂ ናይ ፕሮፖጋንዳ ስራሕቲ ይውሕዱ ስለዘለዉ እዩ፡፡ ኣብ ዙርያ መለሽ ናይ ቃልሲ ኣንፈትና ዝግባእ ምርድዳእ ስለዝውሕደና እዩ ብትሕቲ ዓቕምና ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሽንፈት እውን እንኣቱ ዘለና፡፡ ስለዚ ተጋዳላይ ኣለም እዚ ጀሚርካዮ ዘለኻ ግልፅነት ዝተመልኦ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ደኣ ቀፅለሉ እየ ዝብል፡፡

* * * * * *

እዚ ፅሑፍ ናይ  ኣባዲ ገ/ስላሴ ኣባል ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን እዩ ። ኣብዚ ዛዕባ ካሊእ ሪኢቶ ወይ ሓሳብ ዘለዎ ወገን ዘለዎ ፅሑፍ ከቅረብ ይኽእል እዩ ።

ደብርፅ እንተይ ወዓለ እንተይሓደረ ክገብሮ ዝግበኦ !!


ብAbreha Hailezgi
ክፍሊ ክልተ:-

ህዝቢ ትግራይ እንተስ በቲ ዝነበረ ኩነታት ኮነ በቶም ቅዱማት “መራሕቱ”(ገዛእቱ ምባል ዝቐልል ይመስለኒ) ኣዝዩ ተማሪሩ ስለ ዝነበረ ወይ ካዓ “እንታይ ከ ካሊእ መማረፂ ኣለኒ ንግዚኡ” ካብ ዝብል ክኾን ይኽእል ወይ ድማ ኣነ ዘይተረደአኒ ካሊእ ምኽንያት ክህልዎ ይኽእል፥ ብዝኾነ ግን ዶ/ር ደብረፅዮን ናብ ትግራይ ያ መፂኦም ካብ ዝብሃል ቁፅሩ ዘይንዓቕ ሰብ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ደብርፅ ልዑል ተስፋ ዘሕደረ መሲሉ ይረአየኒ ኣሎ፡፡

ብርግፅ ደብርፅ ብውልቅኡ ኣዝዩ ሃርኳት ሰራሕተኛ፥ ቅኑዕ፥ ሓቀኛ፥ ኣስፊሑ ዓማማይ(ambitious)፥ ጠልቆምቆም ዘይብል፥ ብቑዋሙ ተሪር ወዘተ ከም ዝኾነ ብዙሓት ንኡኡ ዝፈልጡ ሰባት ይምስክርሉ እዮም፡፡ ኣነ ብውልቀይ እኳ ብዙሕ ኣይፈልጦን፡፡ እንተነኣሰ ግን ብጣዕሚ ንፉዕ ተምሃራይ ምንባሩ(ነይሩ ጥራሕ እንተይኮነስ ሀዚ እውን ኣብቲ ብትምህርቲ ክብፃሕ ዝኽእል ላዕለዋይ ብርኪ ብምብፃሕ ኣመስኪሩ እዩ)

ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መዝታት ፌደራል መንግስቲ ብምንባሩ ዘጥረዮም ዓቕምታት፥ ክእለታትን ሃገራውን ዓለም-ለኻውን ፍልጠት ናይ ምርካብ ዕድንልን(exposure) ብድምር ዝሓዘ ብምዃኑ ብውልቅኡ እንተወሲደ ብተነፃፀሪ ኣዕርዩ ዝሐሸ ክኾን ከም ዝኽእል ኣነ እውን ክግምት ይኽእል እየ፡፡ እዙያት ኩሉ ግን ዕውት መራሒ ንኽትከውን ናይ ግድን ውሕስና ኣለዎ ማለት ኣይኮነን፡፡ ግን ካዓ ወሳኒ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ካብዙይ ብምብጋስ እየ እምባኣር ደብርፅ ኣብ ሓደ ሓደ ርኡያት ዝኾኑ ዕማማት እንተነጢፉ ተስፋ ክህልዎ ይኽእል እዩ ብምባል እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣብ ግምት ከእቱ ኣለዎ ኢለ ክፅሕፍ ዝኸኣልኩ፡፡ ኣብዙ ሐዚ ሰዓት ካሊእ ጭቡጥ ትግራዋይ ሓይሊ ክሳዕ ዘየለ ድማ እንተነኣሰ ናብ ሽግግር ክወስደና ዝኽእል(ተበግሶ እንተሃልዩ) እቱ ንሱ ዝመርሖ ውድብን መንግስትን እዩ ኢለ ይኣምን፡፡

ተወዲባና ብምቅላስ ጠንካራ መማረፂ ሓይሊ ትግራይ ክሳዕ ንፈጥር እውን ህወሓት ዝተወሰነ ፅገናታት እናገበረት ሰለይ ክትብል ንደሊ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ ደብርፅ ኣብዘን ዝሲባ ኣድሂቡ ብህፁፅ እንተዝሰርሕ ዝብል ለበዋ የቕርብ ብወገነይ:-

ሓደ:  ፣

ከተማታትና ሙሉእ ብሙሉእ ሞያን ዓቕምን(merit) ቱኽረት ዝገበረ ኣመራርሓ ይመደበለን፡፡ ብፍላይ ድማ ከተማ መቐለ ካብ ርእሰ ምምሕዳር ዘይንኣኣስ ዓቕሚ ዘለዎ እሞ ድማ ፍቱን በዓል ሞያ ከንቲባ ክትረክብ ይግባእ፡፡ ኣብ ገፀር ወረዳታት ክህልዋ ዝኽእላ መደባት ውሑዳትን ቀለልትን እየን ዝብል እምነት ኣለኒ፥ ስለዝኾ ድማ እዙይ ዝብሃል ንምሕድራ ዘፅግም complexity የለን፡፡ ምምሕዳር ከተማ ግን ብብህሪኡ ዝተፈለየን ብዙሓት ጠለባት ዝሓቱ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ማሕበረሰብ ዝነብርሉን ምስ ምዃኑ ነዙይ ዝምጥኑ ብኹለመድያዊ ብቕዓቶም ዝተመስከረሎም ሰባት ክምደቡ ኣለዎም ይብል፡፡

ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ንምርካብ ከምቲ ዝተለመደ ካብ ውሽጢ ፑል መሪሕነት እቲ ውድብ ምእላሽ ናይ ግድን ኣይኮነን፡፡ ካብቲ ልሙድ ኣካይዳ ውፅእ ምባል ከድሊ ግድን እዩ፡፡ እዚኣ ምግባር ድማ ከምውድብ እታ ዝነኣሰት መስዋእቲ እያ መስዋእቲ እንተተባሂላእኳ፡፡

ክልተ ፣

ሓለፉ 30/40 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ብርክታት ሓልፍነት(ካብ ክፍሊ ህዝብነት ጀሚሮም) ይሕመቕ ይፀብቕ ንህዝቦም ዘገልገሉ ሐዚ እውን ግን ኣብ ቁልፊ ሓላፍነታት ዘለዉ ተጋደልቲ ብኽብሪ ብመልክዕ ‘ጥሮታ’ ክተሳናብት ይግባእ ደብርፅ፡፡ እዞም ሰባት እዚኦም ዋላ እኳ ክሳዕ ሐዚ በታ ዘላቶም ዓቕሚ ንህዝቦም ብምግልጋሎም ክብርን ኣድናቖትን ዝግበኦም እንተኾነ(እንተነኣሰ እቶም ቅኑዓት ይግበኦም እዩ) ሐዚ ግን ነቲ ዘበን ዝምጥን ዓቕሚ ኮነ ኣርኣእያ ክህልዎም ስለ ዘይኽእል(ከም ዘይብሎም ድማ በቢ ቦትኡ የመስክሩ ኣለው) ካብ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ክገልሱ ይግባእ፡፡

ኣብ ክንድኡ ካብ ውሽጢ ኣብላት እቲ ውድብ ተስፋ ዘለዎም መናእሰይ ሙሁራት እቲ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ክሕዙ ይገበር፡፡ ህወሓት ከባቢ 800 ሽሕ ኣባለት ከም ዘለውዋ ይዝረብ እዩ፥ ካብዙ ኹሉ ኣባል ድኣ እሞ ከመይ ኢሉ ዝምጥን ሰብ ተሳኢኑ ይብሃል እቲ ቅንዕና እንተሃልዩ? ሐዚ እውን ከምቲ ልሙድ ካብቲ ላዕለዋይ ወይ ማእኸለዋይ ኣመራርሓ ምእላሽ ናይ ግድን ዘይከድሊ ይኸውን፥ ዋላ ካብቲ ታሕቲ ኣባል ግን ካዓ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ መናእሰይ ምምፃእ ይካኣል እዩ፡፡

ድፈር ደብርፅ፥ ነቲ ዝተለመደ ኣካይዳ(tradition እቲ ውድብ) ስበሮ፡፡ እዙይ ካዓ ካብ ኦህዴድ እውን ምምሃር ይካኣል እዩ(መምህር ዝነበረ ካብ ተምሃራዩ ኣይማሃርን ኣይባሃልን፡ ኪኪኪ፡፡

ሰለስተ ፣

ኣብዙ ሐዚ እዋን ተባራዓይ ሕቶ ህዝቢ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ዳግመ ውዳበ ወረዳታት(ምናልባሽ ዞባታት እውን) ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ የድሊ፡፡ ብመሰረቱ ኣወዳድባ በቢ እዋኑ ክኽለስ ዝግበኦ ስልቲ እምበር ነቕ ዘይብል መትከል ተገይሩ ክውሰድ የብሉን፡፡ ስለዝኾን ድማ ቅድሚ 24 ዓመታት ዝተወሰነ ኣውዳድባ ሽዑ ትኽክል ነይሩ እዩ ማለት(ሽዑ እውን ምስ መዓት ሓላፍ ዘላፉ) ሀዚ እውን ትኽክል እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡

ብስሩ እውን ምስ ሓደ ገስጋሳይ እየ ዝብል ውድብ(ህወሓት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ገስጋሳይ እዩ ኣይበልኩን፥ እየ ይብል እየ ዝብል ዘለኹ) እዙ ከምዙይ ዝበለ ኣርኣእያ ፈፂሙ ሓቢሩ ኣይኸድን፡፡ ሕቶ ህዝቢ ሎሚ ኣይምለስ ፅባሕ ኣይምለስ ኢሉ ብትዕቢት ዝምልስ “ቁልፊ ኣመራርሓ” ኣብ ጓጉኡ ሓቚፉ ዝሓዘ ውድብ ገስጋሳይ ክኾን ኣይሕሰብን፡፡ ገስጋሳይ ውድብ በቢ እዋኑ ዝፍጠሩ ለውጥታትን(dynamism) ጠለብ ህብታትን ኣብ ግምት እናእተወ ዝኸድ እምበር ቅድሚ 40 ዝበልክዎ ሐዚ እውን ንሱ ትኽክልን ትኽክልን እዩ፥ ንመፃኢ 40 ዓመታት እውን ብሕታዊ መማረፂ ንሱ እዩ ኢሉ ዝኣምን ኣመራርሓ ዝሓዘ ውድብ ክኾን ኣይኽእልን፡፡

እዙይ ዓይነት ውድብ ህልም ዝበለ ‘ኣድሃሪ'(reactionary) ውድብ እዩ፡፡ ስለዚ ደብርፅ እዙይ ተረዲእኻ ንህዝቢ ተስፋ ዝህብ ቃል ክትኣቱ ይግባእ፡፡ ሎሚ ዘይክትምልሶ ትኽእል፥ ፅባሕ ከም ዝምለስ ግን ነቲ ህዝቢ ብቓልካ ክተረጋግፀሉ ኣለካ፡፡ እንተዘይኮይኑ ህዝቢ እቲ ኣውሽጥኻ ትሓስቦ ዘለኻ ናብ ባይታ ክሳዕ ተውርዶ ብትዕግስቲ ዝፅበየካ ኣይመስለንን፡፡ በቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ዘሰክፍ ሃገራዊ ኩነታት እዩ ልቢ ኣዕብዩ ንግዚኡ ሱቕ ክብል ኪኢሉ እምበር ህዝቢ እዙ ሕቶ ዝገደፎ ከይመስለካ ደብርፅ፡፡ ነቶም ዝተለመደ ኩምራ ፀብፃብ ሕሶት እናምፅኡ ዘሰሓሕቱ እውን ከይትኣምኖም፥ ባዕልኻ ውርድ ኢልካ ኣዘራርቦም፡፡ ንዓኻ እውን ዓብዪ ክብሪ እዩ፡፡

ኣርባዕተ ፣

ካብቲ ዝተለመደ ነቲ ውድብ እውን ናብ ክሳራ ዘብፀሐ መዕነዊ “ፀላእትና” ዝብል ኣገላልፃን ኣተሓሳስባን ውፅእ ኢልካ ነቶም ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ምስቲ ውድብ ቅርሕንቲ ዝፈጠሩ ውልቀ ሰባት ኮነ ኣካላት ፃዊዒት ብምግባር ካብ ልቢ ዝመንጨወ ይቕረ ትብሃሃልሉ መድረኽ ወይ ልዝብ ምድላው የድሊ፡፡

በዙይ መዳይ ደብርፅ ብዙሕ ሽግር የብሉን ዝብል እውን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ስለ ዝሰምዕ ከምዙይ ዓይነት መድረኽ ብቕልጡፍ ክተመቻቹ ኣለካ ዶ/ር ደብረፅዮን፡፡
#ሓሙሽተ፡ ምስቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ዓበይቲ ዓድን ብምእካብ ልዝብ ምፍጣር እውን ከድሊ እዩ፡፡

እቶም ሓደ ሓደ መቃሓሓርቲ ዝመስሉ ኣብዙ ፌስቡክ እውን ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዘለዉ ትኽክል ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየግድስ ምስዞም ሰባት እዚኦም ብግልፂ ብምልዓል ምዝርራብ ከድልየካ ከም ዝኽእል ይግምት፡፡ “መሰረት ዘይብሎም” እዮም ተባሂሉ ሸለል ክብሃሉ የብሎምን፥ መሰረት ስለ ዘይብሎም እዮም እንድያውም ትኹረት ክሃዋቦም ዘለዎም ዝብል ሪኢቶ ኣለኒ፡፡

ብተመሳሰሊ ምስቶም ዝተፈላለዩ ተበግሶታት(initiatives) ብምሓዝ ዕላዊ ዝመስል ምንቅስቓስ ዝጀመሩ ውልቀ ሰባት እውን ፀዊዕኻ ምዝርራብ ከድልየካ እዩ፥ ዝርርብ ዝመስልዎ የለን ቀንዲ ዓላምኻ ሓበራዊ ርዲት ምፍጣር ክሳዕ ዝኾነ፡፡ 

ሓበራዊ ርድኢት ማለት ምስምዕማዕ ማለት ዘይክኾን ይኽእል፡፡ ብእንግሊዝኛ ንምብራህ mutual understading ንምፍጣር እምበር ኣብ agreement ንምብፃሕ ዘይክኾን ይኽእል እዩ ማለተይ እየ፡፡ ኣብ ኩሉ ክንስማዕማዕ ግድን ኣይኮነን፥ ክንረዳዳእ ግን ኣለና ናይ ግድን!!

መዘኻኸሪ:- ነቲ ህዝቢ ልዑል ተስፋ ገይሩልካ ዘሎ ዝምጥን ቅልጡፍን ውፅእ ዝበሉን ስጉምታታ እንተዘይውሲድካ ከምኡ እውን ንቐፃሊ ተስፋ ኣትሒዞም ዋእ ኣታ እስኪ ንረአዮ ዘብሉ ዓበይቲ ኣብ ትግራይ ክስርሑ ዝተሓሰቡ ናይ ልምዓት ንጥፈታት ትልምኻ ንህዝቢ ክተፋልጥ እንተዘይኪኢልካ ግን ኣብ ሓፂር እዋን ተስፋ ህዝቢ ከም ህዎ ንጉሆ ዝሃፍፍ ምዃኑ ክትግንዘብ ይግባእ፡፡